Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

    ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ, ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ. EHREA archive: /library/documents/doc-0736fc9127a1b6824f55b6fa/#b-97f2213528750c3e924c904c. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 9ff484227348541047742d177103c9d2cd089e0e5b2f80bb7e35595682441092. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

Friday, 25 September 2009 22:47

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡

ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣመላለስቲ ራሻይዳ፡ ነቶም በታ ምስኪነይቲ ግዳይ ኣፈራሪሖም ሰሰለስተ ሽሕ ማለት ብድምር $243,000 ዶላር ዝዘመቱዎም ኤርትራውያን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ክፍኑዉዎም ከለዉ፡ ንኻልኦት ዛጊት ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ሰለስተ ሰባት ኣሲሮም፡ ‘ገንዘብ እንተዘይምጺእኩም ከምዛ ዝረኣኹማ ጓል ኩሊትኩም ክንወስዶ ኢና’ እናበሉ፡ ነብሶም ብሓዊ እናተኮሱ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት የውርዱሎም ከምዘለዉ፡ ሓደ ተጨኒቑ ብናይቶም ገና ተወሳኺ ገንዘብ ሃረር ዝብሉ ዘለዉ ገፋዕቱ ራሻይዳ ቴለፎን ናብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተሰቡ ዝደወለ ግዳይ ሓቢሩ።

እቶም ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ተለቒቖም ዘለዉ ‘ውን ንግዚኡ ኳ ህይወቶም እንተድሓኑ ገና ናብቲ ዝሓሰቡዎ ስለዘይበጽሑ ሽግሮም ከምዝተወደእ ዘረጋገጽ መረዳእታ የልቦን።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዘውረዱሎም ስቓይ 3 ኤርትራውያን መንእሰያት ብተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝሞቱ መሰኻኽርር ካብቲ ቦታ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላል ኩሎም ሰብኣዊነት ዘገድሶም ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ውልቀሰባትን ማሕበራትን እቲ ጉዳይ ብመንግስታት ምስርን እስራኤልን ኮነ ኣህጉራውያን ውድባት ኣቓልቦ ክወሃቦ ጻዕርታት ክገብሩ ኣዘኻኺርና ኔርና። እዚ ኤርትራዊ ምኳንካ ዘጽልእ ውርደትን ስቅያትን ስደተኛታት ሕጂ ‘ውን እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ በብዓቕሙ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ድማ ደጊምና ነዘኻኽር።

ዘይሕጋውያን ኣመላለስቲ ናይ ገንዘብ ስስዐ ‘ምበር ናይ ሰብ ሓልዮት ከምዘይብሎም ግሁድ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ጉዕዞ ስደት ብመሰረቱ ሓደገኛን ዘይምረጽን እንተኾነ፡ ካብኡ ናብኡ ናይ ህይወት ውሕስነት ዘለዎ መንገዲ ክመርጹ ጥንቃቐ ከዘውትሩን ይግባእ። እቲ ንኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ገዛእ ሃገሮም ኣንፊጹ ኣደዳ ሸፋቱን፡ ሞት ባሕርን ምድረበዳን ዝገብሮም ዘሎ ቀዳማይ ጠንቂ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከምምዃኑ መጠን ከኣ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ስርዓት ብምምካት ሰላምን ቅሳነትን ዘረጋግጽ ለውጢ ምምጻእ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ‘ውን ደጋጊምና ነተሓሳስብ።

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

    http://www.ehrea.org/igado.html

    Preserved local original · source record 0736fc9127a1b6824f55b6fa

    SHA-256: b7ab6075a8ea0c04c41d2a1acf70917f159b94972e0e81c7d5792f16822c46a2

    All source URLs and preserved captures
    • ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ · refresh-2
      http://www.ehrea.org/igado.html
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/igado.html
      Same bytes as extracted source
    • ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ · refresh-3
      http://www.ehrea.org/igado.html
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/igado.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 9ff484227348541047742d177103c9d2cd089e0e5b2f80bb7e35595682441092

Alternate titles: ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

  • 0736fc9127a1b6824f55b6fa: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions