Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · English / ትግርኛ

In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!

Preserved source index with documentary content retained.

Source excerpt: ክሳብ ሕጂ ነዚ ዝሰማዕክዎ ሞት ጆሽዋ ዝገልጽ መሪር ዜና ክኣምኖ ኣይደለኹን።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Lives, memory and culture

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. In Memory of Fessehaye

    In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!, In Memory of Fessehaye. EHREA archive: /library/documents/doc-3bb4587dc34175024c9ac245/#b-98935a44aa5b76b0b49e9e37. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  2. Main Menu

    In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!, Main Menu. EHREA archive: /library/documents/doc-3bb4587dc34175024c9ac245/#b-25ce61b336013f30f34f4742. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  3. ንጆሽዋ ካብ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ

    In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!, ንጆሽዋ ካብ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ. EHREA archive: /library/documents/doc-3bb4587dc34175024c9ac245/#b-d69c1fd8ca0618ad4a3fdaf7. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  4. Login Form

    In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!, Login Form. EHREA archive: /library/documents/doc-3bb4587dc34175024c9ac245/#b-97f75b7679a5be140d1b8ffb. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  5. Metkel wrote

    In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!, Metkel wrote. EHREA archive: /library/documents/doc-3bb4587dc34175024c9ac245/#b-b0eadbc3716cbb39686acbf0. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 902aa4bbf819e11f26a4f03cbc3d16d864c31dcada546f01bc8ce13d19414476. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

Skip to content

In Memory of Fessehaye

You are here: Home

ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!

Written by ብኣሮን ብርሃነ

Friday, 16 February 2007

ክሳብ ሕጂ ነዚ ዝሰማዕክዎ ሞት ጆሽዋ ዝገልጽ መሪር ዜና ክኣምኖ ኣይደለኹን። ሓሶት ክኾነለይ ብዙሕ ተተምንየ። ግን ትምኒተይ ማይ ዝዓሞኸ ጓንጓ ትምኒት ኮይኑ ተሪፉ። ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝስዕብ ዜና ንስቅያታዊ ኣማውታ ጀሽዋ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጠቕሱ ጋዜጠኛታት መድሃኔ ሃይለ፡ ዮሱፍ መሓመድዓሊን ስዒድ ዓብደልቃድርን ሞት ውን ዕረ እናጣዓመኒ ንክኣምን ዝድርኽ’ዩ ኮይኑ።

ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ) ብ27 መስከረም ብኢድ ጎሓላሉ ካብ ሕቑፊ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ዘይዓኾኹ ህጻናት ደቁን ተመንጢሉ ናብዛ ዳስ ሓውያ ዝኾነት ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ካብ ዘምርሕ፡ ግፍዓዊ ኣመራምራ ኣይተፈለዮን። ብዱላ ርእሱን ዝባኑን ተቐጥቂጡ፡ ፍርቂ ኣካላቱ ለሚሱ። ብጉጤት ኣጽፋሩ ተማሕዩ፡ ኢደ ድውያን ለቢሱ። ብሰንሰለት ምናቱ ተሓርሒሩ፡ ዙረት ደም ኣካላቱ ተሰናኺሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እታ ትልኽ ትብል ዝነበረት ትንፋሱ ተመንዚዑ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፈሊና። ንምዃኑ እንታይ’ዩ ኣበስኡ? ሕፍረት ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ብክድዓት’ዩ ከሲስዎ። ጆሽዋ፡ ብክድዓት ሃገር ክኽሰስ ግን ንኩሉ ታሪኹ ዝፈልጥ የስደምሞ’ዩ። ጆሽዋ፡ ጌና ወዲ 19 ዓመት እንከሎ ኣብ መጀመርታ 1978 ልኡላውነት ሃገሩ ከረጋግጽ ናብ በረኻታት ሳሕል ሳጊሙ። ዘይ ከምዞም መንነቱ ዝኽሕዱ ዘለዉ መዳኸርቲ ህይወቱ ከድሕን ወይ መነባብርኡ ከጣጥሕ ናብ ዓዲ ስደት ኣየምርሐን። ንሱ ኣብ ጎድኒ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ብዘይተጉላባነት ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ኣባይ ትውልዲ ሃገሩ ክደፍን ብጅግንነት ተዋጊኡ። ንሱ፡ መሬት ካብ ኢድ ጸላኢ ጥራሕ ነጻ ምውጽኡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣይወሰዶን። ነቲ ተዳኺሙ ዝነበረ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ከባራብር ሓጸርቲ ድራማታትን ልቢ ወለዳትን ብቀጻሊ እናበርከተ ንሃገሩ ንምግልጋል ተታሓሒዝዎ። ኣወንታዊ ኣጠማምታ ስለዝነበሮ፡ ኣብታ ድሮ ጀሚርናያ ዝነበርና ፈላሚት ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ጋዜጣ ሰቲት፡ ዓቕማ ንምሕያል ክጽንበረና ዕድመ ኣብ ዘቕረብናሉ እዋን ብዓቢ ሃንጎፍታ ተቐቢሉ ኣብ መወዳእታ 1997 ተጸንቢርና። ኣይደንጎየን፡ ሓንቲ ‘ኣደይ ቅርጣሽ’ ትብል ተኸታታሊት ልቢ ወለድ ዛንታ ብምጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ 90ታት ዝነበረ ቅሉውላው ዝምድና ተኻረይትን ኣካረይትን ብውሕልነት ናብ ነበብቲ ጋዜጣ ሰቲት ኣቕሪብዎ። እታ ጽሕፍቲ፡ ንዝርጋሐ ጋዜጣ ሰቲት ኣብ ምዕባይ ዓቢ ተራ ተጻዊታ። ህቡብነት ናይታ ዛንታ ካብ ጻት ናብ ጻት ስለዘቃልሐ፡ ድምጺ ሓፋሽ ሸውሃት ሰማዕታ ንምዕጋብ ኣብ ናይ ሰንበት መደባ ብተኻታታሊ ተቕርባ ኔራ።

ኣበርክቶ ጆሽዋ፡ ግጥሚ ወይ ልቢ ወለድ ጽሑፋት ኣብ ምብርካት ጥራሕ ዝተደረተ ኣይነበረን፡ ንማሕበራዊ ጸገማት ህዝቢ ፍታሕ ክናደየሉን ብልሹው ኣመሓዳድራ ክመሓየሽን ንዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣናት ቃለ-መጥይቕ እናግበረ ንነበብቲ የቕርብ ኔሩ። ብሓያል ብርዑ ሃገር ክሃንጽ ብዙሕ ሓርኮት ኢሉ። ብውሕሉል ኣጸሓሕፍኡ ኣቓልቦ ዝተነፍጎም ጉዳያት ኣባይቲ፡ ቆላሕታ መንግስቲ ከምዝወድቆም ጌሩ። ኩሉ’ዚ ኣብ ትርፊ ግዚኡ’ዩ ዝገብሮ ኔሩ። ምሉእ ግዚኡ ኣብታ ምስ ገለ ብጾቱ ኮይኑ ዝጀመራ ናይ ቆልዑ ትያትር ሸዊት’ዩ ዝሰርሕ ኔሩ። ቀንዲ ሞተረ ናይዛ ማሕበር ከኣ ንሱ’ዩ ኔሩ። ንህጻናት ተዋስኦ ይዕልም፡ ብኣክሮባት ንክስልጥኑ ባይታ የጣጥሕ። ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ጉጅልኡ ሒዙ እናተንቀሳቐሰ ንህዝቢ ከዘናግዕን ክምህርን ይፍትን ኔሩ። ኩሉ ሰናይ ግብሩ ተረሲዑ ግን፡ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዕድመ ህላውኡ ከምዘኸትም ጌርዎ። ናይ ብሓቂ የሕዝን’ዩ። ሞት ጆሽዋ፡ ነቲ ብጥርጣረ ክሪኦ ዝጸናሕኩ ሞት መድሃኔ ሃይለ፡ ዮሱፍ መሓመድዓሊን ስዒድ ዓብደልቃድርን ዘርግእ’ዩ። እዞም ትጉሃት ዜጋታት፡ ብዘይካ ሞያ ጋዜጠኛ ምሕንጋር ካልእ ገበን ዘይብሎም፡ ኣብ ዒራዔሮ ህላውኦም ኣብቂዑ’ዩ። እቶም ዝተረፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ዝበልዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ከ ብህይወት ኣለዉ ዶ? ሕጂ እቲ ሕቶ መን ሞይቱ ኣይኮነን ክኸውን ዝግብኦ፡ መን ብህይወት ኣሎ? ህግደፍ፡ እዞም ፈተውቲ ሃገር ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብወለዶም ከይብጽሑ፡ ብተጣበቕቲ ማሕበራት ኩነታቶም ከይድህሰስ ምኽልካሉ፡ ወረ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ከምዚ ዝበሃል ሰብ ኣይንፈልጥን ኢና ምባሉ፡ ነዚ ነፊሱ ዘሎ ወረ ሓቅነት ዘልብስ’ዩ። ብመርትዖ ህላወ ናይዞም ጋዜጠኛታት ከረጋግጽ ስለዘይክእል፡ ልቦና ዝጎደሎ መልሲ ክስንዱ ይድረኽ ኣሎ። ብልክዕ ህላወ ናይዞም ጀጋኑና ንፈልጦ የብልናን። እንተኾነ እዛ ህግደፍ ተኾልኪልዋ ዘሎ ናይ ሓሶት ድርዒ ድሮ ተተርቢዓ ስለዘላ፡ ህላወ ናይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሓርበኛታትና ምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዕድመ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓጺር ምዃኑ ዝእንፍት ምልክታት ውን ተርእየና’ላ። ደም ናይዞም ንጹሃት ዜጋታት ኣብ መሬት ዙዒጉ ኣይተርፍን’ዩ። ነዞም መንሽሮ ዕቤት ሃገር፡ ነጻነት ፕረስን ውሕስነት ሰላምን ኮይኖም ዘለዉ ባእታታት ውሕጅ ኮይኑ ክብቁጾም’ዩ! ዕላማን ራእን ጆሽዋ፡ ስዒድ፡ መድሃኔን ዮሱፍን ድማ እናሓደረ ክጋሃድ’ዩ። ብብርዖም ዝተሳሕሉ፡ ብጽሑፋቶም ዝነቕሑ ዜጋታት ክቕጽልዎ’ዮም። ጽንዓት ንስድራቤት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ዝሓለፈ ጀጋኑ ጋዜጠኛታትና! ኣሮን ብርሃነ

Main Menu

Home

Messages

Submit Message

Images

ንጆሽዋ ካብ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ

ጆሽዋ ክኣስሩኻ ከለው ስምካ ውን ኣሕዲጎሞኻ ቁጽሪ ኣርባዕተ ኢሎሙኻ

ፍስሃየ ብፍስሃየኻ ጆሽዋ ውን ይብሉኻ ኣብዛ ዓይነይ ኣለኻ ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ንኤርትራ ሎሚ ንዓለም መምህራ ሕልናኻ ክም ምዓር ተበርቢራ ኣነ ርእሶምየ ሓውኻ ኣብ ኤክስፖ ምሂረ'የ ምሳኻ ኣብ ኤክስፖ ተማሂረ'የ ካባኻ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ታሕሳስ 3 2003

Login Form

Username Password Remember me

Lost Password?

No account yet? Register

joshua01.jpg

Metkel wrote

ጆሽዋ ንዓ መልስ ሓቂ ድዩ ዋላ ሓሶት እዚ ዝነፍስ እቶም በደልትኻስ ከመይሎም እድቅሱ ይብሉ ትኽስ እንታዩኸ 'ቲበደልካ ሓቢረሙኻዶ 'ታይ ከምዝኣበስካ በል ብሂወት ሃሉ ኣይትሃሉ ዓባይ ተስፋ ክህበካ ታሓዚ መዝግብሲ - እዝጊ እንዳኣሉ

Copyright © 2007 In Memory of Fessehaye. Designed by asmarino.com

RSS 2.0

Our site is valid XHTML 1.0 Transitional

Go to top!

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!

    http://www.ehrea.org/Fessehaye.htm

    Preserved local original · source record 3bb4587dc34175024c9ac245

    SHA-256: aa2564a7934a6761ec13f64680c864fcf28ea51b7ed9ec400b62aa536b87ac7e

    All source URLs and preserved captures
    • In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ! · refresh-3
      http://www.ehrea.org/Fessehaye.htm
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/Fessehaye.htm
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 902aa4bbf819e11f26a4f03cbc3d16d864c31dcada546f01bc8ce13d19414476

Alternate titles: In Memory of Fessehaye - ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ!

  • 3bb4587dc34175024c9ac245: retained: ambiguous extraction; automatic merging disabled. 2 proven template removals; 7 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions