Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

“ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”

Source excerpt: ኣብዚ ቐረባ ኣዋን፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ ኣብ መደብ ቕሔ ጽልሚ፡ሓደ ክብረ ቑዱሳን ኣብራሃም ዝተብሃሉ፡ ከም ጋሻ ቐሪቦም ነይሮም።ኣብቲ መደብ ከምዝሰማዕናዮን ዝተዓዘብናዮን፡ኣቶ ክብረ ቁዱሳን ኣብ መዳይ ቛንቛ መጽሓፍ ከምዝጸሓፉን ብዙሕ ምርምር ወይ መጽናዕቲ ከምዝገበሩ ክንርዳእ ኽ’ኢልና ኢና።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”

    “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”, “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”. EHREA archive: /library/documents/doc-eb9e62ec0a6e111f610809ed/#b-dbf0578ccd468d6ba7429e5c. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 2e1245e304d7c2399fbe18f1df4b087e5d79ad6abb0337380033d5965feafed2. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

  1. Source column 1

    “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”

    1. Source column 1

      by ኣብራሃም ብርሃነ

      Source column 2

      on 19 February 2016 source asmarino.com

ኣብዚ ቐረባ ኣዋን፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ ኣብ መደብ ቕሔ ጽልሚ፡ሓደ ክብረ ቑዱሳን ኣብራሃም ዝተብሃሉ፡ ከም ጋሻ ቐሪቦም ነይሮም።ኣብቲ መደብ ከምዝሰማዕናዮን ዝተዓዘብናዮን፡ኣቶ ክብረ ቁዱሳን ኣብ መዳይ ቛንቛ መጽሓፍ ከምዝጸሓፉን ብዙሕ ምርምር ወይ መጽናዕቲ ከምዝገበሩ ክንርዳእ ኽ’ኢልና ኢና።

ቛንቛ ግእዝ መለለይ መንነት ኤርትራን ትግራይን ከምዝኮነ ዘየካትዕ እዩ።እዚ ቛንቛ ‘ዚ ሓደ ካብ ክብርታትናን ሕላገትናን ምዃኑ ኣብ ዕዳጋ ክርክር ዝውዕል ኣይመስለኒን’ዩ።

ቛንቛ ግእዝ መስረት ቛንቛ ትግረ፡ትግርይና፡ኣምሓርይና፡ኣገውን ካል’ኦትን ሙዃኑ ሙሁራትን ተመራመርቲ እቲ ቛንቛን ታሪክ እዚ ከባቢ ዘጽንዑ ይዛረቡ እዮም።

ኣብቲ ኣቶ ክብረወሰን ኣብራሃም ዝገበርዎ ቓለ-ምልልስ ዝሕብር ሓባሪ ፅሑፍ ካብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ከምዚ ይንበብ፡

“ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን ዝበሉ ክብረቅዱሳን፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ(ና)፡ ከም ቸ፡ ጀ፡ ኘ፡ ጰ ን ካልእን ፡ ዝበሉ ፊደላት ክኣትዉ ኣይነበሮምን ይብሉ። እኹል ፊደላትን፡ ቅላትን ስለዘለና፡ ናብ`ቲ ናይ ኣቦታትና ንመለስ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም።” እዚ ኣብ መበል ካል’ኣይ ክፋል ኣብ ዝሰፈረ ሓጺር መብርሂ ጽሑፍ እዩ።

“ግእዝ ትምህርቲ ‘ምበር ቛንቛ ኣይኮነን…” ኣድሂቦም ኣብ ዝተዛረብዎ ንእዝነይ ሓድሽ ኮይኑ ረኪበዮ ኣለኩ።እቲ ምንታይ ግእዝ ከም ሓደ ቛንቛ እናሰማዕኩን እናምበብኩን ስለዝመጻእኩ እዩ።ግእዝ ትምህርቲ’ዩ ዝብል ቦኽሪ እዝነይ እዩ።

ኣብ ቛንቛ ግእዝ ልዑል ኣፍልጦን ክእለትን ዘለዎም ብዙሓት ረኺበ ሓቲተዮም እየ።ተመሳሳሊ ርእይቶን ርድ’ኢትን ኣለዎም።ቛንቛ ግእዝ ዝዛረቡን ዘስተህሩን ሙሁራት’ውን ረኪበ ተወኺሰዮም ንሳ ደጊሞምለይ ኣለዉ።እቲ ኣብ ሞንጎ ትምህርትን ቛንቛን እዩ ዝብል ኣፈላላይ ከማን ንግደ ሓቂ ኣይተረደ’ኣኒን ኣሎ።መብርሂ ተዝህቡሉ ክንደይ ደስ ምበለኒ ነይሩ።

ዝኮነ ኮይኑ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነዚ ጽሑፍ እንተ ኣንቢቦሞ ምላሽ ከምዝህብሉ፡ ኣብቲ ጉዳይ ግእዝ ዘለዎም ግዳሰ ሓባሪ መንገዲ እዩ።እሞ ስጋብ መልሲ ዝህቡሉ ክንጽበይ ከምዘለና ርዱእ ነገር እዩ።ኽንጽበይ ኢና ንዝተወሰነ እዋን..

ነዚ ምስ ተከታተልኩ፡ካብ ዝረከብክዎም ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ እዩ።ኣማኑኤል ቕድሚ ኣስታት 50 ዓመት ኣቢሉ ቛንቛ ግእዝ ተማሂሩ ከምንባሩ ኣብ ዕላሉ ሳሕቲ የዋግዕ እዩ።ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተራከብናሉ ምስ ሓተትክዎ ከኣ፡ከምዚ ዝብል ሓሳቡ ሃበኒ። “ግእዝ ቛንቛ እዩ።እቲ ኣደ ቛንቛ እዩ፡፡ ንትግርኛ ኮነ ን’ኣምሓርኛ ወይ ንትግረ ወሊድዎ እዩ ዝብል ግን ኣገላልጽ’ኡ ኣይቅበሎን እየ።ግእዝ ኣብ ግዚኡ ሰሪሑ እዩ።ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምቲ ባህሪ ቛንቛ ዝገልጾ ግእዝ ሞይቱ እዩ ዝብል ርእዩቶ ኣለኒ።ምኽኒያቱ፡ኣብ ቤተ-ክርርስትያን ጥራይ እዩ ዝዝረበሉ።ኣብ ቤት-ክርስትያን ከማን ኣብ ስብከት ዝበዝሕ ዝዝረበሉ እምበር እቶም ነቲ ቛንቛ ዝፈልጥዎ ንባዕሎም ብግእዝ እኮ ኣይዛረቡን እዮም።

ግእዝ ጨሪሱ ከይጠፍእ ቤት-ክርስትያን ዓቒባቶ ዝብል የሰማምዕ እዩ።ግና እቶም ነቲ ቛንቛ ፈልጡ ዝበሃሉ ንባዕሎም ኣይዛረብሉን ኣለዉ።ኣብ ፅሑፍ ተኮነ ኣይጸሓፈሉን ኣሎ።ቐደም ተጻሒፉ ተሰኒዱ እዩ።ኣብዚ ሎሚ እዋን ግን ኣሎ ኣይብል እየ።ቛንቛ ግእዝ ኣብቲ መጀመርታ ካብ ዓረብ ካብ እብራይስጥል ይወስድ ነይሩ እዩ።ሎሚ ግን ኣይወስድን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ከምቲ ንቛንቛ ፈረንሳ ዝቀትሎ ዘሎ ንቛንቛ ግእዝ’ውን ይቐትሎ ኣሎ።እዚ ከኣ ኣይወስድ፡ኣይልቃሕ ዝብል ጉጉይ ኣበሃህላ እዩ።

ቛንቛ እንግሊዝ ረ’ኣዮ ባህሪ ቛንቛ ኣማሊኡ ይከይድ ስለዘሎ’ ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ዝማዕበለ ቛንቛ ኮይኑ ኣሎ።መመሊሱ ክብርን ዝናን ይጓናጸፍ ኣሎ።ብዙሕ ተዛራቢ የጥርይ ኣሎ።ተመራመርትን ግዱሳትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣበርኽቶ ይገብርሉ ኣለዉ።ሓደሽቲ ቓላት ካብ ኩሉ ይወስድ ኣሎ።ቛንቛ ሽወደን’ውን ከም’ኡ እዩ ክትብል ትክእል ኢካ።ዓመት መጸ፡ ዓመት ካብ ካል’ኦት ቛንቛታት ይወስድ ኣሎ።ኣድላይ ዝበልዎ ቃላት ካብ ካልእ ይወስዱ እዮም።’የሰስንዎ ኣለዉ።ተመራመርቲ ቛንቛ ተ’ኣኪቦም ንዕቢየቱ ይሰርሑሉ እዮም።

ስለዚ፡ቛንቛ ባህሪ ቛንቛ ከማልእ ኣለዎ።እዛ ባህሪ ቛንቛ ትብል ኣዘራርባ ሙሁር ቛንቛ ዝኮኑ ደራስን ጸሓፍን መምህር ገብረዝግቢሄር ቢሆን እናሻዕ ዝዛረቡላ ዛዕባ እያ።

መምህር ኣማኑኤል መንግስተ’ኣብ ፣ ሊቀ ሊቃውንቲ ያረድ ካሳ ኮነ ፕሮፌሰር ኤፍረም ይስሓቅ፡ ኣብ መዳይ ቛንቛ ግእዝ ዘለዎም ርእይቶን ሓሳብን ኣብ ዝቕጽል ከቅርበልኩም እየ።ኣቐዲመ ግን ንዝገበሩለይ ምትሕብባር ካብ ልቢ ኤመስግኖም።

ቛንቛ ትግረ ካብ ግእዝ ዳርጋ ዝበዝሕ ዝወረሰ ቛንቛ እዩ ዝብሉ ብዙሓት ጸሓፍትን ተመራመርትን ኣለዉ።ንቛንቛ ትግረ ኣፍልጦ ዘይብሎም ከኣ፡ቛንቛ ትግርይና ካብ ኣምሓርይና ዝበለጸ ናብ ቛንቛ ግእዝ ይቐርብ ይብሉ እዮም።ብ’ኣንጻሩ ብርኽት ዝበሉ ሙሁራት ንትግርይና፡ ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ብካልእ ምኽንያት ኣምሓርይና ወራሲ ዓራት ናይ ቛንቛ ግእዝ ሙዃኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝሞገቱሉ ጽሑፋትን ቓለ መጠይቓትን ይሕብሩ እዮም።ሓደ ኣብነት፡ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ክውሰድ ይክእል እዩ።ኣብዚ ዶክተር ኣብራሃምን ኣቤ ጉቤኛን ዝገበርዎ እወንታዊ ኣስተዋጽ'ኦ ፈጺሙ ዝርሳዕ ኣይኮነን ዝብል ምስኽርነት ደጋጊምካ ትሰምዖ ሓቂ'ዩ።

ኣብዚ ቕነ ‘ዚ ንገለ ተዛረብቲ ቛንቛ ጉራጌ ኣብ ዝተወከስኽሎም ግዜ፡ቛንቛ ጉራጌ ምስ ግእዝ ኮነ ትግረን ትግርይና ተዛምዶ ከምዘለዎ ክዕዘብ ክ’ኢለ እየ።ብፍላይ ኣብ ገለ፡ ገለ ዳርጋ ሓደ ትርጉም ዘለዎ ቕላትን ኣበሃህላታትን ኣለዉ እዮም።ምስ ግእዝ ቛንቛ ጉራጌን ኣርጎብኛን ርኽብ ከምዘለዎም እቶም ተዛረብቲ ቛንቛ ጉራጌ ኣውኺዖሙኒ እዮም።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ መዳይ ቛንቛ ግእዝ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ኣተኹሮ ይግበር ከምዘሎ ንዕዘብ ንሰምዕ ኣለና ኢና።ሪምን ግዴታን ኮይኑ ፍሉይ ኣተኹሮ ክግብረሉ ንኩሉ ዝሕጉስን ንዕቤት ቛንቛ ትግረን ትግርይናን ኮነ ካልኦትን ከምዝከውን “ከይተሓልመ ዝተፈትሐ” ከምዝበሃል እዩ።

ንምንታይ እዚ ኩሉ ግዜ ትም ተባሂሉ ምጽንሑ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ሕጂ ሓደ ወለዶ ምስ ሓለፈ ምጅማሩን ግዳሰ ምርካቡን ተኮነ ዝሕጉስ እዩ።

ግእዝ፡ ቛንቛ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ።ታሪካዊ መሰረት ዘለዎ ክብርታት ሕብረተሰባት ኮይኑ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ብራናታት ብቛንቛ ግእዝ ዝተጽሓፉ ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ዕቤት ስነ-ፅሑፍን ምዕቃብ ታሪክን ሰፊሕ ግደ ከምዘለዎ ብብዙሓት ዝእመን እዩ።

ቛንቛ ግእዝ ሙሁራት ካብ ቕድሚ ገለ ኣማኢት ዓመታት ኣትሒዞም መጽናዕቲ ይገብሩሉ እዮም።ጸዓዱ ከይተረፈ ይመራመርሉን የጽንዕዎን ነይሮምን ኣለዉን እዮም።

ቛንቛ ግእዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ከም ሓደ ዓውዲ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ።ኣብ ገሊኡ’ውን ከም ን’ኡስ ዓውዲ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ።ኣብ ሩሲያ፡ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ እስራኤልን ካል’ኦትን ተጠቐስቲ እየን።

ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ኣብ ጎንደር ፡ኣብ መቐለን ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ከም ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ከምዘሎ ሓበሬታት ይገልጹ እዮም።ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ሰላም ከኣ፡ ብስሩዕ ትምህርቲ ቛንቛ ግእዝ ካብ ዝወሃቦም ትካላት ሓደ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ’ውን ብደረጃ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ቛንቛ ግእዝ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ረኪቡ’ዩዃ ተዘይተብሃለ፡ ኣብ ገዳማትን ብግዱሳት ሊቃውንቲ እቲ ቛንቛን ቤት ክርስትያን ኣስተምህሮ ከምዝወሃብ ካብ ብዙሓት ምስኽርነት ትረኽበሉ እዩ።ብመልኽዕ መጽሓፍ ክጸሓፍ ጀሚሩ ምህላዉ'ውን ዓቢ ብስራት እዩ ዝብሉ ብዙሓት ግዱሳት ክዛረቡ፡ ሓሳቦም ክህቡ ምስማዕ ዚውትር እዩ።

ግእዝ ትምህርቲ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።ግእዝ ሞይቱ እዩ ዝብሉ'ዉን ኣለዉ እዮም።ኣብ ጥንቲ እዩ ነይሩ ከም መራኸብን መረዳድእን ዝብሉ ኣለዉ እዮም።ገሊ’ኦም ከኣ፡ ኣብ ግዜ ኣፄ ዮሓንስ ኮነ ኣብ ግዜ ምኒሊክ ከም ወግዓዊ ቛንቛ ቤት መንግስቲ ኮይኑ የገልግል ነይሩ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።ናይዚ ኣብነት፡ኣፄ ዮሓንስ ናብ ነገስታት እንግሊዝ፣ናብ ዮርሳሌም ብቛንቛ ግእዝ ይጽሕፍሎም ነብሩ ዝብል ኮነ ምኒሊክ ናብ እንግሊዝ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤታት ብቛንቛ ግእዝ እዩ ዝነበረ ዝብል ሞጎተ ሓደ ካብ ዓምድታት ቛንቛ ግእዝ ኣይሞተን ነይሩ፣ሕጂ'ውን ተኮነ ኣይሞተን ዝብሉ ገለ መገልጺ ኣብነት እዩ።

ኣብ ዝቕጽል የራኸብ…

ኣብራሃም ብርሃነ

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”

    http://www.ehrea.org/geexe.php

    Preserved local original · source record eb9e62ec0a6e111f610809ed

    SHA-256: 3b5038ed97dc096d1fc4bde9339515a995b47e521e26f3bfad9553eeade79fd8

    All source URLs and preserved captures
    • “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…” · refresh-2
      http://www.ehrea.org/geexe.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/geexe.php.html
      Same bytes as extracted source
    • “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…” · refresh-3
      http://www.ehrea.org/geexe.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/geexe.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 2e1245e304d7c2399fbe18f1df4b087e5d79ad6abb0337380033d5965feafed2

Alternate titles: “ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን…”

  • eb9e62ec0a6e111f610809ed: retained: ambiguous extraction; automatic merging disabled. 0 proven template removals; 2 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions