Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?

Source excerpt: National Conferenceነቲ ፋሕ ዝበለ አተሃላልዋ ናይ ተቓወምቲ ሐይልታት ጥርኑፍን ዝተወሃሃደን መልክዑ ንምትሐዝ፣ አንጻር መላኺ ስርዓት ዝካየድ ቃልሲ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ብዘዕግብ አገባብ ንምቕያስ፣ ውድባት ተቓውሞ አብ መጋቢት 1999 ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ አብ ትሕቲ ዝብል ስም ከም ዝተጠርነፈ ዝዝከር’ዩ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?

    ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?, ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?. EHREA archive: /library/documents/doc-8cc288ff8f63c9a2c7be8591/#b-115a162d724204fb7fbf5088. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 7ff66af6560a623c3d06eb1a930256723469523ea5284e245957edb99179599b. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?

Thursday, 18 March 2010 01:15

Print PDF

National Conferenceነቲ ፋሕ ዝበለ አተሃላልዋ ናይ ተቓወምቲ ሐይልታት ጥርኑፍን ዝተወሃሃደን መልክዑ ንምትሐዝ፣ አንጻር መላኺ ስርዓት ዝካየድ ቃልሲ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ብዘዕግብ አገባብ ንምቕያስ፣ ውድባት ተቓውሞ አብ መጋቢት 1999 ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ አብ ትሕቲ ዝብል ስም ከም ዝተጠርነፈ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ምጥርናፍ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብሐፈሻ፣ ንተቓወምቲ ውድባት ኮነ አባላተን ከአ ብፍላይ፣ ክብ ዝበለ ፍናንን ሞራልን ሂቡ ንደምበ ህግደፍ ብብርቱዕ ዘናወጸ ተርእዮ ናይቲ እዋን’ቲ ነበረ። አብ ወጻኢ ኮይኑ እቲ ከም ልቡ ክንቀሳቐስ ዝኽእል አብ ከም ብዓል ኤውሮጳን አሜሪካን ዝነበረ አባል ተቓውሞ፣ ብዝለዓለ መልክዕ ተወዳዲቡ ትሒቱ ዝነበረ ድምጺ ተቓውሞ አብ በራኽ ወጺኡ ንኽስማዕ ብርቱዕ ንጥፈታት ዘካየደሉ መድረኽ ከአ ነበረ።

እንተኾነ ግን እቲ ኩሉ ጻዕርታትን ተስፋን አብ 2002 ዓ.ም. አብ አዲስ አበባ ዝተገብረ ጉባኤ ምሕዝነት ከቢድ ዕንቅፋት ገጠሞ። ዝርዝሩ ሽዑ ስለዝተባህለ ሕጂ ክደግሞ አይደሊን። እወ ኤርትራውያን አብ መንጎኦም ናይ አረአእያ ኮነ አመለኻኽታ ፍልልያት ክህልዎም ውሁብን ባህርያውን ኢዩ። አብ ውሽጣዊ ፍልልያቶም ናይ ደገ ተጽዕኖን ጦብሎቕታን እንተተወሲኹዎ ግን፣ ክሕምሶምን ክዘራርጎምን እንተዘይኮይኑ ከማዕርገሎም ኮነ ውራዮም ከጸብቐሎም’ስ ከቶ ክሕለም’ውን ዘይከአል’ዩ።

እቲ ቀዳማይ መሪር ቃልሲ ክካየዶ ዝግባእ አንጻር መላኺ ስርዓት እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ካብ ሕድሕዱ ተረሐሒቑ ዝነበረ ልቢ ተቓወምቲ አብ ሐደ አስሚርካ ፣ሕድሕዱ ንኽተአማመን ምግባር እቲ አዝዩ ዝበርትዔ ቃልሲ ምንባሩ ንማንም ስዉር አይነበረን። ክሳብ ሕጂ’ውን እንተኾነ እዚ ሃጓፍ’ዚ ንምዕጻው ፍጹም አይተኻእለን። ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉን ንሐፋሽ ህዝቢ ብሐፈሻ፣ ንመንእሰያት ከአ ብፍላይ፣ ሰሐቢን ማራኺን ዘይኮነሉ ምኽንያት ከአ ሐደ ካብቲ ምኽንያታቱ እዚ ኢዩ።

እቲ ዘገርም ንሐደ ዕዮ ክትሰርሕ ሕድሕድ ምትእምማን ልዕሊ ኩሉን ቀንዲን ክነሱ፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብስዉር ድዩ ብቕሉዕ አንጻር መቓልስቶም ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኮነ ውድባት ህልም ዝበለ ናይ ጸለመን ዘመተን ወፈራን ዘካይዱ ምህላዎም ንኹሉ ቃልዕ ኢዩ።

እሞ’ኸ ድአ ነዚ ፍልልያት’ዚ ከይወገንካ ሕድሕድካ እንዳተባላላዕካ’ስ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ ክካይድ ዝድለ ዘሎ? ጌርና ንማለቱ እንተኾይኑ ከም ዘይግበር የለን ክግበር ይከአል ኢዩ። ንቁም ነገርን ንህዝቢ ተስፋ ዝህብን እንተኾይኑ ግን፣ ቅድም ቀዳድም መደበር ዓውደ ተቓውሞ ብሐፈሻ፣ እቲ ሐላፍነት ወሲዱ ዘሎ ኪዳን ከአ ብፍላይ አብ ውሽጡ ዝሰመረን ዝተቐራረበን ሕድሕዱ ከአ ዝሰማማዓሉ ውዱእ ዝኾነ መንፈሳዊ ሂወት ኮነ ሐባራዊ ብሩህ መደብ ሒዙ ክቐርብ’ዩ ዝግብኦ።

ከምቲ ክቡር ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም አብ ዝሐለፈ መዓልታት አብ ዓውደ ፓልቶክ ዝበሎ፣ መጀመርያ ውድባት ኪዳን ናቱ ጉባኤ ብምክያድ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ብዘተአማምን አልዩን ወጊኑን ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ዘምርሕ ዝያዳ ውሕስነት አለዎ። ክቡር አቶ አሕመድ ናስር’ውን ነዚ አብ ግምት ብምእታው’ዩ ይመስለኒ ዝግበር ዋዕላ ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ከይግምገምን ድሒሩ ንህዝቢ ተስፋ ዘቑርጾ ከይኸውንን አብቲ መራሕቲ ውድባት ዝገበርዎ ፓልቶክ ዝአመተ። ክቡር አቶ ወልደሱስ ዓማር’ውን ነዚ ርእይቶ’ዚ ብምድጋፍ’ዩ ርእይቶኡ ዝገለጸ።

ሕድሕድካ እንዳተቓናጸልካ ክሳብ ማዕረ ናይ ህግደፍ’ዶስ እንታይ’ዶስ ኢልካ ብጸለመ እንዳተኻሰስካ ፣ ተቛሲልካ ከለኻ ዝእቶ ዋዕላ ብሐቂ ንቑም ነገር ዝዓለመ ኢዩ ኢልካ ከተእምን ብሐቂ አጸጋሚ ኢዩ።

እዚ ክብል ከለኹ ገለገለ ደቂ ሃገር ገሊኦም ካብ ንጹህ ሕልና ብግርህና፣ ገለ ከአ ኮነ ኢሎም ንፖለቲካዊ ሕሳባት መታን ክጥዕመሎም ንሃገራዊ ዋዕላ ንምትዕንቓፍ’ዩ ዝብሉ አይሰአኑን ይኾኑ። እዚ ግን ብፍጹም ከም ዘይኮነ የግዳስ ኪዳን ከም ኪዳን ተአማሚኑ ጉዳዩ ብግቡእ ወጊኑ፣ እቲ ዋዕላ ምስ ዝግበር ዘየጠራጥር ውሕስነት ዘለዎ ዓወት ክጭብጥ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ተረድኦን ውልቃዊ ሚዛነይን ዝነቐለ ምዃኑ ብጥብቂ ከረጋግጽ ይፈቱ።

ከም ሻሙ ንኺድ ኢልካ ብላዕለ ላዕሊ አዋጃት ጥራሕ እንዳተራኸብካ ብምጉስጓስ ድሐን ንኺድ ጥራይ ብምባል ዝእቶ ዋዕላ፣ ክሳራኡ ከቢድ ከይኸውንን ንህዝቢ ዘሰንብድ ተርእዮ ከይፈጥርን ስግአት’ውን ስለዘለኒ ኢዩ። ጽባሕ ዘይተጸበናዮ ዕንቅፋት ምስዘጋጥመና፣ ንምሕካሙ ከየጸግም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ዝጸንሔን ዘሎን ጋግ’ውን ዝያዳ ገፊሑ ንኩላትና ኤርትራውያን ከየሸግረና’ሞ መፍቶ እቲ በላዕ ሰብ ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ከይንኸውን ብንጹህ ሕልና ክንርድኦ ከአ የተሐሳስብ።

ስለዚ ውድባት ኪዳን ብጠቕላላ ህድእ ኢሉ ክሐስብን፣ ቅድሚ’ቲ ዋዕላ ተላዚቡ ክወሐሐጥን ናቱ ጉባኤ ብምግባር ንሃገራዊ ዋዕላ መሰረት ዝኾኖ ዘየወላውል ሐባራዊ መርገጽ ን እምንቶን ሒዙ ክአቱ ከአ ታሪኻዊ ለበዋን ምሕጽንቶይን የቕርበሉ።

አብርሃለይ ንጉሰ

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?

    http://www.ehrea.org/edac.php

    Preserved local original · source record 8cc288ff8f63c9a2c7be8591

    SHA-256: e94bd58b794bb2909dcc24fa3b7113c053b1f6f79c04fd379e6f7f9815de11b2

    All source URLs and preserved captures
    • ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ? · earlier-capture
      http://www.ehrea.org/edac.php
      Local original
      Same bytes as extracted source
    • ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ? · provisional-1
      http://www.ehrea.org/edac.php
      Local original · mirror/provided/www.ehrea.org/edac.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ? · refresh-2
      http://www.ehrea.org/edac.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/edac.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ? · refresh-3
      http://www.ehrea.org/edac.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/edac.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 7ff66af6560a623c3d06eb1a930256723469523ea5284e245957edb99179599b

Alternate titles: ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?

  • 8cc288ff8f63c9a2c7be8591: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions