Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?

    ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?, ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?. EHREA archive: /library/documents/doc-43a90418a74f919ebfc16606/#b-b2a5a5e453589eb38d6de1c6. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  2. እውይ እውይ ኣብየት ኣንታ ጌታ

    ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?, እውይ እውይ ኣብየት ኣንታ ጌታ. EHREA archive: /library/documents/doc-43a90418a74f919ebfc16606/#b-2cbf359b20e3007684fec24c. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  3. አረ ጌና ካልእ ክንሰምዕ ኢና – ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

    ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?, አረ ጌና ካልእ ክንሰምዕ ኢና – ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ. EHREA archive: /library/documents/doc-43a90418a74f919ebfc16606/#b-32ccf6233ffa1c1e5b14f500. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: fa4c5767b456b077638f99db171c2509167eb980a28d7282c4874f4642c28a1d. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

, ሃመልቀስ ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!

Tuesday, 21 February 2012 00:48 ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

ኣንታ ናኢዝጊ ብዓል ድርብ ስረ ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ ምስ ሰናቶር ዝመኸረ

ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ

ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ

ኣመሪካ ገዲፉ ንመዳ ምስከደ ኣባኡ ጸንህዎ ክርዳደ ምርዳደ ኣእተዉዎ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ሓሶት ዝትምህርቱ ብኹምራ መርዛም ጅግና ዝሓራ ንመንኢሰይ ኤርትራ ኣእተወሉ ፈራ ኣይትሕተቱ እናበለ ንኹላትና ዘደንቖረና ብመንነቱ ዘይሕበን ዜጋ ጌሩዋ ሃገርና እንሆ ሕጂ በብሓደ ንሪኣዮ ኩልና ብላሽ ኣገልግሎት ተጋድሎና ሃገርና መንነት ዘይብልና ኩላትና ጠፋእና ናይዝጊ ወዲ ዓደይ ሕማም ድሓር ኮንካ ንዓደቦኻ ቤተሰብ ሓዚኑ ባኻ ተኸላ መርጉዝ ነይሩ ዝዑናኻ ስቅ ከይብሉ ካብ ሰብ ስለ ዝተወሊድካ ስንብታ ኮይኒ ኣኺሉ ሰዓትካ ምስቲ ጅግነንትካ ሓሚቑ ተግባርካ ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ኣንታ ጉድ ተረኺቡ ሎሚ ቅነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ዝኾነ ናይዝጊ እምበር ሰብ ሰኣነ ኣምባሳደርዶ ኣብ ራሻዶ ዘይነበረ ምኒስተር ዜናዶ ዘይነበረ እሙን ጊላዶ ይበሃልዶ ዘይነበረ ኣይተ ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስተባህለ ዓዱ ከይዱ ንኸይቅበር ተኸልከለ ተባህለ ኣየ ጉድ ኣብዚነኻ ናይ ኮለል ኮለለ ናይ ፕረሲደንት ኣማኻሪዶ ዘይተባህለ ወዲ ገራህቱ ኣይኮነን ዝኸልከለ ኣንታ ናይእዝጊ ኣያ! ኣያ!ይዶ! ዘየበለ መንእሰያት ክጥፍኣኡዶ ዘይ ኣሽካዕለለ ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ መቕዘፍቲ ወሓለ ንጀጋኑ ዘልመሰ መንካዕዶ የማን እናበለ ኣብ ረሳታት በላሕቲ ዝደበለ መንሞ ተሪፉኩም ኣነ ኣለኹ ዝበለ ሓሪድኩም ወዲእክሞም ብዘይሰዳድ ወረ ኣንታ ክንደይ ኣሎ ጉድኩም ዘይተነግረ እቲ ኩሉ ምስጢር ምሳኻ ተቐብረ ናይዝጊ ሓወይ ክንደይ ተጋጊኻ ተላኣኺ ኮንካ ከይትመርሕ ባዕልኻ ትእዛዝ ከተኽብር ናይ ኣረመንየ ጎታኻ ኣንታ እንታይ ክብሉዮም ዓዶቦኻ ማእውይቲኸ ተላእከዶ ንዓደቀበነ እንዳቦኻ ተነጊሮምዶ ንማይ ላሓም እንዳ እኖኻ ወይስ ዓዲ ኣልቦ ዘይብልካ ብኡ ንቡኡ ጠፊእኻ ዓዲ ጀጋኑ ነይሩ ኣድከመ ምልጋእ እንዳቦኻ ዓዲ ሕጊ ዓዲ ለባማት እኮዩ ነይሩ መሰረትካ ምስ ዘራኢ መርገም ኮንካ ኣጥፋእካዮም የሕዋትካ ንኹሎም ኣብረስካዮም ምስ ጎሓሉ መኺርካ ሕጂ ዜይርከቡ ዳም ዳም ኢልካ ደሊኻ ጀነራላት ኮኑ ምኒስተራት ሃገርና ጋዘጢኛታ ኩሎም ሙሁራት ዓድና ኣሰሮም ጠፋእና ድሃዮም ጭኒቑና ኣበይ ከምዘጥፋእኩሞም ከይነገርካና መቕበሪ ሳኢንካ ኣብ ሎንዶን ተዓሺግካ መስክነይቲ ረኻቢት መከራ ወያ ሰበይትኻ ንቡርዶ ብምሰኣንካ ንዓለም ገሪምዎ ወዲ ሰራየ ዝኾነ ኩሉ ሓርቢትዎ ዓዲ ኣይትሕተ ኢልኩም ምሂርኩምዎ ወዲ ኣከልጉዛይ ገሪምዎ ወዲ ሓማሰን ዓንዚዝዎ ወዲ ብለን ዝኾነ ኣስደሚምዎ ወዲ በኒ ዓሚር ነገሩ ሰሚዕዎ ኩናማ ባርያ ናትካ ፈሊጥዎ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ኣፉ መርጢጥዎ ወዲ ደንከል ብዙ ኣጠራጢርዎ ናዚ መንግስቲ እዚ ተግባር ኣስካሕኪሕዎ በላዕ ሰብ ሙኻኑ ኩሉዩ እንሆ ርኣይዎ ሽፍታ መንግስትኻ ኣማኒ ነብሉ ንሕስያ ዜይገብር ድንጋጼ ዘይብሉ ንዘገልገሎ ኩሉ ይድርብዮ ምስ ተጠቕመሉ ኣንታ ብሂወት ዘልኹም ዓሳክር ኩልኹም ናይ ናይዝጊ ኪፍሉ ትምህርቲ ይኹንኩም ነጻነትኩም ኣምጽእዋ ብስረኹም ራይዎ ፍለጥዎ ክብረት ከምዘይብልኩም ዓስቢ ዘይርከቦ ከንቱዩ ድኻምኩም ተግባር መንግስትኹም ራይዎ ገናጺልኩም ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ተበገስ በጃኻ ኣይተጽቅጥ ተዛረብ ንሓቂ ሕጂዩ ግዜኻ ምእንቲ ወጽዓ ምእንቲ ሓቂ ግለጾ ጸገምካ ናይዝጊ ጂግና እምነት ኣልቦ ሞትካ መጺኣ ብዘይ ኣላዝቦ ኣባኡ ዝጸንሓካ ኩሉ ተረከቦ ዓድኻ መዘከሪ ነይ ገደፍካ ጠሊምካያ ወያ መንግስትኻ ከይትቅበለካ ኣብያ ነብሰይ ኣውጽእኒ እዋና ተራእያ ኣጣላልም ኮይኑ በብሓደ ኣብያ ኪድ በል ዕረፍ ተጋላገል ካብዛ ዓለም ብድሕረኻ ኤርትራ ትኹን ምድሪ ለምለም ብሕግን ብፍትሕን ብደሞክራሲን ትሰለም ህጻውንቲ ጨድሩ ኣዋልድ ዘምራሎም ኣደታት ኣቦታ ክነብሩ ብሰላም ኤርትራ ፍቕሪ ግበሪ ምስ ጎሮባብትና ኹሎም ሽግርንና ዪኺዱ ከም ተንኮበት ተጠቕሊሎም ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ

ወዮም ክልተ ተንኮላት ዝኣልሙ

ርኢናዮም ኣብ ሞት ክጣለሙ

ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ተኣጂሉ

ወዮ ህዝቢ ሰሚሩሉ ቃሉ።

እንታይ’ዩ እዚ ወረ ኣይድንቅን

ኣብ ሳንዱቅ ተዓሽጉ ሬሳ ከም ሰርዲን

ወዲ ክፍሉ ህይወት ውጹዓት ዝሃድን

ናይዝጊ ኣርሓ ውጹዓት ሎምስ ኣይግድን።

ሬሳኻ ኣብ ሳንዱቅ ተዓሽጉ

ኣብ ጉድጓድ ከይኣተኻ ሳንዱቕካ ኣሪጉ

ሚኒስተርዶ ኣይተባህለን ማዓርጉ

ኣብ ሳንዱቕ ከም ቃንጣ ጠውሊጉ።

ወዮም ህግደፍ ጉድ ኣስሚዖና ሎሚ

እስከ ንገሩኒ ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ

ናይዝጊ ሬሳ ናይ ሎሚ ኣርሓ ዓሚ

ኢድካዶ ረኸበትካ ወያ ግናይ ትልሚ።

ኣንታ ናይ እዝጊ ወደብየ ክፍሉ

ገሃንም እሳት ዝበሃል እዚ እንዳሉ

መርገም ዓዲቦኻ ሰሚሩሉ ቃሉ

ሓጢያትካ ጸቒጡካ ጠቓሊሉ።

ዓዲ ኣቦኻ ጸሎቱ ኣብጺሑ

ግዙኣት ምልኪ ትመስሉ ኣራሑ

ሓደ’ኳ ስኢንካ ኣፍደገኡ ዘርሑ

ሓጢያትካ እንዶ መሊሱ ገፊሑ።

ከተማ መንደፈራ ሰሚዖምዶ ሞትካ

ሓጢያትካ ገዲፍካሎም ንውላድካ

ኣብ ሳንዱቕ በሊኻ ኣብ ስደትካ

ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ኣምላኽ ጸሊኡካ።

ጂ 15 ሰሚዖምዶ ዜና

ስንኩላት ኲናት ሰሚዖምዶ ዜና

ናይዝጊ ተሪፉ ኣብ ዓዲ ጓና

ብግብሩ ከይተሓተተ ብህዝብና።

ኣንታ እዞም እንዳቦና እንታይ በሉ

መራጉዝ ማይጻዕዳ እንታይ በሉ

ጽልማ ተኸላ እንታይ በሉ

ሰሚዖምዶ ዝሰመረ ፋሉ።

ኣንታ ናይዝጊ ሓወይ ኣርሓ ውጹዓት

ናይቲ ኩሉ ክፋእካ ተገልቢጡካ መዓት

ወዮ እከይ ግብርኹም ወጺኡ ቅልዓት

እትጣለሙሉ ኣኺሉ እታ ሰዓት።

ኣብ ሜዳ ወጺእካ ውጹዓት ንምጥፋእ

ሎሚ ተጋሂዱ ናትካ ክፋእ

ታሪኽ ከይነገርካ መሪጽካ ንምጥፋእ

ርጉም ርጉም ኢዩ ባዕሉ ይድፋእ።

መሬት ዓድቦኻ ተፊኡካ

ኢስያስ’ውን ኪሒዱካ

ቀደም ኢድበይዛኡ ነይርካ

ሎሚ ኣብ ሳንዱቕ ኮይኑ መቓብርካ።

ኣብዚ ከኣ ኣሎዉ ከማኻ መጋበርያ

ካብ ዘመነ ፍትሒ ዝምነዩ ዘመነ ባርያ

ቅጫ ቀሪብካሎም ዝመርጹ ፋንዲያ

ከናሽዉ ዝውዕሉ ናይ ጀጋኑ ቅያ።

ምእንቲ ንብረት ህዝቢ ዝጠለሙ

ህዝብና እናፈለጥዎ’ቲ ጸገሙ

ኣንጻር ፍትሒ ኮይኖም ዝኣደሙ

ሓሶት ወዲ ሓሶት ዘቃምሙ።

ገዛ ኣሎኒ ኢልካ ንህዝቢ ምጥላም

ክተት እናበልካ ምዝራግ ሰላም

ዘይኣቕምኻ ሃለውለው ምሕላም

ቁሩብ ዘየሕፍሮም ሓሶት ምእላም።

ገዛኦም ከይውረስ ኣብ ኣስመራ

ምስ ህግደፍ እናፈሓሱ ሻራ

ህዝብና ሓሪሙዎ ሰላማዊ ናብራ

ሃገር ባዲማ ተበታቲኖም ስድራ።

መንእሰይ ናብ ስደት እናጠፈአ

ብጥይት ህግደፍ እናተደፍአ

ህግደፍ ብሓሊ እናገዝአ

ደጊም ቀሪቡ’ዩ ህዝባዊ ትንሳአ።

ሽዑ ዘሎ ለኽበጥበጥ ዘረባ

ወያ ገዛኹም ኩላ ዝርካባ

ብሕግን ስርዓትን እንዳባ

ዝኸሓድኩሞ ህዝቢ ይርከባ።

ንህግደፍ ኣፍቲኹም ዝተሰርሐ ገዛ

ኮላይ’ቲ ንብረትኩም ልግብጋብ ኣጎዛ

ሎሚ ይመስለኩም ኣሎ ከም ዋዛ

ጽባሕ ግን ኣሎኩም ብርቱዕ ቃንዛ።

ጭንቀት ክወርሰኩም ኣብ ሃገረ ስደት

ወያ መልሓስኩም ጥልመት ዝለመደት

ወያ ገዛኹም ኣብ ሓራጅ ምስ ወረደት

ኣብየት ሽዑ ዘሎ ምስ ስድራኻ ውርደት።

ማሕበር ከኣ ክትፈጥሩ ሬሳ ዝሰድድ

ድንቁርናኹም ናይ ሎሚ ይገድድ

ተጋጊና እንተበልኩም ተሰኪምኩም መዲድ

ይቕረ ኣይግበኦን ንጥቕሙ ዘዋድድ።

እዚ ኢዩ ዘሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን

ብድንቁርናኹም ክትፈዙ ምድረ ዓዋን

ህዝብና ክጎናጸፍ ሰላምን ራህዋን

ንስኹም ክትሳቐዩ ብጭንቅን ጽሙዋን።

ወየ ወየ ወይው

ወዲ ኣቦ ክፍሉ ኣይተ ናይዝጊ

ኣብ ምድሪ ከለኻ ክንዲዚ ሓለንጊ

ወዲ ሰራየ እንዲኻ ዓዲ ሕጊ

ወዲ ኣከለ ሓማ እንዲኻ ዓዲ ሕጊ

ወዲ ሰምሃር ሰንበል ዓዲ ሕጊ

ወዲ ባርካ ሰንሒት ዓዲ ሕጊ

ወዲ ጋሽ ለምለም ዓዲ ሕጊ

ሕማቕ ተፈዲኻ በቲ ዘርጊ

ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዓጻው ባህጊ።

ኣንታ ናይዝጊ ክፍሉ በዓል በትሪ

ኢሳያስ ጸሊኡካ ፈንፊናትካ ምድሪ

ኣብ ሓመድ ዓድኻ ከሊኡካ ክብሪ

ጎይታኻ ኢስያስ ዘይፈልጥ ነውሪ።

ሕማቕ ወረ ንኽትሰምዖ ዘሰንብድ

ኣብ ክንዲ ንፈታዊ ንስድራ ዝእብድ

ንዓጽመ ስጋ ኣስቆርቊሩ ዘዕብድ

ካብቶም ካልኦት ናትካ’ኳ ትገድድ።

ናይዝጊ ሓወይ ወደባት ኤርትራ

ኣንታይ ኣምረጸካ ምስ ድቂ 40 ሻራ

ኣሕዋትካ ኣእሲርካ ዒራዒሮ ናኹራ

ኤርትራና ሓሲራ ኣድፊርካዮ ክብራ

ንስኻስ ኣይትርእዮን እቲ መከራ

ህዝቢ ጉህዩ ለኪምካዮም ስድራ።

ስድራካ ክትግብሩ ለበዋኻ

ረሳኻ ክቀብር ኣብ ዓድኻ

ፈርዖን ከልኪሉካ መሓዛኻ

እንታይ’ዩ ነይሩ’ቲ ጌጋኻ።

ዘይትዛረብ እንትይ’ዩ እቲ ኣበር

ሚስጥራት ፈርዖን ምሳኻ ካብ ዝቕበር

ናይዝጊ ሓወይ ወዲ ጀጋኑ ኢኻ እምበር

በል ናይዝጊ ሓወይ ዕድለኛ ኢኻ

ፈርዖን ኣይክጥዕሞን ብድሕረኻ

ንስኻስ እኳ ብሕማም ተፋኒኻ

ፈርዖን ሳንዱቕ ኣይረኽባን ከማኻ

ከምቶም መሕዙቱ ክድርበ በረኻ።

ጠልጠል ኢሉ’ዩ ኣብ ገምገም ጸድፊ

ኣብ ፋኛቱራ ክድርበ ከም ቀዛፊ

ዘልዕሎ ክስእን ከም ሓልፊ

ክተት ከብቅዕ ናይ ደናቁር ደርፊ።

ሽዑ ኢርትራና ሰላም ክወርዳ

ወላዲት ክትናበ ብውላዳ

ኣብ ዓዱ ክኣቱ’ቲ ኮርዒዳ

ዝሕተቱ ከኣ ኣሎዉ ሰብ ዕዳ።

ዕዳ እወ ዕዳ ናይ ሎሚ

ኩርኩር ደርጊ ተሰካሚ ስሚ

ብቀትሩ ምስ ሸፈኖ ጋህሚ

ስጋ ተወዲኡ እንክሓቅቕ ዓጽሚ።

ኩሉ እናዘከራ እቲ ዝሓለፈ

ኣብ ጎደና ኪኽይድ ክተት እናደረፈ

ናይ ቲ ዘመን ዑቡድ ተባሂሉ

ኣብ ኤርትራ ሽም ክወጻሉ

እቲ ጅግና ግና ዘይዓጸፈ ቃሉ

ንፍትሒ ይቃለስ ከም ኣመሉ።

በል ናይዝጊ እዚ’ዩ ዘሎ ብድሕረኻ

ጽንዓት ይሃቦም ንስድራኻ

ሰላምን ቅሳነትን ንደቅኻ

ሰላማዊ ዕረፍቲ ንዓኻ።

በልስከ ደሓን ኩን ወዲ ኣቦይ ክፍሉ

ፈርዖንስ ጠሊሙካ ከም ኣመሉ

እግዚሔር ይቀበልካ ኣብ ጽላሉ።

ሰላምን ቅንሳነት ንህዝብና

ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን

ብ ገዛኢ ኪዳነ

ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?

እውይ እውይ ኣብየት ኣንታ ጌታ

Friday, 02 March 2012 22:58

ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ተሰቒሉ

ምኽላእ ዓዱ ከይ ቅበር ናይዝጊ ኹፍሉ

ሕልና ዘይቡሉ ህዝቢ ስቅ ኣስቅጥ ኣቢሉ

ኣቱም ሰራየ ካብ ናብ ዕጦቑ ዑጦቑ

ኣንቱም ኣኮሎጉዛይ ዑጦቑ ዑጦቑ

ኣንቱም ሎጎጭዋ ዑጦቑ ዑጦቑ

ኣንቱም ሓማስየን ዑጦቑ ዑጦቑ

ኣንቱም ደንገል ዑጦቑ ዑጦቑ

ኣቱም ሰምሃር ሳሕል ዑጦቑ ዑጦቑ

ኣቱም ጋሽ ባርካ ዑጦቑ ዑጦቑ

ኩሉ ምእመናታት ብሓበራ ዑጦቑ

ስርዓት ኢሳያስ ክብርና ረጊጹ ሰንጢቑ

ብእከይ ተግባሩ ብጣቒዒት ሓንቂቑ

ባህሊ ምክብባር እጥፊኡ ምድፍፋር ኣጽዲቑ

ታሪኽ ሓርበኛታት ጀመርቲ ሰውራ ጨፍሊቑ

ንህዝቢ ኣብ ዘይ ፍትሓዊ ናብ ኲናት ደቕዲቑ

ንምንዋሕ ስልጣኑ ህዝቢ ከይ ይሳማማዕ ኣራሓሒቑ

ጥሪት ውልቀሰባት ምዃን ክሳብ ምዓስ

ውግእ ኣብ ርእሲ ስንኩላትና

ውግእ እብ ሪሳታትና

ወረግ ዘይ ንማራመር እንታዩ ወሪዱና

ኣንም ደገፍቲ ኣገልገልቲ

ሰብ ዲኩም ጋንየናት ደቂ ሕድርቲ

ዘይ ትሓቱ ናይ ሬሳ መዋቲ

ህልና ምጥፋእ የብለካ ሽንቲ

ሜትሮ ምቕበሪ ንሪሳ ዝተሓርሞ ርስቲ

እዋይ ውርደት ሃገር ብምልእታ ተዋሪዳ

ምዓሰይ ኢዩ ክኽፈል እዚ ኹሉ ናይ ወንጀል ዕዳ

ሓንቲ ብርጌድ እንተ ተስምዕ በርቃዊ ነጎዳ

ብዘይ ጥርጥር ኩሉ ምሳዓባ ጓላ ምስ ወዳ

ህግደፍ ምስ ተኣሰረት ብወጀላ ክትቅበል ፍርዳ

ኣብየት ተራየኒኳ ትኪ ኽመስላ

ህዝቢ ክድሰት ብጓይላ ብ ሓፍላ

እታ ወሊዳ ዘጽነትዋ ኣደ ደስ ክብላ

ኣጆኹም ህዝበይ ክኸውን ክኣዩ ከመይ ዘይከውን

ጥራሕ ኢድን ጓንትን ኴና ንቃለሶም!!!

በዚ ኣጋጣሚ ንቤተሰብ ናይዝጊ ኩፍሉ ጽንዓት ይሃብኩም

ኣብ ርእሲ ሓዘንኩም ብ ህግደፍ ኣብ ርእሲ ሪሳኹም ዝተወሰደ

ኢ ሰብኣዊ ዝኾነ ኣረዊታዊ ፈጽሚ ኣጥቢቀ ይኹንን።

ካብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ።

3-2-2012

Source jeberti.com

Friday, 02 March 2012 18:26

ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?

(ብሻውለይ መለይ)

ዓዲ መንጎንቲ ላዕላይኩም ተለንቲ፣ታሕታይኩም ሰርጌንቲ! ኣበይ ዳኣ ነይርኩም እታ ሰሉስ መዐልቲ!?

ኣብ ሱሳታት ኣብ መንደፈራ ዝነበሩ__ኣብ ክንዲ ብተላ ዑቕቢት ዝዛረቡ_ኣንታ ሰሚዕክምዎ'

ዶ ወዮ ያሲን ጽሉል!?ቆዚሙሉ እኮ፡፡ንመን!!!? እንዲዒ:: ተሃዊኸ ኣለኹ:: ኢሉ ዘረባኡ ከይወደኤ ገዲፍካ ዝኸይድ ቡዙሓት ከምዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ ዝዕልልዎ ዝነበሩ ክኸውን ከሎ።ኣብ ኣስመራ ውን ከምኡ

ሞት ተላ ዑቕቢት እናፈለጡ ከምዛ ካብ መቓብር ሳንዱቕ ወጺኡ ዝስምዖም ትምም ሕትም

ዝመረጹ ሰሚዕኩም 'ዶ...!ተላ ዑቕቢት እኮ ሞይቱ:: እንተኢልካዮም...መሰኻኽር ጸዊዖም ረዩለይ

ስምዑለይ እናበሉ ነታ "ተላ ዑቕቢት ሞይቱ" ዝበልካዮም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንኽትደግማ ገዚዞምው

ኻ ይኸዱ ከምዝነበሩ ገለ ኣፈ_ታሪኽ ኣሎ።ጀነራል ተላ ዑቕቢት መን እዩ?ንእትብል ጥልቕ

ኢሎም ንዝፈልጥዎም ገዲፈ ገለ ካብቲ ዝፍለጥዎ ኣንጻር ጉበኛታት ከምዝነበሩን_ፈቐዶ ባራት

እናኸዱ ውን ንሰብ መዚ ይቆጻጸርዎምን ይሃድንዎምን ስለ ዝነበሩ ከይኮነ ኣይተርፍን_ብተወሳ

ኺ እሙን ጀነራል ናይ ጃንሆይ ዓዲ ሸቖጥቆጥ ዝእተዉላ ምንባሮም ይዝከር።ሞይቶም ህዝቢ ንኸይቅብሮም ተነጊሩ.....!!ኮታ ቡዙሕ.......... ቡዙሕ እዩ።

ሕጂ ፣ጽሉል ናይቲ ግዜ ያሲን ዘዘከረኒ!!! እታ ሓደ ከይቀብሮም ተባሂሉ ቀባሪ ዝሳኣነን

ዝቐበሮ ውን ዝተዳጎነን" ጀነራል ተላ ዑቕቢት" ኣይኮነን እንታይ ድኣ" ጀነራል ናይዝጊ ክፍሉ እዩ።"

እቲ ሬስኡ ዓዲ ከይኣትው ወጠጥ ዝብልዎ ዘለዉ ስለምንታይ እዩ!?ኢሳያስ ካብ ቀብሪ ጀነራል

ተላ ዑቕቢት እንታይ ተማሂሩ..!?እንታይከ ይገብር ኣሎ? ስለምንታይ ?

ብርሃን ክረኤ ይካኣል እዩ:: ናብ ዝብል መጽናዕቲ- ምስ እነተኩር ዝመጻና ሕቶ ነቲ ዓይነ

ስውርከ ብርሃን ከምዚ ረኤይ ከመይ ጌርና ንገልጸሉ _እዩ!?ድሌትናን ከምድሌትናን ብዛዓባ ብርሃን ወላ እንተተዛረብና ነቲ ዓይነ-ስዉር ትርጉም ክህቦ ውን ኣይኽእልን።ስለዚ "ሓቂ" ከምዚ እዩ ኢልካ" ዝንገር" ዘይኮነ ከምዚ እዩ ኢልካ" ዝረአ" ጥራሕ እዩ።በዚ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢሳያስ እንተበልኩ

ከመይ ይመስለኩም.....!!!!!????????????????????????????

ነዚ ሕቶ ክሓትት ዝበገሰኒ ገለ ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ብዛዓባ ሰውራ ኤርትራ ከዕልሉ

እንከለዉ፥ሞት ጀነራል ተላ ዑቕቢት ንሰውራ ኤርትራ" ከምዘሔየሎ" እዮም ዝገልጹ እሞ ገለዶኾን ሞት ጀነራል ናይዝጊ ክፍሉ ድማ ነዚ "ተቓውሞ ሓይሊ" ይህቦ ካብዝብል ኣመሳሲለ እየ ክርእዮ ፈቲነ።ስለዝኾነ ያሲን ጽሉል ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ስለዘይፈለጥኩ ግንከ እንተሎ ንጀነራል ናይዝጊ ክፍሉ ኸ እንታይ ኢሉ ክቑዝመሉ እዩ...?ንባዓል መን እዩኸ ዝሓተሉ!!!!!?

ዎ ዎ ዎ ያሲንንንንን!!!ባዓል መንን መንን ሰፈራ ክትጽየቕ እያ...?ባዓል መን ከ ክትዳጎን እያ?

___ብዓል መንን ወዲ መንን ወንጀል ክትለብስ እያ?

ናይ ጣቛ ከምዘይ ኮነት እዛ ሬሳ ምኽልካል ኩላ ፈሊጣ ኣላ።እታ ገሪማትና

ዘላ ግን ንጀነራል ናይዝጊ ክፍሉ መሳርሕቱን ዝፈልጥዎን__መሻርኽቱን ብዛዕብኡ እንተልዒልካሎም ነዛ ክግዝዙኻን መሰኻኽር __ክደልዩልካን ከይሽገሩ

ኣንታ እቲ ያሲን ጽሉል ሰሚዕኩሞ ዶ___ኢልካ ትሕለፋ ገለ ኣብ ከባቢ መንደፈራ ዲያ

ብደቂ መንደፈራ ዶኾን ተማሂዛን ስርሓ ጀሚራን እናበልኩ በትሪ ዲብሎስ__ሕጂኸ ንመን

ሃሰስ ፣ከም እትብል ኩላ ዓቕላ ኣጽቢባ ዝባና ቀሪባ ድያ ዘላ ወላ።እምቢቢቢቢ ኣብዝሕካዮ

ሕጂስ ኢላ ጋሕጢጣ ክትምሕዎ እያ።

ሰናይ ቅነ Source jeberti.com

አረ ጌና ካልእ ክንሰምዕ ኢና – ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

Posted on March 11, 2012 by assenna

11/03/ 2012 Norway

ንህዝቢ ኤርትራ ናቐንጸለ ዓንዲሩላ

ብጭካኔ ሙሩጻት ጀጋኑ ዝቐዘፈላ

ንቡዛሓት ኣቦታት ኣደታት ዘንብዓላ

ንምቕባር ታኣጊዱ ከምዘይ ተወልደላ

ውጽዕቲ ኣደ ሎምስ መርገማ ዓሪጉላ

ናይዝጊ ክፍሉ ንጥፍኣት ዝቓልስኻ

ስልጣኑ ኸተናውሕ ተረጋም ጎይታኻ

ንምሸቱ ከም ፈርሲ ብዕራይ ጉሒፉካ

ን2ሜትሮ መቓብር ጉድጓድ ከሊኡካ

መድሕንካ ዝተቐብሮ ብገዛእ መሬትካ

ንምሸቱስ ታኣምራታዊ ጉድ ረኺብካ

እንቋዕ ኣይትሪኦ ሓንሳብ ብድድ ኢልካ

ምፈለጥካ ክንደይ ህዘቢ ከም ዝጸልኣካ

ንማይ ቤት. ደቅኻ ጸሊም ታሪኽ ሓዲካ

መቓብርካ ኣይጽበብ ተመሲሉ በቦታትና

ዛ.ምስላስ ንናይዝጊ ክፍሉ እምበር ኮይና

ውዒሉ ሓዲሩ ጽባሕ ሞት ዘይተርፈና

ጌታ ዓለም ካብዚ ሕማቕ ታሪኽ መሓረና

ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ኩፉእ ኣይተሪአና

ዓሻክር ዲክታቶር ታይኮን ይብሉለዉ

ብሓደ ዘይረብሕ ሕማቕ ሰብ ዝጀጀዉ

ሸየንቲ ኣብ ስረኦም ኣሜን ከይፈተዉ

ኣብ ክንዲ ፍንሕንሕ ዝብሉ ዝቃናጠዉ

ድሃይ ናይዝጊ ከይሓቱ ተፋጢጦም ኣለዉ

ናይ ባራት ጀጋኑ ስርሖም ኣመንዝራ

ሰነፋት ዊስኪ ጥይቶም ካላሽኖም ቢራ

ተለበሱ ሰብ ዝመስሉ ውሽጦም ፋራ

ሳኣን ሓደ ሓደ ዘይምህላው ደቀስመራ

ሰብኣይ ተጻዊቱሎም ብሕሱር ሽጣራ

ተራኹም ከይመጸ ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ

ስረኹም ዕጠቑ ሕሹኽ ገዲፍኩም ዕጠቑሉ

ዝመረሮ ህዝቢ ኣብ ጎነኹማሎ ኣይትዳሃሉ

ግዜ ዲክታቶር ኣብቂዑይ ሕጂ ተዓወትሉ

ምስማዕ ታኣበኹም ከምዛ ናይዝጊ ክፍሉ

ብሰንኪ ድኻምኩም ዓዱ ገዲፉዎ ኩሉ

ብዘይ መንእሰይ ሃገር ትርጉምኳ የብሉ

ኣሳፊሕካ ሞት ብኾፍካ ሞትገለ መሃዝሉ

ብዝሓለፈ ተመሃሩ ዕጢይጥይ ኣይትበሉ

ዝመረሮ ሰራዊት ኤርትራ ዋርሳይ እካኣሎ

ተስፋ ቆሪጹዩ ንጎረቤት ኢዱ ዝህብ ዘሎ

ጥዑያት መራሕቲ ምስ ሳኣነዩ ዝሳገርዘሎ

ብጻይካ እናረሸንካ ሃገር ከመይሉ ትሕሎ?

ታሪኽኩም ብጸሊሙ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ን ናይዝጊ ክፍሉ ሓዚነሉ ወይ ተሓጒሰሉ

ዘስምዕ ዘይኮነስ ነቶም ብጾቱ ከም ናቱ ተራኦም

ዝጽበዮም ዘሎ ቁሩብ እንተሓሰቡ እያ ዛ.መልእኽቲ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

http://assenna.com/

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?

    http://www.ehrea.org/poems.php

    Preserved local original · source record 43a90418a74f919ebfc16606

    SHA-256: 150a95e3c0ff4d74bf957e6a1f731940b079a69ef9c26800131ef1e9984bf614

    All source URLs and preserved captures
    • ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!? · earlier-capture
      http://www.ehrea.org/poems.php
      Local original
      Same bytes as extracted source
    • ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!? · refresh-2
      http://www.ehrea.org/poems.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/poems.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!? · refresh-3
      http://www.ehrea.org/poems.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/poems.php.html
      Earlier/different preserved capture; not used for this reader body
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: fa4c5767b456b077638f99db171c2509167eb980a28d7282c4874f4642c28a1d

Alternate titles: ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?

  • 43a90418a74f919ebfc16606: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions