Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ

    ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ, ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ. EHREA archive: /library/documents/doc-3c987b237ba860b20044db31/#b-7c66bf429a48f64da0b7eb63. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: b6ec2bcf642be1e4eab9fd36ba6e4bdbefe58691afb2f79c3680c39b48ab16ac. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ

  1. Source column 1

    Thursday, 07 July 2011 16:56

http://assenna.com/index.php/2011-03-12-15-30-40/2011-03-12-17-45-46/3913-2011-07-07-16-59-26.html

ብዶር የዕብዮ ወልደማርያም ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኢዮም። ካብአቶም ብኽፋል ክንጠቅስ ምስ ዝድለ፡ እቲ ቐንዲ ዝኾነ ወሰን ዘይብሉ ዕስክርና እሞ ድማ ከምቲ ንቡር ብባልያ ይኹን ብተማልእተኛ ንቤተሰብካ መጠወሪ ገንዘብ ክትሰደሉ ዘየኽእል ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ብምድንጋጉ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ እንተርፎ ናይ ባርነት ሽቕለት፡ ሂወትካ ከተማሓይሸሉ ዘኽእል ንዋያዊ ወይ ድማ ፍልጠታዊ መኽሰብ ዘይትረኽበሉ መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይ ብምስዓቡ ምዃኑ እቲ ኣብ ጡጡሕ ናብራ ዝርከብ ግዳም- ሰፈር’ውን እንተኾነ ዘይስሕቶ ኢዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ግዳይ’ቲ ዘይጭበጥ መስመስ ዝብል ረቂቅ ሕልሚ ንምጭባጥ ካብ ዝዋፈር እንሆ ፍርቂ ዘመን ኮይንዎ ኣሎ። እቶም ነዚ ሕልሚ’ዚ ኡውን ንምግባር ካብ ዝተንቀሳቐሱ መንእሰያት መብዛሕትኦም ኣብ መዐሙቕ መሬት ሰፊሮም ዝርካቦም ድማ ኣብቲ ነቲ ኣብ ካልአይ ዙር ዝተገብረ ዝግበር ዘሎን ዕንወት ሂወትን ንብረትን ተኻፈልቲ ንኽኾኑ ዉላድ ካብ ምፍራይ ሓሊፎም ዝኸሰብዎ ሓንቲ ቅንጣብ ነገር ከምዘየሎ ባዕሉ ህዝቢ ምስክር ኢዩ። ካብዚ ዕውንውን ዝመልኦ ሂወት ዝረብሑ እንተሃለዉ እዞም ኣብ ስልጣን ኮረሻ ተወጢሖም ሸይሸይ ዝብሉ ዘሎዉ ናይ ትማሊ መንእሰያት ናይ ሎሚ ሽማግለታት ዝኾኑ ብዕማኾ ዝቑጸሩ ወልቀሰባት ምዃኖም፡እቲ ብአፉ ተዐቢሱ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝምስክሮ ኢዩ። ታሪኽ ኣብ ምድጋም ዝርከብ መንእሰይ ድማ ካብ ወለዱ ዝወረሶ ዕውንውን ብዕጽፊ ከሰላስሎ ብምርአይና ንብልሂ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዳንደ’ውን ከይገረሞ ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ድማ ዳንደ ይኹን ሽቃጥ ሃገር ከይተረፈ በዚ መንእሰይ ንዐዲ ፈረንጂ ንምስዳድ አብ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግራትን ፈተነታትን ካብ ምትንካፍ ኣይንሓፍን ኢዩ።ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግር ብምትንካፉ ኢዩ። በዚ ዘይተተንከፈ ወይ ክትንከፍ ዘይተዳለወ እንተሎ እቲ ስርዓትን ነቲ ስርዓት ዝጉንብሕ እንዶ ዘይብሉ ሓሸማ ደንበ ጥራይ ኢዩ። እምበአርከስ መልእኽቲ ጽሑፍና ዘተኮረ ኣብ ግዳም-ሰፈር ኤርትራዊ ይኹን ጠንቂ ስደት ንዝኾኑ ንሰበስልጣን ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ስደተኛታት መዕቆቢ ተሰግሲጎም ብሂወት ደቂሰባት ዝነግዱ ኤርትራውያን ከም በዓል ኣብርሃም ግርማይን እክብቲ ፍዮሪ ገዛኢን ዘይኮነስ ነቶም ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያት ስደተኛታት ከምኡውን ‘ክበልዕ ዝበለ ኣፉ ገደል’ ብዝምሰሉ ወለድን ኢዩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይትርእዮ እንተሃለወ ድማ ግዳም-ሰፈር ንዝኾነ ዘመድ ኣዝማድ ነቲ እሳት ንምጉህሃር ከይዐጀቦ ንጠለፍትን፣ ንባርያ ነገድትን፣ ንጅሆ ተሓዝትን ገንዘብ ብምልአኽ ዝገብሮ ምትብባዕ ጠጠው ከብል ዝዓለመ መልእኽቲ ኢዩ። ዎ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን። ካብቲ ዘየምውት ዘየሕዊ ናብራ ስድተኛ መዕቆቢ ዝኸፍኤ፡ ሰብ ምዃንካ ዘጽልአካ ናብራ ኣብ ግብጺ፣ ሊብያ፣ ማልታ፣ ኢጣልያ ምህላዉ ምግንዛብ የድልየካ። ኣብ በረኻ ሲና ዘሎ ኩነታት’ሞ ነቲ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ቅድሚ 150 ዐመት ዝነበር ዘበነ ባርነት ዝዳረግ ኢዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ብመጠኑ ንስድተኛታት ዝምቹእ ኩነታት ከምዘየሎ በዚ ኣጋጣሚ እንተጠቀስና ካብ ሓቂ ኣይረሓቅናን። ምኽንያት እተን ብተለምዶ መዕቆቢ ኮይነን ዝጸንሓ ምዕራባውያን ሃገራት’ውን እንተኾና ዓቢ ናይ ኢኮኖሚ ድቀት ኣጋጢምወን ስለ ዝርከባ ዕድል ናይ ሎሚ ዘመን ስደተኛ ምስ ናይ ቀደም ከተወዳድሮ ሰማይን መሬትን ኢዩ። ብዉሑዳት ደቂ ሃገር ደላሎ ተደሊሎም ምስ ሸፋቱ-በዓቲ በደው ኤርትራን ግብጽን ብምምሽጣር ናይ ባርያ ንግዲ የካይዱ ምህላዎም ንዘይሰምዖ ከስደምም ንዝሰምዖ ድማ ለካ ንኽብል ዘገድዶ ኩነታት ከምዘሎ ክንግንዘብ ንግደድ። ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንኽሳገሩ ካብ ሽሕ ዶላር ዘይንእስ ገንዘብ ተወዓዒሎም ንኸብቅዑ ኣብ ሲና ብቡዙሕ ሃላኽ ምስ በጽሑ ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ካብ 10,000 ክሳብ 20,000 ይበጽሕ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጉዕዞኦም ካብ ዝጅምርሉ ጊዜ ክሳብ ዶብ እስራኤል ዝበጽሕሉ ካብ ሓደ ነጋድ ባርያ ናብ ሓደ ነጋድ ባርያ ስለ ዝመሓላለፉ ዋጋኦም እንዳወሰኸ ይኸይድ። ነፍሲወከፍ ነጋዲ ድማ ከም ጤለበጊዕ እንዳተዋገየሎም ዘይተአደነ መክሰብ እንዳኻዕበተ ይኸይድ። ዘመድ ዘለዎ 20,000 ዶላር’ውን እንተኾነ ከፊሉ ካብ ምምቛሕ ከድሕን፡ ወዲ ማርያም ክሊዐው ድማ ወይ ናውቲ ሰውነቱ ንሃብታማት ክሽየጥ ይቕተል ወይ ከአ ብዓቕሊ ጽበት ካብ ነዊሕ ኣዋርሕ ምድጓን ንኽድሕን ኣብ ዝገብሮ ናይ ምምላጥ ፈተነ ብጥይት አብዳው ሂወቱ ይሓልፍ። መብዛሕቶም ድማ ወይ ናይ ነዊሕ እዋን ምምቛሕ ዕጫ የጋጥሞም ወይ ከአ ካብዚ ሑሱም ናብራ ንኽናገፉ ብዝወስድዎ ሓዲግ ድፍረት ወይ ዕንደራ ግዳይ ኮይኖም ይተርፉ። መንግስቲ ኣመሪካ’ውን እንተኾነ ኩነታት ጅሆታት ሲና ኣብ ዝኸፍኤ ጥርዚ ምብፅሑ ብምግንዛብ ነዚ ኣመልኪቱ መተሓሳሰቢ ኣብ ምውጻእ ይዳሎ ኣሎ። እዚ ማለት ናብ አመሪካ መጺኦም ክሰፍሩ ዝድግፍ መተሓሳሰቢ ከምዘይኮነ ክትግንዘቡ ይግብእ። ኩነታት እዞም ብብዙሕ ሽግር ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝኸአሉ እንታይ ይመስል። ርግጽ ንፋስ ኣዱንያ ብምርካቦም ካብቶም ብሓውቲ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተገመቱ 400 እሱራትን ጅሆ ተተሓዝትን አብ ሲናን ናብራ ቁሩብ ይሕይሽ ይኸውን። ብሓጺሩ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ሽንቲ ማይ ንምኽዓው ይኹን ጸሓይ ንምጽላው ዝቋጻጸሮም ኣካል የሎን። ግንከስ መንበሪ ፍቓድ ተሓሪምዎም ምስኡ ዝተተሓዘ ድማ ንኽሰርሑ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ። ካልእ ይትረፍ ንዘጓነፎም ናይ ዓቅሊ ጽበትን ናይ ሓንጎል ምንዋጽን ዝአሊ ሕክምና’ውን ተነፊጎም ይርከቡ። ንአብነት ክንጠቅስ፡ ብበረኻ ሲና ዝሓልፋ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ናይ ፆታዊ መግሃስቲ ስለ ዘጋጥመን (ብአብዳው)ካብ ገሃሲአ ዝወለደት በዓልቲ ሓዳር ኣብዚ ወርሒ’ዚ ንሳን ናጽላ ውላዳን ብቃል ኪዳና ተሓሪዳ እቲ ክትግሃስ እንኮላ ክከላኸለላ ዘይከአለ በዓል እንድአ ድማ ተሓኒቑ ሞተ። ጉድ ዘብል ኢዩ። እዚ ከይአክል ድማ ን 10,000 ስድተኛታት ዝዳጉን ቤትማእሰርቲ ብእስራኤል መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ምህላዉ ሲጋል ሮዘን ዝተብህለት ግብረ ሰናይ ኣስራኤላዊት ኣባል ዓለምለኸ ኮሚሺን ንስደተኛታት ኤርትራ ኣቃሊዐ። ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ካብ 26,000 ዝበዝሑ ስራሕ ኣልቦ፣ መቐመጢ ኣልቦ፣ ቤት ኣልቦ፣ ናብራ ኣልቦ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ምህላዎም ኣይትዘንግዑ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዐረብ ብሕልፊ ኣብ ግብጽን ሊብያን ዘሎ ክነታት ንምዝርዛር ዓቕልን ናይ ሓንጎል ጽንዐትን የድሊ። ብሓጺሩ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ናብራ ስደተኛታት ንጸላኢኻ እኳ ኣይትምነየሉን። መጀመርያ እዘን ሃገራት እዚአተን ኣብ ዝንቡዕ ምሕደራ ኣብ ርእሲ ምህላውን ኢኮኖሚኤን’ውን ድኹም ኢዩ። ግብጺ ብስራሕ ኣልቦነት ዝተውሕጠት ሊብያ ድማ ነጻ ኢኮኖሚ ዘይብላ ጉልታዊት ሃገር ኢያ። ቀጺሉ’ውን ምስ ስርዓት ህግደፍ ጥቕማዊ ምትእስሳር ስለ ዝነበርንን ዘለወንን ንጥርዝያ ዐይነን ዘይሓስያ ኢየን። ካብኡ ዝተረፈ ኣብ ግብጺ ይኹን ኣብ ሊብያ ምስ ተአሰርካ ጠያቒ የብልካን፡ ብዘይካ ኣባ ሙሴ ዝተብህለ ቀሺ ኮቶልኽ። እዚ ክንብል እንኮሎና ግን ኣባ ሙሴ ካብ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ኣብ እትደልዮ ሃገረ ኣመሪካ ወይ ኣውሮጳ ይወስደካ ማለት ኣይኮነን። ንሱ እሱርን ሕሙምን ምጥያቕ ሃይማኖታዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ጥራይ ኢዩ መዐልትን ለይትን ዘእውይ ዘሎ። ኣደርዕ ናይ ግብጺ ቤትማእሰርቲ ጸዊኻ ኣይውዳእን ኢዩ። ሊብያ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ዘላ ሃገር’ ኣብ ርእሲ ምዃና እቲ ንሞት ዝዳርግ ዓቅሊ ጽበታዊ ጉዕዞ ኣረገውቲ መራኽብን ሳምቡቓትን ውን ካብዛ ሃገር እዚአ ኢየን ዝነቕላ። ንአውሮጳ ንምስጋር ኣብ ባሕሪ ሰጢሙ ዝተረፈ መንእስይ ኣዲኡ’ን እቶም ኣብ ግዳም ኮይኖም ሃገር ንምህናጽ ዝሸባሸቡ ዘለዉ ተቓወምትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ይሕዘንሎም፡ ይንብዑሎም። ዝኾነኮይኑ ግብጽን ሊብያ ሓደ ሓባራዊ ረቛሒ አለዎም። ንሱኸአ ካብ ዘይምንቃሕ ዝተልዕለ ሰብአውነት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ክርስትያን ኣመንቲ ስደተኛታት ርሕራሔ ከምዘይብሎም እቶም ብሕፍንቲ ዝቑጸሩ ካብ ሽግር ኣምሊጦም ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝአተዉ ስደተኛታት የዘንትዉ። እቶም ብሽግር ስደተኛታት ተመሲጦም ቅድሚ ሕጂ እንተኾነውን ኣብ ሽግርና ዝወዓሉ ፈረንጂ’ኸ እንታይ ይመስሉ? ነዚ መረድእታ ዝኾነና ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተፈጸመ ህልቂት ብጽሞና ምስ እንዝንብዮ ጥራይ ኢዩ። ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዋ ዘይተተአማምን መርከብ ተሰቒሎም ንማከላይ ባሕሪ ንምስጋር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ዝጥሕሉ ኣማእታት ዜጋታት ንኽድሕኑ ናይ ፈረንጂ ጽብቕ ፍቓድ እንተዝሕወሶ ነይሩ ምድሓኑ ዝብል እምነት ኣሎና። እዚ ማለት፡ ሓገዝ እተን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሽውሽው ዝብላ ዝነበራ መራኽብ ንግድን፣ ውግእን ተሓዊስዎ ኔሩ እንተዝኸውን ሂወት እቶም ደቂ ሰባት ምዃኖም ዝተዘንገዔ ቆልዓ ሰብይቲን፣ ጠላዕ ጎብዝን ኣብ ባሕሪ ኣምባይ ተሸሚሞም ኣይምተረፉን። እዚ ናይ 350 ሂወት መቕዘፍቲ ከይአክል እቲ ብድሕሪኡ ዝተፈጸመ ኣጸያፊ ተግባር መምሃሪ ክኾነና ይግብእ። ንሱ ድማ ክሳብ 76 ደቂ ሰባት ዝሓዘት ካርካሳ መርከብ ከምቲ ኩሉ ግዜ ሽግር ኣጋጢምዋ ሓገዝ ምስ ሓተተት፡ ናይ ጣልያን ሓለውቲ ወሰን ሄሊኮፕተር ፕላስቲክ ማይ ካብ ሰማይ ደርብያትሎም ንኸተብቅዕ ሃለዋቶም ከይፈለጠት ን 16 መዓልቲ ክንሳፈፉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቅድሚ ዐይኒ እተን ናይ ንግድን ውግእን መራኽብ ሓደ ብሓደ ሂዎቶም ሓለፈ። እዚ ትምህርቲ ክኸውን እንተዘይኪኢሉ ኣየናይ ድአ ኽከውን ይኽእል። ካብ ሞት ክናናን ምናናን የድሕነና። ሓላፍነት ናይ ዐለምለኻዊ ኮሚሺን ንስደተኛታት ኤርትራ ዘምሕጸኖ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ርጉእን ዘተአማምንን ክነታት ዘየተምርኮስ ናይ ዐቅሊ ጽበት ዑደት/ፍልሰት ካብ ምውሳድ ምቑጣብ የድሊ። ንግዜኡ ኣብቲ ዘየምውት ዘየሕዊ መዕቆብ ስድተኛታት ዐቅሊ ጌርካ ምጽናሕ ካብ ሕሰም ትድሕን። ወይ ንጉሥና ይፈርዶ ወይ ከአ በቕልና ትወልዶ ከም ዝብሃል፡ ምናልባት ናብ ሳልሳይ ሃገር ብሱርዕን ብአግባብን መንገዲ ንምስፋር ተኽእሎ ዝህልዎ ኣብ ዘዘልካዮ ምርግእ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። በቕልና ንኽትወልድውን ዘይከአል ኮይኑ ኣይኮነን። ማለት ነዚ ናይ ስደት ጠንቂ ዝኾነ ባእታ ንኸልግስ ይከአሎ ይኸውን ምእንቲ እቲ ወራሲ ኽቐስን።

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ

    http://www.ehrea.org/sedaaaa.php

    Preserved local original · source record 3c987b237ba860b20044db31

    SHA-256: ca9188922aa1c3d8d460ced9d11f2bb0aff6b1969db17036e3d3200ec5f0da3b

    All source URLs and preserved captures
    • ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ · refresh-3
      http://www.ehrea.org/sedaaaa.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/sedaaaa.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: b6ec2bcf642be1e4eab9fd36ba6e4bdbefe58691afb2f79c3680c39b48ab16ac

Alternate titles: ቅሉዕ ደብዳቤ ንስደተኛ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን : መግለጺ ዐለምለኻዊ ኮሚሽን ንስደተኛታት ኤርትራ

  • 3c987b237ba860b20044db31: retained: ambiguous extraction; automatic merging disabled. 0 proven template removals; 1 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions