Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML English / ትግርኛ

ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም [http://tig.asmarino.com/tig/press-releases/988--5------]

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/sedetet.php

Read in the document library →

<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም [http://tig.asmarino.com/tig/press-releases/988--5------]

Wednesday, 05 October 2011 00:23 መሓሪ ኣብራሃም

ካብቶም 365 ብመንግስቲ ሱዳን ኣብ ሽማሊያ ፍሉይ ስሙ ድንጓላ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ካብ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ኣስታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ዘይሕጋዉያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ብሔረ ራሻይዳ እንዳተጓዕዙ እንከለዉ ምስ ፖሊስ ሱዳን ተኹሲ ድሕሪ ምልዉዋጥ፡ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዞም ህጹጽ ሓገዝን ረድኤት ድሕነትን ዝጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራዉያን ሕጂ እዉን ኩነታቶም ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ከምዝርከብ ሎሚ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ብቐጥታ ካብቶም እሱራት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ዛጊት ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮ ካብቲ ቦታ ብስርዓት ህግደፍ ሓይልታት ጸጥታ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣሎዉ። ገለ ኣስማት ካብቶም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡-

1. ምስግና በየነ

2. ማሕሙድ ኢብራሂም

3. ኣንገሶም ሃለቃ

4. ገርጊስ ኢትራባይ

ብመሰረት እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ካብ መንጉኦም ብዙሓት ናይ ጥሜት ኣድማ ጌሮም እኳ እንተለዉ ፡ ኩነታቶም ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ዓሪጉ ከምዘሎ ተመልኪቱ። ብፍላይ እተን ነፍሰጾራት ከይተረፈ ዘሎወአን 94 ደቂኣንስትዮን 10 ቆልዑን ኩነታቶም ዘሰንብድ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ሎሚ ብመገዲ ሞባይል ተሌፎን ካብ ዉሽጢ እቲ ቤት ማኣሰርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ዛጊት ሽሕ እኳ ኮምሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታቶም ብዝምልከት ሓበሬታ በጺሕዎ እንተሎ፡ ምስ ኩነታቶም ዝጣዓዓም ግብረ-መልሲ ስለዘይተወስደ እቶም ስደተኛታት ግዳያት ህግደፍን፡ ካልእ ንዘይሕጋዊን ዘይሰብኣዉን ተግባራት ተሳጢሖም ምህላዎም ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ብዉልቅን እኩብን፡ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዞም ኣብ ሽማልያ ኣብ ድንጓላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ንጥፈታት ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ ኣሎዉ። ሽማልያ ካብ ካርቱም 600 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።

ዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ተንቀሳቓሲ ቁጽሪ ስልኪ ብምድዋል ምስቶም ግዳያት ምዝራብ ይካኣል።

00249908555169

4 ጥቅምቲ 2011

መሓሪ ኣብራሃም

\n tvzete@hotmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
\n tvzete@hotmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

This document

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.