Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ)

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ)

    ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ), ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ). EHREA archive: /library/documents/doc-31bf2cc74769c0a35e08ac87/#b-e431e5736ff97bd8cd8882c2. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: e8355c2127175dbd9c2b314d30acb10ff6a3c1d29544a6f589186ba480de1230. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ)

ኣብ መበል 8ይ ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ "ሕሩያ" ኣብ ዝተሰምየት መጽሔት፡ "ጎመራ" ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ተስፋይ ገብረኣብ ዝተባህለ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር "ከይመውት እፈርሕ" ብእትብል ኣርእስቲ፡ " ነዚ ጽኑዕን ፈቃርን ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝግባእ ከየገልገልኩዎ ብሞት ከይፍለዮ እፈርሕ" ክብል ጽሑፉ ነይሩ። ሕጂ ግን ተስፋይ ገብረኣብ ጎመራ ኣበይ ኣሎ? ንምዃኑ'ኸ ተስፋይ ገብረኣብ መን እዩ? ድሕሪ ባይትኡ ሃለዋቱ ከመይ ይመስል? ስለምንታይ'ከ እዩ ተስፋይ "ከይመውት እፈርሕ" ክብል ጽሒፉ? ዝብል ሕቶታት ኣብዛ ዓንቀጽ ክምለስ ክፍተን እዩ። ተስፋይ ገብረኣብ ካብ ኣቦኡ ኣቶ ገብረኣብ ተስፋዝግን፡ ኣዲኡ ወይዘሮ ስላስ ኣርኣያ ብ1949 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። 1ይን 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1966 ናብ ኣዲስ-ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸምቢሩ። ብፋርማሲ ብዲግሪ ምስ ተመሪቐ ከኣ ብዝተማህረሉ ዓውዲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ-ኣበባን ደሴን ሰሪሑ፡ ብ 1977 ናብ ሰውራ ተጸምቢሩ። ኩሎም እቶም ንተስፋይ ዝፈልጡዎ ኣብዚ ዓንቀጽ ዝኽሮምን ተመኩሮኦምን ዘካፈሉ ናይ ቃልሲ ብጾቱ 'ጎመራ ብኹሉ ዝኽእሎ ዘበለ ብተወፋይነት ዘገልገለ ሃገራዊ በሃር እዩ' ይብሉ። ኣብ ሳሕልን ሱዳንን ሓቢራቶ ዝሰርሐት ገዲም ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር መርየም ዑመር (ውሪጥ) "ጎመራ ዓወት ሰውራ ኤርትራ ክውን ንኪኸውን ካብ ዝተወፈዩ ኣሽሓት ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ሓደ እዩ። ብዓቕሙን ፍልጠቱን ዘይንየት፡ ምስ ንእሽቶ ንኡስ ምስ ዓበይቲ ዓቢ ክኸውን ዘይጽግሞ ውፉይ መምህርን ብጻይን እዩ። ንጎመራ ኣሎ ዝበሃል ቅጽላት ደርዲረ እውን ክገልጾ ኣይክእልን እየ" ክትብል ኣድናቖታ ትገልጽ።ተስፋይ ጎመራ፡ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ከም ፋርማሲስት ኮይኑ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሰርሕ እንከሎ እዩ ብሃገራዊ ስምዒት ተጸልዩ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብሚስጢር ተወዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ብዋህዮ ተወዲቦም (ብውሑድ ቁጽሪ) ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ንዝነጥፉ ዝነበሩ ብዋህዮ መቓልስቱ ወኪሉ

ብ1977 ካብ ደሴ ናብ ሳሕል ኣምሪሑ። ኣብ ቀድማይ ውድባዊ ጕባኤ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ተሳቲፉ ከኣ ብሚስጢር ናብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ከተማ ንደሴ ተመሊሱ ኣገልግሎቱ ቐጺሉ። ይኹን እምበር ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኬንካ ምስራሕ እቲ ዝኸበደ ዕማም ብምንባሩ፡ ብ 1978 ገለ ካብ መሳርሕቱ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ደርግ ስለዝተታሕዙ ካብ ሃድን እቲ ስርዓት፡ ካብ ደሴ ኣምሊጡ ብጅቡቲ ኣቢሉ ንሜዳ ተጸንቢሩ። ኣብ ሜዳ ስሩዕ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ታዕሊምን ወሲዱ ከኣ ብሞይኡ ኣብ ክፍሊ ሕክምና፡ ጨንፈር ፋርማሲ ተመዲቡ ኣገልግሎቱ ፈሊሙ። 'ተስፋይ ኣዝዩ ህርኩት እዩ ነይሩ' ይብሉ፡ ኣብቲ ቋሕ ሰም ኢልካ ሰማይን ምድርን ጥራሕ እትጥምተሉ ሰንሰለት ኣኽራናት ሳሕል ሓቢሮሞ ዝነበሩ ብጾቱ። ፈለማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ሱዳን ኣጸቢቑ ክፈልጦ ዕድል ዝረኸበ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ " ተስፋይ ናይ ብሓቂ ውፉይ፡ ሕውስ እዩ። ልዕሉ ኹሉ ከኣ ንዝሓዞ ስራሕ ብተገዳስነት ዝፍጽም ሓዲሽ ነገራት ክፈልጥን ክመራመርን ዝደሊ ሰብ ነይሩ" ክብል ይገልጾ። ተስፋይ፡ ነቲ ክሳብ መድሃኒትን ኢንፊዥዩንን ከፍሪ ዝበቕዐ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ሜዳ ዝተሃንጸ ክፍሊ ፋርማሲ ምስ ብጾቱ ኮይኑ፡ እግሪ ዘትከለን ስርዓትን ዘትሓዘን ምኩር ፋርማሲስት እዩ ነይሩ። ዳሕራይ ብኣድላይነት ናብ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ምስ ተሰጋገረ እውን፡ ከም ውልቀ ተጋዳላይ፡ ኣብቲ ናጽነት ንምቅልጣፍ ኩለንትናዊ ተወፋይነት ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ዝሕተት ዝነበረ እዋን፡ ኣገልግሎቱ ብዓቢ ብቕዓት ዝፈጸመ ጻዕራም ሰብ ምንባሩ ኩሎም ብጾቱ ይሰማምዑ። "ተስፋይ ዝተራእዩ ዝዛረብ ደፋር፡ ወትሩ ኣዎንታ ጥራሕ ዝሓስብ ቅኑዕ፡ ንዝኾነ ሰብ ይዕበ ይንኣስ ሓላፊ ይኹን ተራ ብማዕረ ሚዛን ዝርኢ፤ ቅድሚ ኩሉ ስራሕን ረብሓ ህዝብን ዘቐድም ነብሱ ረሲዑ ለይትን ቀትርን ዝውፈ ተጋዳላይ እዩ" ይብሎ፡ ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተመዲቡ ምስ መጽኦም ኣብ ስራሕ ዝፈልጦ ገዲም ውፉይ ኤርትራዊ ጠዓመ ተወልደብርሃን። ተስፋይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት እዩ ተመዲቡ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኩሉ ትካላት መንግስቲ ካብ ዜሮ ይብገስ ስለዝነበረ፡ ተስፋይ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን ግቡእ ስልጠና ወሲዱ ተመኩሮ ስልጡን ሕብረተሰብ ዝነግር መጻሕፍቲ ኣገማጢሉ፡ ዝኾነ ዜጋ፡ ኣብ ሃገሩ ከም ድላዩ ኪንቀሳቐስን ንወጻኢ እውን ብዘይ ሰዓቦ ጉተቶ ገይሹ ክምልስ ዘፍቅድ ሕጊ ንምትእትታው ኣበርቲዑ ከምዝሰርሐ፡ ኣብ 2014 ኣብ ዝተቓልሐ ሰነዳት ሬድዮ ድምጺ ሓርነት ሰፊሩ ይርከብ። ተስፋይ ብ1994 ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ኣመሓዳሪ ምስተመደበ እውን ንሓይሊ ሰብን ፋይናንያዊ ስርሓትን፡ ከምኡ ድማ ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝምልከት ዕማማትን ንጥፈታትን ስርዓት ከምዘትሓዘን ብግቡእ ከምዝወደቦን ኣብቲ ክፍሊ፡ መሳርሕቱን መላዝብቱን ዝነበረ ብጻዩ ይዛረብ።

መርየም ዑመር እውን፡ ተስፋይ፡ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዙ ንኹሉ ዝርእዮ ጉድለታት ብድፍረት ዝቃወም ወትሩ ምስ ደሞክራስን ፍትሕን ደው ዝበል ጽኑዕ ተጋዳላይ ምንባሩ እያ ትገልጽ። ተጋዳላይ ጎመራ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ እቲ ውድብ ኣብ ውሽጡ ካልእ ምስጢራዊት ሰልፊ ከምዝነበረቶ ብወግዐዒ ምስገለጸ፡ ንሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ እቲ ውድብ ንተጋደልቱ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓትት ከምዘለዎ እተዘኻኽር ደብዳበ ከምዝጸሓፈሉ ፈለጥቲ ምስጢሩ ይዛረቡ። ጎመራ እምበኣር ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዩ ኣብ ዓይኒ መቐናቕንቱ ኣትዩ ድማ ይብሉ ነቲ ዳሕራይ ዘጋጠሞ ኩነታት ክገልጹ እንከለው። ተስፋይ፡ ብ1999 ዓ.ም ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከይዱ፡ ብህዝባዊ ምምሕዳር ብማስተርስ መዓርግ ተመሪቑ ምስ ዕድመኡ ዘዋህለሎ ፍልጠት ደሪዑሉ። ቤተሰቡ ምስታ ኣብ ፈለማ 90ታት ኣብ ሜዳ ዝተመርዓዋ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰሪሓ እትነብር በዓልቲ ቃል ኪዳኑ ተጸምቢሩ ህይወቱ ክመርሕ እኳ እንተሓተቱዎ፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኤርትራ ኣብ ኵናት ዶባት ተጸሚዳ ስለዝነበረት፡ ነቲ "ብዝግባእ ከየገልገልኩዎ ከይመውት እፈርሕ" ዝበሎ ህዝቢ ኣብ እዋን ጸገሙ ሓቢሩዎ ክኸውን ብቕጽበት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። እቲ ኩናት ብውዕል ኣልጀርስ ምስ ተዛዘመ ከኣ ተስፋይ፡ ምስቶም ንኣተሓሕዛ እቲ ኩናት ክግምገም ዝጸውዑን ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክትሰጋገር ዝሓተቱ ብጉጅለ -15 ዝፍለጡ ኣባላት መንግስቲ ንዝተላዕለ ሕቶ ስለዝደገፈ ብጥቅምቲ 2001 ካብ ቤቱ ተዓፊኑ ምስተወስደ ክሳብ ሕጂ ደሃዩ የሎን። ከም ንቡር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን፡ ስድራ ቤቱን መቕሩቡን ክበጽሐዎ ዕድል ኣይተዋህቦምን። "ተስፋይ ብብርዒ ሓሳባቱን ርእይትኡን ስለዝገለጸ ጥራይ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት መመላእታ ኣብ ጎዳጉዲ ክሕየር ዓቢ ገበን እዩ" ትብል ተጋዳሊት መርየም ዑመር።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ሽዑ ዝኣሰሮም ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ሃገራዊ ድሕነት ሃገር አሕሊፎም ዝሃቡ እዮም። ንሃለዋቶምን ጥዕነኦምን ብዝምልከት ከኣ ካብ ማንም ንላዕሊ ንዓና ስለዝቐርቡና መቓልስትናን ብጾትናን ስለዝነበሩ፡ ብጽቡቕ ኢና ሒዝናዮም ዘለና እዩ ዝብል። ኣበየን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለውን ግን ንስድራቤቶምን እውን ገሊጹ ኣይፈልጥን እዩ። ተስፋይ ምስ ክልተ ኣሕዋቱ እዩ ተሰሊፉ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ኣብ ቃልኢ ተሰዊኦም። ሕድሪ አሕዋቱን ዓሰርተታት ኣሻሓት ብጾቱን ይሰማዕ ሃገር በቲ ዝኣተናዮ መብጽዓ ብቅዋማዊ ስርዓት ትመሓደር ስለዝበለ እዩ ተኣሲሩ ተሰዊሩ ዘሎ ትእል መርየም ወሲኻ። እቲ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብኣመራርሓ እቲ ውድብ ቅሬታ ዘሕደረ ተጋዳላይ ተስፋይ፡ ኣብ 1991 ናጽነት ኮይኑ ብዓወት ንኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ከምዝነብዐ ኣብታ "ከይመውት እፈርሕ" ዝብል ኣርእስቲ ዝሃባ ጽሕፍቱ ነጊሩ ነይሩ። እቲ ዘንብዖ ግን ንብዓት ሓጎስ እዩ። ኣብ በረኻ ገዲፍዎም ዝመጽአ ኣሕዋቱን ብጾቱን ነዚ ንሱ ዝረኣዮ ናጽነት ክርእዩ ዘይምኽኣሎም ብናፍቖት ኣምሪሩ በኽይሎም። ግን ከኣ እቲ ዓወት ብሳላ መስዋእቶም ስለዝተረኽበ ከም ሰማእታት ሃገር ደኒኑ ሰጊዱሎም። ብሕልንኡን ጽሑፉን ከኣ መብጽዓኹም ከነተግብር ኢና - ሕድርኹም ኣይነዕብሮን ኢና ኢሉዎም። ተስፋይ ኣብ ጽሑፉ፡ "ወላዲቱ መስዋእቲ ደቀን ምስ ተነግረን ከም ብዙሓት ኣዴታት ኤርትራ፡ ደቅና ንናጽነት ስለዝተሰውኡስ ንሕበን እምበር፡ ኣይንነብዕን ኢና። ናጽነት ዋጋ ከይሃብካ ትፈትዎ ከይከፈልካ ኣይትርከብን እያ" ከምዝበላ እዩ ዝዛረብ። እቲ ዘረባ ፈጠራ ወይ ድርሰት ኣይነበረን። መስዋእቲ ደቀን ብብተራ ምስተነግረን ዝዓለላ ኣዴታት ኤርትራ ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ከብደን እምኒ መሊሰን ዕልልታ ዝደርጎሓ ግን ስለዘይሓዝና ኣይኮናን - እታ ን30 ዓመታት ብብረት ዝደለየኣ ናጽነት ግን ብዘይ ክቡር ዋጋ ከምዘይትርከብ ስለዝፈለጣ እየን ይብል ጠዓመ ተወልደብርሃን።

ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ) ነዚ ዘነጽር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ዛንትአን ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ዝተነግረ፡ ኣደ ሓምሽተ ስውኣት መምህር ዝበለኦ ነገር ኣሎ። "ደቀይ ኣብ ዝኣመኑሉ ዕላማ ንናጽነት ተሰዊኦም። ሕጂ ኣይነብዕን'የ። ዝወደቑሉ ዕላማን ራኢን እንተተጠሊሙ ግን ሽዑ ኣምሪረ ክበኪ እየ" ከም ዝበላ ተጻሒፉ ነይሩ ትብል መርየም ዑመር ነቲ ተስፋይ ጎመራ ዝበሎ ሓሳብ ብምድራዕ። ተስፋይ ኣብታ ጽሕፍቱ፡ "ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኽልተ ዓበይቲ ሓያላን ብዘረ እናተጸፍዐ ነቕ ከይበለ፡ ንናጽነቱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዝተዓወተ ጅግና ህዝቢ እዩ። ነዚ ሓላል ህዝቢ ምማት ጸጋ እዩ። ሓደ ተጋዳላይ፡ "ነዚ ህዝቢ እዝስ ክልተ ሳዕ እንተትሞተሉ" ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ግን ተጋግዩ፡ ዓሰርተ ሳዕ እንተትሞተሉ እውን ምወሓዶ" ይብል ጎመራ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ነዚ ህዝቢ'ዚ ዝኣክል ከየገልገሎ ከይመውት እፈርሕ ክብል ብውሕሉል ኣቀራርባ ዝጸሓፈ ተስፋይ፡ ሎሚ በቲ ዝተቃለሰሉ ውድብን፡ ሓቢሩ ዝሰርሓሉ ስርዓትን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ደሃይ ን19 ዓመታት ተኣሲሩ ምስዋሩ በደል እዩ ክብል ጠዓመ ተወልደብርሃን ኣምሪሩ ይዛረብ። ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ እምባትካላን ዒላዒሮን ነበር እዮብ ባህታ ምስ ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ለካቲት 2011 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ተስፋይ ዝርከቦም 35 እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ኣብ በረኻ ዒላዒሮ፡ ኣብ ነናይ ውልቆም ዕጹው ሸላ ብከቢድ ተታሒዞም ምንባሮም ሓቢሩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕብኦም ዝተሰምዐ ነገር የሎን። source https://www.bbc.com/tigrinya/

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ????? ???? ????? (???)

    http://www.ehrea.org/gomor.php

    Preserved local original · source record 31bf2cc74769c0a35e08ac87

    SHA-256: 2a46059eaac735a18fa5e41fdb332a4453f27270334735031ebd6eea501156c7

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: e8355c2127175dbd9c2b314d30acb10ff6a3c1d29544a6f589186ba480de1230

Alternate titles: ????? ???? ????? (???) · ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ)

  • 31bf2cc74769c0a35e08ac87: retained: distinct complete document. 3 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions