Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ብመምህር ተስፉ ዘውደ

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 22edc544d0cbbeab26756f749e7880326966857207bb1ce5b074e5dc06d18e2a. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ወገናዊ ወፈራ

ብመምህር ተስፉ ዘውደ

ገለ ክብ ዝበለ ጸገም ከም ናይ እቶም ዝተቐየዱን ወይ ኣበይ ከም ዘለዉ ተጋደልቲ ሰበ ስልጣናት ዝተላዓዓለ ወጥሪ ምስ ዝፍጠር ቀልጢፍካ ትንዛሕ ሸርሒ እታ ወገንነት ኢያ። ኣብ ሜዳ 1973 እቲ ንምትእርራም ኢሉ ዝተበገሰ ናይቶም ውፍያት ተጋደልቲ ቅድም ብናይዝጊ ክፍሉ መንካዕ ዝብል ስም ተዋህቦም። ከም ኣዕዋፍ በረርቲ ከም እንስሳ ባይታ ድማ እጥበውቲ ዝብል ሕጫጨ ዝዓይነቱ። ግን ኣውራጃዊ ዝብል ስም ተዋህቦ። ከም ታረቀ ይሕደጎ፣ ኣፈወርቂ ክፍሉ (ሳጉኡ ኣምሓራይ) ዓዶም ዝፈልጥ ኣሎዶ? እንተደኣ ዓዶም ዝፈልጥ ሰብ ጭብጥታቱ ሒዙ ይቕረብ። ክልቲኦም ነቲ መሪሒ ኢየ በሃሊ ዝቃወሞ ምንቅስቓስ ናብ ዘየድሊ ኣውራጃነት ከም ዘእተዎ ዘቃልዑ ኢዮም። ኣነ ግን ዝፈልጦ ስለ ዘለኒ ስኽፍ ዝብለኒ ክጉዳይ የብለይን። እቲ ናይ ኣውራጀ ምንቅስቓስ ዝኸሽሑን ሓቂ ዘውጽኡን ግን ምስቶም ኣውራጃውያን ኢዮም ተባሂሎም ተቐንጺሎም። ንሶም ግን ነታ ትጥሰም ዝነበረት ጽሕፍቲ ዘንበቡ እሞ ጸረ ናይቲ ቀንጻሊ መሪሕነት ብፍላይ እኳ ነቲ ሓቂ ስለ ዘጋለጹዶ ኣይኮነን ተቐንጺሎም? ኣብዚ ናይ 11 ሰበ-ስልጣናት ከም ጅግና በራኺ ከም ጅግና ጴጥሮስ ከም ጅግና መስፍን ሓጎስ ዝተሓወስዎም ምልዕዓል ከይተረፈ ብታሕቲ ታሕቲ ኣውራጃውያን ተባሂሎም ክጽውዑ ዝተዋፈረ ገበን ዘገርም ኢዩ። ኣብዚ ናይዞም 11 ውፍያት ካብ ዓፋር ካብ ሳሆ ካብ ኩናማ ካብ ብሄር ትግረ ኣይተሓወስዎን ዲዮም? አረ ገለ ገለስ ኣሕዋቶም ከለዉ እከለ ከዳዕ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓድና ከምኡ ዝበለ ጠላም የብልናን እንዳበሉ ከውርዩ ከይተላእኩ ልኡኻትን ዝለኣኹ ኣለዉ።

ከም ተመክሮይ ክነገር። ካብ 1974 ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ወከ-ዛግር ንሳሕል ክወርድ ተሓቢሩኒ፣ ናይ ተሓአ ተጋዳላይ ኣብረሃም ኣንቶንዮ ተማሪኹ ምስ እስቲፋኖስ ዳኘው ንብለቓት ከነብጽሖ ተላኢኽና። ኣነ ከምቲ ዝተገልጸለይ መደበይ ኣብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ታዕሊም ክዕልም ዝብል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እንበር ዘገረመኒ ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ ዝነበረ ኩነታት ስለ ገለ ኣብ ልዕለይ ዝተዋፈረ ጸገም ንሽግርን መከራን ስለ ዘእተወኒ ተመሊሰ ክዕለም ተመደበ። ወተሃደራዊ ታዕሊም ከዐልመንኒ ዘድሊ በየናይ ምኽኑይ ዛዕባ ተበጊሱ ኣይርደኣንን። ተእውየሉን ትጠርዓሉ ስለ ዘየለ ድማ ተቐቢለዮ። ኣብ ተዓላማይ ወይ ናይ ፖለቲካ ትምህርቲ ከም ብሓድሽ ክመሃር ተገብረ። ምሕጻብ ሓንጎል ይብልኹም። ተመሊሰ ዓላማይ ክኸውን ተመደበ። ክዕልም ጀመርኩ። ቀጺሉ ሓይልታት ተዓለምቲ ክእዝዝ ተገብረ። ገለ ነባራት ተቓለስቲ ከም ናይ ሎሚ ምኒስተር ጸዓት ተስፋይ ገብረስላሰ እውን ኣብ ትሕተይ ይዕለሙ ነበሩ። ዘገረመኒ ነገር እውን ንሱ ነበረ። ተመሊሰ ተሳሒበ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሰርኩ። ምስቶም ናይ መንካዕ ኣባላት ከም ሙሴ ተስፋንኪኤል፡ የውሃንስ ስብሃቱ፡ ሃብተስላሰ፡ ርእሶም ካልኦት እውን ተቐይድኩ። ድሕሪ ንውሕ ዝበለ እዋን ድማ ናብቲ ተወልደ ኢዮብ ዝንበሮ ካልእ ጉጅለ ኣተኹ። ምስቲ ዳሕራይ ዝገልጾ ናይ ህይወት ታሪኽ ድማ ኣብቲ ዝተቐንጸሉላ ዕለት ንመጨረሻ ዝረኣኽዎም ምስክር ኢየ። ብዙሕ ሰብ ከምይ ገይሩ እታ ናይ መጨረሻ ዕለት ዝረኣኽዎም ይብል ይኾኑ። ሓቆም ክቐርብ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ግን ኣነ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ዛጊድ ብሂወቶም ዘለዉ ገለ ገለ እሱራትን ኣብቲ ዝተቐንጸሉሉ እዋን ናይቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ስንጭሮ ኣዛዝን ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ ኣካላት ገና ህልዋት ስለ ዝኾነ ነታ ክቕንጸሉ ተሰሪዖም ዝኸዱ ዝነበሩ (ብድሩዓት ዝዓጠቑ ሰራዊት ተኸቢቦም) ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ጠርጢርና ነርና። ናይ ምዝርራብ ናጽነት ስለ ዘይነበረና ግን ኣይተመያየጥናሉን። ይኹን እንበር ኣነ ብወገነይ ነታ ዕለት ኣብ ሓንጎለይ ጽሒፈያ ነይረ። ካብ ኢሰያስ ንላዕሊ ድማ ምስክር የብለይን። ብዙሕ ስለ ዘተግብር ይሰልኮ ኢዩ። ብኣፉ ዝበሎ እንተ ዝብል ነይረ ግን ሰብ ሓስዩ ክብለኒ ምኸኣለ። ይኹን እንበር ኣብታ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ 73 ትብል ጽሕፍቲ ባዕሉ ነታ ዕለት ስጉምቲ በታ ኣብ ሓንጎልይ መዝጊበያ ዝነበርኩ ልክዕ ገሊጽዋ። እንታይ ክብል ገሊጽዋ ትብሉ ትኾኑ። ይኹን እንበር እታ ቃል ዕለታ ከይ ወሰኽኩ ትብሎ፣ ,,እታ ነቲ ጉዳይ ክትውስን ዝወጸት ኮሚቴ ብዕለት………………..ስጉምቲ ክውሰድ ስለ ዝመደበት እቲ ውሳኔ ተተግቢሩ“ ትብል። ኣብ ሰራዊት ኣይተገልጸን። ኣብ ቀዳምይ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ ዓመትን 4 ወርሕን ብውሳኔ ክትጸድቕ ቀሪባ። ስግኦም ብፍልሖን ሓመድን ዝተበልዑ ድሕሪ 16 ኣዋርሕ ክትእውጅ ንቡርዲዩ? ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ይብልኹም እዚ ኢዩ። ካብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንላዕሊ መረጋገጺ ክህሉ ኣይክእልን። ኣብ ሳሕል ነታ ጽሕፍቲ ተዓዲላስ ተሳሒባ። ንምንታይ ክትሰሓብ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡ ድማ ኩላህና እቶም ውጻእ መዓት ዝኾና ተራኺብና ነቲ ኣባህራሪ ኩነታት ንዛረበላ ኣለና። ሰብ ብባህሪኡ ገለ ዝምህሮ እኩይ ተግባር እንተዘይ ጀሊሖሙሉ ንዝግበር ዓመጽ ይጽየፎ ኢዩ። ቅድሚ 4 ዓመታት ይገብር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦክንሃይም ፍራንክፈርት ብኣቀናጽላ ናይቶም ጉጅለ መንካዕን ካልኦት ኣባላት ሲኣይኤ ዝበሃሉን ጀብሃ ልኢኻቶም ዝብልዎምን ገሊጸ ነይረ። ሓደ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ከምቲ ተስፉ ዝበሎ ዘይኮነስ ንዓና ናብ ብለቓት ዝነበርና ኣባላት ሰራዊት ከይንሰምዕ ጓይላ ግበሩ ኢሎም ጫውጫው እንዳ በልና ከለና ብጠያይቲ ረሽሪሸሞም ክብል ገሊጹ። ደሓን ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ መልተት ኢዩ፣ እቲ ሓቂ ግን በቶም ኣብቲ መቕዘፍቲ ዝወዓሉ ድምጺ ብዘይብሉ ኣገባብ ኢዩ ተፈጺሙ። ብመዓልቱን ጭብጥታቱን ድማ ክግለጽ ኢዩ።

Read Full text

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. twe.php

    http://www.ehrea.org/twe.php

    Preserved local original · source record 4f1a8a24c96c071122b8e2cd

    SHA-256: 65f2ef401eb166574f4c039f1e3c0547216778e029ef67473c1c57f365c29b3a

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 22edc544d0cbbeab26756f749e7880326966857207bb1ce5b074e5dc06d18e2a

Alternate titles: twe.php · ብመምህር ተስፉ ዘውደ

  • 4f1a8a24c96c071122b8e2cd: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions