Asena



ስርዓት ህግደፍ ሰለስተ መንእሰያት ካብ ካርሸሊ ዓዲዃላ ብምውጻእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኑዎም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ሰለስተ መንእሰያት ካብ ካርሸሊ ዓዲዃላ ብምውጻእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኑዎም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

Saturday, 28 February 2009
ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ምርሻን ህግደፍ ካብ ማእከል ዓዲ ዃላ ምዃኑ ከምዘረጋገጹ፡ እቶም ክልተ ካልኦት ግን ብልክዕ ‘ኳ እንተዘይፈለጡዎም ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዋ ዓድታት ዝመጹ ክኾኑ ከምዝእሉ እቶም መሰካኽር ብተወሳኺ ኣረዲኦም። ንሳቶም ኣብ ሓበሬታኦም፡ “ነቲ ዝረኣናዮ ክንኣምኖ ኣይከኣልናን። እዚ ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዝወስዶ ዘሎ ብኣገባቡን ጭካኒኡን እናገደደን እናኸፍአን ዝኸይድ ዘሎ ወፍሪ ምርሻን መንእሰያት መርኣያ ቅብጸቱ እዩ” ክብሉ ቁጥዐኦምን ነድሮምን ኣንጸባሪቖም። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ ምስማዕ እናኣበዮ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ብራዕድን ሽበራን ኣንበርኪኹ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጥራይ ብናይ ተመልከተለይ ስጉምቲ-ምርሻን ሓያለ ዘይኣኸሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣጥፊኡ ኣሎ።











Copyright © 2005 - 2009 Asena.

Loading...