Asena



ታሪኽ ህዝባዊ ግንባርን ሚሰጢራዊ ሰልፉን
ታሪኽ ህዝባዊ ግንባርን ሚሰጢራዊ ሰልፉን

Monday, 30 March 2009
ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ! ከመይ ቀኒኹም? አብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ (መስጣ ጃንሆይ’ዶ ወሪዱና) ቀጻሊ ጽሑፋት ከቕርብ ምዃነይ ቃል አትየ ነይረ፡፡ እንሆ እምብኣር ከም መብጽዓይ ሎሚ ብፍሉይ ኣርእስቲ ተመሊሰኩም። ጽቡቕ ንባብ፡፡
(መን ይንገር ዝወዓለ፡ መን የርድእ ዝቐበረ) 2ይ ክፋል
ታሪኽ ህዝባዊ ግንባርን ሚሰጢራዊ ሰልፉን ይትረፍዶ ነቲ ኣብ ሜዳ ዘይነበረ፡ ነቲ ኣብ ህ.ግ ተሰሊፉ ከብቅዕ፡ ግን ኣባል ናይ’ቲ ምስጢራዊ ስርርዕ፡ “ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ“ ዘይነበረ ኤርትራዊ‘ውን እንተኾነ ነቲ ረቂንቕን ሕልኽልኽ ዝበለን አገባብ አሰራርሓ ናይቲ ውድብ ክርድኦ ቀሊል አይኰነን፡፡ ንኣሰራርሓ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምፍላጥ፣ ነቲ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኣገባብ ኣካይድኡ ንምርዳእ ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን ኢለ ስለዝኣምን እንሆ ንምብርሁ ወሲነ ኣለኹ፡፡ ንኣንባቢ ከይስልችዎ መታን ድማ ጽሑፈይ ብኽፋላት ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናጽነት ኤርትራ ኣይተቓለሰን ኢልካ ምዝራብ ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምኻኑ ይርድኣኒ ኢዩ። ይኹን‘ምበር ኢሳያስ ኣብ መስርሕ ቃልሱ ንናቱ ስልጣን እምበር ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ይህቦ ከምዘይነበረ ዘይስሐት ሓቂ ኢዩ፡፡ እዚ ስለዝኾነ ድማ ኢዩ፡ ድሕሪ 1970 ዓ.ም. ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ምፍላዩን ንህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ( P.L.F.) ምምስራቱን ጥራይ ብቑዕ ኮይኑ ስለዘይተራእዮ ብዓንተብኡ ሓደ ንዕኡ ዘገልግልን ንስልጣኑ ዝሕሉን ሚስጥራዊ ሰልፊ ምምስራት ዝተበላሐተ፡፡ እዚ ሚስጢራዊ ሰልፊ‘ዚ ድማ ኢዩ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓንቂቑ ከምዝዓቢ ብምግባር ነቲ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ትዕቢትን ናይ ትምክሕትን ደረጃ ከብጽሖ ዝኸኣለ፡፡ ብተወሳኺ’ውን እዚ ሰልፊ’ዚ ንዝኾነ ኣብቲ ውድብ በብግዚኡ ዝቕልቀል ዝነበረ ምንቅስቓሳት ንምጭፍላቕ ዓቢ ተራ ይጻወት ነበረ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብዛዕባ’ቲ ሰልፊን ኣገባብ አሰራርሑኡን፤ ብዛዕባ ጉባኤታቱን ኣማራርጻ መራሕቱን፤ ምስቲ ውድብ (ወይ ግንባር) ህ.ግ.ሓ.ኤ እናመዛዘንካ ምግላጹ ኣድላይ ኢዩ፡፡ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ብዝሖም ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚእታዊት (3-4%) ናይቲ ኣባል ውድብ ህ. ግ. ኣቢሎም ዝግመቱ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ፣ ማለት ኣባላት ሰልፊ ዘይነበሩ፣ ህላዌ ናይ’ቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ መታን ከይፈልጡ ኩሉነገር ብዝለዓለ ሚስጢር ይትሓዝ ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ፡ እቲ ኣባል ውድብ ነቲ ብሚስጥር ዝግበር ናይ “ዲሞክራሲያውያን“ ምትእስሳር ከምዘሎ እንተድኣ ፈሊጡ፡ ብምሉእ ልቡ ክቃለስን ክስዋእን ከምዘይክእል ስለዝተገመተ ኢዩ፡፡ ማለት “ንሕና ድኣ ካብ መን ሓሚቕና“ ዝብል ስሚዒት ከሕድር ስለዝኽእል ብጥንቃቐ ክተሓዝ ነይሩዎ፡፡ ስለዚ ድማ ኣኼባታት ናይቲ ሰልፊ ብለይትን ብዝለዓለ ሚስጢርን ይካየድ ነይሩ፡፡ ዝሕጸዩ ሓደስቲ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ፡ ኣብቲ ውድብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎም ኮይኖም፣ ብሚሰጢር በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘሎዉ ኣባላት ሚስጠራዊ ዋህዮ ናይቲ ሰልፊ ነዊሕ ምክትታልን ትዕዝብቲን አብ ልዕሊኦም ድሕሪ ምውሳድ እቲ ውጽኢት ምቁጽጻርን ትዕዝብቲን አጽጋቢ ኮይኑ ምስረኸብዎ እቲ ጸብጻብ ናብ ኢሳያስ ይሓልፍ‘ሞ ንሱ እንተድኣ ኣጽዲቑዎ ድማ ኣባል ናይቲ ሰልፊ ይኾኑ ነይሮም፡፡ እዚ ማለት ግን ኣባል ሰልፊ ምዃን ካብቶም ካልኦት ተጋደልቲ ዝበለጽካ ሰለዝኾንካ ትምረጽ ዘይኮነስ፤ እንታይ ድኣ ነቲ ናይ ኢሳያስ ስልጣን ጸገም ከምዘይትኸውን ተአሚኑልካ ማለት ኢዩ፡፡ ሓንሳብ ናይቲ ሰልፊ ኣባል እንተድኣ ኴንካ ብፍቓድካ ካብቲ ሰልፊ ክትወጽእ ኣይፍቀድን፡፡ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ዝሓጸረ ወይ ቀጥታዊ ናይ ርኽክብ ሰንሰለት ምስ ኢሰያስ ክህልዎም እንከሎ፤ ብዛዕባቲ ውድብ ድማ ብዙሕ ሓበሬታ ስለዝፈልጡን ኣብ ዕለታዊ መነባብርኦም’ውን ሓለፋታት ስለዝነበሮምን ነቲ ሰልፍን ንመራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ህይወቶም ከሕልፉ ድሉዋት ምንባሮም ግሉጽ ምስጢር’ዩ፡፡ ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዳሕረዋይ ወለዶ (መንእሰያት) ኮይኖም ኣብ ኵናት ብዙሕ ተሞክሮ ዘይነበሮም ናይ ክልሰ-ሓሳብ ሰባት ኢዮም ዝነበሩ፡፡ ይኹን’ምበር ርክቦም ብቐጥታ ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስለዝነበረን መምርሒ ብቐጥታ ካብኡ ይቕበሉ ብምንባሮምን ስልጣኖም አዝዩ ዓቢይ ነይሩ፡፡ እዚ ዓይነት ኣገባብ አሰራርሓ ንስልጣን ናይ ኢሰያስ ንምሕላው ዝጻወቶ ዝነበረ ግደ ዓቢን ኣገዳሲን’ኳ እንተነበረ፣ ኣብቲ ውድብ ርኡይ ዝኾነ ናይ ስራሕ ጸገማት የስዕብ ከምዝነበረ ብሩህ ኢዩ፡፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፡- ሓደ ኣገዳሲ ዓንቀጽ ናይቲ ሰልፊ ከምዚ ይብል፡- “እቲ ሰልፊ ነቲ ውድብ ይመርሖ“፡፡ እዚ ማለት፡ ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ ካብ ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎም ማለት ስለዝኾነ ሓደ ናይ ሰልፊ ሓላፊ ዋላ’ኳ ናይ ኵናት ተሞክሮ ኣይሃልዎ እምበር፡ ነቲ ናይ ኵናት ተሞክሮ ዘለዎ ናይ ውድብ ሓላፊ ክእዝዞ ይኽእል ነይሩ፡፡ እቲ ናይ ሰልፊ ሓላፊ ብዛዕባ ዝግበር ኵናት’ውን አቐዲሙ መምርሒ ካብ ኢሰያስ ይቕበል ብምንባሩ አብ ርእሲ’ቲ ብግብሪ ኵናት ዝመርሕ ምኩር ተጋዳላይ ጸብለልትነት የርኢ ነይሩ፡፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ክፍሊ ሕክምና፣ ሕክምና ዝተማህሩ ሓካይም ምዃኖም ተሪፉ፣ ናይ ሕክምና እንዶ ዘይነበሮም ኣባላት ሰልፊ ብምንባሮም ናይ ስራሕ ዕንቀፋታት የጋጥም ከምዝነበረ ርግጽ ነይሩ፡፡ ነዚ ንምብራህ ሓደ ክልተ ኣብነታት ምጥቃስ እፈቱ፡፡ አቲ ብሽም ብርጌድ 58 ዝፍለጥ ዝነበረ ብረቱዕ ወተሃደራዊ ኣሃዱ፣ ብውድብ ደረጃ መራሕቱ ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳን ሳሙኤል ቻይናን ክኾኑ እንከለዉ፣ ብሰልፊ ደረጃ ዝመርሖ ግን በየነ ርእሶም ነበረ፡፡ በየነ ናይቲ ብርጌድ ሓኪም ክኸውን እንከሎ ወተሃደራዊ ተሞክርኡ ኣብ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ተሓጺሩ ዝተረፈ ኢዩ ነይሩ፡፡ ንብርጌድ 23 እንተተመልክተና ‘ውን ወተሃደራዊ ሓለፍቱ ኣሕመድ ብሬራይን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰልፊ ደረጃ ናይቲ ብርጌድ ሓላፊ ግን ካልእ ሰብ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ እቲ ዘገርም እዚ ጥራይ ኣይኮነን፤ እቶም ኣብቲ ውድብ ኣዝዮም ውሩያትን ኣብ ወተሃደራዊ እሰትራተጂ ዝለዓለ ክእለት ዝነበሮምን ከም በዓል ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ዝኣምሰሉ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ዘይምንባሮም ኢዩ፡፡ ወዲ ፍላንሳ ካብ ዝስዋእ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኢዩ፡፡ ወዲ ፍላንሳ ብህይወቱ እንከሎ ህላወ ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ይፈልጥ‘’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዝነበረ ምንጻላት ከይዓጀቦ ኣብቲ ዝጸንከረ ወተሃደራዊ ኵናት እናተላእከ ሃገራዊ ግቡኡ ብጅግንነት ይፍጽም ነይሩ፡፡ ብኸምዚ አገባብ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ገዳይም ተጋደልትን ናይ ኵናት መራሕትን ንዕኡ ዘይሰማምዕዎ እንተድኣ ኮይኖም ኣብቲ ሰልፊ ከምዘይስርዑ ብምግባር ይንጽሎም ነይሩ፡፡ ኢሳያስ ነቲ ሓዲሽ ወለዶን ቊሩብ ትምህርቲ ዘለዎን ኣብ ጎድኑ ብምጽጋዕ፡ ስልጣኑ ብዝያዳ ከምዝሕይል ክገብር እንከሎ፣ ነቲ ገዲምን ናይ ኵናት ተሞክሮ ዝነበሮን ድማ ስልጣኑ በብቑሩብ ይጭርምመሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ናይ ግንባርን ሰልፍን መሪሕነታት ነንሕድሕዱ እናተሓላለወ ከምዝኸይድ ብምግባር፣ ንንብሱን ንስልጣኑን ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር ነይሩ፡፡ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ተራ ተጋዳላይ ናይቲ ውድብ ኣንጻርቲ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ከይንቀሳቐስ ጥራይ ኣይኰነን ዝሕሉ ነይሩ። እንታይ ድኣ፡ ገዳይም ተጋደልትን ናይ ወተሃደራዊ እስተራተጂ ክእለት ዘለዎም ሓለፍትን ኣብቲ ሰራዊት ዘለዎም ተቐባልነት ተጠቒሞም ዕልዋ (መፈንቅለ-መንግስቲ) ከይፍጽሙ ይቋጻጸርን ይካላኸልን ከምዝነበረ’ውን ክስሓት የብሉን፡፡ እቲ ኣንጻር ኢሳያስ ዝለዓል ዝነበረ ምንቅሰቓሳት ዘይዕወት ዝነበረ ድማ፣ ብሚስጥር ክውደቡ ምስ ጀመሩ፡ “ዓርከይ፣ ወዲ ገዛውተይ፣ መተዓብይተይ ስለዝኾነ አሕሊፉ አይህበንን ኢዩ“ ብምባል ኣሚኖም ሚስጢሮም ከማኽሩ እንከለው፤ እቲ ዝኣመንዎ ሰብ ኣባል ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ኮይኑ ይጸንሕ’ሞ ኣሕሊፉ ድማ ይህቦም ብምንባሩ ኢዩ፡፡ ብሓጺሩ ነቲ ኣባል ሰልፊ ሓወይ፣ ዓርከይ፣ ዘመደይ፣ ወዲ ገዛውተይ ዝበሀል ነገር ካልኣዊ እዩ ነይሩ፡፡ ምእንቲ ኢሳያስ ንዝኾነ ሕውነትን ዕርክነትን ኣሕሊፍካ ምሃብ “ሰውራውነት“ ነይሩ፡፡ በዚ ምኽንያት‘ዚ ድማ እየ “ኢሳያሰ ኣብ መስርሕ ቃልሱ ቀዳምነት ዝህቦ ዝነበረ ናቱ ስላጣን እምበር ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይነበረ አቐዲመ፣ ማለት አብ መእተዊ ዝገለጽኩዎ“፡፡ ኢሳያስ ብእኡ ዘይትምራሕ ናጻ ኤርትራ ክርኢ ድልየት ኣይነበሮን፡፡ ንሱ ብዘይመርሓን ብናቱ ድልየትን ኣገባብን ዘይትኸይድን ነጻ ኤርትራ ከብ ምርኣይን ስልጣንካ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ካብ ምምቓልን ኣብ ጎቦታት ዓንበርበብ ወይ ድማ ጎቦታት ፋሕ ምንባር ኢዩ ዝመርጽ ዝነበረ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኢዩ ኣብ 1977 ዓ.ም. ሰራዊት ህ.ግ. ኰነ ሰራዊት ጀብሃ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ብጸላኢ ተደፊኡ ንድሕሪት ከዝልቕ (ከንሳሕብ) እንከሎ እቲ ኣባል ሰልፊ፡ “ነዚኦም (ንጀብሃ) ሒዝካ ንኣስመራ ካብ ምእታውሲ ንሳሕልካ ምምላስ ይሓይሽ፤ ምስዚኦም ኴንካ ስራሕ ክስራሕ ኣይከአልን ኢዩ“ ብምባል ንነብሱ ዘጻናንዕ ዝነበረ፡፡ ብመንገዲ ስሙር-ግንባር ይኹን ወይ ካልእ አማራጺ መንገዲ ተጠቒምካ ንጸላኢ ካብ ሃገርና ቀልጢፍካ ንምውጻእ ዝግበር ዝነበረ መደባት‘ውን ዝዓናቕፎ ዝነበረ፡፡ ምስቲ “ሓውሲ ፋሉል“ ኮይኑ ዝዓበየ ሰራዊት ጀብሃ እንተድኣ ሓቢሮም፣ ጕጅለ ኢሰያስ ሃገር አራጢጥካ ክትመርሕ ከምዘይካኣል ብዓንተብኡ ተገንዚቡዎ ስለዝነበረ ኢዩ፡፡ ስለዚ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድርኲዅት ዓወት ንድሕሪት ምምላሱ አይዓጠጦምን፡፡ አስዒበ ናብቲ ጉባኤታት ናይቲ ውድብን ሰልፊን ክኣቱ ኢየ፡፡ ካብ ክፍላ 1974 ዓ.ም. ጀሚሩ አቲ ውድብ እናዓበየን እናሰፍሐን ኣብ ዝኸደሉ እዋን “ውድባዊ ጉባኤ ክግበር ኣለዎ“ ዝብል ጠለብ ናይቲ ተጋዳላይ እናበዝሐ ይኸይድ ነይሩ፡፡ ነዚ ጠለብዚ ብማእሰርትን ብታህዲድን’ኳ ክፈትሕዎ እንተፈተኑ፡ ዘይዕገት ምዃኑ ምስተርድኦም ጕባኤ ንምግባር ክሸባሸቡ ጀመሩ፡፡ ቅድሚ ናይ ጕባኤ ወከልቲ ምምራጽ ድማ ናይ ካድር ቤት ትምህርቲ ብምኽፋት ተጋደልቲ እናመረጽካ ናብቲ ቤት ትምህረቲ ካድር ይስደዱ’ሞ ከብኣቶም ድማ አናሓሬኻ ናብቲ ሰልፊ ከምዝኣትዉ ይግበር ነይሩ፡፡ ሰለስተ ዙርያ ካድር ድሕሪ ምስላጣኑ እቲ ጉባኤ ንኽግበር ስለ ዝተወሰነ ሓደ ኣብ ታሪኽ ክርሳዕ ዘይብሉ ራብዓይ ዙርያ ካድር ይኽፈት፡፡ እዚ ኸኣ፡ እቶም ኢሰያስ ብሽም “የሚን“ ዘጠመቖም ናብቲ ጉባኤ ከሳተፉ ዘይተደልዩ ተጋደልቲ፡ “ካድር ክተኮኑ“ ተባሂሎም ብሙሉኦም ናብ ራብዓይ ዙርያ ካድር ከምዝልአኹ ይግበር፡፡ በኸምዚ “የሚን“ ዝጎደሎ ምርጫ አብ ሓይልታት ብዘይ ገለ ጸገም ይካይድ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ኣባላት ራብዓይ ዙርያ ካድር (የሚን) ነንሕድሕዶም ተወዳዲሮም ካብአቶም አዝዮም ውሑዳት ወከልቲ ናብቲ ጉባኤ ከምዝልኣኹ ይግበር፡፡ እዞም “የሚን“ ዝብል ሳጓ ዘጠመቖም ተጋደልቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ክእለትን ሓላፍነትን ዝነበሮም (መራሕቲ ቦጦሎኒታት፣ መራሕቲ ሓይልታት፣ መራሕቲ ጋንታታት) ኮይኖም ኣብ አሃዱታቶም ልዑል ተቐባልነትን ዝናን ዝነበሮም፡ ኣብ ቅድመ-ግንባር ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዙሕ ዓወታት ዘመዝግቡ ዝነበሩ ኢዮም፡፡ ይኹን’ምበር ነቲ ናይቲ ውድብ ፖለቲካን “ሓጺናዊ ዲሲፕሊንን“ ብዙሕ ዘይስዕብዎ ስለዝነበሩ አብቲ ጉባኤ መጺኦም ንኢሳያስ ጸገም ከይፈጥሩሉ ስለዘስግአ ብዙሓት ካብአቶም ክሳተፉ ኣይተደልየን፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ብባህሪኡ ብስልጣኑ ዘይዝንጋዕ ሰብ ኢዩ። ኢሳያስ ዋላ 90% ከምዝምረጽ ርግጸኛ እንተኾነ፡ በቲ ተሪፉ ዘሎ 10% ከቛመር ስለዘይፈቱ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ከምዝምረጽ ከየረጋገጸ ናብ ጕባኤ ተንከስ ኢሉ ኣይአቱን ኢዩ፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ አብ ህ.ግ. ጉባኤ ንምክያድ ኢሳያስ ዘድለዮ ዘይተአደነ ግዜ ዝወስድ ዝነበረ፡፡ ተሳተፍቲ ጕባኤ ምስተፈልጡ እንተዀነ’ውን ብቐጥታ ናብ ውድባዊ ጕባኤ አይተአትወን፡፡ የግዳስ ናይቲ “ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ“ ጕባኤ ኢዩ ብምስጢር ዝተኻየደ፡፡ ናይቲ “ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ“ ጉባኤ ብምክያድ ድማ ብዛዕባ ናቱ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ዘተየ፡፡ 9 አባላት ማእከላይ ሽማግለ ከም መሪሕነት ሰልፊ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከአ ከም ዋና ጸሓፊኡ መሪጹ ድማ ወጸ፡፡ ኪኖ ’ዚ እውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክግበር መደብ ዝነበሮ ውድባዊ ጉባኤ፣ ማለት ብዛዕባ ቅዋምን መትከላትን ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣቐዲሙን ብውዱእን መንገዲ ጕባኤ ሰልፊ ሓንጺጹ፤ በዓል መን ናይቲ ውድብ መሪሕነት ክመጹ/ክምረጹ ከም ዝነበሮም ብውዱእ ረቚሑ፡ ብዝሕን ኣስማትን ናይቲ ማእከላይ ሽማግለ፣ ብዝሕን ኣስማትን ናይቲ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ፣ ማለት ኣብቲ ጕባኤ ሰልፊ ተወሲኑ፡፡ ፍጹም ፍቓድ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኰይኑ ድማ፣ ዋና ጸሓፊ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ውድብ/ግንባር ሮመዳን መሓመድኑር ክኸውን ጕባኤ ሰልፊ ተሰማሚዑ፡፡ እዚ ድማ ብሐደ ሸነኽ ንሰውራ ኤርትራ ምስ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሮ ዝምድና ብሮመዳን እንተአንጸባረቐ ይሓይሽ ዝብል እምነት ስለዝነበረ፣ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ግንባር ምምራሕ ብመንጽር’ቲ ነቲ ሰልፊ ምምራሕ ክርአ ከሎ ዓቢ ሚዛን ዚወሀቦ ስለ ዘይነበረ ድአ እምበር፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይትረፍዶ ፍጡር’ሲ ዋላ ኣባጅጎ እንተኮነ ‘ውን ልዕሊኡ ስልጣን ክህልዎ አየፍቅድን ኢዩ፡፡ ንበል ናይ ብሓቂ ሮመዳን ልዕሊ ኢሳያስ ብድምጺ ብዝሒ ተመሪጹ ነይሩ እንተዝኸውን፣ ኢሳያስ አፈወርቂ ምሸፈተ ወይ ሓዲሽ ውድብ ምመስረተ ነይሩ፡፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ውድብ ህ.ግ.ሓ. ኤ ይመርሖ ዝብል ናይቲ ሰልፊ ዓንቀጽ እንተወሰድና ከአ፣ እቶም ናይ ውድብ ሓለፍቲ ስልጣኖም ናይ ሓሶት ወይ ንይምሰል ምንባሩ ኢዩ ዘረጋግጸልና፡፡ ይቕጽል ተወልደ ገብረዝጊ 30.03.09
1ይ ክፋል - "መስጣ ጃንሆይ ዶኾን‘ዩ ወሪዱና"
Last Updated ( Monday, 30 March 2009 )











Copyright © 2005 - 2009 Asena.

Loading...