Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/g25.php

Read in the document library →

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት

Tuesday, 27 September 2011 16:57 መሓሪ ኣብራሃም

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ምንቅስቓስ ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ። [http://tig.asmarino.com/tig/awyat/981--365-]

ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94 ደቂኣንስትዮን ሓንቲ ነፍሰጾርን 10 ቆልዑኡ ዝርከብዎም 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽማል ዝተባህለ ቦታ ድሕሪ ምብጸሖም፡ ኣብ መንጎ እቶም ራሻይዳን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ልውዉጥ እቶም ራሻይዳ ድሕሪ ምህዳሞም፡ እዞም 365 ኤርትራዉያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ሽማል ኣብ ዝተባህለ ቦታ ፍሉይ መጸዉዒኡ ድንጓላ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ተኣሲሮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስጋብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብምስምማዕ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ዘይሕጋዊ መሸጣን ዝውዉርን ስደተኛታት ምትእስሳር ዘሎዎ ሓደ ኣባል ጸጥታ ግደፍ ኣብ ሱዳን ብምዃን፡ ምእንቲ ገበናት ከይቃላዕ ንምስታሩ ተባሂሉ፡ ንኹሎም እቶም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ዉሳነ ተማሓላሊፉ ኣብ ምድላዉ ከምዘሎዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ስለዝኾነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎኹም ኤርትራዉያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ስደተኛታትን ብሓበራ፡ ነዞም ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኣትዮም ድሕነት ዝጽበዩ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ኩሉ ዝካኣለኩም ጻዕርን ስራሕ ድሕነትን ከተካይዱ እቶም ስደተኛታት ኣምሪሮም ሓቲቶም ኣሎዉ።

ዛጊት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ህጹጽ ናይ ድሕነት ስራሕ ካብ ዝሰርሑ ዘሎዉ ንጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን ኤርትራዉያን ካብ ዝሰርሑ ዘይመንግስታዉያን ማሕበራት እቲ ብ( ጋንዲ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ማሕበር) ዝተባህለ ማሕበር ድሮ ንድሕነት እዞም 365 ኤርትራዉያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱን ሰብኣዊ ክብሮም ንኽሕሎን ኣድላይ ምንቅስቓስ የካይድ እንተሎ፡ ዝያዳ ጸቕጥን ምንቅስቓስን ከምዘድልይ ተሓቢሩ ኣሎ።

መሓሪ ኣብራሃም

\n tvzete@hotmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
\n tvzete@hotmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

This document

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.