Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · English / ትግርኛ

EPLF Prisoners executed in the 1970s & 1980s

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: c9d9b6f5083226c253c8d869bc5a9b6706437392146a5309dd32abe557cd109e. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

} --> ehrea

By Erimedrek / November 24, 2017 / 130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም። እዞም ብ9 ሕዳር ዝተኣስሩ ዜጋታት መሬት ጤሳ ተዓዲሎም ፍርቂ ኮነ ምሉእ ዝሸጥዎ ኢዮም። እቶም ዜጋታት ካብ ጎዳይፍ፣ገጀረት፣ቃሕውታ፣ዓዲ ሰግዶ፣ቤት መኻእ፣4ኣስመራ፣ጻዕዳ ክርስትያን ፣ቑሸት, ዓዲ ኣቢቶን ፣ወኪድባን ዝተኣስሩ ዜጋታት ብኣባላት ፖሊስ ከካብ ገዛውቶም ብለይቲ ተለቒሞም ናብ መደበራት ፖሊስ 5ይን 6ይን ከምኡ እውን ዓዲ ኣቤቶ ተወሲዶም ምህላዉ ተገሊጹ። መብዛሕተኦም እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወፊሮም ዝነበሩ ብሙኻኖም እቲ መንግስቲ ዝኣዘዞም ዕዳ ኪኸፍሉ ዘይከኣሉ ኢዮም። እቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ወርሒ 10 ኣሃዱታቶም ኣሲረን ናብ ፖሊስ ዞባ ማእከል ክልእከኦም ተሓቢረን ከምዝነበራ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኣሃዱታቶም ኣብ ኣገልግሎት ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ኣባላትና ኣይንልእካን ብምባለ ምልኣኾም ስለዝተቓወማ ፖሊስ ዞባ ማእከል ናብ ኣሃዱታቶም ው ፊሩ ከምዝኣሰሮም ተሓቢሩ። እዚም ኣባላት ሰራዊት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ግቡእን ከርተትን ብዘይዝኾነ ክፍሊት ሃገራዊ ግቡኦም ኪገብሩ ዝጸንሑ ሙኻኖም ርዱእ ክንሱ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝትመን ዕዳ ንመንግስቲ ኪኸፍሉ ምእዛዞም መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ካብ ናይ ህዝቢ ክውንነት ርሒቑ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ ኣብ ህዝቢ ቁተዐ ከሕድር ስለዝጀመረ ካብ ዕለት 15 ጀሚሩ እቲ ማእሰርቲ ብለይቲ ኪካየድ ከምዝተወሰነ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። እዘን ዜጋታተን ዝእሰሩ ዘለዉ ዓድታት ማለት ጎዳይፍ፣ገጀረት፣ቃሕውታ፣ዓዲ ሰግዶ፣ቤት መካእ፣4 ኣስመራ፣ጻዕዳ ክርስትያን ፣ቑሸትን ፣ወኪድባን ኣብ እዋን ሓርነታዊ ገድሊ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይነን ተኣምራታዊ ጀግንነት ዝፈጸማ ዓድታት ኢየን። ይኹን ግን መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ናይ ሰማእታት ሕድሪ ምጥላምን ነቲ ዘበርከተ ምጭፍጫፍን ስረሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ስለዘሎ እዚ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝበን ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።በዚ ሓድሽ ስጉምቲ ብዘይካ ከም ጸሎት ዝኣመሰላ ውሑዳት ዓድታት መብዛሕተአን ዓድታት ዞባ ማእከል ኣብ ሓደጋ ምህላወን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ዜጋታት ዝኾነ ልቓሕ ይኹን ደገፍ ምስሰኣኑ ነታ ዝተዋህበቶም መሬት ጤሳ ፍርቃ ሸይጦም በቲ ሽያጥ ጎጆታቶም ዝሰርሑ ኢዮም። ይኹን ግን መንግስቲ ኤርትራ እቶም ዜጋታት እቲ ገንዘብ እንተዘይመሊሶሞ እቲ ገዛውቲ ክህገር ዝብል መምርሒ ኣውጺኡ ምህላዉ ይሕበር። ብሰንኪ እዚ ብዘይካ ምእሳር ካልእ ስራሕ ዘይብሉ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣዲኣቤቶ ብእሱራት ስለዝመልአ ኣብ ገማግም ሰመናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ ምድላዋት ይግበር ምህላዉ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሃቢሮም። ሎሚ ኤርትራ እቶም ዝያዳ ዘበርከቱ ዝቕጽዑላን ብዘይ ቤት ዝነብሩላን እቶም ዝኾነ ኣበርክቶ ዘይገበሩ ድማ ኣደራሻት ዝሃንጹላ ሃገር ኮይና ኣላ። እቶም ብኹሉ መለክዒታት ብኽብሪ ክተሓዙ ዝግባእ ኣካለ ስንኩላንን ተጋደልትን ኣብ ዚንጎታት ቃኘው ኣብ ርቓዕ ዚንጎታት እንዳነበሩ 2% ዝኸፈሉ ኣብ ፌስቲቫል ተወፍዮም ዝስዕስዑ ተባሂሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ሃገርገር ዝብል ኣደራሻት ኣስሪሖም ዓጽዮሞ ናብቲ ዝነብሩሉ ወጻኢ ኪመላለሱ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. EPLF Prisoners executed in the 1970s & 1980s

    http://www.ehrea.org/asap.php

    Preserved local original · source record b91c13f9be3cadd6b3127edc

    SHA-256: 9479f82f7113ffb9782aef570232afc106cf74d2c8886d5d51efbb6c416707ce

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: c9d9b6f5083226c253c8d869bc5a9b6706437392146a5309dd32abe557cd109e

Alternate titles: EPLF Prisoners executed in the 1970s & 1980s

  • b91c13f9be3cadd6b3127edc: retained: distinct complete document. 17 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions