Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML English / ትግርኛ

Asena - ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዝዩ ወሲኹ።

Author
amanuel
Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/halenna_files/a.htm

Read in the document library →

Asena

Home

arrow

ትግርኛ

arrow

ዜና

arrow

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዝዩ ወሲኹ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዝዩ ወሲኹ።

PDF

Wednesday, 25 February 2009

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ ኩሎም ኣባላት ራድዮ ባና (ራድዮ ትምህርቲ ንዓበይቲ)፡ 14 ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፡ 10 ኣባላት ኢሚግሬሽን፡ ከምኡ ‘ውን ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣባላት ሚኒስትሪ ፋይናንስን ቱሪዝምን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቶም ነብሰ ጾራትን ጠወብቲ ህጻናት ኣብ ገዛ ገዲፈን ንስራሕ ምስ ወፈራ ብኡ ኣቢለን ዘይተመልሳ ኣደ ቖልዑ ዝርከባኦም ግዳያት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጅምላ ኣብ መካይን ተጻዒኖም ናብ ማእሰርቲ ከምርሑ ኸለዉ ኣብ ጎደና ሓርነት ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ኩነታት ብኣንክሮ ተዓዚቡዎ ይብሉ እቶም ምንጭታት። ኣብቲ ዝቐደመ ዜናና ገዲም ተጋዳላይን መምህርን ተስፋይ ባርያጋብር፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ሓላፊ ጨንፈር ባሲልዮስ ዘሞ፡ ኣለም ዑቕባይ፡ ኢሳቕ ተስፉ፡ እስቲፋኖስ ገረኺዳን ዝብሃሉ ኣባላት ቤትትምህርቲ ሰውራ ንበር ኣብ መንጎ እቶም እሱራት ከምዝርከቡ ጠቒስናልኩም ኔርና። ሃይለሚኪኤል ዑቕቡ ዝብሃል ተጋዳላይ ኣባል ቤትምህርቲ ሰውራ ነበር ምስኣቶም ተኣሲሩ ከምዘሎ ‘ውን ድሒሩ ዝበጽሐና ሓበሬታ የመልክት። እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲሩዎ ዘሎ ጽልኣት ተፈሊጡዎ፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ኣንጻረይ ይለዓል እናበለ ምዩቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ንምስንባድን ንምድሃልን ጸጸኒሑ ተመሳሳሊ ናይ ራዕደን ሽበራን ኣመል ከምዘዘውትር ይፍለጥ።

Last Updated ( Wednesday, 25 February 2009 )

  1. Source column 1, source header

    < Prev

    Source column 3, source header

    Next >

[ Back ]

ትግርኛ

ዜና

ቃል ኣሰና

ኣተኵሮ

ህይወት

ኣብነት

ናዕታ

ዕቡሳት ጋዜጠኛታት

ደብዳቤታት

ዋዛን ኣዋዘን

ኪዳን ምስ መን?

ሰነዳት

Copyright © 2005 - 2009 Asena.

Loading...

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 16 other preserved contexts
Skip to content Skip to main navigation Skip to 1st column Skip to 2nd column Skip to 2nd column

This document

Read passage and 16 other preserved contexts
Home Asena Radio ትግርኛ ህይወት ቃል ኣሰና ዜና ኣተኵሮ ኣብነት ኪዳን ምስ መን? ደብዳቤታት ዕቡሳት ጋዜጠኛታት ዋዛን ኣዋዘን English News Editorial Focus Articles Silenced Journalists Interview About Asena Documnets ብዛዕባ ኣሰና Contact Us ታሪኽ ታሪኽ

This document

Read passage and 18 other preserved contexts
News Editorial Focus Articles Silenced Journalists Interview About Asena Documnets

This document

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.