Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

Untitled archived document

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Source excerpt: ድሕሪ ፍጻሜ ኲናት ሓድ-ሕድ 1981፣ ነቶም ዝተቐበሎም ተጋደልቲ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ማእከላይ መሪሕነት ‘ሳግም’ ናብቲ ብወርሒ መጋቢት 1987 ዝተገብረ ካልኣይን ሓድነታዊን ውድባዊ ጉባአ ንክኣትዉ ድሌት ኣይነበሮን።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 8d26b60af24a7f631ec081fed85eb8c888e7416cde1b5d978bae462fc9ca358b. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ድሕሪ ፍጻሜ ኲናት ሓድ-ሕድ 1981፣ ነቶም ዝተቐበሎም ተጋደልቲ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ማእከላይ መሪሕነት ‘ሳግም’ ናብቲ ብወርሒ መጋቢት 1987 ዝተገብረ ካልኣይን ሓድነታዊን ውድባዊ ጉባአ ንክኣትዉ ድሌት ኣይነበሮን። ግን ኣብቲ ብወርሒ ሰነ 1985 ዓ.ም. ዝነበረ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፣ ካብ ብዙሓት ኣባላት ፖ/ቤ/ጽ፤ ብፍላይ ካብ ኢብራሂም ዓፋ ተሪር ተቓውሞ ስለዝረኸበ ጥራይ ኢዩ ንከፍቅድ ዝተገደደ። ካብ ምጽንባሮም ክሳብ ሎሚ ከኣ ልዋም ለይቲ ዝሓደረ ሰብ የብሎምን። መራሕቶም በዓል ኢብራሂም ቶቲል፣ ኣብርሃለይ ክፍለ፣ ዘምህረት ዮሃንስ ወ.ዘ.ተ. ገሊኦም ድስኩላት ገሊኦም’ውን ፍርቀ-ፍርቂ ድስኩላት ኮይኖም ይርከቡ።

እቲ ናብ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንክጽንበር እማመ ኣቕሪቡ መልሲ ዘይተዋህቦ፣ ኣብ ከባቢ ተከዘ /ዒላ ተስፋን ማይ ሽግሊን/ ምስ ሰራዊቱ ተፈንጩሉ ዝነበረ ተስፋምህረት ድማ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ተወስደሉ። ቅድሚ ውግእ ምኽፋት ከኣ ተስፋምህረት ንምቕታል ኢሳይያስ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ኣብ ማይ ሽግሊ ፈንጂ ተቐብረሉ። ፈንጂ ተተኲሱ፣ ተስፋምህረት ግን ደሓነ። ከም ዘይሞተ ከኣ በቲ ኣብ ጎቦ ቡቢ ዝነበረ መደበር ረድዮ ህዝባዊ ግንባር፣ መልእኽቲ ናብ ኢሳይያስ ተመሓላለፈ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ‘ካብዚ ፈንጂ እንዳ ዓብደላ እንቋዕ ብደሓን ወጻእካ’ እንተበሉዎ፣ እቲ ፈንጂ ብኣባላት ክፍሊ ሃንደሳ ህ.ግንባር ከም ዝተጻወደስ ኣይሰሓቶን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣንጻር ኢሳይያስ ሕነ ክፈዲ ዘይክእለሉ ዝነበረ ርሕቀት ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኢሳይያስ ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ /ሽላሎ/ ክንቀሳቐስ ኢዩ ዝብል ዝተፈብረከ ሓበሬታ ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ከኣ ተስፋምህረት፤ ሕነ ንምፍዳይ ፈንጂ ቀበረ። ኣጋጣሚ እታ ዝተቐብረት ፈንጂ ግን ንበዓል መዓልቲ ወሰደት። ምሕረትኣብ ስብሃትለኣብ ንዝተባህለ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግንባርን ኣቦ መንበር ማሕበር ሓረስቶ ዝነበረን ድማ ሃረመቶ። ንሱ ብከቢድ ምስ ተሃርመ፣ ብሂወቱ ክሳብ ከሰላ በጺሑ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ከሰላ ዓሪፉ።

ተስፋምህረት ዝቐበራ ፈንጂ ንስብሃትለኣብ ከም ዝቐተለት ምስ ሰምዐ ኣብቲ ብክፍሊ ስለያን ጸጥታን /72/ ዝተጠልፈ ናይ ረድዮ መልእኽቱ ከምዚ ክብል ሓዘኑ ገለጸ፦ “ …ኣይይይ መስኪናይ ስብሃትለኣብ! ንዕኡ’ዶ ረኺባቶ! ኣነስ ኢሳይያስ ናብ ድሕሪ መስመር ክመጽእ ኢዩ ዝብል ሓበሬታ ስለዝሰማዕኩ እየ ቀቢረያ። ኣይይይ! ኣብ ክንድኡስ ወላ ንወዲ ማና’ኳ ክትወስድ ነይሩዋ።’’

እቲ ኩሉ ናይ ፈንጅታት ድራማ ናብ ኢሳይያስ ምስ በጽሐ ድማ፣ ሓደ ካልእ ስጉምቲ ንምውሳድ ተጓየየ። ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ንዝምልከት መርድእ ካብ ተስፋምህረት ስለዝሰምዐ ደቂሱ ክሓድር ዘይከውን ኢዩ። ብድሕሪ’ቲ ጉዳይ ፈንጂታት ሓደ ኢሳይያስ ዝመሃዞ ነገር፣ ቅልጡፍ ቅንጸላ ንተስፋምህረትን ሰራዊቱን ነበረ። ኣብ ግዜ ውግእ መን ይፈልጥ ተስፋምህረት እንተኣምለጠ’ኸ? ንዝብል እንተታት… ድማ ሓደ ተኪአ /ሽፍታ/ ዝተባህለ ኣባል ክፍሊ ስለያ ህ.ግንባር ናብ ተስፋምህረት ኢዱ ከም ዝህብ ተገብረ። ኣብ ወተሃደራዊ ረድዮ ‘ነብሪ’ ዝብል ኮድ ዝተዋህቦ ተኪአ ሽፍታ ከም ቀንዲ ተሓጋጋዚ ተስፋምህረት ኮይኑ ክሰርሕ ጀመረ።

ተኪአ ሽፍታ ናብ ተስፋምህረት ኢዱ ሂቡ ብምባል ኩሉ ተጋዳላይ ፈንፈኖ። ብዛዕባ ተልእኾ ተኪአ ከኣ ብዘይካ ኢሳይያስን ጴጥሮስ ሰለሞንን ካልእ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኣንጻር ውድብ ተስፋምህረት መጥቃዕቲ ንክምክያድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ መራሕ ቦጦሎኒ ክፍሊ ሃንደሳ ድማ ብርሃነ /በሊሕ/ ዝተባህለ ነበረ።

“ከምዚ ዓይነት ቅልጡፍ መልእኽቲ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ኣብ ረርብዒ ሰዓት ቀልጥፉ…ቀልጥፉ! ተስፋምህረት ከየምልጠኩም ተጠንቀቑ! ዝኾነ ዋጋ ክፈሉ… እናበለ ሳንቡእና ክሳብ ዝትኮስ ኣዘባዚቡና። ኢሳይያስ ካብ ተስፋምህረት እንታይ ዓይነት ስግኣት ከም ዝነበሮ ክርዳኣኒ ኣይከኣለን” ኢሉ ብርሃነ በሊሕ ኣዕሊሉኒ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዞባ ምዕራብ /ከባቢ ሽላሎ/ ሓላፊ ዝነበረ ኣባል ፖ/ቤ/ጽ ነበር ብርሃነ ገረዝግሄር ናይ ሓለፍቲ ሰልፊ ኣኼባ ገይሩልና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ብዛዕባ ኣንጻር ዝኾነ ውድብ ብረታዊ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ተስፋምህረት ዝግበር ዝነበረ ጸለመ ካብ ክፍሊ ሃንደሳ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ጠዓመ ሰጊድ ተቓዊሙ ነይሩ ኢዩ።

ኩሉ ጸብጻብ ሰልፊ ናብ ኢሳይያስ ኢዩ ዝለኣኽ። ጠዓመ ሰጊድ ብዛዕባ ኣንጻሩ ክውሰድ ዝተደልየ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ዝጠርጠረሉ ሰዓት ድማ፤ ናብ ሱዳን ሃደመ። ድሕሪ ተኽላይ ገብረማርያም /ዓደን/፤ ጠዓመ ኣባል ሰልፊ ንክሃድም ናይ መጀመርያ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ዝኾነ ምስጢራት ከየሙሉቕ ዝሰግአ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብ እግርማይካ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ስለያ /72/ ሓደ ተኸታቲሉ ዝቕንጽሎ ሰብ ተመዘዘሉ። ጠዓመ ንካርቱም ኣተወ፣ እቲ ንክቕንጽሎ ዝተመደበ ሰብ’ውን ደድሕሪኡ ሰዓቦ። ኣብ ካርቱም ወጋሕታ ድማ ቀንጸሎ። ሰባት መታን ከየለልይዎ ከኣ ኣብ ገጹ ኣቺዶ ደፊኦም ቆርበቱ ከም ዝበታተኽ ገበሩዎ። ወጋሕታ ከኣ ናብ ጂረፍ ዝተባህለ እንዳ ጎሓፍ ደርበይዎ።

ኣንጻር ተስፋምህረት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሰዓት ተወዲኡ ኢዩ። ኣብቲ ወጋሕታ ዝተገብረ ህጁም ኣንጻር ተስፋምህረት፣ ብዙሓት ተጋደልቲ ተጎዲኦም። ተስፋምህረት ኣብታ ዝነበረላ ጥርዚ ክህረም እንከሎ፣ ፋኑስ ዝተባህለት ሰበይቱ ተማረኸት። ተኪአ ሽፍታ ድማ ቅድሚ ምቕታል ተስፋምህረት ብብርቱዕ ኣብ ከብዱ ተወግአ። ተልእኾኡ ኣብ ግዜ ውግእ፤ ተስፋምህረት ከየምልጥ እናተኸታተለ ንክቐትሎ ዝተላእከ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ካብቶም ዝወግኡዎ ኣባላት ህ.ግንባር “ኣንታ ከዳዕ… ሕጂ’ዶ ግስም ከነብለካ” ኢሎም ጥይት ምስ ኣዐመሩሉ “ቅድም ንኢሳይያስ ወይ ንጴጥሮስ ሰለሞን ሕተቱዎም። ኣነ ተላኢኸ ዝመጻእኩ እየ’ምበር ከዳዕ ኣይኮንኩን።’’ ኢሉ ምስ ኣእወየ፤ ሓደግዎ።

ብርሃነ በሊሕ ሽዑ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ውግእን ጉዳይ ተኪአ ሽፍታን መልእኽቲ ናብ ኢሳይያስ ምስ ኣመሓላለፈ፣ ምስጢር መታን ከይሞሉቕ “ነቲ ከዳዕ ተኪአ ሽፍታ ባዕልኻ ናብ ሓደ ስንጭሮ ወሲድካ ኣካርጆ /ቅተሎ/” ኢሉ ናይ ማፍያ ትእዛዝ ኣዘዞ። ብርሃነ በሊሕ ግን ዝግ ኢሉ ሓሰበ። ቅድም ህጹጽ መልእኽቲ ናብ ጴጥሮስ ሰለሞን ሰደደ። ልክዕ ኣከያይዳ ናይ ተኪአ ከኣ ተነግሮ። ንተኪአ ሽፍታ ንበይኑ ፈልዩ ብደቂቕ ምስ መርመሮ ድማ፣ ብሓቂ ድርብ ስለያ ኮይኑ ካብ ኢሳይያስን ጴጥሮስን ከም ዝተላእከ ሙሉእ መረዳእታ ምስ ረኸበ፣ ብትእዛዝ ጴጥሮስ ሰለሞን ፍልይቲ ቶዮታ ላንድ ክሩዘር ካብ ዓምበርቦብ ተላኢኻ ናብ ሕክምና ዓራረብ ጋንታ 11 /ዶክተር ሚኪኤል ገብረሂወት/ ሰደዶ። እቲ ጉዳይ ተኪአ ሽፍታ ድማ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ጴጥሮስ ሰለሞንን ኣስዓበ። ተኪአ ሽፍታ ሎሚ ካብ ስራሕ መንግስቲ ብ10,000 ናቕፋ ተጣይሱ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎሉጅ ሓረስታይ ኮይኑ ይነብር ኣሎ።

እቲ ካብ ዝስለፍ ናብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ብዘይካ ዘርኢ ክርዳድ ካልእ ዘይዘርአ ኢሳይያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ከምጽኣሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ናብ ስራሓት ማፍያ ዝተዋፈረ ከኣ ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሰፊሩ ፍትሒ ከምጽእ ኣይከኣልን። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክመሃረሉ ይግባእ። ሎሚ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ይስደዱ ኣለዉ። ብዘይካ ካብ ሃገር ዝስደድ፣ ናብ ሃገር ዝምለስ ዘይብላ ናይ ዘመነ-ኢሳይያስ ኤርትራ፤ ናበይ ገጻ ኢያ ትኸይድ ዘላ ኢልና ኣብ እንሓስበሉ ግዜ፣ እቲ መልሲ ብሩህ ኢዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ሰብ ዘለዋ፣ ሰብ ዘይብላ ኤርትራ ይደሊ ከም ዘሎ ከብዚ ንላዕሊ በየናይ ቃላት ኢዩ ከረድኣና?

ኣብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ኤርትራ ‘ኣንጻርካ ጠበንጃ ተለጒማ ኣላ’ እትብል ዜና፣ እታ ንኢሳይያስ ፈጺማ ሰለም ዘይተብሎ ዜና ኢያ። ኣብ 1996 ሓደ ገብረብርሃን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ ዜጋ ኣንጻር ኢሳይያስ ብረታዊ ረጽሚ ንምልዕዓል ብወገን ሑመራ ንክኣቱ መደበ። ተኸተልቲ ነይሮሞ’ዶ ኣይነበሩዎን’ኳ ዝፈለጥኩዎ ሓበሬታ እንተዘየለ፣ 11 ክላሽናት ሒዙ ኣብ ሑመራ ኣብ ሓደ ገዛ ከም ዝነበረ ብክፍሊ ስለያ ህግደፍ ተፈልጠ።

ኢሳይያስ ነቲ ዝተነግሮ መርድእ ንምቁጽጻር ቅልጡፍ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ካብ ኦምሓጀር /ኤነ-ትረ/ ብዝብል ሳጓ ንዝጽዋዕ መራሕ ብርጌድ ትእዛዝን መምርሒ ስራሕን ተዋህቦ። ብለይቲ ዕጡቓት ናብታ ገብረብርሃን ዝነበራ ገዛ ሰሊኾም ብምእታው ድማ ማሪኾሞ ሓደሩ። ቀትሪ ኦራል መኪና ናብቲ ዝነበሮ ገዛ ብምኻድ ንዕኡን ጠበንጃታቱን ጽዒኖም፤ ነቲ ኣብ ቢንቶ ተከዘ ዝነበረ ናይ ሑመራ መቆጻጸሪ ገመድ በቲኻ ናብ ኦምሓጀር ኣተወት። ጉዳይ ገብረብርሃን ድማ ተደምደመ።

ሎሚ ክንዮ እቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ምብትታኽ መንነትና ክንጥምት፣ እቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ክንዲ ጎድናዊ፤ ንኹሉ ወገናትን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ሰባትን ዘሳተፈ ክኸውን ምተገብአ። ኢሳይያስ ወኪል ናይቲ ናጽነት ዘምጽአ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወይ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። ኢሳይያስ ወኪል ናይ ገዛእ ርእሱን ናይታ ከም ባላንቺና ነፊሑ ዘዕበያ ሰልፊ ህግደፍን ጥራይ ኢዩ።

ናትና ውድብ /ሰልፊ/ ጥራይ ኢያ ኣንጻር ኢሳይያስ ትምክት ዘላ፣ ኣውራጃና ጥራይ ኢያ ዓጢቓትሉ ዘላ፣ ናትና ሃይማኖት፣ ናትና ብሄር… ጥራይ ኢያ ብኽሳዱ ሒዛቶ ዘላ ወ.ዘ.ተ… ኣብ እንብለሉ ዘለና ግዜ፤ እቶም/እተን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ረመጽ ኩዕዮም ናብ ዒራ-ዒሮ ዝተዳጎኑን ቀለብ ኣራዊት ዝኾኑን’ከ ኣባላት ናየናይ ውድብ ኢዮም ነይሮም? ደቂ ኣየናይ ሃይማኖት ኢዮም’ከ? ደቂ ኣየናይ ኣውራጃ’ኸ ነበሩ? ኢልና ናብ ድሕሪት ንመለስ። ሎሚ መብዛሕትአን እዘን ንርእየን ዘለና ውድባትን ሰልፊታትን ነቲ ንሳቶም ዝወልዕዎ ቀንዴል እናረኣያ ኢየን ዝኸዳ ዘለዋ።

ኣብ የማናይ ኢድካ ንዘሎ በሰላ እናኣሕወኻ፣ ኣብ ጸጋማይ ኢድካ ካልእ ቁስሊ ምፍርፋር ግን መሰረታዊ መፍትሒ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ከምቲ ደጋጊመ ዝገልጾ ዘለኹ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓና ንኤርትራውያን ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ጸላኢ የብልናን። እቶም ነዚ እንኣምን ከኣ ኣነጻጺርና ኣንጻሩ ክንምክት ንሕተት ኣሎና። ካብኡ ብዝተረፈ ‘ኣብዛ ተሳፊርናላ ዘለና ሎተሪና ወዲ ኣውራጃ እገለ ክሳፈር የብሉን። ኣብ ውድብ እገለ ንዝነበሩ ሰባት ሒዝና ናብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ኣይንኸይድን፣ ካብዚ ሃይማኖት’ዚ በዚሖም ካብቲ ድማ ውሒዶም…’ እናበልካ ዝግበር ጎድናዊ ቃልሲ’ምበኣር ንመላእ ህዝቢን ድሕረ-ባይታታት ኤርትራውያንን ዘጠቓለለ ኣይኮነን።

ንኢሳይያስ ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ፈሊና ንርኣዮ። ‘ኣቦይ ወልዱ ብዝበልዕዎ ሕሙቶ፣ ንኣደይ ኢታይ ኣጉስዐን’ ከም ዝበሃል ምስላ፤ ኣብቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ብዘይካ’ቶም ውሑዳት ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ከዳዓት፣ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላይ ነበር ህዝባዊ ግንባርን ዝሕተቱሉ ኣይኮነን። ነዚ እንተተረዲእና ድማ፤ ነቲ ኢሳይያስ ዝገበሮ ጌጋታት ኣይክንደግምን ኢና።

ዓወት ፍረኣ ጥዑም’ዩ! ኢድ ከይሓወስካ ብማተማኢካዊ ካልኩለሽን ጥራይ ክትመጽእ ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ማዕረ’ዚ ህዝቢ ዝጎዩ ልኡኻት ህግደፍ’ኳ ኣለዉና። ብጭቡጥ ኣብ ዱሮ ምእሳር ጂ.15 ከውታ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ኢሳይያስ /ረድዮ መሪናዮ/ ምስጢራዊ ኣኼባታት ገይሮም ዝተፋነዉ፣ ካብ ሱዳን ኢሳይያስ ንዝጸሓፎ መምርሒ ወረቓቕቲ ካብ ኢድ ኮሎነል መልኣከ ገብረማርያም /ወዲ ፊተውራሪ/ ተቐቢሎም “መርቑና” ኢሎም ናብ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋፈሩ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘሊልና ሃዲምና ኢሎም ዝነግሩና ዕሱባት፤ ኣብ ቀረባ ግዜ ክቃልዑ ኢዮም።

በቲ ተጋዳሊት ኣበባ ዝበለቶ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ክድምድም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ 1ይ ውድባዊ ጉባአ 1977፣ ዝነበረ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” ዝብል ኢዩ ዝነበረ። ኣበባ ዝተባህለት ነተን ቀደም ዝተሰለፋ ደቀንስትዮ ታዕሊም ውዒላ ምስ ወደአት፣ ከምቲ ወተሃደራዊ ሕጊ “ብሰላም ዕረፍ” ምስ በለተን፤ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት” ብምባል ተበተና።

“ወይለከይ ኣበባ! ንዕነ ድኣ ተመለሳ። እቲ ሞት’ከ ድኣ መን ኢዩ ክሞተልክን ትጽበያ ዘለኽን” ኢላ ከም ብሓድሽ ሰሪዓ “ብሰላም ዕረፍ” በለተን። ንሳተን ድማ ንጉድለተን ተረዲአን፦

“ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” በላ። ኣብቲ ዝኣመናሉ ዕላማ ከኣ ስለ ናጽነት ሃገረን ኤርትራ ተሰዊአን። እምበኣርከስ ስለ እዚአንን እዚኦምን ኢና ኣብ ማሕላ ጸኒዕና ተውለ እንብል።

ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝውክልን ዝሰርሕን፣ ካብ ጀጋኑ ደቀባት ኤርትራ ኣዝዩ ዝፈርሕን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ ኢዩ። ‘ዘይተፈስወ ነይጭኖ’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ 1985 /ወራር ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ/ ኢብራሂም ዓፋ ተሰዊኡ ዝብል ፎእ መርድእ ሰሚዕና። ኣብ ከባቢ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ብዛዕባ መስዋእቱ ትሒም-ትሒም ክስማዕ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ንይምሰል ከኣ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ኣብ መጋቢት 1987 2ይ ውድባዊ ጉባአ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተነግረ።

ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ጽሑፍና፣ ግርጭት ኢሳይያስን ኢብራሂም ዓፋን ካብ ቦጦሎኒ 5 ደቡብ፣ ክሳብ ምሕራር ከተማ ከረን፤ ካብ ግዜ ምዝላቕ ድማ ክሳብ 6ይ ወራር ደርግ ንዝነበረ ዝምድና ክንርኢ ኢና። መን ይፈልጥ ኑራ መሓመድ ዝሰነደቶ ን25 ዓመታት ዝተቐብረ ታሪኽ’ውን ይህሉ ይኸውን። ንሳራ ነታ ኣስታት 28 ዓመታት ብሰንኪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፍቕሪ ኣቦ ዘየስተማቐረት እንኮ ጓሉ ድማ ዝኽትምና ከይስመዓ “…ኣጆኺ ሕነ ኢብራሂም ዝፈድዩ ሚልዮናት ኣብ ጎድንኺ ኣለዉ” ንበላ። ሽዑ እቲ ኣብ ገዛ ሳራ ተሰቒሉ ዘሎ ስእሊ ጅግና ወላዲኣ ኢብራሂም ዓፋ፣ ናብ ጎደና ሓርነት ክወጽእ ኢዩ። ሽዑ ኣብ ገገዛና ክንሰቕሎ ኢና’ሞ ኣጆኺ ሳራ!

ጉዳመኛ ኢሳይያስ ናብ ካርቱም እናተበገሰ ዘጻወዶ ናይ ምቕንጻሉ ውዲትን ብድሕሪ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ከኣ፣ ባዕሉ ናብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሶርያ ደማስቆስ ንዝነበረ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሮሞዳን መሓመድ ኑር ዘመሓላለፎ ናይ መርድእ መልእኽቲን ናይዚ ዘለናዮ ከም እንቋቑሖ ተኣፋፍነቱ መድረኽ ስርዓተ-ህግደፍን ክንርኢ ኢና።

ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰላም ቅነ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ! source ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : ሓሙሻይ ክፋል - ብ ኣለና

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. oiiu.php

    http://www.ehrea.org/oiiu.php

    Preserved local original · source record 6d5ad59c99e2a0952a78d370

    SHA-256: 4a19400eb1d91aa804d47328200674c515135fd5f4817f76ba41ea1661c3c71a

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 8d26b60af24a7f631ec081fed85eb8c888e7416cde1b5d978bae462fc9ca358b

Alternate titles: oiiu.php · Archived HTML document — record 6d5ad59c99e2a0952a78d370

  • 6d5ad59c99e2a0952a78d370: retained: distinct complete document. 1 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions