Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Source excerpt: መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ፣ ንህቡብነት ሓዳስ ደርፊ ‘ሓድነት’ ወዲ ትኳቦ ኣብ ኤርትራዉያን ኣመልኪቱ፣ “ናይ ቦብ ማርሊ ህሞት ደኾን’ዩ” ክብል ጽሒፉ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. Post navigation

    መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል, Post navigation. EHREA archive: /library/documents/doc-53084f0ca0829f62d821fa0f/#b-6492ac6a9bb48b1cfd606f36. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  2. መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

    መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል, መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል. EHREA archive: /library/documents/doc-53084f0ca0829f62d821fa0f/#b-b66e8f797a04c5dbeaa3b7c7. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: a9d6c993018e97e726b94b4cf18d91b822581bf6b75250095aeecfd379479f79. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

Post navigation

← Trending: Eritrea’s ‘Bob Marley’ moment? – BBC

መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ፣ ንህቡብነት ሓዳስ ደርፊ ‘ሓድነት’ ወዲ ትኳቦ ኣብ ኤርትራዉያን ኣመልኪቱ፣ “ናይ ቦብ ማርሊ ህሞት ደኾን’ዩ” ክብል ጽሒፉ። →

መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

ኤ ና ስ ኣ ምስ ዓመጹን ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምእዛዝ ምስ ኣበዩን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ጠንቁ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ሽግር ክፍጠር ዝኸኣለ ኤ ና ስ ኣ ኣኻል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዘይነበረን ነብሱ ኽኢሉ ነጻ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ማሕበር ብምንባሩ ዝተፈጥረ ጸገም ብምንባሩ ኢዩ፡፡ እዚ ስለዝተረድኦ ድማ ኢሳያስ ነዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንክገብረሉ ኣብ ሜዳ ሽበድበድ ክብል ጀመረ፡፡ እዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ጸገም ኣብተን ኻልኦት ናይ ሓፋሽ ውድብ ማሕበራት ማለት ከም ማሕበር ተማሃሮ፣ ማሕበር ደቐንስተዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ሸቓሎ ወዘተ. . . ንኸይድገም ስለዝፈርሀ ድማ ንኹለን ሓፋሽ ውድባት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህ. ግ. ከምዝቅየዳ ንምገግባር ከም ብሓድሽ ክሰርዐን ክውድበንን ጀመረ፡፡ ዕላምኡ ድማ ከምዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ዓይነት ጸገማት መታን ከይድገም ብዝተኻእለ መጠን እተን ናይ ሓፋሽ ውድባት ማሕበራት እንተተኻኢሉ ብኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብሕጹያት ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ከምዝምርሓ ምግባር ነበረ፡፡

ናይ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ጉባኤ ብምጽዋዕ ድማ እቲ ጉባኤ ኣብ ሜዳ ኣብ ንሱ ብዝያዳ ኣብ ዝቖጻጸሮ ቦታ ክገብሮ ስለዝወሰነ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ወኸልተን ንሜዳ ከምዝሰዳ ተገብረ፡፡ተንኾላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተረድኡ ኣባላት ኤ ና.ስ ኣ. ድማ ሽውዓተ ወከልቶም መሪጾም ንሜዳ ለኣኹ፡፡ ካብቶም ዝተላእኩ ድማ ሓጎስ ገብሪሂወት (ኽሻ) ን ታደሰ እምባየን ይርከብዎም ነበሩ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ ሓጎስ ኽሻን ታደሰ እምባየን እቶም ካልኦትን ክብገሱ እንከለዉ ድማ ብዛዕባቲ ግርጭቶም ምስ መሪሕነት ህ. ግ. ተላዚቦም ሓደ ፈታሕ ሒዞምሎም ክመጹ ተማሕጸንዎም፡፡ ኣብዚ ጉባኤ‘ዚ ድማ ኢሳያስ እተን ማሕበራት ብሃገራዊ መልክዕ ከምዝስራዓ ገበረ፡፡ ዕላማ ኢሳያስ ድማ ንኤ ና ስ ኣ ንምብትታንን ካልእ ብወገን ተ.ሓ. ኤ. ክምስረት ዝክእል ማሕበራት ንምትዕንቓፍን ነበረ፣ ማለት እቲ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ፣ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ወዘተ… ዝብል ፓቴንት ንምግባርን ስለዝመደበ ኢዩ፡፡

በዚ መስረት ድማ ንሓጎስ ኽሻ ከም ኣቦ መንበር ናይ ማሕበር ተመሃሮ ከምዝምረጽ ክገብር እንከሎ ንታደሰ እምባየ ድማ ወኪል ናይ ተማሀሮ ኣብ ሰሜን አሜሪካ ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ብዘይካ‘ዚ ድማ ዘመደ ተኽለ ኣብ ኤሮጳ፣ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ቤይሩት፣ዮሱፍ ሳይቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ወከልቲ ናይ ማሕበር ተማሀሮ ገበሮም ፣ ኩሎም እዞም ዝተጠቅሱ ድማ ኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኢዮም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓለፍቲ ኤ ና ስ ኣ ዝነበሩ ኣብ ሜዳ ኣትዮም ፍረዶም ምስ ዝቕበሉን ይቕሬታ ምስ ዝሓቱን ጥራይ ኢዮም ኣባላት ናይዚ ሓዲሽ ዝቖመ ማሕበር ተማሀሮ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝብል ውሳኔ ምሕላፉ ይዝከር፡፡

እቲ ኣብ ሜዳ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ ውዲታት ዘይፈለጠ መንግስትኣብ ኢሳቅ ድማ ኣብዚ እዋን‘ዚ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብስልኪ ክራኸብ ፈቲኑ ኔይሩ፡፡ (ኣብ ሜዳ ሓንቲ ናይ ስልኪ መራከቢት መሳርሒት ነይራ ንሳ ከኣ ኣብቲ ናይ ኢሳያስን ሮመዳንን ቦታ ነበረት)፡፡ ኢሳያስ ምስ መንግስትኣብ ክራከብ ስለዘይደለየ ግን ኣብ ስልኪ ሮመዳን ኢዩ ተቀቢልዎ፡፡ ሮመዳን ንስካ ብድሕሪ ሕጂ ምስ ኢሳያስ ዘራኽብ የብልካን ስለዚ ትብሎ ነገር እንተሎካ ምሳይ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ ስለዝበሎ ድማ መንግስትኣብ ኢሳቅ ኢቲ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ክብሎ ዝደሊ ዝነበረ ጉዳይ ንሮመዳን ገለጸሉ፡፡

ናይ መንግስትኣብ ርእይቶ እቲ ብሶቬት ሕብረት ተሃንዲሱ ኣብ ምብራቅ ጀርመን ዝግበር ዘሎ ናይ ኢሳያስ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ክቛረጽን ካብኡ ሓሊፉ‘ውን መርሕነት ህ. ግ. ን ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ክትሰርዓን ከተሓሳስቦ ይደሊ ምንባሩ ንሮመዳን ምስ ሓበሮ፣ ሮመዳን ብቑጣዔ „ንስኻ መን ኢኻ ? ንዓና ክንገብሮ ዘሎና ክትነግረና ድማ ኣየድልየካን ኢዩ“ እዚ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ድሕሪ ሕጂ ድማ ምስ ኢሳያስ ዘራክብ የብልካን“ በሎ፡፡

ብድሕርዚ ድማ ብስልኪን ብደብዳቤን ሶቬት ሕብረት መሓዛና ኢያ ዝብል ተደጋጋሚ መልእክቲ ምስ መጾም ን ህ. ግ. ክኹንንዋ ወሲኖም ጉባኤ ጸውኡ፡፡

ሓጎስ ክሻ ደድሕረ‘ቲ ጉባኤ ካብ ሜዳ ንዓዲ ጥልያን ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ንምንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ንሜዳ ኣትዩ ይቅሬታ እንተሓቲቱ ናብቲ ማሕበር ተማሃሮ ክምለስ ዝፍቐደሉ ምዃኑ ብምግላጽ ንሜዳ ንክኣቱ ክሰብኮ ጅመረ፡፡ መንግስትኣብ ግን ብመግለጺ ሓጎስ ክሻ ተቖጢዑ “ ኣታ ከዳዕ ንሕና ጸገምና ተመያይጥካ ክትፈትን መልሲ ክተምጽኣልናን ኣሚንና ሰዲድናካስ ንስካ ድሮ ካዲዕካና ንስካ ናይ ብሓቒ ከዳዕ ኢካ“ በሎ፡፡

በዚ መሰረት ድማ እቲ 9ይ ጉባኤ ተካይዱ ንመሪሕነት ህ.ግ. ኰነኑን ካብ ህ. ግ.ሓ. ኤ. ድማ ምፍላዮምን ብወግዒ ኣወጁ፡፡ ታደሰ እምባየ እቲ ካብ ሜዳ ንማሕበር ተማሀሮ ሰሜን ኣሜሪካ ክመርሕ ተመዲቡ ዝነበረ ኣብዚ ኣኸባ ኣርኪቡ ስለዝነበረ፣ እቲ ውሳኔታት ናይ ኤ ና ስ ኣ ምስ ሰምዐ ፣ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ከምዘይቅበሎ ገሊጹ እቲ ሓላፍነት ከምዝደርበየሎም ይፍለጥ፡፡

ድሕር‘ቲ 9 ውድባዊ ጉባኤ ናይ ኤ ና ስ ኣ ድማ ምንግስትኣብ ኢሳቅ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰውራ ናይ ኤ ና ስ ኣ ከምዝኣቱ ተገብረ፡፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ New York) ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ድማ ሃይለ ሞገስ ሃብተማርያም ገብረመስቀል (ቺፖላ) ሳባ ኢሳያስ (ጓል ጀነራል ኢሳያስ) ፓድረ New york ይርከብዎም ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም እተን ናይ መወዳእታ ሰዓታትን ደቓይቅን ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ዝኮነ ሰብ ንላዕሊ ሰለዝፈልጡ እቲ ሓቂ ንክገልጹልና ንላበዎም፡፡

ድሕሪ መንግስትኣብ ኢሳቅ ምቅታሉ ድማ ኣንደብርሃን ገብረመስቀልን ዓንደሚካኤል ካሕሳይን ንኣሜሪካ መጺኦም ምንባሮም ይፍለጥ፣ መደቦም ድማ ነቲ ናይ ኤ ና ስ ኣ ተቓውሞ ንምብትታኑን ነቲ ብ ሓጎስ ክሻ ዝምራሕ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ንምድልዳልን ነበረ፡፡ መንግስትኣብ ድሕሪ ምሟቱ ድማ ሳባ ኢሰያስ ንሜዳ ኣትያ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስብሓት ኤፍሬም ትነብር ምንባራ ይፍለጥ፡፡ ቁርብ ዓመታት ጸኒሖም ድማ ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ ንሜዳ ዝኣተዉን ምሕረት ዝሓተቱን ነይሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ፡፡

ድሕሪ ሞት ናይ መንግስትኣብ ድማ ስብሓት ኣብ ሜዳ እናዞረ ንኣባላት ሚስጥራዊ ሰልፊ መግለጺታት ይህብ ነበረ፡፡ ትሕዝቶ መግለጺኡ ፣ ሸኽ ዛይድ ንውድብ ህ ግ. ሓደ ሚልዮን ዶላር ( $ 1.000000) ሓገዝ ከምዘወፈየ ፣ ኣባላት ኤ ና ስ ኣ ድማ እቲ ዝቃወም ዝነበረ መራሒኦም ካብ ፓላሶ ጸዲፉ ድሕሪ ምሟቱ ከም ብሓዲሽ ተወዲቦም ንውድቦም ብዙሕ ወፈያታት ይገብሩ ምንባሮም ዝሕብር ነበረ፡፡

ስብሓት ነዚ ኣኼባታትዚ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ኣዔርዩ ድሕሪ ምምጽኡ ነበረ፡፡ ስብሓት ኣብ ባሕሪ ባራ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሓደ ግርማይ ብሬን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጥይት ተባሪቐቶ‘ሞ እታ ጥይት 6 ናይ ቅድሚት ኣስናን ናይ ስብሓት ለኺማ ስለዝከደት ንሕና ንስብሓት ኤፍረም ጓህማም እንከሎ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና፡፡

ዓለም ሃይለ ፣ አለም ሃይለ ኣብ 1972 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ናይ 12 ክፍሊ መርመርኡ ዝበለጸ ነጥቢ (Distinction) ኣምጺኡ ብምሕላፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቬርስቲ ይመሃር ነበረ፡፡ ኣብ 1974 ዓ. ም. ድማ ናብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ተሰሊፍ ክጋደል ጀመረ ነበረ፡፡ አለም ናይ ሰሜን ናይ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ሓላፊ ኰይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ምስ ሓለፍቱ ዘይምቕዳው ከምዘነበሮ ይፍለጥ ፡፡ ቐጥታ ሓላፊኡ እስቲፋኖስ ብሩኖ ኰይኑ ብልዕሊኡ ድማ ስብሓት ኤፍረም ይመጽእ ማለት ኢዩ፡፡ ምስቲ ኣብ ግዜ ምዝላቅ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሚሊሻ ዝተራእየ ጋሕመጥመጥ ተኣሳሲሩ ድማ ናይ ኣለም ሽም ይጥቀስ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ብዝኰነ ድሕሪ ምዝላቅ ስብሓት ኤፍረም ንብድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ኣብ ሳቡርኤባ የካይድ ነበረ፡፡ እቲ ኣኼባ ንናይ ምሳሕ ንዕረፍቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ድማ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀተለ፡፡

እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ተወዲኡ ኣኸቤኟታት ናብ ኣኼባ ምስ ተመልሱ ድማ ስብሓት እፍሬም እዚ ዝስዕብ መግለጺ ሂቡ፣ „ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀቲሉ ኣሎ፡፡ ነብስኻ ምቅታል ቖራጽነት ኢዩ፣ ዝበለጸ ቖራጽነት ግን ነቲ ነብስኻ ንኽትቀትል ዝደፋፍኣካ ነገር ክትገልጾን ክትምክቶን አዩ „ክብል ዘረብኡ ዓጸወ፡፡ ስብሓት ኤፍሬም ንኣለም ሃይለ ዝክረ ሰማዕታት ክገብረሉ ይኩን ወይ ድማ ናይ ሓንቲ ደቒቅ ናይ ሕልና ጸሎት ክገብረሉ ኣይተገደሰን፡፡

ብድሕሪ ሞቱ ድማ፣“ ኣለም እኮ ርእሱ ከምገለ ክገብሮ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ፣ ሓኪም‘ኰ በይኑ ኣይትግደፍዎ ኢሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ ኢዩ“ ብምባል ኣለም ተጸሊሉ ነብሱ ከምዝቀተለ‘ምበር ካልእ ንኸምዚ ዝኣምሰለ ስጉምቲ ንክወስድ ዘገደዶ ኩነታት ኣብቲ ውድብ ከምዘይነበረ ንምሽፋን ይፍተን ነይሩ፣ እዚ ድማ ልሙድ ባህሪ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡

ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ መን ኢዩ ነይሩ ስለምንታከ ተቐቲሉ

ጴጥሮስ ዮሃንስ ቐቅድሚቲ ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ካብ ኣሜሪካ ንሜዳ ከምዝኣቱ ተገይሩ ኣብ ሜዳ ዝተቀትለ ካልእ ስውእ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡ ጴጥሮሰ ዮሃንስ ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል (ናይ 73 ምንቅስቃስ) ዓርኩን መማህርቱን ምንባሩን ፖለቲካዊ ብስለቱ ድማ ክብ ዝበለ ምንበሩን ይሕበር፣ ይኹን‘ምበር ኣባል ናይቲ ማእከላይ ሽማግለ ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣይነበረን፡፡

ጴጥሮስ ናይ 73 ምንቅስቃስ ሕሉፍ ጸጋማዊ ምንቅስቃስ ኢዩ ክብሃል ዝክእል እምበር ፣ አዕናዊ ወይ ዘይሰውራዊ ምንቅስቃስ ኣይኰነን ፣ ስለዚ ድማ ብዘተ ኢዩ ክፍታሕ ዝግብኦ ዝብል እምነት ሰለዝነበሮ፣ ነዚ ዕግበቱ‘ዚ ዓው ኢሉ ይጣበቀሉ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ኤ ና ስ ና ብዝኮነ ይኩን መንገዲ ኣካል ናይ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከይከውን ኣትሪሩ ይካታዕ ነበረ፡፡ ኤ ና ስ ኣ ነጻ ማሕበር ኰይኑ ነብሱ ኪኢሉ ከሰርሕ ክንቀሳቀስን ከምዘለዎ ይኣምን ነበረ፡፡ እዚ መርገጺ‘ዚ ድማ ንውለቀ መላኪ ኢሳያስ ፈጺሙ ኣይመቀሮን ፣ ስለዝኮነ ድማ ንጴጥሮስ ንምጥፍኡ ክበላሓት ጀመረ፡፡ ኢሳያስ ንተንኮልን ክፍኣት ግብርን ዘርክቦ የብሉን፣ ተንኰል 10 ዓመታት ቅድሚ ሰብ ኢዩ ዝሓስብ ፣ ተንኰል ግን ኩል ጊዜ ኣይኰነን ንቅድሚት ዘሰጉመካ፡፡ ብዝኰነ ንጴጥሮስ ንሜዳ መታን ክመጽእ ኣብቲ ናይ ሓፋሽ ውድባት ኣሰራርዕኡ ናብ „ውፍይ“ ከምዝድይብ ብምግባር ናይ ኤ ና ስ ኣ ናይ ፖለቲካ ኰሚሽነር ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ከም ሓደ ፖሊቲካል ኰሚሽነር ድማ ውፉይ ስለዝኰንካ እቲ ውድብ ዝሃበካ ስራሕ ክትሰርሕን ኣብ ዝመደበካ ቦታ ክትከይድን ትግደድ ኢኻ ማለት ኢዩ፡፡ እዚ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ኢሳያስ ንሜዳ ንቁርብ ግዜ ተድልዩና ኣለኹም ኢሉ ሰለስት ተማሃሮ ካብ ኣሜርካ ንሜዳ ክኣትው አዘዘ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ጴጥሮስ ዮሃንስን ግርማ ኣስመሮምን ሕጂ ኣምባሳደር ዘሎ ሓደ ሳልሳዮምን ንሜዳ ኣተዉ፡፡

ጴጥሮስ ግን ሜዳ ምስ ኣተወ ብዙሕ ከይጸንሔ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ተቀቲሉ፣ ብሓደጋ ከምዝሞተ ንምምሳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጽውጽዋይ መሃዙ፡፡ ጴጥሮስ ምዕባሌታት ክረኢ ደልዩ ኣብ ሜዳ (ብኤነ ተሬ) (N3) ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማኪና እናተጓዕዘ እንከሎ ድቃስ ወሲድዎ ስለዝነበረ ጨዓ ሲሒቡ ኣውዲቅዎ መይቱ፡፡ዝብል ወሬ ኣብ ሜዳ ተነዝሐ፡፡ ኣብ ሜዳ‘ኳ ዝኣምኖም ሰብ ኣይረከቡን፣ ጨዓስ ኣሽንኳይዶ ሰብሲ ነጸለ‘ውን ሲሒባ ክተውድቅ ተራእዩ ስለዘይፈልጥ፡፡ እዚኣ ፍልይ ዝበለት ጽውጽዋይ ኢያ ነይራ፡፡ እንታይ ድኣሞ‘ዮም ክብሉ ? ኣብ ሜዳ ፓላሶታት ኣይነበረን፡፡ ተ ጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ክብሉ‘ውን ዝጥዕም ኣይነበረን፡፡

ናብ ኤ ና ስ ኣ ዝተላእከ ወግዓዊ መግለጺ አይነበረን፡፡ ግርማ ኣስመሮም (ኣምባሳደር) ግን ብእዋኑ ሓንቲ ደብዳቤ ጺሒፉ ብጻይና ጴጥሮስ ዮሃንስ ብሓደጋ ሞይቱ ክብል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር፡፡

እግረ መንገደይ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ካልእ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ብዛዕባ ግርማ ኣስመሮም ከሕብር ይደሊ፡፡ እዚ ድማ ኣስቴር ዮሃንስ፣ ባዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ሰብኣያ ምስ ተኣስረ ተገብሮ ጨነቑዋ ናብ ኣምባሳደር ግረማ ኣስመሮም ከያዳ ብዛዕባ ስክፍትኣ ምስ ኣማኸረቶ ፣ ግርማ ኣስመሮም ኢዩ ንኣስቴር ንኤርትራ ክትኣቱ ዘተባብዓ፡፡ „ ዋላ ሓንቲ ኣይትኰንን ኢኺ „ „ዓድኺ ኣቲኺ ድሃይ ሰብኣይኪ ጌርኪ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ“ „ ኣነ ዋሕስኪ ኢዬ፣ ንኣይ እመኒኒ“ ኢሉ ንኤርትራ ከምዘፋነዋ ይፍለጥ ፡፡ ኢሳያስ እምበኣር ከምዚኦቶም ዓይነት ከዳዓት ጥራይ ኢዩ ሒዙ ዝጓዓዝ ዘሎ፡፡

ኣብ ህ.ግ ድሕሪ ምስላፍካን ሓዲሽ እንኰሎካን እቲ ብናይ ጸላኢ ጥይት ይቅተል ይከውን ኢየ ዝብል ፍርሒ ቀልጢፉ ኢዩ ዝብህንን፣ ነዚ ድማ ኩላትና ተዳሊናሉ ሓሲብናሉን ዝመጻእና ዓይነት መስዋእቲ ስለዝኰነ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናብ ህ. ግ. ምስላፍካ እቲ ቀንዲ ዘሰክፈካን ዘፍርሃካን ነገር ግን ብናይ ህ. ግ. ጥይት ከይትጠፍእን ወይ ድማ ኣብቲ ሓለዋ ሰውራ መሽሚሽካ ከይትተርፍን ኢዩ፡፡ ኢዚ ድማ ህይወትካ ጥራይ ዘይኰነስ ሽምካ‘ውን ንዘላኣለም ከምዝድምሰስ ስለዝርድኣካ ኢዩ፡፡ ከም ከዳዕ፣ ሲ.አይ. ኤ (C.I.A.) ፣ ኣድሓርሓሪ ወዘተ…ዝብል ሽም ንዘለኣለም ከምዝልጠፈካ ስለትፈልጥ ድማ ኢካ ትፈርህን ትስከፍን ፡፡

ኣብ ህ.ግ.ሓ. ኤ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የሎን፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ሓበሬታ ብምስናቕን ስእሊ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ብምልኣክን ከምኡ‘ውን ሞራላዊ ደገፍ ብምሃብ ዝተሓባበሩኒ ኣዕሩኽተይን ሃገራውያንን ምስጋናይ የቅርብ፡፡

የማነ ተኸለገርግሽ

27.11.2013

Rating: 4.5/5 (8 votes cast)

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. Post navigation

    http://www.ehrea.org/petros.html

    Preserved local original · source record 53084f0ca0829f62d821fa0f

    SHA-256: 2a92269fa296da512092fc726ac3d5d0438fe8577b7647e0f7d56f1d61df53e1

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: a9d6c993018e97e726b94b4cf18d91b822581bf6b75250095aeecfd379479f79

Alternate titles: Post navigation · መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

  • 53084f0ca0829f62d821fa0f: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions