--[if !mso]> ??? ??? ???? ???? ???
ወርቁ ዘርኣይ

1949-2024
ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት፡ ካብተን ንፈለማ እዋን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ብረት ዓጢቐን ዝተቓለሳ ቀዳሞት ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ወርቁ ዘርኣይ፡ ኣብ መበል 75 ዓመታ ብሕማም ዓሪፋ። ገዲም ተጋዳሊት ወርቁ ከም ኵሎም ሓርበኛታት ተቓለስቲ ንናጽነት፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ህዝብን ብጾታን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ሓመድ ኣዳም ለቢሳ። እቲ ኣብ ስነስርዓት ቀብራ ዝተነበበ ታሪኻ ግን እኹል ድዩ? ወይስ ካልእ ክንገርን ክምላእን ዝግባኦ ዘይተነግረ ክፋል ኣሎ? ንምዃኑ ወርቁ ዘርኣይ መን እያ? ኣብ ጕዕዞ ብረታዊ ቃልሳ እንታይ ብድሆን ፈተናን ኣሕሊፋ? ነቲ ጸገማት ብኸመይ ሰጊራቶ? ባሕሪ ከብዳ ዝዓቘሮ ምስጢርን ስቓይን እንታይ ይመስል? ንዝብል ቢቢሲ ትግርኛ ንቀረባ ፈለጥታን መቓልስታን ኣዘራሪቡ ዘዋደዶ ጽሑፍ እነሆ፤ ወርቁ ዘርኣይ ኣብ መጋቢት 1973 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ምስ ዝዛዘማ ቀንዲ መሓዙታ ደሃብ ተስፋጽየንን ኣበራሽ መልከን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝወረደ ጐበጣን ዓመጽን ስርዓት ሃይለስላሰ ብረት ዓጢቐን ክገጥማኦ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ንሜዳ ተጸምቢረን።
እዘን ካብ 1971 ኣትሒዘን ጥሒሻ ኣብ ዝተባህለ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ዝሳተፋ ዝነበራ ሰለስተ መንእሰያት፡ እተን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብረት ዓጢቐን ዝተጋደላ ቀዳሞት ተቓለስቲ እየን። ካብ ኣስመራ ዝተሰለፈት መዓሾ እውን ራብዐይተን ነይራ። ወርቁን ደሃብን ካብ መባእታ፡ ምስ ኣበራሽ ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን ብሓንሳብ ዝተጓዕዛ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ህይወተን ይዅን ብምስጢር ተወዲበን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበራ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብሓባር ተዋሲአን። ክንዮ እቲ ዘራኽበን ፖለቲካዊ ዛዕባ ከም ደቀንስትዮን መዛኑን ናይ ልበን ዘዕልላን ኣዝየን ዝፋተዋን መሓዙት እየን ነይረን።
እቲ ጽኑዕ ምሕዝነተን ከኣ’ዩ ክሳብ ነታ ዘይትትካእ ህይወተን ንህዝበን ክኸፍላ፡ ኣብ ሜዳ ብረት ዓጢቐን ክቃለሳ ዝወሰና። ነዘን ሰለስተ መሓዙት ካብ 1964 ኣትሒዙ ዝፈልጠን ዳሕራይ ክሳብ ናብ ሜዳ ዝጽንበራ ናይ ቀረባ መሓዝአንን መተዓልልተንን ዝነበረ፡ ምስ ወርቁ ከኣ ዳርጋ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ምሕዝነቱ ዝቐጸለ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ ብሕልፈት ወርቁ ዘርኣይ ዝተሰመዖ ዓሚቚ ጓሂ ብምግላጽ፡ “ወርቁ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዘጋጠማ ባሕሪ ከብዳ ዝዓቘሮ ስቓይን ቃንዛን ከይተዛረበትሉ፡ ምስ ዓሚቚ ስቓያን እህህታኣን ምሕላፋ ኣዝዩ የሕዝነኒ” ይብል። ምስ እዘን ሰለስተ ብጾት ኣብ ክረምቲ 1964 ንክረምታዊ ዕረፍቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ብኣውቶቡስ ሰታዮ ክጓዓዙ እንከለው እዮም ተላልዮም። ነቲ ሰለስተ መዓልታት ዝወስድ ጕዕዞ ከኣ እናደረፉን እናሰሓቑን ከምዝኸዱዎ ኤልያስ ይዝክር። ወርቁን መሓዙታን ኣብ 1973 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ተጸንበራ፡ እቲ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመትን ሒደት ኣዋርሕን ቅድሚ ምስላፈን ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተፈልዩ ዝወዳደብ ዝነበረ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ንብቕዓቱን ናይ ምምራሕ ክእለቱን ዝብድህ ሕቶታት ተላዕለ።
ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ እቲ ዳሕራይ ብስም ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ዝተገልጸ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት ተጋደልቲ ዝተሳተፍዎ፡ እቲ መሪሕነት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክምረጽን ጕድለታቱ ክእርምን ዝጠልብ ሕቶታት ስለዝተላዕለ እዘን ሰለስተ ምሁራት ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ከኣ ምስቶም ሕቶታት ዘልዓሉ ነበራ።
እንተኾነ እቲ ሕቶ ኣብ ክንዲ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝፍታሕ እቲ ሓይሊ ዝነበሮ መሪሕነት ነቶም ሕቶ ዘልዓሉ ምሁራት፡ ንወርቁ፡ ደሃብን ኣበራሽን'ውን ምስ'ቶም ደቂ ተባዕትዮ ብጾተን ኣሲሮም ነቲ ሕቶታት ደቚሶምዎ። ነቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ኣዕናዊ ጸጋማዊ ምንቅስቓስ ወይ መንካዕ ክብሉ ብምስያም ከምዝኣሰሩወን ነዘን ተጋደልቲ ካብ ዩኒቨርሰቲ ኣትሒዙ ዝፈልጠን ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዶክተር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ። ወርቁን ብጾታን እምበኣር ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምስላፈን እየን ኣብ ኣእምሮአን ሓሲበናኦን ገሚተናኦን ብዘይፈልጣ ኣጋጣሚ፡ ኣራሚ’ዩ ዝበልኦ ሕቶ ስለዘልዓላ ጥራይ ንነብሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝረኸበኣ። እቲ ኣብ 1973 ብጀብሃን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝህደን ዝነበረ ብስንቅን ዕጥቅን ውሑድ ዓቕሚ ዝነበሮ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ኣብያተ ማእሰርቱ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣየጸግምን’ዩ ይብል ዶር. ጋይም። ኣብቲ እዋን እቲ ምስቶም ሕቶ ምእራም ዘልዓሉ ተጋደልቲ ዝተኣስረ ሕጂ ኣብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ዝነብር ዘሎ ተጋዳላይ ህዝባዊ ሓይልታት ነበር ብርሃነ ኣብርሃ፡ እቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ሕሱም ምንባሩ ንምግላጽ፡ “እቲ ማእሰርቲ ይትረፍ ንደቀንስትዮ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ህይወተን ሕሰም መነባብሮ ርእየን ዘይፈልጣ ደቂ ርኹባት፡ ንጸላኢኻ እውን ኣይትምነየሉን ኢኻ” ክብል ይዝክሮ። እተን መንእሰያት ህይወተን በጃ ክውፍያ ስለዝወፈራ ናብራ በረኻን ብድሆታት ባህርን ኣይከበደንን፤ ነቲ ማእሰርትን ኣብኡ ዝተመኰራኦ ነገራትን ግን ኣይተጸበየኦን። ኣብ መወዳእታ ወርቁ ዘርኣይ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ኣዋርሕ ማእሰርቲ፡ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ኣሰላሲላ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይተራእያ ምስቶም ተጋጊና ኢና ዝበሉ ካብ ማእሰርቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ደሃብን ኣበራሽን ግን ኣብ 1979 ምስ ሓያሎ ብጾተን ተረሺነን ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።
“ናይ ደሃብን ኣበራሽን ምርሻን ልዕሊ ማንም ሰብ ንወርቁ ከምዘሕምማን ከምዘሳቕያን ርዱእ’ዩ። ኣብ ንእስነተን ተፈላልየን ዘይፈልጣ ትኽ ትንፋስ መሓዙት፡ ሕቶ ስለዘልዓላ ጥራይ ግዳይ ማእሰርትን ምርሻንን ብምዃነን፡ እሞ ከኣ ስድራ ቤት እቶም ዝተረሸኑ ተጋደልቲ ድሕሪ ነጻነት ግቡእ መግለጺ ስለዘይተዋህቡ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ በሰላ" ገዲፉ ምህላው ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ።

ወርቁ ነቲ ዝቐጸለ ዓመታት ከመይ ኮን ሓሊፋቶ ትኸውን?
ወርቁ ኣብ ህይወታ ተደራራቢ ሽግራት ከምዘጋጠማ ዝገልጽ ቀረባ ቤተሰባ ተጋዳላይ ሰሎሞን ዮውሃንስ፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም ንዘጋጠማ ሽግር ክትነግረሉ ዘይምኽኣላ ምንባሩ ይዛረብ። “ኵሉ ነገር ኣብ ከብዳ እዩ ነይሩ፤ በቲ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዘጋጠማ ኣይትዛረብን እያ። ሓደ መዓልቲ ግን ነታ ብዕድመ ካብአን እትንእስ ብግፍዒ ዝተረሸነት ኣበራሽ፡ “ምስኪነይቲ ለኪምናያ’ባ” እናበለት ክትነብዕ እዝክር!” ይብል። ንሳ ኣብ ሜዳ ናይ ምእራም ሕቶ ብምልዓላ ብኣሕዋታ ክትግፋዕ እንከላ ወላዲኣ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደጋፊ ወንበዴታት ኢኻ ተባሂሎም ብስርዓት ደርግ ኣብ ኣለምበቃኝ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ስቓይ ኣሕሊፎም። ቅድመኣን ድሕረኣን ናብ ሜዳ ዝተሰለፉ ሰለስተ ኣሕዋታ እውን፡ እያሱ ሓዋ ኣብ ሓምለ 1972 ኣብ ግራት ስገም፡ ጊደዎን ኣብ ጥቅምቲ 1982 ኣብ ዓራርብ፡ ኣማኑኤል ከኣ ኣብ ሚያዝያ 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ተሰዊኦም። ንሳ ከኣ ነዚ ኵሉ ስቓይ ተጻዊራ በቲ ከተገልግሎ ዝተጸንበረቶ ውድብ “መንካዕ” እናተባህለት ብፍላጥ እናተጓነየት፡ በቲ ተግባር ተበሳጭያ ተስፋ ከይቆረጸት፡ ኣብቲ ፈጺሙ መሰል ዘየፍቅድ ኣግላሊ ውድብ ስና ነኺሳ ክሳብ መወዳእታ ምቅላሳ ሰሎሞን ይገልጽ። እቲ ብሩህ ወርቃዊ መጻኢኣ ኣወንዚፋ ምእንቲ ህዝባ ክትቃለስ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንሰውራ ተጸንቢራ ብዙሕ ዕድላት ዝኸሰረት ተጋዳሊት ወርቁ ዘርኣይ፡ ዝፈለመቶ ሃገራዊ ቃልሲ ናጽነት ብዓወት ምስተዛዘመ፡ ብሓገዝ ብጾታን ፈተውታን ኣብ ሃገረ ሆላንድ ብዝረኸበቶ ማህደረ ትምህርቲ፡ ብምዕባለ ሕብረተሰብን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብዛዕባ ዘሎ ዝምድና (ጀንደር ኢንኢኳሊቲ) ናይ ማስተርስ ትምህርታ ዛዚማ ናይ ገዛእ ርእሳ ኮንሳልታንሲ ከፊታ ክሳብ ብሕማም እትስነፍ ሰሪሓ። ወርቁ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘሳቐያን ከቢድ ስምብራት ዝገደፈላን ምልካዊ ስርዓት፡ በቲ ምልካዊ ተግባራቱን ናይ ውግእ ባህርያቱን ትጽይኖ ምንባራ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዙ ዝፈልጣ መቓልስታ ብጻያ ተጋዳላይ ሰመረ ሰሎሞን ይገልጽ። ሰመረ፡ “እቲ ዘተን ልዝብን፡ ሕድገትን ምብህሃልን ዘየፍቅድ ምልካዊ ስርዓት፡ ዝዀነ ይዅን ናይ ባህሪያት ለውጢ ክገብር ከምዘይክእል ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ። ኣብ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ነገራት ናብ ንቡር ክምለሱን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ክገላገል እናተመነየት ህይወታ ምሕጻሩ ከኣ ኣዝዩ የሕዝን” ይብል፡ ነዛ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተዘርገሐት፡ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈት፡ ንኣበርክቶ እቶም ኣብ ከቢድ ብደሆ ዝተቓለሱ ወርቁን መሰልታን ዝነግር ዛንታ ዝሓቘፈት ብትግርኛ “ክቡር ዋጋ ኣብ ዝሓተተት ኤርትራ ዘይተመልአ መብጽዓ” እትትርጎም “Eritrea’s Hard – won Independence and Unmet Expectaions” ዘርእስታ መጽሓፉ ከየንበበታ ምሕላፋ እውን ኣዝዩ ከምዘጕሃዮ ይዛረብ። ወርቁ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ሕማም ስለዝበርተዓ ኣብ ኣጋከሃን ሆስፒታል ናይሮቢ ኬንያ ብሓገዝ ኤርትራውያን ኣሕዋት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺባ ነይራ። እንዀነ፡ እቲ ሕማም ልዕሊ ዓቕማ ስለዝኾነ ቅድሚ ምድኻማ ንኣስመራ ተመሊሳ፤ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣስመራ ዓሪፋ። ተጋዳሊት ወርቁ፡ ፈለማ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ዳሕራይ ኣብ ክፍሊ ሕክምና፡ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣብ ኮሚሸን ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመዲባ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ከምዝሰርሐት ኣደ ሓንቲ ውላድ ምዃናን ኣብ ዕለተ ቀብራ ዝተነበ ታሪኻ የረድእ።
ሕቶ፤ ብጸይቲ ወርቁ፡ ንስኺ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ 1973 ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሰለፋ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ኢኺ። ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ጽንኩር ኵነታት ከመይ ኢልኪ ነቲ ኣሸጋሪ ውሳነ’ቲ ክትወስድዮ ክኢልኪ?
ወርቁ፤ ብርግጽ ናብ 1971 ዝመልስ ሕቶ ኢኻ ትሓተኒ ዘለኻ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣነ ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ’የ ነይረ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ (ማለት ህዝባዊ ሓይልታትን ተጋድሎ ሓርነትን) ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ተማሃሮ ይዝረበሉ ነይሩ። ኣነ ከም ሓንቲ ንጥፍቲ ኣባል ምንቅስቓስ ተማሃሮ መጠን፡ እኹል ፖለቲካዊ ንቕሓት ነይሩኒ። ጕዳይ ቬትናምን ቃልሲ ኣንጻር ኲናት ምዕራባውያንን ኣብ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ብሓፈሻ ርሱን ጕዳይ’ዩ ነይሩ። ንቬትናም ዝድግፍ ሰፊሕ ኣድማታት ኣብ ዓለም ይካየድ ነይሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ’ውን ኣንጻር ሃይለስላሴ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ነይሩ። ኣነ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ፖለቲካዊ ሃዋሁው እምበኣር፡ ከምዚ ዝጠቐስኩዎ ዝመስል’ዩ ነይሩ። ዳርጋ ኣብቲ እዋን’ቲ እዩ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኤርትራ ተቐልቂሉ። ደቂ-ተባዕትዮ ተማሃሮ ኣብቲ ምስጢራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ንኽንሳተፍ ይድርኹና ነይሮም። ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ማለት ኣብ ታሕሳስ 1972፡ ኤርትራዊት ተማሃሪት ማርታ መብራህቱ ኣብ መስርሕ ምጭዋይ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ንሳን ኣማኒኤል ዮሃንስን ተሰዊኦም።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለና ኸኣ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ብምስጢር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ረኺቦሙና። ሓደ ካብኣቶም ተጋዳላይ ተመስገን ሃይለ እዩ። ኣብ ምስጢራዊ ቃልሲ ምስኣቶም ተጸንቢርና። ኣብቲ መስርሕ ጕዕዞና ቀጺልና። ስራሕና፡ ኣብ ሰራዊትን ፖሊስን ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ኤርትራውያን ምውዳብ’ዩ ነይሩ። ንገለ ካብኣቶም ወዲብና ናብ ሜዳ ከም ዝስለፉ ጌርና። ከምኡ’ውን ጽሑፋት ህዝባዊ ሓይልታት ንሓትምን ንዝርግሕን ኔርና። ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ንውድብ፡ ኣኼባታትን ካልእ ምስጢራዊ ስራሓትን ነካይድ ኔርና። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ጕዳይና ስለ ዝተቓልዐ፡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ክፈልጡ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ሓደጋ ኣንጸላልዩና። ብኡ ምኽንያት ኸኣ ምስ ክልተ መሓዙተይ፡ ድሃብ ተስፋጽዮንን ኣበራሽ መልከን ዩኒቨርሲቲ ገዲፍና ናብ ሜዳ ክንስለፍ ወሲንና።
ሕቶ፤ ናብ ሜዳ ንምስላፍ ኣቐዲሙ ድሌት ነይሩክንዶ? ዋላስ ንሜዳ ክትሃድማ ኢኽን ተገዲድክን? ወርቁ፤ ንሕና ካብ ቅድም’ዩ ድሌት ነይሩና። እንተኾነ ግና ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኴንና ንጥፈታትና ከነካይድ’ዩ ዝደሊ ነይሩ። ምናልባት ኣብቲ ግዜ’ቲ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ንምቕባል ድሉው ኣይነበረን ይኸውን። በዚ ምኽንያት ኸኣ ምስላፍና ተደናጕዩ። ይኹን’ምበር፡ ምስላፍና ናብ ሜዳ ብውጥን ዝተገብረ ዘይኮነስ፡ ንኽንስለፍ ህጹጽ ኵነታት ስለ ዘገደደና እዩ። ናብ ሜዳ ምእታውና ውድብ ዘይሓሰቦ ሃንደበት’ዩ ነይሩ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጻእና ሰለስተ ደቀንስትዮ ኢና ኔርና። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ግና፡ ብኸምኡ ዓይነት ምኽንያት ካብ ኣስመራ መዓሾ ዝተባህለት ራብዐይቲ ተሓዊሳትና። ሳሕል ምስ በጻሕና፡ ኣብ መጀመርታ 1974 ከኣ ኣበባ ኣርኪባትና። ስለዚ ኸኣ ሓሙሽተ ኴንና።
ሕቶ፤ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ብሰንኪ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ውድባት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ፡ ሰውራ ኤርትራ ናይ ሞትን ህላወን ዕድል’ዩ ገጢሙዎ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ኵነታት፡ ተጋደልቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስላፍ ደቀንስትዮ ኣብ መሳርዖም ብኸመይ ተቐቢሎምዎ? ወርቁ፤ ልክዕ’ዩ ብሃንደበት ኢና ናብ ሰውራ ተሰሊፍና። ንምቕባልና ኸኣ ድሉውነት ኣይነበረን። እንተኾነ ግና ጽሑፋት ህዝባዊ ሓይልታት ከም ሃገራዊ ሓድነት፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብመሰረት ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ጾታን ሃይማኖትን ኣፈላላይ ከይግበር ዝብሉ ዕላማታት ይዝርግሑ ነይሮም። ማዕርነት ደቀንስትዮ’ውን ሓደ ካብ’ዞም እውጅ ዕላማታት እዩ ነይሩ። እዚ ንጹር ራእይ’ዚ ንኣተሓሳስባን ገስጋሲ መትከላትን ናይቲ ውድብ ዘረጋግጸልና’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ግብራዊ ኣሰራርሓ ክንመጽእ ከለና፡ ኣብ መንጐ ክልሰ-ሓሳብን ግብርን ፍልልይ ክርአ ባህርያዊ’ዩ ነይሩ። ክሳዕ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ውሽጢ መሳርዕ ተጋደልቲ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮ ክቕበሉሉ ዘኽእል ምቹእ ሃዋሁው ኣይነበረን። ምስዚ ኵሉ ግና፡ ጕዳይ ደቀንስትዮ ኣብ ውሽጢ ተጋደልትን ኣብ ውሽጢ’ቶም ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሓደስቲ ተሰለፍትን ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ ዝካየደሉ ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ሕቶ ደቀንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ሰውራ ድሕሪ ምምጻእና፡ ኣብ ግብራዊ ተመኲሮ ህላወኡ ምስ ኣረጋገጸ፡ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ኣገዳስን ዕቱብን እናኾነ መጺኡ። ኣብ መወዳእታ 1973፡ ካብ ኣስመራ ወጺእና ናብ ተጋደልቲ ምስ ተጸንበርና፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ኣስመራን ከባቢኡን ሓላፊ ዝነበረ ወልደንኪኤል ሃይለ’ዩ ተቐቢሉና። ምምጻእና ሃንደበት’ዩ ኮይኑዎ። በቲ ዝወሰድናዮ ሃንደበታዊ ስጕምቲ ሕጕስ ኣይነበረን። መሰነይታና ዝነበረ በረንበራስ ዝተባህለ ካብ ኣስመራ እዩ። ወልደንኪኤል ሃይለ ብቑጥዐ፡ “እንታይ ዝገበርካ መሲሉካ? ናብ ለይታዊ ትልሂት ሒዝካየን ዝመጻእካ ድዩ መሲሉካ? እዚኣተን ኣዋልድ ንነብሮ ዘለና ጽንኩር ኵነታት ሰውራ፡ ከመይ ገይረን ክጻወርኦ ኢልካ ትሓስብ?” ክብል ተዛሪቡዎ። ሽዑ ንሕና፡ ብፍላይ ኸኣ በቲ ዝነበረ ንቕሓትን መረዳእታን ኣብ ልዕሌና ንዕቐትን ምቍንጻብን ዘሎዎ ኮይኑ ተሰሚዑና። ጓል-ኣንስተይቲ ምስቲ ወዲ-ተባዕታይ ማዕረ’ያ ዝብል ርድኢት’ዩ ነይሩና። እቲ ጕዳይ’ቲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ሃገራውያን ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ርሱን ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ “ንምንታይ እዚ ኵሉ ትምክሕቲ” ክንብል ድማ ተወኪስናዮ። ብቕዓትና ብተግባር ንምርግጋጽ ወሲንና። መስዩ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ቀዳማይ ኣሸጋሪ ፈተነ ክንሰግሮ ነይሩና። ኣሰንዮሙና ዝነበሩ ተጋደልቲ ብለይቲ ነቲ ኳዕናን እምባ ርእሲ ዓዲ ክድይብዎ ነይሩዎም። ንሕና’ውን ንዅሉ ሽግር ተጸሚምና ብጽንዓት ቀጺልና። ነቲ ዓቢ እምባ ምስ ደየብናዮ ግና፡ ብውሽጠይ “ከምዚ ዓይነት እምባ ንኻልኣይ ግዜ ካብ ምድያብ መስዋእቲ ይበልጸኒ፡” በልኩ። እንተኾነ ግና፡ ምስ ግዜ ካልኦት ክድይቦም ዘለኒ ዓበይቲ እምባታት ከም ዝነበሩ ተማሂረ። እቲ ተመኲሮ’ቲ ከም ጓል-ኣንስተይቲ ቀዳማይ ዘጋጠመና ብድሆ’ዩ ነይሩ። ብሓይሊ ጽንዓትና ግን ሰጊርናዮ።
ሕቶ፤ ፈተነታት ካብ ዘከርኪ፡ ካልእ ተመሳሳሊ ዘጋጠመኪ ኵነታት-ከ እንታይ ትዝክሪ? ወርቁ፤ ብርግጽ ክንስለፍ ምስ ወሰንና፡ ንዅሉ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ሓጹራት ንምስጋር ምሉእ እምነት ነይሩና እዩ። ደቀንስትዮ ከተማን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲን ብምዃንና ካብ ያታዊ ቀይድታት ሓራ ስለ ዝነበርና፡ ምስ ከማና ዝኣመሰሉ ተማሃሮ ደቂ-ተባዕትዮ’ውን ምትእስሳር ስለ ዝነበረና፡ ናይ ነብሰ ምትሓት ስምዒት ኣይነበረናን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብወገንና እቲ ሓድሽ ብድሆ ቅቡል’ዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መግቢ ከዳሉ (ክስንክት) ተሓቢሩኒ። ኣነን መሓዙተይን ኣብ ህይወትና ሑሩጭ ለዊስናን ሰንኪትናን ኣይንፈልጥን ኢና። ንሱ’ውን ካልእ ፈተነ’ዩ ነይሩ። ሓደ ካብ’ቶም ተጋደልቲ ኣብርሃ ዓንደብርሃን ከም ሓደ ብጭቃ ዝጻወት ቈልዓ፡ በቲ ብሑቕ ክጻወት ምስ ርኣየኒ እናሰሓቐ፡ “በጃኺ ግደፍዮ። ንስኻትክን ደቀንስትዮ ከተማ ዋላ ካብቲ ናይ ኣዴታትክን’ውን ሓንቲ ኣይተማሃርክንን፡” ክብለኒ እዝከረኒ። ብድሕሪኡ፡ ወሓለ’የ እትብል ሰበይቲ ክትገብሮ ዘይትኽእል መግቢ ኣዳልዩልና። “ጸብሒኸ ሰሪሕክን ትኽእላ ዲኽን?” ክብል ድማ ሓቲቱኒ። ኣብ ምድላው መግቢ’ውን ኣይተዓወትናን። ከመይ ጌርና ክንሰርሕ ከም ዘለና ድማ ምሂሩና። መዓሾ፡ ሸውሃትካ ዝኸፍት መግቢ ከተዳሉ እትኽእል ካባና ዝበለጸት’ያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኵሎም ተጋደልቲ ደቂ ተባዕትዮ ምስራሕ መግብን ጸብሕን ተማሂሮም ስለ ዝነበሩ፡ ናይ ሰበይቲ ስራሕ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ሰውራ፡ ኣገባብ ህይወት ብምቕያሩን ተጋደልቲ መግቢ ንምድላው ኣብ ነብሶም ብምምርኳስ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ተባዕትዮ ሓድሽ ባህሊ ተኣታትዩ ነይሩ’ዩ። ኣብ ካልእ ተማሳሳሊ ኵነታት፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ተዘክሮይ ዘይሃሰሰ ፍጻሜ ኣሎ። ካብ ከበሳ ንሳሕል ብለይቲ እናተጓዓዝና ከለና ኣመና ማይ ጸማእና’ሞ፡ ወልደንኪኤል ሃይለ፡ “ንግሆ ኣብ ማይ ኣዋልድ ምስ በጻሕና፡ ንጹህ ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ኢና፡” እናበለ የተባብዓና ነይሩ። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ናብቲ ቦታ በጺሕና። ወልደንኪኤል ሒዙና ምስ ኸደ፡ “ድሕሪ ቁሩብ ዕረፍቲ፡ ማይ ስተያ፡” ኢሉና። ከም ብሩር ዘብለጭልጭ ሓቂቕ ጽሩይ ማይ’ዩ ነይሩ። ነቲ ማይ ምስ ርኣና ኣዚና ተሓጒስና። ክንሕጸብ ከይተረድኣና ክዳውንትና ምስ ኣውጻእና፡ በቲ ኵነታት ዝሰንበደ ወልደንኪኤል ሃይለ ገዲፉና ሃዲሙ ከደ። ንሕና እንታይ ኣጋጢሙዎ ኢልና ደንጽዩና። ምኽንያቱ፡ ውሽጣዊ ክዳንካ ጌርካ ክትሕጸብ ከም ተራ ነገር ኢና ወሲድናዮ። ተሓጺብና ምስ ተመለስና፡ ኣብርሃ ዓንደብርሃን፡ “ከምዚ ዓይነት ባህሊ ኣብ ሜዳ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ኣሕፊሩዎ’ዩ ሃዲሙ። ስለዚ፡ ንስኻትክን ምስ ናይ ቃልሲ ፍሉይ ልምድን ባህልን ክትሳነያ ኣለክን፡” ኢሉና። ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚርና ድማ ምስቲ ናይ ሜዳ ሓድሽ ባህልን ጠባያትን ተለማመድና። ኣብቲ ግዝያዊ መዓስከራት ህዝባዊ ሓይልታት ዝርከበሉ ሳሕል ምስ በጻሕና፡ (ማለት ቀዋሚ ደጀንን መዓስከራትን ገና ኣይተመስረተን ነይሩ)፡ ኵሎም ተጋደልቲ ርእዮምና ይብርግጉን ናይ ሜዳ ክዳውንቲ ለቢስና ክርእዩና ይግረሙን ነይሮም። ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከይተረፈ፡ ናይ ብሓቂ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ክንገብር ንኽእል ዲና ንምርግጋጽ፡ ብድሕሪ ኣግራብን ኣኻውሕን ተሓቢኦም ይከታተሉና ነይሮም። ንዓታቶም እቲ ኵነታት ሓድሽ’ዩ ነይሩ። ገሊኦም ናይ ብሓቂ ክንዋጋእ ኢልና ዲና መጺእና? ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ክንገብር ንኽእል ምዃንና ንምፍላጥ ይሓቱና ነይሮም። ክሳብ ንሕና ዓቕሚ ምህላውና ነመስክር፡ ንዓታቶም ዘይከውን ሓድሽ ነገር’ዩ ነይሩ። ምስዚ ኵሉ ግና ገለ ምኩራት ተጋደልቲ እቲ ተርእዮ ንዓታቶም ሓድሽ ስለ ዘይነበረ፡ ነቶም ትሑት መረዳእታ ዝነበሮም ተጋደልቲ፡ ነዚ ሓድሽ ምዕባለ ተሳትፎ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብንቕሓት ንኽቕበልዎ ጻዕርታት የካይዱ ነይሮም። እንተኾነ ግና፡ ሓደ እዋን ካብ ፍጹም ማዕርነት ዝብል እምነት ተበጊስና እንወስዶ ዝነበርና ስጕምትታት፡ ተጋደልቲ ኣይቅበልዎን ነበሩ። ንኣብነት፡ በጊዕ ወይ ጤል ንምሕራድ ምስኣቶም ክንቀዳደም ከለና፡ ገለ ካብኣቶም፡ ንሕና ደቀንስትዮ ዝሓረድናዮ ምብላዕ ይኣብዩ ነይሮም። ገለ ካድረታት ከም ብዓል በራኺ ፈንቅል መራሒ ሓይልና ዝነበረ፡ ነቲ ብገለ ተጋደልቲ ዝርአ ዝነበረ ተግባራት ብትሪ ይነጽጉዎን ይነቕፍዎን ነይሮም። ቀስ ብቐስ ግና፡ ኵሎም ለሚዶሞ፡ ንሕና’ውን ከምኡ። እቲ ናይ ዝርርብ ቋንቋ’ውን ብወገንና ይዅን ብወገን ደቂ-ተባዕትዮ ተለዊጡ። ኣነ፡ ንሳተን ወይ ንሳቶም ዝብል ቃል ተሪፉ። ውልቃዊ ትምክሕታዊ ኣዘራርባ፡ ዘይሰውራዊ ተባሂሉ ተነጺጉ። ስለዚ ከኣ ንሕና ምባል ተጀሚሩ። ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስ ወዳእና ኣነ ከም ፖለቲካዊ ኮሚሽነር ኣብ ክፍሊ ጥዕና፡ መሓዙተይ ደሃብን ኣበራሽን ድማ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ መዓሾ ከኣ ኣብ ዜና ተመዲብና። ***** ምንጪ፤ መጽሓፍ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ - “ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” (301-306) ኣርታዒ፡ ጸጋይ ተኽለሚካኤል። ድሕረ ጽሑፍ: ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣበራሽ መልከ፡ ደሃብ ተስፋጽዮንን ወርቁ ዘርኣይን፡ ዝምባለ ወይ ተደናጋጽነት ምስ ምንቅስቓስ መንካዕ ኣርኢኽን ተባሂለን ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሲረን። ኣበራሽን ደሃብን (ናይ 3ይ ወይ 4ይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ-ኣበባ): ምስቶም ካልኦት ኣባላት መንካዕ ዝተባህሉ ተጋደልቲን፡ ኣብቲ ሰውራ፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ብኢድ የሕዋተን ተጋደልቲን መራሕቲን ህዝባዊ ግንባር ተቐቲለን። ወርቁ ዘርኣይ ግን ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሓ። እዚ ዕላል ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ምስ ገዲም ተጋዳሊት ወርቁ ዘርኣይ: ኣካል ናይቲ ምስ ደርዘን ዝኾና ደቀንስትዮ ዝገበሮ ዕላላት እዩ፡፡ እቲ ምስ ወርቁ ዝገበሮ ዕላል: ብርዱእ ምኽንያት ነዚ ልዒሉ ዝተገልጸ ናይ ሞትን-ህይወትን መዓልቦአን ኣይሸፈኖን፡፡ ብኸፊል ግን ነቲ ናብ ሜዳ ምስ ተሰለፋ ዘሕለፍኦ ብድሆታት ማለት ብድሆታት ኣንጻር ኣባታዊ ኣጠማምታ ዝነበሮም ተጋደልቲ፡ ብድሆታት ኣንጻር ወተሃደራት ጸላእቲ፡ ኣንጻር ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት፡ ኣንጻር ገድላዊ ከርፋሕ ናብራ ከምኡ’ውን ኣንጻር ተራ ዝመስሉ ሰብኣዊ ኣድልዎን ርድኢታትን ብኸፊል የዘንቱ፡፡ ወርቁ ዘርኣይ፡ ከም ገዲምን ናይ ፈለማ ተጋዳሊት መጠን፡ ዝኾነ ረዚን ሓላፍነት ከይተዋህባ፡ ምስቲ ኩሉ ዘሕለፈቶ ገድልን ቃንዛን፡ ኣደራዕን ኣድልዎን፡ ኣብ ፈለማ 2024 ብሕማም ምኽንያት ብሞት ተፈልያ። ገለ ካብቲ ክስተባሃለሉ ዝግባእ ሓቅታት 1) ናይ ፈለማ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ህ/ሓ: ብሓላፍነት መሪሕነት ተቐቲለን፡፡ 2) ናይ ፈለማ ስውእቲ ተጋዳሊት ኣለም መስፍን: ኣብ ኲናት ሕድሕድ (ብኤርትራውያን) ተቐቲላ፡፡ 3) ኣማኢት ወይ ኣእላፍ ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ: ገድሊ ገዲፎም ናብ ጸላኢ ይስልሙ ኣብ ዝነበሩሉ: ካብ ደቀንስትዮ ግን ከምኡ ስጉምቲ ዝወሰዳ ክሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕኩን/ኣየንበብኩን፡፡
እተን ሓሙሽተ ደቀንስትዮ፡ ዕላል ባዱሪ ምስ ወርቁ ዘርኣይ ካብ መጽሓፍ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ተዘክሮታተይ
edoprotSsntac:7110hJ74f1 t1fac5122ym7n gicrcl2au90136 aghf45 · ጅግና ወርቁ ዘርኣይ ብሰላም ዕረፊ ። ታሪኽኪ ምስ ብጾትኪ ደሃብ ተስፋጽዮንን ኣበራሽ መልከን ብወርቂ ቀለም ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ክዝከር ኢዩ። ናይ መጀመርያ 4 ደቂ ኣንስትዮ ምሁራት ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝተቓለሳን ዝተበጀዋን ዋዕሮታት። ጅግና ኣይነብርን ኢዩ ታሪኹ ግን ሂያው ኢዩ