Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · English / ትግርኛ

Asena - ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ

Preserved source index with documentary content retained.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. Asena

    Asena - ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ, Asena. EHREA archive: /library/documents/doc-64a3dd3ff33b8ebf02c403e0/#b-2bf1417a5e8f9e9352134503. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 38309dc8d897f17480a42d2360217d29799b2155bdcda9927ba9bcffc6d3e4c7. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

Asena

Home

arrow

ትግርኛ

arrow

ዜና

arrow

ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ

ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ

PDF

Sunday, 19 April 2009

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣእሚኑን ኣብ ዜጋታቱ ድርኺት ፈጢሩን ዘይኮነስ፡ ብማእሰርትን ቅትለትን ዘመሓደር ጽዩፍ ስርዓት እዩ። ስልጣኑ ሕጋውነት ስለዘይብሉ፡ ርእሰ ምትእምማን የብሉን፡ ኣብ ቀጻሊ ስግኣት’ዩ ዝነብር። ስለዚ ነቲ ክሳብ ምሉእ ዕድሚኡ ዝምነዮ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይልን ኣስገዳድን፡ ብራዕዲ-ሽበራን ምፍርራሕን እዩ ከጻንሖ ዝፍትን። ብሰንኪ እዚ ሕግን ሓሳብሎን ዘይብሉ ሽፍታዊ ኣካይዳ ኸኣ ብዙሕ ገበናት ኣዋህሊሉ ‘ሎ። ጥርዚ ናይዞም ገበናት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣባላት ሰራዊትን ብትሕዞ ዝፍጽሞ ናይ ምርሻን ስጉምትን ቅትለትን እዩ። ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር እዩ። ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ብስስዐ ስልጣን ዝሰብሐ ልቢ ህግደፍ ግን ዋጋ የብሉን። ህይወቱ ስልጣኑ ጥራይ እዩ። ንሰብ ከም ቁጽሪ እምበር ከም ህይወት ስለዘይጸብጸቦ ኸኣ መሰል ሰብ ብጅምላ ተጋሂሱ ክብረቱ ሓሲሩ፡ ሃገርና ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ትርከብ ኣላ። እቲ፡ እቶም ስሚ ደቆም ኮኑዎም ዘሎ ኣቦታትን ኣዴታትን ኤርትራ ወግሐ ጽብሐ ዝረግሙዎ ዘለዉ ስልጣን፡ እቲ ንእስነቶም ሰሪቑ መጻኢኦም ብኣግኡ ስለዘባኸነሎም ነታ ዝርካባ ኣብ ስደት ዳግማይ ህይወት ክዘርኡላ ብቓፍላያት ራሕሪሖሞ ንወጻኢ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ዝጸየኑዎ ስልጣን ንህግደፍ እንታይ እንታይ ይጥዕሞ ከምዘሎ መቸም ዘስደምም እዩ። ንዝቢ ኤርትራ ግን ብርግጽ ስልጣን ህግደፍ ካብ መግዛእቲ ንላዕሊ ኣርዒሩዎስ፡ ህጹጽ መብረ ሃንቀው ይብል ኣሎ። እቲ ስርዓት፡ ሓንሳብ ካብ ወንበሩ እልይ ኢሉ፡ ዕንደራኡን ገበናቱን፡ ንዝህቢ ኤርትራ ጽዒኑዎ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ክመሚ ኣይከኣለን። በዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሃገርና ፈጢሩዎ ዘሎ ቅልውላው መወዳድርቲ ስኢኑ ኸሎ፡ ኣብታ ብስስዐ ስልጣን ዝተባሕተት ጸባብ ኣእምሮኡ ዘለዎ ሚዛን ግን ፈኵስ እዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ስርዓት፡ ከምቲ ንጥፍኣቱ ባዕሉ ዝቐየሶ ባዕሉ ይመርሖ ‘ሎ። እንሆ ድማ፡ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ ንለውጢ መመሊሱ ክዓርግ ከሎ፡ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀቱን ጽላለኡን መመሊሱ ይዓርግ። በዚ መንገዲ’ዚ ምስ ገበናቱ እናተቐዳደመ ኸኣ ‘ዩ፡ ሎሚ ደቂ 15 ዓመት ቆልዑ ብትሕዞ ኣብ ምርሻን በጺሑ። ንሎሚ እምብኣር፡ እቲ ትማሊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ “ቆጺረ ዝወሰድኩዎም ደቅኻ ቆጺረ ከረክበካ እየ” ብምባል ንህዝቢ ክሽሕጥ ዝፈተነ ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ዝፈጸሞ ናይ ምርሻን ስጉምታት ዝምስክር ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ጭቡጥ ሰነዳት ከነቕርበልኩም ኢና። እወ፡ ደም ንጹሃት ኣይሰድድን ‘ዩ። እቶም በቲ ጽዩፍ ስርዓት ኣብ ጽመዋ ተረሺኖም ኣብ ጽመዋ ዝተቐብሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ብሰነዳቶም ክዛረቡ እዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዓቢኡ ዕንደራኡ ንምርዋይ ዝኣተዎ ኵናትን እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዘመኽንዮ ጊላነትን፡ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ሕግን ስርዓትን ዘይብሉ ኣተሓሕዛኡ፡ ኣብ ኣባላት ሰራዊት ጽልኣትን ጭንቀትን ፈጢሩ ክርሕርሑዎ ከምዘገድዶም ክእመነሉ ኣይደልን ወይ ከኣ ኣይስቆሮን እዩ። ንርእሱ ገበነኛ ስለዝኾነ፡ ንንጽህና ካልኦት ገበን ገይሩ ክገልጾ ግን ጸገም የብሉን። በዚ ቅጥዕን ርትዕን ዘይብሉ ኣረሚናዊ መንገዲ ‘ዚ ኸኣ ‘ዩ፡ ነቶም “ቆጺሩ ዝተቐበሎም” ከም ኣፉ ቆጺሩ ኣብ ክንዲ ዝመልሶም፡ ቆጺሩ ዝቐትሎም ዘሎ። እዚ ክታምን ማሕተምን ፈጸምቱ ዘለዎ ናይ ምርሻን ሰነዳት፡ ካብ 1999 –2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ክፍለሰራዊት 18 ካብ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ንጭብጥን መርኣያን ተባሂሉ ብኸፊል ዝተልእከልና እዩ። በብኣሃዱኡ ክንደይ ንጹህ ኤርትራዊ ጠፊኡ ከምዘሎ ኸኣ ምግምቱ ኣየጸግምን። እዚ ጭቡጥ ሰነዳት ‘ዚ እቶም ሰባት ከምዝተረሸኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ከምዝተረሸኑን ብኸመይ ኣገባብን ቅጥቕን ህይወቶም ከምዝጠፍአን ዘመሳኽር እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን፡ ነዚ ክቡር ህይወት ዝለከመ ስጉምታት እቶም ክሳብ ደረጃ ጋንታ ዘለዉ ታሕተዎት ሓለፍቲ በብኣጋጣሚታቱ ተጋግዮም ዝፈጸሙዎ ዘይኮነስ፡ ኢሳይያስ ከም ድላዮም ክቐትሉ ንዝሃቦም ዕዉር መምርሒ ተኸቲሎም ኮነ ኢሎም ዝፈጸሙዎ ምዃኖም እዩ። ነቶም ግዳያት ከኣ፡ ከም እንስሳ፡ “ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ፡ ኣብ ግንባሩ ተደጊሙ” እናበሉ፡ ብትሕዞ ህይወቶም ኣጥፊኦም ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮሞም ኣለዉ። እዞም መሳኪን ኤርትራውያን፡ ኣብታ “ኣዴታቶም ደቅና ኣለዉ” ኢለን ብተስፋ ዝዛነያላ፡ ህጻናት ደቆም “ኣቦና ክበጽሓና እዩ” እናበሉ ብተስፋ ዝጽበዩላ ዝነበሩ፡ ንዓኣዓቶም ግን ብጽመዋን ጭካኔን ዝሕልሕል እትብሎም ዝነበረት ናይ መወዳእታ ህሞት ሓዲሩዎም ዝነበረ ስምዒት መቸም፡ ብንብዓት እምበር ብዘረባ ክግለጽ ኣይክእልን እዩ። እቶም ግዳያት ገሊኦም ናብራ ዘይፈተኑ ለይለይ መንእሰያት፡ ገሊኦም ሰለስተ -ኣርባዕተ ዕሸላት ቆልዑ ብድሕሪኦም ዝገደፉ ሰብ ሓዳር እዮም። ገሊኦም ኣሕዋት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ስዉኣትን እዮም። ነታ በጃ ስልጣን ንኹሉ ከም ዓሳ ምጥሓን ጥራይ እትፈልጥን ማሽን ቅትለት ኢሳይያስ ግን፡ እዚ ኹሉ ነጸብራቕ ህይወት ኣይንታያን እዩ። ገበናታ ረዚኑዋ፡ ሕነ እዞም ንጹሃት ግዳያትን ስቅያት ህዝቢ ኤርትራን ነብሳ እትሕነሉ ግዜ ግን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። ፍትሒ ግድን ኪረጋገጽ እዩ። ንጹህ ዘይትንከፈሉ፡ ገበነኛ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ ብመስርሕ ሕጊ ንጽህናኡን ገበኑን ዝምምመየሉ መድረኽ ናይ ግድን ክመጽእ እዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ዘውሕስ ፖለቲካዊ ስርዓት እንተዘይሃኒጽና፡ ንህዝቢ ዝውክል ባይቶ፡ ነጻ ቤትፍርዲ፡ ነጻ ጋዜጣ፡ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ተኺልና፡ ሰብ ኣብ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ሕግን ተኣማሚኑ ዝነብረሉ ቀሲኑ ዝሓድረሉ፡ መድረኽ እንተዘይፈጢርና፡ “ሃገር ኣለና፡ ህዝቢ ኢና” ክንብል ኣይንኽእልን። ካብዚ ፍሽለት’ዚ ንምድሓን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቀዳምነት ሂብና ብሓባር ምስራሕ ከኣ ቀስትና ክኸውን ይግብኦ። ነዚ ሰነድ ‘ዚ ንህዝቢ ከነቕርቦ ኸለና፡ ነቶም ካብ ቱሽቱሽ ናይቲ ቀታሊ ስርዓት ነዚ መስካሪ ሰነዳት ‘ዚ መዝሒቖም ክልእኩልና ልዑል ትብዓትን ተወፋይነትን ዘርኣዩ ሰብ ሕልና ብስም ኣሰናን ተኸታተልትናን፡ እቶም ግዳያትን ነመስግኖም። “ሎሚ ምዉታት ኣዛሪብኩም ኣለኹም ‘ሞ ጽባሕ ድማ ንስኻትኩም ብሓበን ክትዛረቡ ኢኹም” ንብሎም። ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቡ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ትብዓትን ሕልናን ብምርኣይ ንጭካኔን ገበናትን ህግደፍ ኣብ ምቅላዕ ክተሓባበሩ ድማ ብትሕትና ንጽውዕ። ኣሰና

ሰነዳት ብህግደፍ ዝተረሸኑ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 18

(ንሎሚ ናይ ሰለስተ ካብኣቶም ግዳያት ከነቕርበልኩም ኢና - መንግስተ ሰማይ የዋርሶም)

1. ኣብርሃለይ ተኽለ ኣስፍሃ

ቀዳማይ ሰነድ

ካልኣይ ሰነድ

2. ሃይለ ብስራት ጋሎ

  • ቀዳማይ ሰነድ

    ካልኣይ ሰነድ

  • ሳልሳይ ሰነድ

3. ስዩም ተስፋማርያም ተወልደ

(መብርሂ፡ ናይ ስዩም ሓበሬታ ብጽሕፈት ኢድ ዝተቐድሐ ስለዝኾነ ኣብ ገሊኡ መልሲ ጥራይ እዩ ተጻሒፉዎ ዘሎ፡ስለዚ ምስቲ ናይ ጋሎ ፎርም ብምንጽጻር ብቐሊሉ ንምርድኡ ይከኣል)

Last Updated ( Monday, 20 April 2009 )

Next >

ትግርኛ

ዜና

ቃል ኣሰና

ኣተኵሮ

ህይወት

ኣብነት

ናዕታ

ዕቡሳት ጋዜጠኛታት

ደብዳቤታት

ዋዛን ኣዋዘን

ኪዳን ምስ መን?

ሰነዳት

Copyright © 2005 - 2009 Asena.

Loading...

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. Asena - ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ

    http://www.ehrea.org/sendait_files/a.htm

    Preserved local original · source record 64a3dd3ff33b8ebf02c403e0

    SHA-256: 8cdfef6374c628e642c9c8d7e80a1e04700fa5cb1175d5c7b720ff8830493866

    All source URLs and preserved captures
    • Asena - ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ · refresh-2
      http://www.ehrea.org/sendait_files/a.htm
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/sendait_files/a.htm
      Same bytes as extracted source
    • Asena - ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ · refresh-3
      http://www.ehrea.org/sendait_files/a.htm
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/sendait_files/a.htm
      Earlier/different preserved capture; not used for this reader body
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 38309dc8d897f17480a42d2360217d29799b2155bdcda9927ba9bcffc6d3e4c7

Alternate titles: Asena - ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ

  • 64a3dd3ff33b8ebf02c403e0: retained: ambiguous extraction; automatic merging disabled. 3 proven template removals; 3 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions