Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል

Source excerpt: Isaias ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል

    ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል, ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል. EHREA archive: /library/documents/doc-f14dee4f22e3047ceb2986e1/#b-974cd16a83d74ff5975a94d7. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: ca0d2b6db2f0f8e98cf8b772745cb9b33d236933060cce085f8f2bacaf0bc837. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል

Saturday, 25 September 2010 22:18

http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3045:2010-09-25-22-40-43&catid=23&Itemid=104

Isaias ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ። እነሆ ድማ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ምስ ብዙሕ ጉድለታቱን ገፈሉን ኣሃዱ እብል። ሓደ ሰብ ኣንጻር ሓሙሽተ ሚልዮን ከም መንደላይ ተመን ‘ዓራግ ዕጫይ’ ተጠምጢሙና ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ኩላትና ኣንጻሩ ክንሰምር ታሪኽ ይሓተና ኣሎ።

ኣሕዋተይ! ንሕና ኤርትራውያን ባህርያት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ድሕሪ ደርዘናት ዓመታት ኢዩ ተረዲኡና። እቶም ከም ‘ኣባት-ጦር’ ዋርድያ ደንጉዩ ዝርደኦም ወገናትና ድማ ገና የጣቕዕሉ ኣለዉ። “ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ እናሃለቐን ሃገር እናባደመትን እንከላ፣ ብኤርትራን ህዝባን ዝጻወቱ ዘለዉ ተበለጽቲን ልቕብቃባትን ድማ ታሪኽ ይጸባጸቦም ኢለ ጥራይ ክሓልፍ።

ኣንጻር ኢሳይያስ ዝተዛረበ፣ ዝጸሓፈ፣ ዝመስከረ ወ.ዘ.ተ… ከም ጸረ-ሃገር ዝቖጽሩ ዓቀይቶት፣ ይዋእ! ኢለ ክርስዖም።ብሓቂ ንኤርትራ ዝጸልእ ኤርትራዊ የለን፣ ንኢሳይያስ ዝጸልአ ዜጋ ከም ጸላኢ ሃገርን ህዝቢን ጌርካ ምርኣይ ድማ ህግደፍ ኣብኲዑ ዝሰንከቶ መርዛም ሃንዛ ኢዩ። እቲ ምንታይ ንወላዲቱ፣ ካብ ማህጸን ንዘውጸኣቶ ኣዲኡ ዝጸልእ ፍጡር ስለዘየለ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዋግ-ዋጎ ብርሃን፣ ብዙሕ ጭውጫውታ ይስማዕ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 50 ዓመታት ይውሰድሉ፣ ወላ ነቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 1985 ዓ.ም. ኣብ ማተርኒቲ ዓራርብ ዝተወልደ ናብ ኣብርሃም ወዱ የሰጋግሮ! በዓል ዕላማ ኢዩ።

ድሕሪ ፍጻሜ 2001 ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኢዩ ነይሩ። እቲ ምንታይ እቶም ተስፋ መጻኢ ወለዶታትና ንክኾኑ ዝመረጽናዮምን ዝተጸበናዮምን መሪሕነት፤ ኣሰር ‘መንካዕን’ ‘የሚንን’ ስለዝሰዓቡ። ኤርትራ ስለ ናጽነት ህዝባ ረዚን ዋጋ ከፊላ ክነሳ፣ ብሰንኪ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ድማ ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ብኣብርሃም ተወልደን ሃብተስላሰ ገብረመድህንን ዝፈለመ ቅንጸላን፣ ከም ጋሻ ውሕጅ እናተሰራሰረ ዝገንፈለ ስሱዕ ስልጣን ኢሳይያስን፤ ምሁርን መስተውዓሊን ዜጋና ጸኒቱ ኢዩ። ጉዳም ኣጀንዳ! ዘዝተወልደ ኣብ ክንዲ ንዩኒቨርሲቲ ናብ ሳዋ፣ ብሒም ዝበለ ጉስጢን መቑሕን፤ ናብ መድፈና ዕራዒሮ ምእታውን ዘዝጸበቦ ድማ ናብ ስደትን ውርደትን!

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየላቡ ህሞት ብስልጣን… ኣውራጃ…ሃይማኖት… ወገን ምውጣት ፈጺሙ ሰዓቱ ኣይኮነን። ተቓወምቲ ውድባት ‘ክንብርኩት ከይንብርኩት ናብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ’ ከም ዝበሃል፤ ገና ከይተበገሳ ብዛዕባ ስልጣን’ዶ መሪሕነት! ክዋጠጣን ክፈላለያን ተዓዚብና። እቲ ካብ 60ታት ቀጺሉ’ውን ኣብ መጀመርያ 70ታት ኤርትራውያን ንምጽናት ስዉር ኣጀንዳ ሒዙ ዝተበገሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገና ክርዳድ ናብ ውሽጢ ተቓወምቲ ውድባት ይዘርእ ከም ዘሎ ክሰሓት የብሉን።

እቲ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ተቓወምቲ ውድባት ከኣ፣ ጉልሒንጣ ከም ዝኣተዎ ዘራእቲ እናደኸማ’ምበር እናሰወዳ ክኸዳ ኣይተራእያን። ከም ስርኤል ቀትሪ 15 ኮይነን ይረኣሞ፣ ናብ 5 ይቕየራ፤ እንደገና ናብ 7 ጸኒሐን ናብ 3 ይምለሳ። እዚ ዕንኪላሎ’ዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ኢሳይያስ ዝዘርኦ ዝነበረን ዘሎን ክርዳድ ኢዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ሽግር፣ ኣብ መብዛሕትአን ውድባትን ሰልፍታትን ጽላሎት ኢሳይያስ ስለዘሎ ኢዩ። ኢሳይያስ በዓል ዕላማ ኢዩ። ከምቲ ብዙሕ ዓመታት ዝጸሓፍ ዝነበረ ንመበቆል ትውልዱ ገዲፍና ናብቲ ቀንዲ ክፍኣቱን ክበጽሖ ዝሓለነ ጥርዚ ሃረምን ከነማዕዱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ኣብ 1970 ዓ.ም. ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ፣ ስኑ ነኺሱ በትረ-ስልጣን ንምጭባጥ ዘይደቀሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ በዱ ልብታት ኤርትራውያን ክርዳድ ንክዘርኣሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ቸዝ ክጻወትን ተጓየየ። ኣብቲ ሽዑ ዝካየዱ ዝነበሩ ኣኼባታት እቲ ውሑድ ቁጽሩ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፣ ምስቲ ብዙሕ ቁጽሪ ዝነበሮ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፤ ማዕረ ወይ ዝያዳ ኣባላት ከም ዝሳተፉ ይገብር ነበረ። ኣብ ኩሉ ዓመታት ለባማትን ምሁራትን ኤርትራውያን ‘ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ ሞጎጎ’ ኮይኑዎም ትም ኢሎም ይሓልፍዎ ነይሮም።

ኩሉ ዝሓልፍ ዝነበረ ውሳኔታት ድማ ባዕሉ ሓንጢጡ ዘንብቦ ዝነበረ ኢዩ። በዱ ልብታቶም ተጋደልቲ 1970፣ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥ ዘይክማህ ድሌት ስለዝነበሮም፣ ነቲ ገደብ-ኣልቦ ስዉር ጉያ-ጉያ ንምልካዊ ስልጣን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ትጉህ ደላይ ናጽነትን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ስለዝረኣይዎ፤ ንኹሉ ተበላጺ ውሳኔታት ብዘይ ተቓውሞ የጽድቕዎ ነበሩ።

ቅድሚ 40 ዓመታት ንዝነበሩ ገለ ውሑዳት ውሳኔታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እምበኣር፣ በብመነጽርና ንርኣዮም። ሽዑ ናብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠመተ ዓይኒ እንተዝነብሮስ፣ ሎሚ ናብ መንገዲ ክድዓት ኣይመላገሰን። እቲ ምንታይ ትልሚ ከም ተላሚኡ ስለዝኾነ።

ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣኼባታት ዝፈለሞ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፤ ሶዶሕ ዔላ፣ እምባህራንተኽሊን ዝነበሩ ውሳኔታት ከምዞም ዝስዕቡ ነበሩ፦

‘ሀ’

ኣብ ሰነ 1970 “ሶዶሕ ዔላ’’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣኼባ ገይሮም። ህ.ሓ.ሓ.ኤ. መስሪቶም፣ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ውሳኔታት ኣሕሊፎም። ምስቲ ኣብ ደገ ምስኦም ኪዳን ዚኣተወ ሓይሊ ዚነበሮም ስልታዊ ዝምድና ኣብሪሆም። ካብ ትሽዓተ ኣባላት ዚቖመ መሪሕነት መረጹ።

ትሕዝቶ ውሳኔታት ናይቲ ካብ 100 ንላዕሊ ዚኾኑ ተጋደልቲ ዚተሳተፉዎ ካብ 26/6 ክሳብ 02/07/1970 ዓ.ም. ዚተገብረ ኣኼባ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦

  • እቲ ዚተኣኻኸበ ሓይሊ ህዝባዊ ሓይልታት ተባሂሉ ኪጽዋዕ።

  • ኣንጻር ቅያዳ-ኣልዓማ መኪቱ ንድልየት ህዝብን ተጋደልትን ብዝውክል ሕንጻጽ ኪዓዪ።

  • ናይ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ወገን፣ ስምዒታት ንምድምሳስን ንሓድነት ናይ ሓደ ህዝብን ኪዓዪ።

  • ናይ ህዝብን ተጋደልትን ንቕሓት ክብ ንምባል ናይ ምንቕቓሕ ጨንፈር ኪቐውም።

  • ምስ ናይ መርገጺ ሓደ ሓደ ኣባላት ብ“ኣማና ዓማ’’ ከይእመን።

  • ምስ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዑስማን ሳልሕ ሳበን ዚህሉ ዝምድና ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ’ምበር /ከምቲ ልሙድ/ ናይ ደገ መራሒን ናይ ውሽጢ ተመራሕን ከይከውን።

  • በቲ “ላዕለዋይ ባይቶ” ዚበሃል ኣካል ዘይምእማን።

  • ሓፋሽ ተጋደልቲ ዓማ ምቕባል። ሓለፍቲ ዚነበሩ ግን ድሕሪ መጽናዕቲ።

  • ንህዝቢ ብረት ምዕጣቕ “ሚሊሽያ’’ ምምስራት።

  • ሰፊሕ ውድባዊ ጉባኤ ንምግባር፣ ንዕኡ እተሰናድእ ኮሚቲ ምቕራብ።

‘ለ’

ናይቲ ካብ 30/09 ክሳብ 07/10/1971 ኣብ ‘’እምባህራ’’ ዚተገብረ ኣኼባ ውሳኔታት ቀንዲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦

  • ኣብ ኤርትራ ዚግበር ብረታዊ ቃልሲ /ወተሃደራዊ ስራሓት/ መቐጸልታ ናይቲ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስልጣን ንምትካል ዚግበር ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ምርግጋጽ።

  • ኣብ መንጎ ተጋደልትን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ንምድልዳል ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ስራሕ ምምዕባል።

  • ካብ ምምቕቓልን ድሑር ዝምድናታትን ሓራ ዚኾነ፣ ኣብ ሰውራዊ መሰረት ሃገራዊ ሓድነት ምምስራት።

  • ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘሎ ግርጭት ካልኣዊ ስለዝኾነ ምስ ኩለን ሃገራውያን ሓይልታት ብናይ ሓባር ፕሮግራም ተወሃሂድካ ምስራሕ።

  • ናይ ኣማና ዓማ ስራሓት ቀይዲ ከም ዝህልዎ ምግባር።

  • ንናይ ቅያዳ ዓማ “ሃገራዊ ጉባኤ’’ ምንጻግ።

  • ኣብ መንጎ ሰውራ ኤርትራን ህዝብታትን ሰውራታትን ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣሜሪካን ዝምድና ምድልዳል።

  • ሃጸይነትን ጽዮንነትን ምቅዋም።

‘ሐ’

እቲ ካብ 12-15/08/1971 ኣብ ‘’ተኽሊ’’ ዝተገብረ ኣኼባን ውሳኔታቱን ዚሓንጸጾም ቀንዲ ናይ ፖለቲካ ነጥብታትን እዞም ዚስዕቡ ነበሩ፦

  • ንቅያዳ ዓማን ሕንጻጻቱን ምቅዋም።

  • ንናይ ቅያዳ ዓማ ሃገራዊ ጉባኤ ምንጻግ።

  • ሃይማኖት፣ ዓሌትን ወገንን መሳርሒ እናገበርካ ዚዝውተር ምክፍፋላትን ምዕምጻጽን ምቅዋም። ኣብኡ ዚተመስረተ ሻርነትን ኪዳንን ድማ ዘይምግባር።

  • ናይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ወገንንን ጾታን ፍልልይ ዘይገብር ስሙር ኤርትራዊ ሰልፊ ምህናጽ።

  • ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ዘዛምድ ናይ ስራሕ መደብ ምቕራብ።

  • ንሰብ ብሰብ ዚግበር ምዝማዘን ጭኮናን ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ምቅላስ።

  • ምስ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣሜሪካን ዚርከቡ ጭኩናት ህዝብታት፣ ገስገስቲ መንግስታትን ተጋድሎታትን ምትሕግጋዝ።

  • ጸረ ሃጸይነትን ጽዮንነትን ባዕዳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያን ብዕጥቂ ብረት ምቅላስ።

እምበኣርከስ ነዘን ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ጥንታውያን ውሳኔታት ኣብ እነንብበሉ ግዜ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ጥሙሕ ምልካዊ ንምዃን ኣብ ከብዱ እናሓቖነ ከም ዝተበገሰ የነጽረልና።

ይቕጽል…

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል

    http://www.ehrea.org/eplf1.php

    Preserved local original · source record f14dee4f22e3047ceb2986e1

    SHA-256: f43d56cd78a0aa55277f4514b94ad148527846609ab0cb1394da3317ee207b81

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: ca0d2b6db2f0f8e98cf8b772745cb9b33d236933060cce085f8f2bacaf0bc837

Alternate titles: ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል

  • f14dee4f22e3047ceb2986e1: retained: distinct complete document. 1 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions