ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/
Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.
Research this document
Cite this document
The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.
The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.
Author not established. ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-d3e3fd2f3c3e1f5c0e97b6d4/ [1] ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/. Original source: http://www.ehrea.org/haild.php. Preserved original: /library/originals/58bf6dd91750e823e1422cb55f2d59fec78ffa847e05bfeadc600653e6d98180.bin. SHA-256: 58bf6dd91750e823e1422cb55f2d59fec78ffa847e05bfeadc600653e6d98180
Cite a section
Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.
- ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ ብኣበድ ተስፋይ
ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/, ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ ብኣበድ ተስፋይ. EHREA archive: /library/documents/doc-d3e3fd2f3c3e1f5c0e97b6d4/#b-6edaca10de331b0bd9b36600. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.
- ሰብ ውዕለታ ዝበልዐት ሃገር፡ሎሚ ብዛዕባ እቲ መምህረይ ዝብሎ እቲ ዘይሕለል ሃገራዊ ብሱል ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ-- ድሩዕ ገለ ንእሽቶ ጥማዕ ትብቃዕ ኣይትብቃዕ ገለ ካብ ታሪኹን ውዕሎኡን ገለ ክብል ደስ ኣናበለኒ እዩ። እወ ብዛዕባቲ ውፉይ መምህር ሰውራ፡ ንንቕሓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቐየረ ዓቢ ካድር መምህር ካድረታት። ኣብ ሂወተይ ከቢድ ነገር ኮይኑ ካብ ዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚታት ንበዓል ድሩዕ ሰብ ረዚን ውዕለት ምጥላም እዩ። ብ1946 ኣከባቢ ከምዝተወልደ ዝፍለጥ ድሩዕ ብ 1967 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ይመስለኒ ዝተረፈ ንኣረምቲ ይገድፎ፡ኣነ 1967 እኳ ኣብዛ ዓመት ኣዚኣ ንመጀመርያ ኣብ ዓዲ ንኣምን ተማሃራይ ከለኹ ድሩዕ ዘለዎም ተጋደልቲ ንመጀመርያ ዝረኣናሉ ግዜ ነይሩ፡ኣነ ምስቲ ንእሽቶ ወዲ 15 ዓመት ምንባረይ ብዙሕ ኣቓልቦ ንምልላዮም ዝገበርክዎ ኣይነበረን፡ስዉኣ መምህር ሰረቕ ሃብተማርያም ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ ዝነበሩ ብዕድመ ምዕባየይ ግን ድሩዕ መጽሔት ገድሊ ኤርትራ ዝብል ሂቡና ኢሉ ስለ ዝነገረኒ ምስ ሰረቐ ክሳዕ ግዜ መስዋእቱ ንዝክራ ፍጻሜ ኣያ ነይራ። ብዝኾነ ድሩዕ ምስቲ ኣብ መወዳእታ 60ታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ናብቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ድሕሪ ምቕጻል፡እቲ መሪር ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዘየቕሰኖ ኣብ ከባቢ 1972 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸምቢሩ፡ምስ ኢሰያስ ዝፋለጡን መማርትን ስለ ዝነበሩ እቲ ገድሊ ሰልፊ ናጽነት ዝሓደሶ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ድሩዕ ከም ወዳብን ፍዳኢንን ኮይኑ ምስ በዓል ስዉእ ወልደንኪኤል ሃይለ በዓል ተኪኤ -ወዲ ቐሺ other wise ዝርከብዎም ናብ ኣስመራን ከባቢኣን ተመዲቡ ስርሑ ጀመረ፡ 1973 ኣስመራ ኣትዩ እውን ናይ ፈዳይን ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ፡ ብካርነሽም ብኳዜን ኣቢሉ ንከተማ ኣስመራ ንሓደ ስርሒት ንበይኑ በለይቲ እናኣተወ ፡ ኣብ መንጎ ኳዚንን በለዛን ዘሎ ጽሕዲ ዘልዎ ቦታ እናኸደ ሃንደበት ኣብ ድብያ ኮመንድስ ወደቐ፡እቲ ጉዳይ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን ኣብ ናይ ቋሕሰም ግዜ ኢድ ቢኢድ ምስ ዕጥቁ ተታሒዙ፡ጸልማት ስለ ዝነበረ ዳርጋ ረጊጽዎም ነይሩ ዝበለኒ፡ሓደ ኮማንድስ ኣብዛ ዘለኹዋ ዓዲ ዘሎ ኣዕሊሉኒ፡ካብቶም ብቐረባ ዝሓዝዎ ምንባሩ፡ ምስ ተታሕዘ ድማ ባዕሉ ኢዱ ከም ዝሃበ ጌርካ ንምፍትሑ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን ንሱ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረን ይብለኒ እቲ ኮማንድስ፡ ኣቲ ኮማንድስ ኣብ1975 ድሕሪኡ ናብ ጀብሃ ተሰሊፉ እዩ። ብዝኾነ ድሩዕ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቀይዲ ኣትዩ ምዕልቲ ሞቱ እናተጸበየ፡ብ1975 ጀብሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ምስ ኣውጽኣቶ ምስቶም ውድባት ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሩ እሱራት ናብ ብጾቱ ተጸምበረ። ብዝነበሮ ብቕዓት ፖለቲካ ድማ ንሱ መምህር ካድረታት ብትግርኛ፡ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ድማ መምህር ብቋንቋ ዓረብ ኮይኖም፡እቶም መጀመርያ 1ይ ዙርያ ካድረታት ተማሃሩኡ ኣነ ሓደ ካብኦም ነበርኩ፡ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ኣውን ደቂ ዙርያ ኢና፡፡ድሕርዚ ክሳዕ ድሮ ናጽነት ብዘይምቁራጽ ድሩዕ ካድረታት ኣሰልጢኑ ንውድብ ህዝባዊ ግምባር ናብ ዘይቁርጠም ዓረ ዝቐየረ ሓርበኛ እዩ። እቶም ንሱ ዝፈጠሮም ካድረታት ስለ ዝጸንዑን፡ተጋዳላይ ከም ዝጸንዕ ስለ ዝገበሩን ብቐንዱ ስራሕ ድሩዕ ኣብ ምቕያር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር መዘና ኣልቦ እዩ። ነቲ ጽንኩር ትንፋስ ዘይህብ ወራራትን ወፍርታትን፡ደምሳሲ ኲናትን ንቕሓት ምህሮ በዓል ድሩዕ እንተዘየሰንዮ፡ሰውራ ኣብ ናጽነት ንክበጽሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ነይሩ። ድሩዕ ኣብ 1977 ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክፍሊ ምንቕቓሕ ደሓር ድማ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ኮይኑ ኩሉ ኣቲ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ይዓምም ነበረ፡ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ፡ክፍሊ ዜና፡ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ባህልን ልምድን ዝባሃላ ጨናፍር ኣብ ምንቕቓሕን ሓበሬታ ንህዝቢ ፡ምቅላዕ ንጸላኢ፡ሞራል ንህዝብን ሰራዊትን ዘስንቕ እጃም ኣሃዱ ድሩዕ ዝመርሖ ክፍሊ ነበረ። ድሩዕ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ 1977 ንጥልቀት ካብ ሓደጋ መኪና ተሰባቢሩ ጥዋዕዋዕ ኢሉ፡ንዓዲ ጥልያን ከይዱ ተሓኪሙ ናብ ስርሑ ተመልሰ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላልየ ሚንስትሪታት፡ፍይናንስን ልሞዓትን፡ንግድን ኢንዱስትርን፡ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ክሳዕ ሽምግልና ኣልጀርስ ልኡላውነት ኤርትራ ንምሕላው ዝከኣሎ ናይ ዘተን ዕርቂ ሉኡኽ ኮይኑ ንክብሪ ሃገሩ ተቓሊሱ ክሳዕ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ደው ንክብል ሰሪሑ እዩ።2001 ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተራእየ ግርጭት ኣብ መንጎ ቅዋማያን ጉጅለ 15 ጉጅለ ኢሰያስ ህግደፍ፡ ኣቲ ኩሉ ዝወረደ ክሳራ ብሰንኪ ዘይግሉጽ ኣሰራርሓ መሪሕነት ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ዘጋጠመ ስዕረትን ክሳራን ጠንቂ ብምዃኑ ኢሰያስ ካብ ስልጣን ተኣለ እንተበልናዮ ዘኽፍእ ኣይኮነን፡ጀማል ዓብደል ናስር ኣብ 1967 ምስሪ ብእስራኤል ምስተሳዕረት ጀማል ዓብደል ናስር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንህዝቢ ሓቲቱ እዩ፡ስለዚ ውረድ እንተበልናዮ ንኢሰያስ ዘኽፍእ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፡ኣነ እኳ ነዚኣ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዋን፡ ውጥናቶም ስርዓት ንምቕያር ስለ ዘግሃደሉ ኢሰያስ ቅልጡፍን ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ክወስድ ዕድል ረኺቡ እዩ፡ስለዚ ናይ ስልቲ ጌጋ ነይራ ዝብል ኣራኣእያይ ሽዑ ገሊጸ እየ፡እንታይ ሒዝኩም እውን ኣስዒበ፡ስለዚ ንተመን ከምዚ ጌርካ ከተግህደሉ መቕተሊኻ እዩ፡ ገና ዝከላከለልካ ሓይሊ እውን ኣይፈጠርካን። ብዝኾነ ድሩዕ እቲ ቀንዲ ታርጌት ኢሰያስ ንስልጣኑ ሓደገኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ሰብ ኣዩ፡ሰዓብቲ ኢሰያስ ነታ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ብዙሕ መግለጺ ድሩዕ በጥቊሎም ነታ ''ተጣላቒና'' ትብል ቃል መቐይዕን መድሃልን ተጠቒሞሙላ እዮም። መን ተጠላቕዩ ግን ኣዘዝቲ ኲናት መረብ ሰቲት ጢጥ ክብሉ ስለ ዝተራእዩ፡ ጥልቁያት ንሳቶም ጥራይ እዮም።ድሩዕ ከምቶም ውፉያት ብጾቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ዝተሰወረ ጅግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልብና እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በቶም ንህዝብን ሃገርን ክኾኑ ዝማሃሮም ካድረታቱ ዝተጠልመ በዓል ታሪኽ ሓርበኛ እዩ። በዓልቲ ቤቱ ምስ ደቃ እዝጊኣብሄር ይሓልዋ፡ ንፈንቅል ሃይለ ድማ ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይምነየሉ። ሰማእታትና ኩልሻዕ ኣብ ልብና። ኣበድ ተስፋይ
ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/, ሰብ ውዕለታ ዝበልዐት ሃገር፡ሎሚ ብዛዕባ እቲ መምህረይ ዝብሎ እቲ ዘይሕለል ሃገራዊ ብሱል ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ-- ድሩዕ ገለ ንእሽቶ ጥማዕ ትብቃዕ ኣይትብቃዕ ገለ ካብ ታሪኹን ውዕሎኡን ገለ ክብል ደስ ኣናበለኒ እዩ። እወ ብዛዕባቲ ውፉይ መምህር ሰውራ፡ ንንቕሓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቐየረ ዓቢ ካድር መምህር ካድረታት። ኣብ ሂወተይ ከቢድ ነገር ኮይኑ ካብ ዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚታት ንበዓል ድሩዕ ሰብ ረዚን ውዕለት ምጥላም እዩ። ብ1946 ኣከባቢ ከምዝተወልደ ዝፍለጥ ድሩዕ ብ 1967 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ይመስለኒ ዝተረፈ ንኣረምቲ ይገድፎ፡ኣነ 1967 እኳ ኣብዛ ዓመት ኣዚኣ ንመጀመርያ ኣብ ዓዲ ንኣምን ተማሃራይ ከለኹ ድሩዕ ዘለዎም ተጋደልቲ ንመጀመርያ ዝረኣናሉ ግዜ ነይሩ፡ኣነ ምስቲ ንእሽቶ ወዲ 15 ዓመት ምንባረይ ብዙሕ ኣቓልቦ ንምልላዮም ዝገበርክዎ ኣይነበረን፡ስዉኣ መምህር ሰረቕ ሃብተማርያም ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ ዝነበሩ ብዕድመ ምዕባየይ ግን ድሩዕ መጽሔት ገድሊ ኤርትራ ዝብል ሂቡና ኢሉ ስለ ዝነገረኒ ምስ ሰረቐ ክሳዕ ግዜ መስዋእቱ ንዝክራ ፍጻሜ ኣያ ነይራ። ብዝኾነ ድሩዕ ምስቲ ኣብ መወዳእታ 60ታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ናብቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ድሕሪ ምቕጻል፡እቲ መሪር ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዘየቕሰኖ ኣብ ከባቢ 1972 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸምቢሩ፡ምስ ኢሰያስ ዝፋለጡን መማርትን ስለ ዝነበሩ እቲ ገድሊ ሰልፊ ናጽነት ዝሓደሶ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ድሩዕ ከም ወዳብን ፍዳኢንን ኮይኑ ምስ በዓል ስዉእ ወልደንኪኤል ሃይለ በዓል ተኪኤ -ወዲ ቐሺ other wise ዝርከብዎም ናብ ኣስመራን ከባቢኣን ተመዲቡ ስርሑ ጀመረ፡ 1973 ኣስመራ ኣትዩ እውን ናይ ፈዳይን ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ፡ ብካርነሽም ብኳዜን ኣቢሉ ንከተማ ኣስመራ ንሓደ ስርሒት ንበይኑ በለይቲ እናኣተወ ፡ ኣብ መንጎ ኳዚንን በለዛን ዘሎ ጽሕዲ ዘልዎ ቦታ እናኸደ ሃንደበት ኣብ ድብያ ኮመንድስ ወደቐ፡እቲ ጉዳይ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን ኣብ ናይ ቋሕሰም ግዜ ኢድ ቢኢድ ምስ ዕጥቁ ተታሒዙ፡ጸልማት ስለ ዝነበረ ዳርጋ ረጊጽዎም ነይሩ ዝበለኒ፡ሓደ ኮማንድስ ኣብዛ ዘለኹዋ ዓዲ ዘሎ ኣዕሊሉኒ፡ካብቶም ብቐረባ ዝሓዝዎ ምንባሩ፡ ምስ ተታሕዘ ድማ ባዕሉ ኢዱ ከም ዝሃበ ጌርካ ንምፍትሑ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን ንሱ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረን ይብለኒ እቲ ኮማንድስ፡ ኣቲ ኮማንድስ ኣብ1975 ድሕሪኡ ናብ ጀብሃ ተሰሊፉ እዩ። ብዝኾነ ድሩዕ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቀይዲ ኣትዩ ምዕልቲ ሞቱ እናተጸበየ፡ብ1975 ጀብሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ምስ ኣውጽኣቶ ምስቶም ውድባት ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሩ እሱራት ናብ ብጾቱ ተጸምበረ። ብዝነበሮ ብቕዓት ፖለቲካ ድማ ንሱ መምህር ካድረታት ብትግርኛ፡ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ድማ መምህር ብቋንቋ ዓረብ ኮይኖም፡እቶም መጀመርያ 1ይ ዙርያ ካድረታት ተማሃሩኡ ኣነ ሓደ ካብኦም ነበርኩ፡ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ኣውን ደቂ ዙርያ ኢና፡፡ድሕርዚ ክሳዕ ድሮ ናጽነት ብዘይምቁራጽ ድሩዕ ካድረታት ኣሰልጢኑ ንውድብ ህዝባዊ ግምባር ናብ ዘይቁርጠም ዓረ ዝቐየረ ሓርበኛ እዩ። እቶም ንሱ ዝፈጠሮም ካድረታት ስለ ዝጸንዑን፡ተጋዳላይ ከም ዝጸንዕ ስለ ዝገበሩን ብቐንዱ ስራሕ ድሩዕ ኣብ ምቕያር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር መዘና ኣልቦ እዩ። ነቲ ጽንኩር ትንፋስ ዘይህብ ወራራትን ወፍርታትን፡ደምሳሲ ኲናትን ንቕሓት ምህሮ በዓል ድሩዕ እንተዘየሰንዮ፡ሰውራ ኣብ ናጽነት ንክበጽሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ነይሩ። ድሩዕ ኣብ 1977 ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክፍሊ ምንቕቓሕ ደሓር ድማ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ኮይኑ ኩሉ ኣቲ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ይዓምም ነበረ፡ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ፡ክፍሊ ዜና፡ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ባህልን ልምድን ዝባሃላ ጨናፍር ኣብ ምንቕቓሕን ሓበሬታ ንህዝቢ ፡ምቅላዕ ንጸላኢ፡ሞራል ንህዝብን ሰራዊትን ዘስንቕ እጃም ኣሃዱ ድሩዕ ዝመርሖ ክፍሊ ነበረ። ድሩዕ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ 1977 ንጥልቀት ካብ ሓደጋ መኪና ተሰባቢሩ ጥዋዕዋዕ ኢሉ፡ንዓዲ ጥልያን ከይዱ ተሓኪሙ ናብ ስርሑ ተመልሰ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላልየ ሚንስትሪታት፡ፍይናንስን ልሞዓትን፡ንግድን ኢንዱስትርን፡ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ክሳዕ ሽምግልና ኣልጀርስ ልኡላውነት ኤርትራ ንምሕላው ዝከኣሎ ናይ ዘተን ዕርቂ ሉኡኽ ኮይኑ ንክብሪ ሃገሩ ተቓሊሱ ክሳዕ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ደው ንክብል ሰሪሑ እዩ።2001 ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተራእየ ግርጭት ኣብ መንጎ ቅዋማያን ጉጅለ 15 ጉጅለ ኢሰያስ ህግደፍ፡ ኣቲ ኩሉ ዝወረደ ክሳራ ብሰንኪ ዘይግሉጽ ኣሰራርሓ መሪሕነት ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ዘጋጠመ ስዕረትን ክሳራን ጠንቂ ብምዃኑ ኢሰያስ ካብ ስልጣን ተኣለ እንተበልናዮ ዘኽፍእ ኣይኮነን፡ጀማል ዓብደል ናስር ኣብ 1967 ምስሪ ብእስራኤል ምስተሳዕረት ጀማል ዓብደል ናስር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንህዝቢ ሓቲቱ እዩ፡ስለዚ ውረድ እንተበልናዮ ንኢሰያስ ዘኽፍእ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፡ኣነ እኳ ነዚኣ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዋን፡ ውጥናቶም ስርዓት ንምቕያር ስለ ዘግሃደሉ ኢሰያስ ቅልጡፍን ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ክወስድ ዕድል ረኺቡ እዩ፡ስለዚ ናይ ስልቲ ጌጋ ነይራ ዝብል ኣራኣእያይ ሽዑ ገሊጸ እየ፡እንታይ ሒዝኩም እውን ኣስዒበ፡ስለዚ ንተመን ከምዚ ጌርካ ከተግህደሉ መቕተሊኻ እዩ፡ ገና ዝከላከለልካ ሓይሊ እውን ኣይፈጠርካን። ብዝኾነ ድሩዕ እቲ ቀንዲ ታርጌት ኢሰያስ ንስልጣኑ ሓደገኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ሰብ ኣዩ፡ሰዓብቲ ኢሰያስ ነታ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ብዙሕ መግለጺ ድሩዕ በጥቊሎም ነታ ''ተጣላቒና'' ትብል ቃል መቐይዕን መድሃልን ተጠቒሞሙላ እዮም። መን ተጠላቕዩ ግን ኣዘዝቲ ኲናት መረብ ሰቲት ጢጥ ክብሉ ስለ ዝተራእዩ፡ ጥልቁያት ንሳቶም ጥራይ እዮም።ድሩዕ ከምቶም ውፉያት ብጾቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ዝተሰወረ ጅግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልብና እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በቶም ንህዝብን ሃገርን ክኾኑ ዝማሃሮም ካድረታቱ ዝተጠልመ በዓል ታሪኽ ሓርበኛ እዩ። በዓልቲ ቤቱ ምስ ደቃ እዝጊኣብሄር ይሓልዋ፡ ንፈንቅል ሃይለ ድማ ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይምነየሉ። ሰማእታትና ኩልሻዕ ኣብ ልብና። ኣበድ ተስፋይ. EHREA archive: /library/documents/doc-d3e3fd2f3c3e1f5c0e97b6d4/#b-30754f461c3b3f84c7660374. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.
Compare with original
Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.
Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.
Report a problem
This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.
Document version and correction history
Current reader content signature: 25564063fd5878264d773abb8d4be84c3d9b7a0d8d4069fea587f55a034e2b83. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.
No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.
A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.
Title, language and source notes
Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.
Sources
These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.
ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/
http://www.ehrea.org/haild.php
Preserved local original · source record
d3e3fd2f3c3e1f5c0e97b6d4SHA-256:
58bf6dd91750e823e1422cb55f2d59fec78ffa847e05bfeadc600653e6d98180All source URLs and preserved captures
- http://www.ehrea.org/haild.php
- http://ehrea.org/haild.php
- http://ehrea.org/haild.php.html
- http://www.ehrea.org/haild.php.html
- https://ehrea.org/haild.php
- https://ehrea.org/haild.php.html
- https://www.ehrea.org/haild.php
- https://www.ehrea.org/haild.php.html
- ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/ · refresh-3
http://www.ehrea.org/haild.php
Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/haild.php.html
Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision
Full-content signature: 25564063fd5878264d773abb8d4be84c3d9b7a0d8d4069fea587f55a034e2b83
Alternate titles: ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን/
- d3e3fd2f3c3e1f5c0e97b6d4: retained: distinct complete document. 2 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.