Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · English / ትግርኛ

ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?

Source excerpt: ካብዚኣቶም ድሕሪ ነጻነት መዝነት ዝረኸቡ ኣለዉ። ብ1970ታት ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስላሙ፡ ናይ ሓለዋ ሰውራ ሓላፊ ተኽላይ ወልደማርያም “ዓደን” ኔሩ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?

    ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?, ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?. EHREA archive: /library/documents/doc-d921b119d409f2d05828045a/#b-88cc63ec2191e5648131b894. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  2. Stefanos Temelso commented on an article.

    ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?, Stefanos Temelso commented on an article.. EHREA archive: /library/documents/doc-d921b119d409f2d05828045a/#b-3b2901a8584e812af109900c. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: eefa3d7a33cf37fe395a82c378d3c052d3ff969404df2b764f0359b57fe1d25d. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?

Wednesday, 22 July 2009 16:23 ኣፈወርቂ ተኽሉ

እሙናት ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ሓደ ኣብ ኣስመራ ጸጉ ዝበሃል ሓዉ ንነፍሰ ሄር ኢሳያስ ፍስሃየ (ናይ ዓይኒ ፋብሪካ ፍረድ ሆሎውስ ኣመሓዳሪ ዝነበረ)፤ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ነበር፤ ቐጺሉ ብድሕሪ ነጻነት ብዙሓት እሱራት ኣብ ዝጠፍኡሉ ኣጂፕ መደበር ፖሊስ ዝሰርሕ ዝነበረ፤ ኣብ ሓደ ናይ ኣስመራ ባር ምስ ሓደ “ወደ ሮማ” ዝበሃል ዓርኩ፣ ምስ ናይዝጊ ክፍሉ ድሕሪ ምብኣሱ ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣሰረ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ተግባር እዚ ክልቲኦም መዓርጎም ካብ ሙሉእ ኮሎነል ናብ ለተና ኮሎነል ንኽወርድ ዝተነግሩ እዮም። እዚ ሰብ እዚ ኣቕዲሙ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝመሓደር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክፍሊ ኣባል ኔሩ። በዚ መዚ መሰረት ብምግባር፡ ብድሕሪ ናይ ክቡር ፓትርያርክ ኣንቶንዮስ ካብ ስልጣን ምውራድ፡ ናብ ኒው ዮርክን ካልኦት ናይ ኣሜሪካ ከተማታት ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝተላእከ ጉጅለ ኣሰንዩ መጺኡ። ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከም ጰንጠን ጅሆቫን ዝኣመሰሉ ናይ ዘይተመዝገቡ እምነታት ኣባላትን ናይ “ተሃድሶ” ክርስትያንን ኣስላምን ምህዳንን ምክልባትን ምእሳርን ብሓላፍነት ዝሕተት ክፍሊ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ናይ መወዳእታ ናይ ስራሕ ቦታኡ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ናይ ገንዘብ ሰኬዩሪቲ ሓላፊ ኔሩ ይበሃል። መንበሪኡ ገዛ ኣብ ከባቢ ፊያት ጥቓ ላተርያ ሰናይ ይበሃል። ኣብ ናይ ካንሳስ ከተማ ዜና ተነጊሩሉ ዘሎ እዚ ኤርትራዊ እዚ ንሱ እንተድኣ ኮይኑ፣ ዝበዝሐ ናይ ተጋዳላይ ጊዜኡ ከም ኣባል ሓለዋ ሰውራ ኣሕሊፍዎ። እዚ ሓለዋ ሰውራ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ካብ ትፍጠር ዝጸንሐ፡ ንዲስፕሊንን “ውሽጣዊ” ጸላእትን ንምጥቃዕ ዝዓለመ ኣካል ኮይኑ ንብዙሓት ጸቕጥን ጭቆና ናይ ኢትይጵያ ብምቅዋምን ንነጻነት ንምቅላስ ኢሎም ዝወጹ ኤርትራውያን ኣብ ምጥፋእን ምቕታልን ተራ ተጻዊቱ። ምስ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ዲሞክራስን (ህግደፍ) ድሕሪ ነጻነት ድማ ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ድሕነትን ዝብል ስም ዝንቐሳቐስ ኣካል እዩ። ኣብ 70ታት ብዙሓት ተመሃሮን፡ ምሁራትን ካልኦት ኤርትራውያን በቲ ሓድሽ ኮሚኒስታዊ ስርዓት “ደርግ” ኢትዮጵያ ዝቐጸሎ ናይ ምጭፍላቕን ምውቃዕን ሜላ ብምቅዋም ንሜዳ ዊሒዞም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ግዳይ እተን ምሁራትን ሓዲሽ ሓይሊ ዘሰክፈን ግንባራት ኮኑ። ብዛዕባ እዚ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ www.ehrea.org. ተወከሱ። እዚ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ጸጉ ኣስታት 1950 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ብ1973-76 ኣቢሉ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተሰሊፉ። ንሱ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረሉ እዋን ንተጋደልቲ ዘሳቕዩን ዝቕጥቕጡን ካብ ዝነበሩ፤

  1. ወዲ ጸጋይ (ብግዜ ሃይለ ስላሴ ፖሊስ ዝነበረ፡

  2. ተስፋልደት ሚኪኤል “ቀሃስ” ዝጽዋዕ ጥቓ ወ.ወ.ክ.ማ. ዕዳጋ ሓሙስ ግዝኡ ዝነበረ

  3. የማነ “ተንሽን” ካብ ደቀምሓረ

  4. ኣማኑኤል ተስፋሁነኝ “ቀይሽብር”

  5. ኣማኑኤል ልጃም

  6. ኣማኑኤል ጳውሎስ (ካብቶም ንጂ15 ክእሰሩ እንከለዉ ኣብ ላንድክሩዘር ዝጽበ ዝነበረ

  7. “ታንዱር”

  8. ወልደዝጊ

  9. ወዲ ዋስዕ

  10. ተኪኤ “ወዲ ቐሺ” ካብ ዓዲ ንፋስ (ንኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ፡ ድሓር ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ፡ ካሊፎርንያ ዝኸደ)

  11. ኮሎነል ስምኦን ገብረድንግል

  12. ጋይም ተስፋሚኪኤል (ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ዘሎ)

  13. ጸጋይ ይስሃቅ (ተመሃራይ ዝነበረ፡ ናብ ተ.ሓ.ኤ ዝሃደመ) ይርክብዎም።

ካብዚኣቶም ድሕሪ ነጻነት መዝነት ዝረኸቡ ኣለዉ። ብ1970ታት ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስላሙ፡ ናይ ሓለዋ ሰውራ ሓላፊ ተኽላይ ወልደማርያም “ዓደን” ኔሩ። ብድሕሪኡ ሓለዋ ሰውራ ናብቲ ብ2007 ዝሞተ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ተመሓላሊፉ።

ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓለፍቲ ነበር ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽን ገበንን ኣይትንትኑን ይቕረታ ንምሕታት እውን ኣይብገሱን እዮም። ካብ ዲክታቶርነት ኤርትራ ንምህዳምን ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዕቑባ ይሕቱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ገለ ገለ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓለፍቲ ነበር ምስዞም ውጹዓት ተሓዊሶምን ሶሊኾምን ዑቕባ ይሓቱ እዮም። ዕቕባ ክሓቱ እንከለዉ፡ ናይ ኣባሓጎኦም ወይከኣ ናይ ዓባዮምን ካልኣይ ኣስማት ብምጥቓም መንነቶም ይሓብኡ። ብወግዓዊ ኣገባብ ኣድላዪ እንተድኣ ተሓቲቱ ናይዚ ተባሂሉ ሰብ መንነት መረጋገጺ ሰነድ ክፍርም ድሉዉ ዝኾነ ምንጪ ኣሎ። ዝበዝሓ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ሃገሮም ገበን ንዝፈጸሙ ወይ ከኣ ኣብ ምፍጻም ዝተሓባበሩ ሰባት ብናይ ዑቕባ መስርሕ ኣይቅበልዎምን እዮም።

post script

commented on an article "እታ ሕብእቲ ሰልፊ።

"

Stefanos Temelso commented on an article.

22 mins ·

I thank Daniel for his deep analysis and commentary on the book. Earlier a friend told me that I would find nothing new from the book. The problem of the book seems to be with the name and content. Where does the secret party lie in the book, the situation in Halewa Sewra, who were killed there why, what was the system of torture, what role did the author have as a leader there? the role of different people in the section etc. Tsegu was a member of the security until his departure from Eritrea. So, how did the incarceration of the G15 happen? The aim of Haimanotawi Gudayat etc etc. If the title of the book is the secret party, at least more than 50% of its content must talk about the secret party.

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?

    http://www.ehrea.org/twks.php

    Preserved local original · source record d921b119d409f2d05828045a

    SHA-256: f6e2c46b764a36ebeea849eb5e20ba3cd51f1009303289c78d70e8d053186fd6

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: eefa3d7a33cf37fe395a82c378d3c052d3ff969404df2b764f0359b57fe1d25d

Alternate titles: ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?

  • d921b119d409f2d05828045a: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions