Library Documents ኪዳነ ክፍሉ Topics People and organizations Places Search documents All people and organizations ኪዳነ ክፍሉ Person source name · identity unresolved
Names below group exact source spellings. Identity remains unresolved: the same spelling can refer to different people. A mention does not establish participation, association or corroboration. Assignments use automatic source rules and have not received human review.
Original spelling: ኪዳነ ክፍሉ . No reviewed aliases or translations have been assigned.
3 unique documents. Mentioned in source: 3. Role counts can overlap within a document.
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
5ተ መጋቢት 1970- ምጭዋይን ምቅታልን ሓርበናታት ተጋደልቲ ኪዳነ ክፍሉ'ን ወልዳይ ግደን ኣብ ከሰላ።
እዙይ ዝስዕብ ካብ'ቲ ኪዳነ ክፍሉ ናብ ጃክ ክራመር ዝጸሓፎ ደብዳቤ፣ ናብ ጃክ ክራመር ፖስታ ሳጹን ቊጽሪ 9 ከሰላ ሕዳር 27 1968
ካብ ዉሽጣዊ ስምዒታተይን ልባዊ ደስታይን ዝፈልፈለ፣ ናይ ቃልሲ ህያብ ሰላምታይ ናተይን ኣብ ከሰላ ዘለዉ መቓልሥተይን የብጽሓልካ። ካብ ሲንጋፖር ዝሰደድካለይ ደብዳበ ተቐቢለዮ በጺሕኒ ኢዩ። ምስናይ ክብረቱ እቱይ ካልኣይ ዝሰደድካዮ መልእኽቲ ግና፣ ኣይበጻሓንን። ቦታ ከም ዝቐየርካ ካብቱ ናይ መወዳእታ ደብዳቤኻ ተረዲኤ። እዙይ ከኣ ንስኻ ናብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካ ብሰላም ከም ዘኣተኻ ምስ ፈለጥኩ ኢየ። ነዙይ መልእኽትን እዘን ዝስዕብ ሰነድ ንብረትን ዝሠደልካ ዘለኹ። ክሳብ'ታ ንሥኻ ን ከሰላ ገዲፍካ ዝወጻኻላ እዋንን፣ ናትካ ደብዳቤ ዝረኸብኩላ ፋልመይቲ መዓልትን፣ ኣነ ብጣዕሚ ኢየ፣ ተሻቒለ ነይረ። ብዝኾነ እንኳዕ ብደሓን ተመለስካ። ጃክ ናትካ ተመክሮ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ነቲ ናይ ገድሊ ኤርትራ ዝተዓዘብካዮ ብጣዕሚ ጽቡቅ ብዝኾነ ገለጻን ትንታኔን ክትህበሉ፣ ከምኡ'ውን ሃናጺ ብዝኮነ መልክዑ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ን ህዝቢ ዓለም ከተብርሃሉን ከተንቃሓሉን፣ ብ ከፊል ከኣ ነቲ ሽግር ሰዉራ ኤርትራ ኮይኑ ዘጋጥም ዘሎ ጉዳይን ንደሆታቱን ተረዲእካዮ ክትከውን ተስፋ ይገብር።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version Original SHA-256 20634caaf0ebc09723ed737cbe584f3997c62ed3a0a41eaae63ea7ad6d77b49fModel source SHA-256 dcd6eca029d6570d33c3b3a8061c24a75d6011c9f46a9b77e2d46742af01bec1Passage SHA-256 5bfead3d55e2adbc72523db5051e00ea5ee34cd874d671bcd1ac4cba810a7486Original matched spelling ኪዳነ ክፍሉ Source role Mention only; no participation or authorship assigned Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
1.The Nation, 2.The new Republic, 3.The New york Reviw of Books, 4.New Society. 5.British periodical ዝብላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን: ከም ሪፖርተር ሸፈነ ናይ ባንክን ነዳድን: ብፍላይ ኣብ ናይ ነዳዲ ቅልውላው: ነዚ ንምስራሕ ካብ ቴክሳስ ናብ ስዑዲ ዓረብ: ኣልጀርያ: ጀነቫ: ሎንዶን: ቪየናን: ሮምን ዝተንቀሳቐሰን: ኣብ ናይ ቬትናም ኩነታት ንሰለስተ ግዜ: ከም ሪፖርተር ኣብ 1967: 1968: 1969 ኣብ ኩናት ናይ ካሜሎ: ኩናት ኾንታህየን ጂዮሊንህን ኬህስናህ ቬትናም ሸፈነ ዝገበረ: ንኩነታት ውግእ 6 መዓልቲ ኣብ እስራኤል ጸብጻብ ንምግባር ዝተሳተፈ: ኣብ ኩናት ኤርትራን ኣብ ኩናት ምዕራብ ሰሃራን ምንቅስቃስ ሰውራ ኢራን: ካብ ቴህራን ናብ ኣህዋዝን ኣባዳን: እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ: ኣብ 1968 ከኣ ን 25 መዓልታት ምስ ተቓለስቲ ነጻነት ኤርትራ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ዝተራኸበ ኢዩ : ምስ ኪዳነ ክፍሉን ስዉእ ኣበራ መኮንን ስዉእ ወልዳይ ግደን ኸኣ ካብ ሽዑኡ ኢዮም ተላልዮም: ንሎሚ እዚ ዝስዕብ ካብ'ቲ ኪዳነ ክፍሉ ናብ ጃክ ክራመር Jack Kramer ዝጸሓፎ ደብዳቤ: እቲ ኣገዳሲ ክፋሉ ከነቕርብ ኢና:ፖስታ ሳጹን ቁጽሪ 9 ከሰላ ሕዳር 27 1968 ናብ ጃክ ካብ ውሽጣዊ ስሚዒታተይን ልባዊ ደስታይን ዝፈልፈለ: ናይ ቃልሲ ህያብ ሰላምታይ: ናተይን ምሳይ ኣብ ከሰላ ናይ ዘለዉ መቓልስተይን የብጸሓልካ:: ካብ ሲንጋፖር ዝሰደድካለይ ደብዳበ ተቐቢለዮ በጺሑኒ ኢዩ:: ምስናይ ክብረቱ እቲ ካልኣይ ዝሰደድካዮ መልእኽቲ ግን: ኣይበጽሓንን:: ቦታ ከም ዝቐየርካ ካብ'ቲ ናይ መወዳእታ ደብዳቤኻ ተረዲኤ: እዚ ኸኣ: ንስኻ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብሰላም ከም ዝኣተኻ ምስ ፈለጥኩ ኢየ: ነዚ መልእኽቲ እዝን ዝስዕብ ንብረትን ዝሰደልካ ዘለኹ:: ክሳብ'ታ ንስኻ ንከሰላ ገዲፍካ ዝወጻእካላ እዋንን: ናትካ ደብዳበ ዝረኸብኩላ ፋልመይቲ መዓልትን: ኣነ ብጣዕሚ ኢየ ተሻቒለ ነይረ::
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version Original SHA-256 d4dc8585323d533933b45954f5dfb07248ce801d1649deea588c09e651a81256Model source SHA-256 7c8c5b63d739e8c781c2ab97681e26d25c0bca972ddf0238731f99d70e1e2490Passage SHA-256 adc8e6e6d5ae479d2170edc93d98ed670e9bf1af5f3f4ddd59553babbe8eb935Original matched spelling ኪዳነ ክፍሉ Source role Mention only; no participation or authorship assigned Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
Read full source paragraph (3,915 characters) መልሲ' የቐንየለይ ሄኖክ፥ እቲ ውድብ ዝተፈላለየ መጺሀታይ ይዝርግሕ ነይሩ፥ ዳሓር ክፍለ ለሎ፥ ናብዓላ ጀሚሩ፥እቲ ወረ ቀልጢፉ'ዩ ተባሪዑ፥ መኽንያቱ ኣብ ጀብሃ ብዙሕ ቅትለት ናይ ክርስትና ስለዝነበረ፥ ጀብሃ ውን ነዚ ይኣምንሉ'ዮም፥፡ ብፍላይ ናይ ብዓል ኪዳነ ክፍሉ፥ ድማ ኣብ ከሰላ ስለዝተቐትሉ ወላ ኣብ ጋዜጣታት ናይ ኢትዮፕያ ውን ወጺኦም ነይሮም፥፥እዚ ወረ'ዚ ተባሪዑ ነይሩ፥እዩ፡፥ እቲ ዝበዝሕ ክርስትያን ናብ ኢትዮፕያ ኢዱ ይህብ ነይሩ፥፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ጋዜጣ ሕብረት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ኢትዮፕያ ጋዜጣ፥ ንሱ ማዓልታዊ ናይ ኢዶም ዝሃቡ፥ ነቲ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ድማ፥ ኣግሊሑ ይምዝምዞ፥ ነይሩ'ዩ፥፥ ኣብ ከምዚ ኩነታት እቶም ዝነበሩ፥መንእሰያት፥ ናይቲ ግዜ'ቲ ማለት'ዩ፥፥ ነቲ ዝነበረ ማሕለኻታት ሰጊሮም ብኣብርሃም ተወልደ ተመሪሖም፥ ኣብ ዓላ ከምዝተፈለዩ ሽዑ ተፈሊጡ፥፥ ኣይጸነሐን ኣብርሃም ተወልደ ከምዝተሰወአ ውን ብረድዮ ኢትዮፕያ፥ ተሰሚዑ፥ ንሕና ናይ ኣብርሃም ተወልደ መስዋእቲ ብረድዮ ኢትዮፕያ ኢና ፈሊጥና፥፥ ራድዮ፥ ኢትዮፕያ መራሒ ወንበዴታት ኣብርሃም ተወልደ፥ መይቱ ኢላ ነጊራ፥፥ ኣነ'ኳ ሓዉ ነብርሃም ተወልደ፥ ዓርከይ ስለዝነበረ፥ ምሳይ፥ ስለዝነበረ፥ ኣሉላ ተወልደ ዝብሃል ሕጂ ከማን ዓሪፉ'ዩ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፥፥ ብኾምኡ፥ ብቀረባ ንፈልጥ ኔርና ኢና ብዛዕባ፥ ኣብርሃም ተወልደ፥ ኣብ ሓዝሓዝ ውን ሓዘን ተገይርሉ'ዩ፥፥ ግን ብኽያት ኣይፍቀድን'ዩ ናይ ወምበድየ ስለዝኾነ፥ ብኽያት ኣይፍቀድን'ዩ፥፥ ስለዚ ዓቢ ጽልዋታት ነይሩና፥፥ ብዘይክኡ ካኣኣ እቲ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ፥ ብህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸልወ እዪ ነይሩ፥፥ እዚ ድማ ኣቀዲሞም ብዓል ኪዳነ ክፍሉ፥ ብዓል፥ ሃይለ ድሩዕ ዝወደብዎ ምንቅስቃሳት፡ ነይሩ'ዩ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩንቨርስቲ፥፥ እቲ ጥሕሻ ዝብሃል፥ ኣብ ውሽጢ ኢትዮፕያ ዝንቀሳቐስ ናይ ምሁራት ጉጅለ ነይሩ'ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥፥እዚ ጉጅለ እዚ ብኣዝዮም ምሁራት' ዝኾኑ ሰባት'ዩ፥ ቆይሙ፥፥ ሽዑ ተመስገን ሃይለ ዝብሃል ስዉእ ሽዑ ተታሒዙ፥ ካብ ኢዶም ኣምሊጡ፥ ካብ ፐላሶ ጸዲፉ ተሰዊኡ፥፥ብዙሓት ዓበይቲ ምሁራት ብደረጃ ትምህርቲ ልዑል፥ ዝነበሮም፥ ኣብ ኢትዮፕያ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝነበሩ፥ ኣብዛ ጥሕሻ፥ ትብሃል ምንቅስቃስ ነይሮም'ዮም፥፥እዛ ጥሕሻ፥ ትብሃል ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረት ቀላል ውድብ ኣይኮነትን ነይራ፥፥ ዳሓር እቲ ብህዝባዊ ሓይልታት ንሕናን ዕላማናን ዝብል ጽሑፍ ክዝርጋሕ፥ እንከሎ፥ ዓቢ ጽልዋታት ገይሩ'ዩ፥ ስለዚ' እዞም፥ ህዝባዊ' ሓይልታት፥ ክርስትያን ስለዝኾኑ ዘይኮኑ ተፈልዮም፥ ይብደሉ ስለዝነበሩ'ዮም ተፈልዮም፥'ዳሓር' እቲ ጀብሃ ትብሎ ዝነበረት ኤርትራ ዓረባዊት ሃገር'ያ ንዝብል፥ መርገጺ፥ እታ ንሕናን ዕላማናን፥ ዝብል መርገጺ' ትቃዎሞ'ያ፥፥ኮምኡ ውን እቲ ጀብሃ ዝህብዎ ዝነበሩ መግለጺታት ኣብ ፈቀዶ ሃገራት 80% ህዝቢ ኤርትራ ኣስላም'ዩ 20% ድማ ክርስትና እዩ፥ ዝብል መግለጺታት ይገልጹ ነይሮም፥፥ እቲ ክርስትያን ዝብሃል ኣብተን 3 ንኣሽቱ ኣውራጃታት ማለት ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ፥ ጥራይ'ዩ ዘሎ ካልእ ኩለን ኣውራጃታት እስልምና'እየን ዝብል መግለጺታት' ይህቡ ነይሮም፥፥ ነቶም ሃገራት ኣዕራብ ከእምኑ ኢሎም፥ እዚ ኩሉ ካልእ' ናይ እስልምና እዩ፥፥ ስለዚ ኢትዮፕያ ክርስትያናዊት ሃገር ጎቢጣትና ኣላ፥ ዝብል መግለጺ' ንሃገራት ኣዕራብ ይህቡ ነይሮም፥፥
ወላ ኣብቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ኣተዓዳድላ ናይ ቅያድ ኣልዓማ፥ 38 ክምረጹ እንከለዉ ካብዚኦም 3 ክርስትና ጥራይ እዮም ኣትዮም ነይሮም፥፥ ዳሓር ካኣ ክርስትያን ኣብቲ ግዜ ኣንድነት፥ ክርስትያን እዮም ኣንድነት ምስ ኢትዮፕያ፥ ዝብሉ ዘለዉ መኽንያቱ ክርስትያን ስለዝኾነት ኢትዮፕያ፥ እንዳበልካ ኣብልዕሊኦም ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት እዩ ተፈጺሙ፥፥ ሕጂ ምስከምዚ እታ ንሕናን ዕላማናን፥ ኣብ ምንቕቓሕ ናይቶም፡ዝስለፉ ዝነበሩ ዓቢ ተራ ነይርዋ'ዩ፥፥ ዝእመን ሓቅታት እዪ ነይርዋ፥፥
ኣብቲ ሳዓት ናብ ሜዳ ንኽትወርድ ኣዝዩ ከቢድ፥ዩ፥ ነይሩ፥ ከምገለ ጌርካ ኢኻ ትወርድ፥ ቅድሜና ዝወጹ ብዓል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፥ እተን 3 ኣዋልድ እተን ኣብ ናይ 1973 ዝተገፍዓ፥ ምሁራት ኤርትራውያን ማለት'ዩ፥፥ እዚኣቶም ኣብታ ግዜ'እቲኣ ግራጅወይት ዝገብሩላ ግዜ'ያ ነይራ፥፥ ንዓኣቶም ንቕድም ከነውጾኦም ኢና ንስኻትኩም ድሕሪኦም ትስዕቡ ተባሂልና፥ ብኸምዚ መኽንያት ኢና ካብ ብዓል ሃይለ፡ምሕጹን ዝደንጎና፥፥ ሃይለ ምሕጹን ግን የድልዮም እዩ ንሜዳ፥ ሓኪም ስለዝኾነ' የድልዮም እዩ፥ ፥ እተን ደቂ ኣንስትዮ ውን ደቂ ኣንስትዮ ስለዘይነበራ ኣብቲ ገድሊ፥ እተን ደቂ ኣንስትዮ ውን ሽዑ ዝምረቓ እየን ነይረን፥፥ ዳሃብ ተስፋጼን፥ ብሶሶሎጂ እያ ትምረቕ ነይራ፥ ወርቁ ዘርኣይ ብሶሶሎጂ'ያ ትምረቕ ነይራ፥ ኣበራሽ መልኬ፥ብሶሶሎጂ'ያ ትምረቕ ነይራ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን' ድማ ብሕክምና እዩ ዝምረቕ ነይሩ፥፥ ስለዚ ኣብታ መመረቕተኦም ንሳቶም ኣብ ሰነ ዝምረቁ ኣብ ጉምበት እዮም ወጺኦም፥፥ ደድሕሪኦም ድማ ንሕና ክንስዕብ ኢና፥፥እቲ ኩነታት ናይ ጥሕሻ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣጋጢሙ ብዓል ተመስገን ተሰዊኦም፥ እታ ትሕሻ ተረኺባ፥ ፋሕ ፋሕ ኣትይዋ፥ ኩላ ሰብ፥ ሽዑ ክልና ትኣኻኺብና ናብ ሜዳ ወሪድና፥፥ ኣብቲ ንሕና ዝተሰለፍናሉ እዋን፥ ምሁራት እዮም ዝስለፉ ነይሮም፥ እታ ጉጅለ ናትና ብዙሓት ምሁራት ዝሓቆፈት'ያ ነይራ፥፥ ብዝኾነ ኣብቲ ሜዳ ምስ ኣተና ኣይጸናሕናን ኣብ 3 ምዓልቲ፥ ቅድሜና ቅድሚ 3 ሰሙን ዝወጹ ኩናት ሕድሕድ ኣጋጢምዎም፥፥ ሽዑ' ክልተ ሓይሊ ማለት ክልተ ጋንታ ናይቲ ግዜ፥ ሓደ 80 ዝኾኑ ተጋደልቲ' ካብ ሳሕል፡ንኸበሳ፥ ወጺኦም፥፥ ኣብኡ ድማ ኩናት ተኻይዱ ብዓል ፍስሃየ ካራሽ ዘለውዎም ኣብቲ ኩናት ሕድሕድ ይስውኡ፥፥ንሕና ምስ ኣተና ቀጥታ እዩ ናይ ክልተ ምዓልቲ ውግእ ኣጋጢሙና፥፥ ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ ምስ ኩማንዲስ፥ ኣብቲ ውግእቲ ዓቢ ስርሒታትት እዩ ተኻይዱ በተን ክልተ ኣሃዱታት መጺአን ዝነበራ፥፡ ብአአንን ብፈዳይንን ክፍሊ ርክብን፥ እቶም ልፍሊ ርክብ ዝብሃሉ ፈዳይን ዝብሃሉ፥ ብዓል ወልደምካኤል ሃይለ ብዓል ድሩዕ፥ ዘለውዎም እዮም ንሳቶም እዮም ኣብቲ ህጁም ኣትዮም ዝነበሩ፥፥ኣብቲ ህጁም ኣትዮም ኣጽዋር ዝሰለቡ ማለተይ'የ፥፥ እቶም ናይ ፈዳይንን ክፍሊ ርክብን እዮም፥፥ ስለዚ ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ፥፥ ንሕና ውን መስዋእቲ ከፊልና ኢና፥ ሓደ 6 ሰባት ተሰዊኦምና እዮም፥፥ ንኢትዮፕያ ግን ዓቢ ስንብራት እዩ፡ነይሩ፥ መኽንያቱ ኣብ ከባቢ ድርፎ'ዪ ነይሩ እቲ ውግእ፥፥ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብነፈርቲ ውግእ ዝግበር ዘሎ፥፥ ስለዚ ዓቢ ውግእ እዩ ነይሩ፥፥ መራል ናይቶም ዝነበሩ ተጋደልቲ ንኽትገልጾ እዩ ዘሸግረካ፥፥ ሞራልካ ስሰማይ ዝሰቅል እንቋዕ ተሰለፍኩ ዘብል'ዩ ነይሩ፥፥ ዳሓር ኣብቲ ኩነታት ክንሪኦ እንከለና፥ መጀመርታ ምስ ድሩዕ ተራኪበ ነይረ ብዓል ድሩዕ ክትሪኦም ከለኻ ዝተማህሩ ከማን ኣይመስሉን እዮም ነይሮም፥ ኮምኡ ውን ብዓል ናይዝጊ ክፍሉ ነይሮም ኣብኡ፥ ብዓል ብጻይ ጎይትኦም ኩሎም ብዲግርታት ዝተመረቑ እዮም ነይሮም፥፥ ብድሕሪ'ዚ ሳሕል፡ምስወረድና ኣብቲ ዝነበረ ኩነታት፥ እቲ ምንቅስቃስ ናይ 1973 ይጅምር፥'
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version Original SHA-256 348fdb4925fa63c51c5c498cc83745bf9f3c6885bc5b47b3bd1349b4a90d0232Model source SHA-256 737c93975c8ce6ec62135ec8c2d3d1bb44ee29517ac675a8f6bfdbcaace4cbacPassage SHA-256 6a5c05ef321ec7e62700a4596555727c416d506b7a19d4976f93cf078622b1cdOriginal matched spelling ኪዳነ ክፍሉ Source role Mention only; no participation or authorship assigned Search documents with this source-name filter