Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ደብዳቤ ኪዳነ ክፍሉ (ከበደ)

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: b760e0ad87c4600df93aef82908e458f79dbafe6b5e5c1292df7ec308a894631. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ደብዳቤ ኪዳነ ክፍሉ (ከበደ)

5ተ መጋቢት 1970- ምጭዋይን ምቅታልን ሓርበናታት ተጋደልቲ ኪዳነ ክፍሉ'ን ወልዳይ ግደን ኣብ ከሰላ። እዙይ ዝስዕብ ካብ'ቲ ኪዳነ ክፍሉ ናብ ጃክ ክራመር ዝጸሓፎ ደብዳቤ፣ ናብ ጃክ ክራመር ፖስታ ሳጹን ቊጽሪ 9 ከሰላ ሕዳር 27 1968 ካብ ዉሽጣዊ ስምዒታተይን ልባዊ ደስታይን ዝፈልፈለ፣ ናይ ቃልሲ ህያብ ሰላምታይ ናተይን ኣብ ከሰላ ዘለዉ መቓልሥተይን የብጽሓልካ። ካብ ሲንጋፖር ዝሰደድካለይ ደብዳበ ተቐቢለዮ በጺሕኒ ኢዩ። ምስናይ ክብረቱ እቱይ ካልኣይ ዝሰደድካዮ መልእኽቲ ግና፣ ኣይበጻሓንን። ቦታ ከም ዝቐየርካ ካብቱ ናይ መወዳእታ ደብዳቤኻ ተረዲኤ። እዙይ ከኣ ንስኻ ናብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካ ብሰላም ከም ዘኣተኻ ምስ ፈለጥኩ ኢየ። ነዙይ መልእኽትን እዘን ዝስዕብ ሰነድ ንብረትን ዝሠደልካ ዘለኹ። ክሳብ'ታ ንሥኻ ን ከሰላ ገዲፍካ ዝወጻኻላ እዋንን፣ ናትካ ደብዳቤ ዝረኸብኩላ ፋልመይቲ መዓልትን፣ ኣነ ብጣዕሚ ኢየ፣ ተሻቒለ ነይረ። ብዝኾነ እንኳዕ ብደሓን ተመለስካ። ጃክ ናትካ ተመክሮ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ነቲ ናይ ገድሊ ኤርትራ ዝተዓዘብካዮ ብጣዕሚ ጽቡቅ ብዝኾነ ገለጻን ትንታኔን ክትህበሉ፣ ከምኡ'ውን ሃናጺ ብዝኮነ መልክዑ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ን ህዝቢ ዓለም ከተብርሃሉን ከተንቃሓሉን፣ ብ ከፊል ከኣ ነቲ ሽግር ሰዉራ ኤርትራ ኮይኑ ዘጋጥም ዘሎ ጉዳይን ንደሆታቱን ተረዲእካዮ ክትከውን ተስፋ ይገብር።

ከም ዉጽኢቱ ከኣ፣ ንጡፍ ኃገዝን ዓለማዊ ክፉት ኃሳባትን ሪኢቶን ክንረክብ፣ ከም ሓደ ግና ጉዳይ ኤርትራ ከም ምዉት ተራእዩ፣ ካብ ከዉሊ ዓይኒ ዓለም ዝወጻሉ መሥርሕ ከም ዘሎ ምግንዛብ እቱይ ፖሊሲ ናይቶም መራሕቲ ናይቲ ግንባር እቱይ ቀዳማት ፀገም ናይ መንነት ቅሉውላው ኢዩ። ምክንያቱ መንነቶም ሙስሊም ክኾኑ የቐድሙ ካብ ኤርትራውያን ክኾኑ። ስለ ዝኾነ ከኣ፣ የእዳዎም ናብ ሃገራት ሙስሊም ሊግ ምስ ዘርግሑ ኢዮም። ዝንባልኦምን ምሉእ ብምሉእ ናብ ዓፈብ ዝዘንበለ እዩ። ናብ ዓለማዊ ዓረብ ይቐርቡ። ተስፋ ይገብር ከኣ፣ ዓለማዊ ዓረብ እቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዘድምጾ ድምጺ ከድምጽ፣ ግና እዚ ድኹም ጎንታት እዚ፣ ንሞራል ሕዝቢ ከይሰብርን፣ ሥርዓት ኃይለሥላሴ ከይምዝምዞን ከኣ ምግንቃቕ ከድሊ እዩ። ዝበዝኁ ካብቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት፣ ናይ ሠዉራዊ ኣተሓሳስባ የብሎምን ጥራይ ዘኢይኮነ፣ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ንድፊ ሥነ-ሓሳብ'ውን የብሎምን። ዝኾነ ናይ ምምራሕን ምእላይን ተራ መሪሕነት ክጻወት ዝክእል ዓቅሚ፣ ነዚ ሰዉራና ክመርሕ ዝኽእል ብቕዓት ኣየጥረዩን። ዝኾነ ምስ ሕዝቢ ከተኣሳስሮም ዝኽእል ናይ ቃልሲ መንገድን ቀለቤትን ምስ ዓለም ከራኽቦም ዝኽእል መራኸቡ ድልድል መስመርን ዝኽተሉ ኣይኮኑን። ን ደብዳቤታትን ቴለግራም መልእኽትን'ውን፣ ክግቀምሉ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። እቲ ዝኸፈአ መልክዑ ከዓ፣ እቶም ነቲ ሰዉራ ዝመርሑ ዘለዉ ላዕለዎት መሪሕነት፣ ኩሎም ምቕማጦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዩ። ንምሳሌ ላዕላዋይ ባይቶ (ካይሮ) ሠዉራዊ መሪሕነት (ከሰላ) ኣብ ከሰላ እየን ዝርከባ፣ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣገባብ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ከም ናይ ኩባ ቃልሲ ኣመራርሓ ፊደል ካስትሮ ኣብ ዉሽጢ ሜዳን፣ ናይ ማኦ ፀግኑግ ኣብ ቻይናን ከማን ክመሃሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ'ዚ ናይ ለዉጢ መሥርሕ ጊዜ፣ ተስፋ ንገብር ነቲ ናይ ምምራሕ ብቅዓት ክንበጽሖን፣ ብእይ ክንቅየድን። እዚ ኸኣ ብኅብረትን ምዕባለን ኣሥተምህሮን ህዝብና፣ ዑጉባት ስለ ዝኾና እዩ። እቲ ሓቂ ነዚ ዘብለኒ ዘሎ፣ እቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት፣ ን መንነቶም ከም መስሊም "ንበር ከም ኤርትራውያን ዝገልጽዋ ብዘይምዃኖም እዩ።

ነቲ ቃልሲ 'ውን፣ ከም ናይ ዓረብ ምንቅስቓስ እዮም ዝምልከትዎ። ዋላ ኣብ'ቲ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ፀግዖም፣ ንኹልንትናዊ ምንቅስቓስ ናይ'ቲ ቃልሲ ንነጻነት፣ ምስ ሃይማኖት፣ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እዮም ዘዛምድዎ። እቲ ዝገርም ፍርቂ ሕዝቢ ኤርትራ፣ ወረ ልዕሊኡ፣ ክርስትያን እዩ። ነቲ ብሓባር ተኸባቢርካ ምንባር፣ ሓድነት ኣብ ብዙኅነት ኣምር ዝቕበሉ ኣይኮኑን። ስለ ዝኾነ እዩ ኸኣ፣ እቲ ሕዝቢ ብስግኣት ዝጥምቶም። ከምቲ ዝድለ ሱታፌ ኸኣ፣ ዘይገብር ዘሎ፣ እቲ ምክንያት ከኣ፣ ጉዳይ ሃይማኖትን፣ ናይ'ቲ መሪሕነት ናይ ዓረባዊ ኣተሓሳስባን ዕብለላን ኣብቲ ግምባር ስለ ዘሎ እዩ። ኩሉ እቲ ገሥጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፣ ነዚ ፖሊሲ እዚ እዩ ዝቋወሞ ዘሎ። እቶም ናይ ለዉጢ መራሕትን፣ ካብ ናይ'ቲ ቀንዲ መሪሕነት ሠዉራዊ ትእዛዝ፣ ብ ሓደ ክሠምሩን ክሠርሑን እዩ ድሌቶም። ገለ ካብቶም ናይ ክፍልታት መራሕቲ፣ ካብ'ቲ ዝበሥል ዘሎ ኩነታት፣ ተስፋ እገብር፣ እቲ ኩነታት ክቅየርን ሓደ ናይ ለዉጢ ስጉምቲ፣ ኣብቲ ናይ ግምባር መሪሕነት ክመፅእ። ምክንያቱ ናይ ሕዝብና ሸቶ ክረጋገጽ እንተኮይኑ፣ ብናይ ኃባር ዕላማን ሸቶን ዝተሃንፀ ቃልሲ መስርሕ ምስ ዝዕምብብ እዩ። እቶም ኣብ ቅድመ ግምባር መራሕቲ፣ ነቲ ሕሉፍ ጌጋኦም ክመሃርሉ እዩ ዝግባእ ነቢሩ። ገለ ካብቶም መራሕቲ ግና፣ ምስቶም ቀንዲ ሃገራዊ ገስጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓርበኛታት ብመትከል ደው ዝበሉ እዮም። ገለ ከኣ፣ ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ምስ ዓራባዊ ግብጽን ሱዳንን፣ ዝተረፈ ከኣ ምስ ኢትዮጲያ ዝብሉ ኣለዉዎም። ካብ'ቲ ናይ ግዳም ዘንበብዎን ዝረኣይዎን እስላማዊ ሠዉራ ዝብገሱ እዮም። ገሊኦም ከኣ፣ ካብ ዉሽጦም ኣብ ኢትዮጵያ'ውን፣ ናይ ሙስሊም ምንቅስቓስ ከነካይድ ኢና ዝብሉ'ዮም። ምስ ካልኦት ተጸምቢሮም ከኣ፣ ናብ ኢትዮጵያውያን ኣስላም ክጽንበሩ ዝደልዩ'ዮም። ኮይኑ ግና፣ ኣብ ዓይኒ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጥመቱ መራሕቲ ሓደ ኣይተ ወልደኣብ 'ዩ ዘሎ። ዝብዝኅ ሕዝቢ ኸኣ የኽብሮን፣ ከም ሓደ ብቑዕ ካርዝማቲክ መራሒ'ዩ ዝርእዩ ንወልደኣብ። ኣይተ ወልደኣብ ዉሽጣዊ ክብረታቱ፣ ንነብሱ ካብቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ መራሕቲ ኣግሊልዋ'ዩ። ኣይተ ወልደኣብ ግና፣ ኣብ ጉዕዞ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መምሃራን'ዩ። ቅኑዕ መሪሕ ናይ ሕዝቢ ኤርትራን'ዩ። ንዉሑዳት ካብቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ ገሥጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መሪሕነት ገዲፍካ፣ ኣይተ ወልደኣብ ኩሎም እቶም ናይ ቅድመ ግምባር መራሕቲ ብብልሽዉና ዝተቖማጥዑን ብናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ዝተባላልዑን ምዃኖም ይፈልጥ እየ። ስለ ዝኾነ ከኣ፣ ንፖሎቲካዊ ኲነታት ሕዝቢ ኤርትራ ብዝግባእን ብዝደቐቐን'ዩ ዝፈልጦ። ምኽንያቱ ኣይተ ወልደኣብ ምስ'ቲ ኣተሓሳስባ ዓረባዊ ፖሊሲን እስለማዊ ፍልስፍናን ዝብል መርገጽ ፖለቲካ ብ መትከል ኣይሳማማዕን ኣይቅበሎን'ዩ። እዚ ኸኣ ማሕንቆ ከባብያዊ ምንቅስቓስ፣ ኣብ'ቲ ዉሽጣዊ ናይ ቅድመ ግምባር መሪሕነት ዘሎ፣ ከም መቓልሕ ነናሻዕ ዝደጋገም ዘሎ ጸገም እዩ።

ናይ ኣይተ ወልደኣብ ወልደማርያን ኣድራሻ እዙይ ዝስዕብ እዩ። Mr. Zaky fahmy mariette pahsa street No.11 cairo U.A.R መተሓሳሰቢ ብፍጹም ጸቅጢ ዘለዎ፣ ናብ ዉልቃዊ ርእይቶይ ዝዘንበለ ሓሳብ ኣይኮንኩን ዝህበካ ዘለኹ፣ ኣነ እቲ ክዉን ናይቲ ዘሎ ኩነታት ሥዕሊ ቃልሲ ኤርትራ ክትርከብ'የ ዝስዕር ዘለኹ። ብወገንካ ከዓ ናብ ዉሽጢ ብዕምቆት ኣቲኻ ባዕልኻ ነቲ ኩነታት መዚንካ ተንትኖ። ሓደራ ዝኾነ ካብ'ዚ ዝህበካ ዘለኹ ኣገዳሲ ኃበሬታታት፣ ኣብ ዝኾነ ናይ ጋዜጣ ኅትመት ከይተዉፅኦ። ምክንያቱ ጸላኢ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ክምዝምዞ እዩ። ዓብደላ፣ ኣበራ መኰነን፣ ወልዳይ ግደይ፣ ኣባላት ናይ'ቲ ሠዉራዊ ቃልሲ፣ ምሳይ ብሓባር ተሰሊፎም ዘለዉ ብጾት እዮም። ከምኡ'ውን ብሓፈሻ ኩሎም ብጾትና ሠላም ይብሉካ ኣለዉ። ጽቡቅ ምንዮቶም ከዓ ይገልጹልካ ኣለዉ። ጽቡቅ ናይ ትምህርቲ ዓመት ይኹነልና። ሓደራ ምናልባት፣ ምስ ኤርትራውታን ተማህሮ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኤሜርካ፣ ንነብስኻ ከተላሊ እንኮለኻ፣ በጃኻ ከይትርስዕ ኣድራሻ ናተይ ሃቦም ኢኻ፣ ክረኽቡኒ ከም ዘለዎም ግበር፣ ተስፋ እገብር ከዓ፣ ናብ ከሰላ ተመሊስካ ክርኤካ ብፍላይ ከዓ፣ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ብዝምልከት። Hoping to hear from you soon your's (signature) Kidane kiflu

ምንጪ ጽሑፍ ደቂ ንጉሠ ነገሥት ምራራ ተኽለሃይማኖት ዶ.ፊደል ሞኰንን Like Comment Share

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. Original title not recorded

    http://www.ehrea.org/kidle.php

    Preserved local original · source record 078013cbbcf76154d7dd0983

    SHA-256: 20634caaf0ebc09723ed737cbe584f3997c62ed3a0a41eaae63ea7ad6d77b49f

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: b760e0ad87c4600df93aef82908e458f79dbafe6b5e5c1292df7ec308a894631

Alternate titles: ደብዳቤ ኪዳነ ክፍሉ (ከበደ)

  • 078013cbbcf76154d7dd0983: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions