Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012

Source excerpt: ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምዝራብን፣ምጽሓፍን መሰሉ ኣብ ዝኮነ ግዜ ክሕለወሉ ይግባእ ፣ እንተኮነ ገለገለ ኣብ ምቁዋም ዘለዉ ውድባትን ወብሳይታትን ንደሞክራሲያዊ ሰብኣውን መሰላት ናይ ምክባር ቀንዲ ተልእኮኦም ከምዘይኮነ እናበርሄን እናተጋህደን ስልዝኮነ ፣ ነዚ ተግባርት እዚ ንከይስዕርር ንምግትኡ ናይ ኩሎም ንሃገር ብቀዳምነት ዝሰርዑ ዜጋታት ሓላፍነት እዩ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012

    ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012, ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012. EHREA archive: /library/documents/doc-ada0d39e1cf9b7c00c46172e/#b-6e23f6a711005902457663c9. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 959b19373f6205c824fad898da7caa990b40f93bcfe72952849d4a551d331780. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012

Source: http://erigazette.org/?p=4328

Dec 092012

ባይቶ ኣዋሳ ብጉዳይ ቆርነልዮስ ዑስማን ካብ ወርሒ መስከረም ጂሚሩ ምስ ሓድሓደ ወብሳይታት ሓዊስካ ክሕቆኑ ድሕሪ ምጽናሖም ነቲ ናይ መሰልካ ምግላጽ ተጻባኢ መርገጾም ኣብ ሚዛን ዝእቱ ናይ ምድስካል ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ውድብ ኩናማ ምውሳዶም ብዕሊ ገሊጾም ኣለው ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ውድብ ኩናማ ብ12/4/12 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺኡ ብቲ ውሳኔ ቅሬታኡ እናገለጸ ፣ ሕጂ እውን ምስ ኩሎም ውጹዓት ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንደሞክራስን ንፍትሒን ከይተሓለለ ክቓለስ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ። መግለጺ ውድብ ኩናማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቅርብዎ ዝነበሩ መግለጺታት ፍልይ ብዝበለን ልዙብን ርእይቶኦም ብምቅራቦም ተስፋ ዝህብን ዓዳሚ ንክፉት ዘተ ይመስል ። እቲ ናይ ምድስካል ውሳኔ ጉድኣቱ ንሎሚ ጥራህ ዘይኮነ ኣብቲ ቀጻሊ ቓልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ከም ኣብነት እና ተጠቅሰ ከይቅጽል ከይዘንጋዕካ ምሕላውን ምብድሁን ከድሊ እዩ።

ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምዝራብን፣ምጽሓፍን መሰሉ ኣብ ዝኮነ ግዜ ክሕለወሉ ይግባእ ፣ እንተኮነ ገለገለ ኣብ ምቁዋም ዘለዉ ውድባትን ወብሳይታትን ንደሞክራሲያዊ ሰብኣውን መሰላት ናይ ምክባር ቀንዲ ተልእኮኦም ከምዘይኮነ እናበርሄን እናተጋህደን ስልዝኮነ ፣ ነዚ ተግባርት እዚ ንከይስዕርር ንምግትኡ ናይ ኩሎም ንሃገር ብቀዳምነት ዝሰርዑ ዜጋታት ሓላፍነት እዩ። ሓደ ዜጋ ሓሲቡ ንእከይ ተጋባር ከሰላስል ክሳብ ዘይተበገሰ ስለ ዝተዛረበን ስለ ዝጸሓፈን ክኹነን የብሉን።

ሓላፊ ወድብ ኩናማ ኣብ ልዕሊ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝሃቦ ርእይቶ ከም ወልቀ ሰብ ሓሳቡ ክገልጽ መሰሉ ስለ ዝኮነ ካብ ዝኮነ ሰብ ፍቓድ ዝጽበየሉን ጉዳይ ኣይኮነን ። እቲ ዘገርም ባይቶ ኣዋሳ ንሓደ ኤርትራዊ ዜጋ እምነቱን ስሚዒቱን ስለ ዝገለጸ ካብ ባይቶ ምድስካሉ ጽባሕ እውን እዚ ተግባር እዚ እንደገና ክድገም ምዃኑ ኣይትጠራጠሩ ።እዚ ከምዚ እንተ ቀጺሉ ንህዝቢ ኤርትራ እዚ ሃይማኖት እዚ እንተ ዘይኣመንካ ተባሂሉ ክመጾ ዝክእል ሓደጋ ካብ ሕጂ ክበርሃሉ ኣለዎ። ወዳብ ኩናማ ብዘቅረብዎ ሓሳብ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዶ ወዲቁ ኮይኑ ? ኣንቱም ሰባት ጽባሕ እኮ ኣይትዛረቡ ክንብሃል ኢና። ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብህይወቱ እንተዝህሉ ከ ነዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ምተሰማመዓሉዶ ይከውን ?

ዝከበርኩም ተከታተልቲ እዚ መርበብ እዞም እተጋብኡ ባይቶ ኣዋሳ ቁጽሮም 101 ከም ዝነበረ ተገሊጹ ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ምንጻግን እንታውንቶምን ባህሪያቶምን ንደገ ዘውጽኡ ።እቲ ሕቶ ኣብ ክንዲ ምድስካልን መሰል ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ምቁዋምን ክወስዱዎ ዝግባኦም ዝነበረ ከም ባይቶ “ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ “ ጀማሪ ብረታዊ ቓልስን ኣቦ ሰውራ ምዃኑ” ብድምጺ ንወስን እንተዝብሉ ክንደይ መጸበቀሎም ።ብዘለዎም ቁጽሪ ከኣ ዕዉታት ኮይኖም ምወጹ ። እቶም ዝወሓደ ቁጽሪ ዘምጽኡ ከኣ እምነቶም ተግባራዊ ክገብሩ ቓልሶም ምቀጸሉ።እቲ ጉዳይ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ውሳኔ እዩ ዘድሊዮ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድገፍቲ ቆርነልዮስ ዑስማን ንካልኦት ባእታታት ኣእሚኖም ነዚ ሓደገኛ ዝኮነ ውሳኔ እንተ ገልቢጦሞ እንታይ ኮን ክንጽበ ንኸውን ? ምክንያቱ ከም ኣገላልጻ ውድብ ኩናማ እቲ ዝሓለፈ ውሳኔ ብ55 ኣንጻሮም ከም ዝነበረ ገሊጾም ። መርበብ ዓዋተ ግን ካብ 101 ዝነበሩ ኣባላት 86 ኣንጻር ውድብ ኩናማ ከም ዘድመጹ እዩ ዝገልጽ ።እዚ እውን ሓቅነቱ ምርግጋጽ ከድሊ እዩ። ባይቶ ኣዋሳ ግን ኣብ ርእይቶ ወይ እምነት ናይ ሓደ ዜጋ ኣብ ምቅየር ክረባረቡ ሳልስቲ ገይሮም ብዝሕፍር ውሳኔ ከኣ ውጺኦም ።

ከም ኣገላልጻ ውድብ ኩናማ ኣብቲ ዝነበረ ክትዕ ሓደ ምሁር ዝብሃል ሰብ ኢሉዎ ዝበሉ “ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተዓወተ ኮ ንጸዓዱ እውን ክእምንን ክሓቁፍን ስለ ዝከኣለ እምበር ንጸለምቲ ጥራሕ እንተ ዝእምን ነይሩ ኣይምተዓወተን “ ከምዝበለ ሓቢሮም ። ብኣባሃህላ እዚ ምሁር ከምዝተገረሙ እውን ገሊጾም፣ እወ ዝገርም ከኣ ኣዩ። ምክንያቱ እዚ ምሁር እዚ ኣብ ክንዲ መሰል ናይ ሓብካ ምግላጽ ዝቓወም ፣ክድግፍን ክሓቁፍን ዝግብኦ ንሱን እቶም ከምኡ ተገቲሮም ኣብ ምቅዋም ዘለዉ ብጾቱን እዮም ነይሮም ። ብኣንጻሩ ውድብ ኩናማ ከም ኣተሓሳስባ ማርቲን ሉተር ኪንግ ክሓስበሎም ምጽባይ የዋህነት ጥራሕ እዩ። ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ሰላምን ሰላማዊ ኣገባብ ቓልሲ መራሒ ነይሩ ፣ ብእምነቱ ኣንጻር ኹናትን ጎነጽን ስለ ዝነበረ እቶም ጸለምቲ ይኩኑ እቶም ጸዓዱን ንሓሳባቱ ምንጻግ ኣማራጺታት ዝህቦም ኣይነበረን ። ዝኮነ ኮይኑ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ከምዚ ሕጂ ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ እንዛረቦ ዘሎና ፣ ድሕሪ ሞት ማርቲን ሉተር ኪንግ ከ እንታይ ተባሂሉ ንርኤ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ብ1986 ጥሪ 21 ዓመታዊ በዓል ንክብሪ ማርቲን ሉተር ክንግ ምስ ወሰነ ፣ ካብተን 50 መንግስታት 27 መንግስታትን ፣ዋሽግንተን ዲሲ ጥራሕ ተቂቢለናኦ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ባይቶ ኣዋሳ ዝሓስብ ነይሩ እንተ ዝኮውን ነተን ዝነጸጋ ኣደስኪለኪን ኣሎኩ ክብለን ምተገበኤ ግን ኣይበለንን ፣ ካሳብ ዝኣምናሉን ዝዓግባሉን ግዲፉወን ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቶም ህዝብታት ናይተን ነቲ በዓል ምክባር ዝኣበያ መንግስታት እናተርደኦምን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ጥቅምታት ከኣ ስለ ዝነበረ ብብዝሒ ብድምጺ ነቲ በዓል ክቅበላ ኣድሚጸን። ሎሚ ኣብ ኩለን እተን 50 መንግስታትን ዋሽግንተን ዲሲን እቲ በዓል ብመንግስታዊ ደራጃ ይክበር ኣሎ። ስለዚ እተን ዝተረፋ መንግስታት ክሳብ 2000 ሽሕ ን14 ዓመታት ዝእክል ግዜ ወሲዱላን ንክርዕማ። ጉዳይ ውድብ ኩናማ እውን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎ ዝፍለ ኣይነበረን።

ኣብ መደምደምታ ፡

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ናይ ውሱናት ሰባት ምጥባቕ ዘድሊየ ኣይኮንን ። እቶም ዋጭ ዋጭ ዝብሉ ዘለዉ ዘፍ ክብሉን ነቲ ጉዳይ ናቱ ግዜ በሊዑ ዝውስን እምበር ፣ ንሰብ ኣገዲድካ ኣንጻር እምነቱ ንክኸይድ ምግዳድ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኮነ። እዚ ባህሪያት እዚ ብኩሎም ደላይቲ፣ ሰላማን ፣ማዕርነትን ሰብኣዊ መስላትን ዝጣበቁ ሓይልታት ክንጸግን ክኹነንን ዘለዎ ኣተሓሳስባ እዩ።

ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውእትና !

ሰላማዊ ኣገባብ ቓልሲና ክዕወት ናይ ግድን እዩ !

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012

    http://www.ehrea.org/medr.php

    Preserved local original · source record ada0d39e1cf9b7c00c46172e

    SHA-256: 5c4127eb2fa75cecac6063c29486c105c7693b7119ea0495b9a9fcd883e786cb

    All source URLs and preserved captures
    • ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012 · earlier-capture
      http://www.ehrea.org/medr.php
      Local original
      Same bytes as extracted source
    • ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012 · provisional-1
      http://www.ehrea.org/medr.php
      Local original · mirror/provided/www.ehrea.org/medr.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012 · refresh-2
      http://www.ehrea.org/medr.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/medr.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012 · refresh-3
      http://www.ehrea.org/medr.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/medr.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 959b19373f6205c824fad898da7caa990b40f93bcfe72952849d4a551d331780

Alternate titles: ካብ ዘይሕጋዊ ባይቶ ዘይሕጋዊ ውሳኔ። ክብሮም ግረነት 12/8/2012

  • ada0d39e1cf9b7c00c46172e: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions