Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ

Source excerpt: ብ22 ሕዳር 2012 ወናኒ ቤት መግቢ ካስኮ ዝዀነ ሰመረ ዝብሃል ስደተኛ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሓንቲ መሓዛኦምን ካብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ናብ ከሰላ ገጾም እናተጓዓዙ ከለዉ ተጨውዮም።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ

    ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ, ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ. EHREA archive: /library/documents/doc-cf5d6b02ee7554cf2e13abee/#b-1881cf8a47af5251137e39ab. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 081deb14dbcb6ecd489c1b1a54c74a2e086e5bad66daa5c2bdeee9a367e3c5e2. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ

Source http://www.harnnet.org/index.php/news-and-articles/top-headlines/4502-2012-12-03-12-13-24

Written by ወዲ በርሀ ካብ ሸገራብ

ብ22 ሕዳር 2012 ወናኒ ቤት መግቢ ካስኮ ዝዀነ ሰመረ ዝብሃል ስደተኛ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሓንቲ መሓዛኦምን ካብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ናብ ከሰላ ገጾም እናተጓዓዙ ከለዉ ተጨውዮም። ሰመረ ካስኮ፡ ንሓደ ኣባል ጸጥታ ዝዀነ ሱዳናዊ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ ዝፈጸሞ ዓመጻዊ ስጋዊ ርክብ ከሲሱ ስለዝነበረ፡ ብቤት ፍርዲ ተጸዊዑ ኢዩ ናብ ከሰላ ምስ ሰበይቱን መሓዝኦምን ዝኸይድ ዝነበረ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደ ኣባል ጸጥታ ሱዳን ተሰንዮም ብመኪናኡ እናተጓዕዙ ከለዉ ኢዮም ብቐትሪ ተጨውዮም። እቲ ክሱስ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ስርሒት’ዚ፡ ኣብ’ቲ ፍርዲ ዝውሃበሉ ዕለት ምፍጻሙ ድማ፡ ኢድ ናይ’ቶም ተኸሰስቲ ማለት ጸጥታ’ታ ሃገር ከምዘለዎ ብሩህ ኢዩ።

ብ25 ሕዳር 2012 ድማ፡ ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰብ ካብ ውሽጢ መደበር ሸገራብ፡ ካብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ፡ 6 ስደተኛታት ጨውዮም ወሲዶም። ኣቶም ካብ መደበር ስደተኛታት ወጻኢ ዝጭወዩ እሞ ኣዲኦም ትቝጸሮም።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሱዳን ኣቲኹም ብዝብል ምስምስ ብቤት ፍርዲ ዝባረሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእለያ የብሎምን። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም፡ ካብ ሓለዋ ወተሃደራት ዶብ ኤርትራን ነጋዶ ደቂ ሰብን ኣምሊጦም፡ ንፖሊስ ወይ ጸጥታ ወይ ወተሃደራት ሱዳን ኢዶም ዝሃቡ ወይ ብኦኦም ዝተተሓዙ ኢዮም።

ቢት ፍርዲ ድማ ንነፍስወክፍ ስደተኛ፡ 500 ጅኔ ክኸፍልን ክባረርን ኢዩ ዝውስነሉ። ንዝተወሰነሉ መቕጻዕቲ ክኸፍል ዘይክእል ስደተኛ፡ ኣምሳያኡ ን3 ወርሒ ይእሰር፡ ብድሕሪኡ ከኣ ይባረር። እዚ ዘይሰብኣዊ ተግባር’ዚ፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ መቕሎ ኣውሪድካስ ናብ መጋርያ ምድርባዩ ኢዩ ዘርኢ።

እዚ ጕዳይ’ዚ ብተደጋጋሚ ንወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተነገርና፡ ዝውሃበና መልሲ ግን፡ ንሕና መንነት ዘይሃብናዮ ሰብ ክንከላኸለሉ ኣይንኽእልን ኢና። ግደፍ’ዶ መንነት ዘይብሉ፡ መንነት ዘለዎ ውን እንተዀይኑ፡ ካብ’ዚ መደበር እንተወጺኡ ክንከላኸለሉ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ኢዩ።

እቶም ስደተኛታት ድማ፡ እቲ ብሰብኣዊ ማሕበራት ዝውሃቦም ሓገዝ ስለዘይኣኽሎም ስራሕ ክደልዩ፡ ክነግዱ ….ወዘተ ካብ’ቲ መደበር ክወጹ ይግደዱ ኢዮም።

ብቤት ፍርዲ ሱዳን ዝባረሩ ኤርትራውያን ካብ ዕለት ናብ ዕልት እናበዝሑ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ይኹን ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ኢዱ ኣጣሚሩ ኢዩ ዝርኢ ዘሎ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ 11 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ተባሪሮም ኣለዉ። ንኽባረሩ ተባሂሎም ኣብ ከሰላ ተኣሲሮም ዝርከቡ ድማ 70 ኣቢሎም ይዀኑ።

ስለ’ዚ፡ ኣውያትና ናብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መንግስታት ዓለምን ኣብጽሑልና።

ወዲ በርሀ ካብ ሸገራብ

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ

    http://www.ehrea.org/meqlo.php

    Preserved local original · source record cf5d6b02ee7554cf2e13abee

    SHA-256: 0244db7e165ed06934455e72fa187f1d576c17288c84e83e320fba4f6e277cc9

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 081deb14dbcb6ecd489c1b1a54c74a2e086e5bad66daa5c2bdeee9a367e3c5e2

Alternate titles: ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ

  • cf5d6b02ee7554cf2e13abee: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions