Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

Source excerpt: Home [External image reference] ትግርኛ [External image reference] ዜና [External image reference] ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

    ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።, ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።. EHREA archive: /library/documents/doc-b99ecff2e542882ba8b83489/#b-be3d922e65589bfa028252c7. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 5dea88b84b317b5099b2ab7f1adef87470512efc1e56078db9c5d004ed0ddacf. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

Home [External image reference] ትግርኛ [External image reference] ዜና [External image reference] ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

Sunday, 07 November 2010 22:19

ኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕማቕ ኢያ ዘላ። ኣብ ግዜ ለይቲ ሓሓሊፉ ድምጺ ጠያይት ይስማዕ ኣሎ። ንግሆ ሓያሎይ ሰባት ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ከም ዝተጋጨወት መኪና ኣብ ኣንጎሎታት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ።

ሎሚ ሃብታም ዝበሃል የለን። ናይቲ ኣቐዲሞም ኣሲሮሞ ዝነበሩ ዘርእጋብር ዝተባህለ ነጋዳይ ንብረት ተዓሺጉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጀነራላት ተማቒሎም ሸይጦሞ ኢዮም። ወናኒ ፎቶ ዙላን ኣልባ ቢስትሮን ዝኾነ ኣቶ ተኽለ፣ ኣሲሮሞ ነይሮም፣ ግን ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ከፊሉ ከም ዝወጸ ይዕለል።

ኣብ ባንክታት ገንዘብ የለን። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰብ ዘዝነበሮ ገንዘብ ካብ ባንክ እናኣውጽአ ክበልዕ ጸኒሑ፣ ሎሚ ናብ መወዳእታ በጺሑ ኣሎ። እቶም ኣብ ኣፍደገ ባክታት ዝርከቡ ዋርድያታት ከይተረፉ ንገለ ገንዘብ ሒዞም ካብ ባንክ ንዝወጹ ሰባት ደድሕሪኦም እናሰዓቡ፤ “ገለ ናይ ሻሂ’ባ ርኣዩልና” ክብሉ ይረኣዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ደቂ ሃብታማት ቆልዑ ይጭወዩ’ሞ፣ ብተለፎን ገይሮም፣ “ክንድዚ ገንዘብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኬድኩም ክፈሉ። ኣይንኸፍልን እንተበልኩም ግን ሕጂ ጥይት ንወድኹም” እናበሉ ናይ ሽፍትነት ስራሓት ዝሰርሑ ሰባት ኣለዉ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ንደቂ ሃብታማት ውልቃዊ ዋኒኖም ንከካይዱ ብገንዘብ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኢዮም ኣፍቂዶምሎም። ሓደ ወዲ ሃብታም ኣባል ኣገልግሎት ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ወወርሒ ናይ ዕረፍቲ ወረቐት ንክጽሓፈሉ፣ ካብ 2-3 ሽሕ ናቕፋ ዝኸፍል ዝነበረ ሎሚ ግን 10 ሽሕ ንወርሒ ይኸፍል ኣሎ። ከምዚ ብዝኣመሰለ ቅጥፈት ሚልዮነራት ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣለዉ። ኣብዚ ብልሽውና ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ግዜ ፣ ነቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ካብ ኣዘዝቲ ግንባር ክሳብ መራሕቲ ብርጌዳት ከከም ማዕርጎም ይማቐልዎ ኣለዉ።

ዝእሰሩን ዝድስክሉን ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ዘምህረት ዮሃንስ ዝኾነ ወግዓዊ ስራሕ የብሉን። ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ዶር. ገርግሽ’ውን ካብ ዝነበሮ ስራሕ ደስኪሉ ይርከብ። ካልእ ሎሚ ዋናታት ኤርትራ ኮይኖም ዘለዉ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ዓሊ ዓብዱን ኢዮም። ንሓደ ክእሰር ዝድለ ሰብ ቅድም ናብ ተለቪዥን የርእይዎ’ሞ ጸኒሖም ይኣስሩዎ። ናብ ቃለ-መሕትት ዝቐረበ ሓላፊ ናይ ምእሳሩ መርድእ ከም ዝሰምዐ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ።

ሓላፊ መጎዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከል ዝነበረ ጀማል ሻምበል ያሲን ብድሕሪ ቀለ-መሕትት ምግባሩ፦ “በሉ መጺኣትኒ እታ ገመድ… ኣይይ! ጋሽ-ባርካይ ምሓሸኒ” ክብል ድሕሪ ምቕናዩ፣ ተኣሲሩ። ናብ ሳዋ ንዝወረዱ ተመሃሮ፣ ሃብታማት ኣሕዋቶም ኣብ ደገ ከም ዘለዉዎም እንተድኣ ሰሚዖም፤ ካብ ሳዋ ጨውዮም ናብ መሬት ሱዳን የእትዉዎም። ናብ ኣሕዋቶም ተለፎን ደዊሎም 10 ሽሕ ዶላር ክፈሉ ወይ ድማ ነዚ ሓውኹም ሕጂ ክንቀትሎ ኢና ኢሎም ገንዘብ ኣብ ከሰላ ካብ ሓዋላ ይቕበሉ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ኣብ ክንዲ ንሱዳን ክኸዱ ዝፍንውዎም፣ ሒዞሞም ናብ ሳዋ ይምለሱ። ብድሕሪ ምምላሶም’ውን ምስጢር መታን ከየውጽኡ ሃለዋቶም የጥፍኡዎም። ስለዚ ሎሚ ኣስመራ ካብ ዝኽነ ግዜ ንላዕሊ ብሽፍትነት ተትዋሒጣ ኣብ ዝኸበደ ዓዘቕቲ ትርከብ ኣላ። ህዝቢ ናብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ተኣኪቡ ጸሎቱ ገዲፉ ንህግደፍ ኣብ ምርጋም ይውዕል ኣሎ።

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

    http://www.ehrea.org/yasin.php

    Preserved local original · source record b99ecff2e542882ba8b83489

    SHA-256: e595da798f1fd19683f80143c2e88d6c76e43da70537d20191d6ae61f6cf6526

    All source URLs and preserved captures
    • ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ። · refresh-3
      http://www.ehrea.org/yasin.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/yasin.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 5dea88b84b317b5099b2ab7f1adef87470512efc1e56078db9c5d004ed0ddacf

Alternate titles: ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

  • b99ecff2e542882ba8b83489: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions