Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

Source excerpt: ታይምስ ናይ ማልታ ኣብ መርበብ ኢንተንረንት ብዝወጽኦ ናይ ዜና ሓበሬታ መሰረት፣ ነዚኣቶም ስደተኛታት ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ክብል ሓቢሩ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

    30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም, 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም. EHREA archive: /library/documents/doc-dc0249865577efe16188516c/#b-db28d690268cb6045610f562. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: b2cca77ed8bf2829c497a6d0228494531146d4d5fb6ce832fedc7c66d5857e37. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

Tuesday, 27 October 2009 15:07 AI Staff

30 ቆልዑ ዝርከብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣትዮም።

ታይምስ ናይ ማልታ ኣብ መርበብ ኢንተንረንት ብዝወጽኦ ናይ ዜና ሓበሬታ መሰረት፣ ነዚኣቶም ስደተኛታት ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ክብል ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ናብ ዓዲ ጥልያን ተወሲዶም። ካብ ናይ ጥልያን ዜና ማዕከናት ዝተረኸበ ሓበሬታ እቶም ክልተ ዝተኣሰሩ ሓደ ናይ ሱዳን ፓስፖርት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ክኸውን እንከሎ ካልኣዩ ድማ ሊብያዊ ዜጋ ኾይኑ ዋና ናይታ ስደተኛታት ዝተጓዓዙላ ዓሳ ትገፍፍ ጀልባ እዩ ይብል።

መርበብ ሓበሬታ ኣድሮኖኮስብተወሳኺ ነዚ ናይ ስደተኛታት ምድሓን ኣብ መንጎ እታ ኣንቲኛኖ ዝተባህለት መርከብን ብትእዛዝ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሮበርቶ ማሮኒ ዝተኻየደ ሓባራዊ ስራሕ እዩ ተኻይዱ ክብል ሓቢሩ። እታ ነዞም 207 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ባሕሪ ንኣስታት 3 - 5 መዓልቲ ኣብ መንጎ ጥልያንን ማልታን ክትንሳፈፍ ድሕሪ ምቕናያ እዩ እቲ ጉዳይ ክፍታሕ ዝተኻእለ። ናይ ንፋስን ማዕበልን ኩነታት ነቲ ጉዳይ ኣናዊሕዎ እዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ በንጋዚ ከተማ ገለ 70 ማይል ዝኸውን ቦታ ክንሳፈፉ ከለዉ እዮም ተረኺቦም። ብድሕርዚ ብናይ ጥልያን መርከብ ፖዞሎ ዝበሃል ኣብ ሲቺልያ ተወሲዶም። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰደተኛታት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ጃልባ ሓገዝ ዘድልዮም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣለዉ ኢሉ።

እታ ብሰንበት ምሽት ነዚኣቶም ስደተኛታት ክትወስድ እያ ዝተባህለት ናይ ሊብያ ናይ ውግእ መርከብ ከተራእየት ተሪፋ።

እዚ ጉዳይ ኣውራ ክፍለጥ ዝተኻእለሉ ምኽንያት ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ዘመዱ ብምድዋሉ ንሰበ ስልጣን ናይ መንግስቲ ጥልያንን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰደተኛታት ናይ ሕቡራት መንግስታትን ኸፍልጦም ስለዝኸኣለ እዩ። ብድሕርዚ ናይዞም ስደተኛታት ኣብ ድሓን ቦታ ናይ ምውሳድን ምእላይን ስራሕ ናይ ሮማ ኤስ. ኣር. ኣር. ማእከል ተረኪቡን ነታ ናይ ጥልያን ምዝግብቲ ዝኾነት መርከብ ድማ ነታ ጃልባ ክትኮልፋ (intercept) ኣዚዙ። እታ ጃልባ ጌና ገለ 250 ባሕሪ ማይልስ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ ማልታ እያ ኔራ እቲ ኣፍልጦ ክቃላዕ እንከሎ። እዘን ክልተ ኣካላት ናብ ማልታ ምስቀረባ፣ ናይ ማልታ ወተሃደራዊ ሓይሊ (AFM) ክዕዘብ ምስተላእከ እቶም ስደተኛታት ናብ ማልታ ክኸዱ ከምዘይደልዩን ሓገዝ ከምዝኣበዩን ናብ ዓዲ ጥልያን ጥራሕ ክበጽሑ ከምዝደልዩን ተጋሂዱ። ስደተኛታት ዓዲ ጥልያን ጥራሕ ክበጽሑ ከምዝደለዩ ኣብ ኣንቲኛኖ ዝርከብ ካፕተን ማርያኖ ኣድራኛ ንመርበብ ዜና እንደገና ኣረጋጊጹ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተመልከቱ።

መንግስቲ ጥልያን ምስ መንግስቲ ሊብያ ብዝገበሮ ውዕል መሰረት ካብ ቫቲካን፣ ሕቡራት መንግስታትን ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ውድባትን ተግሳጽ ወሪድዎ እዩ። በዚ ውዕል መሰረት ናይ ሊብያን ጥልያንን መራኽብ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምክትታል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዝተገብረ ዝዝከር እዩ። ሊብያ ናይ ሕ.መ. 1951 ስደተኛታት ስምምዕ ስለዘይፈረመት ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብ የብላን። ብተወሳኺ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻብ እውን ድኹም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እቶም ብሊብያ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ተኣሲሮም ብፍላይ ገልዓሎ ዝተባህለ ሆተል ክሰርሑ ከምዝተግደዱ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝወጸ ዜና ሓቢሩ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ጥልያንን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘሎ ዝምድና ብሓደ ፋብሪዝዮ ጋቲ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣብ ቪድዮ ተጋሂዱ።

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

    http://www.ehrea.org/30.php

    Preserved local original · source record dc0249865577efe16188516c

    SHA-256: f72919da0ee4fbd1b38565b8f841b8f64da28b8d8e0b6a38aadae96bd131ae6a

    All source URLs and preserved captures
    • 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም · refresh-2
      http://www.ehrea.org/30.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/30.php.html
      Same bytes as extracted source
    • 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም · refresh-3
      http://www.ehrea.org/30.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/30.php.html
      Earlier/different preserved capture; not used for this reader body
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: b2cca77ed8bf2829c497a6d0228494531146d4d5fb6ce832fedc7c66d5857e37

Alternate titles: 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

  • dc0249865577efe16188516c: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions