Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ከመይ ጌረ ክርስዓካ ፡ ጅግና ኪሮስዶ ትርሳዕ ኢኻ።

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. Negash Haile

    ከመይ ጌረ ክርስዓካ ፡ ጅግና ኪሮስዶ ትርሳዕ ኢኻ።, Negash Haile. EHREA archive: /library/documents/doc-edc6574e3fef9a1a4d5f1d4b/#b-3db952e9342d6e338b431cd8. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 3ce9cda53f37d119183d919143048725cabe8c28bbc76036806a8f1c0dacbae8. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

Tecleberhan Tesfamicael

10 hrs

ከመይ ጌረ ክርስዓካ ፡ ጅግና ኪሮስዶ ትርሳዕ ኢኻ። ካብታ ዝተሰለፍናላ ዕለት ጀሚረ ተዘክሮታተይ ብዛዕባኻ ብዙሕን ዘይሃስስን ኢዩ። -1973 ኣብቲ ገስጋሲ ናይ ምሁራት ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ( ብበዓል ሙሴ ዝምራሕ ዝነበረ ) ዝነበረና ናይ ሓባር መርገጺ። -1991 ኣብ ኣስመራ ቀጥታ ብዛዕባ እታ ሰልፊ እኳ እንተዘይነገካኒ ፡ ዘረባታተይ ይበጽሕ ከምዘሎን ፡ ክጥንቀቕ ከም ዘሎኒን ክትሕብረኒ ከሎኻ። -1997 ብዝተዋሕበኒ መዓርግ ኣንጸርጺርካ፡ እዝስ ንዓኻ ኢልካ ክትሓርቕ ፡ ብኣይ ክትሓምም። -ኣብ 2001 ድሩዕ ዝሰምዓካ እንትኾይኑ ኢሰያስ ከይቀደመና ክንቅድሞ ንገሮ ክትብለኒ። -ቅድሚ ጨሪስካ ምስዋርካ ፡ እቶም ናይ ጸጥታ ምስ ኣሰሩኻ ክለቁቓ ከለው ዝበልካዮም " ሎሚ ዕድመ ደፊእና ኢና ፡ በረኻ ወጺእና ኣይንዋግኤኩምን ንኸውን ግን ናይ ከተማ ደባይ ውግእ (urban gurilla ) ክንገጥመኩም ዓቕሚ ኣሎና "፡ ብምባል ክትምልሰሎም ጅግና ኪሮስ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኣሎኻ። ንፍትሕን ንሓቅን ኩልግዜ ደው ምስ በልካ ኢኻ። ታሪኽካ ብወርቂ ቀለም ተጻሒፉ ይርከብ።

Abede Tesfay ኪሮስ ዓወር ተጫራቓይ፡ሓጫጫይ ጨርቂ እዪ ዘእስረካ፡ምስ ለመድካይዮ ጥዑምን መስተውዓልንዩ፡ ኣግሂድካ ምዝራብ የዘውትር፡ምስ መራሕቲ ተመሳሲሉ ዘይከይድ ሰብ እዩ። ኣብ ምንቅስቓስ ጉጅለ-15 ንግሆ ንግሆ ስራሕ ክንወፍር ንራኸብ ኢና፡15 ብደውና ኣብ ኣፍደገ እንዳ ኣርተክት ገ/መስቀል ተዓረ ነዕልል፡ ምርስፍን ኣድሓኖም ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ፡ምሉእ ተስፋ ኣሎ ይብለኒሞ ክንገብሮ ዘለና ተዛራሪብና ንኸይድ፡ኣብድን ዓወር ተራኺቦም ኢሉ ናብ whitehouse እንዳ ጸጥታ ሪፖርት ዝገብረልና ሓደ ሳምሶም ዝብሃል ኣባል ጉምሩክ ከም ዝነበረ ሓበሬታ ይረክብ ነይረ፡ ክልተ ቀረባ ፈተውተይ ዝነበሩ ስለምንታይ ምስ ዓወር ትቐርብ ይብሉኒ ነይሮም፡ዓወር ዓበቕ ኣለዎ ድዩ፡ምስ ዓወር ክቐርብ ዝኽልክለኒ ዋላ ሓደ ሰብ የለን ፡እንባትካላ ንትምህርቲ ምስ ከድና ብተማሳሳሊ ኣጋጢሙኒ፡ስራጅን ኢብራሂምን ዓወርን መብዝሕትኡ ኣብ Top five ኢኻ ትረኽቦም፡ኣይፋላለዩን ነይሮም፡ክልቲኦም በቲ ጨካን ስርዓት ናብ ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣትዮም ብስቓይ ከም ተስውኡ ክውረ ጸኒሑ፡ኢሰያስ ኢዱ ኣይስኣን።

Negash Haile

ተጋዳላይ ኪሮስ ሃብተሚካኤል(ዓወር) ከም ዋዛ ዝበልካያስ ትቀላቐል ኣላ። ሓርበኛ ኪሮስ ቅድሚ 23 ዓመት ንወዱ እተዛረቦ ነዚ ኢሳያስ ስልጣን ናብ ወዱ ከመሓላልፍ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣቐዲሙ እተገንዘቦ መሲሉኒ ክዝክሮ ተገዲደ። ወዱ ንኪሮስ ዓወርን ኣብርሃም ኢሳያስን መማህርቲ ኢዮም ነይሮም። ሽዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት እኳ እንተነበሩ ወዱ ንኪሮስ ኣብ ገዛ : ብዛዕባ ኣብርሃም ኢሳያስ ከምዚ ገበረ እናበለ ንኪሮስ ዓወር ደጋገመሉ።ኪሮስ ሽዑ”ኣንታ ግደፈና ስኪ:ንሕና መዋእልና ኢሳያስ ክንብል ዘሕለፍናዮ ከይኣኽለናስ ንስኻ ኸኣ ሕጂ ኣብርሃም ክትብል ተትክኸና”ከም ዝበሎ እዝክር።ኪሮስ እተራእዮ ዝዛረብ ግን ከኣ ኣብ ሓቂን ፍትሕን ዝኣምን ኢዩ። 1994 ኣብ ናቕፋ 3ይ ጉባኤ ህግሓኤ ምስ ኢሳያስ ተራኺቦም ኢሳያስ ንዓወር ”እዚ ቦታ ደኣ ትፈልጦ ዲኻ” ኢሉ ብኣስተሓቀር ሓተቶ። ዓወር ተቐቢሉ ”ንስኻ እኳ ፈሊጥካዮ ኣለኻ”ክብል መለሰሉ።ኪሮስ ኣብ እዋን ወራራት ደርግ ኣብ ማእከላይ ሕክምና ጣብራ ከባቢ ናቕፋ ብሓላፍነት ከም ዘገልገለ ኢሳያስ ዘይፈልጥ ኣይኮነን። ኪሮስ ሃብተሚካኤል( ዓወር ): ኣብ 1973 ዓ.ም ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ንሱ ኣብ ትምህርቱ ብሉጽ ምንባሩ መማህርቱ የዘንትው።ትምህርቱ ብብቕዓት ዛዚሙ :ነተን ዓይኑ ዓይኑ እናረኣያ ብጉልበተን ዘዕበያኦ ኣዲኡ ክድግፈን ሃረርታን ድሌትን ነበሮ። እንተኾነ ንወላዲቱ ድሕሪ ሃገር ሰሪዑ ንስርዓት ሃይለስላሴ ብዕጥቂ ክምክት ተበገሰ። ኪሮስ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብእተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣገልጊሉ።ብጋህዲ ምዝራብ:ትብዓት:ቅንዕና መለለይኡ ኢየን።ኣብ እተፈላለየ ኣርእስቲ ኣብ ፖለቲካ:ታሪኽ ስነ-ፍልጠት ብሱል ምጉት ከቕርብ ዓቕሚ ነይርዎ ኪሮስ። ኪሮስ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን ሚኒስትሪ ቱሪዝምን ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።ንለውጢን ዲሞክራሲን እናተቓለሰ ብ2001 ተጨውዩ ምስ ተወስደ ከም ብጾቱ ሓርበኛታት ኣስታት 150000 ሰዓታት ኣብ ጸልማት ተደፊኑ። ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጽሓፉ”ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ዓይነት መቕጻዕቲ`ዩ። ንእሱር ሰብ እታ ንዘይተኣስረ ሰብ ሓጻር ትመስሎ ሓንቲ ሰዓት እኳ ማዕረ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ጭንቀትን ስቅያትን ሂወት ኢያ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ንማእሰርቲ ከም ዋዛን ቀሊልን ጉዳይ ገይሩ ኢዩ ዝጥምቶ ኣይስከፈሉን እዩ” ክብል ኣስፊሩ። እቲ ጭካነን ግፍዕን ስልጣን ገቢትካ ናብ ውሉድ ወለዶኻ ምትሕልላፍ ምዃኑ ተጋሂዱ። ኣብርሃም ኢሳያስ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ስዑድያን ኢማራትን ክፈራረም እንተዝርእዮን ድሮ እውን ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡን እንተዝሰምዕስ ሓርበኛ ኪሮስ ኣይበልኩን ዶ ምበለ።

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. Original title not recorded

    http://www.ehrea.org/pookl.php

    Preserved local original · source record edc6574e3fef9a1a4d5f1d4b

    SHA-256: 514be244c49ecee7d03d524b635744fa389d363187d87544a6f9746419774211

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 3ce9cda53f37d119183d919143048725cabe8c28bbc76036806a8f1c0dacbae8

Alternate titles: ከመይ ጌረ ክርስዓካ ፡ ጅግና ኪሮስዶ ትርሳዕ ኢኻ።

  • edc6574e3fef9a1a4d5f1d4b: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions