Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?

    ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?, ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?. EHREA archive: /library/documents/doc-2ead1ea2cd5d7b727ee4cbf0/#b-2107da8b1a56d8e43d4ab511. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  2. P

    ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?, P. EHREA archive: /library/documents/doc-2ead1ea2cd5d7b727ee4cbf0/#b-f623b23644065f0154f159c9. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 310b059d90f118200813f50fec361752b802f0a4bb84a7d6697401e7800b5387. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?

http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/english-articles/4567-2012-12-17-18-38-43

Last Updated on Monday, 17 December 2012 18:39 Written by ድራር መንታይ Monday, 17 December 2012 18:36

ኣብ ህዝብና ከም ወትሩ ዝዝረብ ንሓደ ካብ ሓቂ ርሒቁ፣ ወይ ከኣ ነቲ ተረኽቦ ከይመዘነ ምስኡ ሃው ዝብል ሰብ ምስ ዝነፈሰ ዝነፍስ ይብልዎ። ልክዕ ኢዩ፡ ንሓደ ክውንነት ብዘይመልክዑን ትርጉሙን ከይተረደኣካ ከይመዘንካ ቃሕ ከም ዝበለካ ጌርካ ከተተናፍሶ ሃሳይ ግደ ይጻወት ኢዩ። እቲ ሃስያ ከኣ ርግእ ኢልካ ኣስተውዒልካን ተመራሚርካን ነቲ ተረኽቦ ግቡእ ሚዛን ንክይትህበሉ ይዕንቅፈካ። ተረድኦ ናይ'ቲ ብሂላት ዘይብልካ ከኣ ኣብ ደረጃ ናይ ሓሳብ ምግርጫውን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ነንሓድሕድካ ምትእምማን የጥፍእ።

ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ናይ ቤላ በለዋት ካብ ሱር መሰረቱ ሓኺኽና ክንድምስሶ ጥራሕ ዘይኮነ ፈጺምና ክንጥቀመሉ ከምዘይብልና ንነፍስና ብሓዲሽ ስልጡን ባህሊ ክንዕጥቕ ይግበኣና። ምኽንያቱ ኣብ ዘይተጨበጠ ወረ ምንዛሕ ንባህሊ ዲሞክራሲ ዘጥፍእ ኮይኑ፡ ንሕብረትሰብ እውን ከተሓቓቝፍ ኣይክእልን ኢዩ። ‘ሓሳዊ የጥፍእ’ ዝበሃል እውን ካብ'ቲ ዘስዕቦ መዘዝ ከይኮነ ኣይተርፍን። ድሓር ድማ፡ ሓሶት ወይ ጭብጢ ዘይብሉ ወረ ምንዛሕ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ስነምግባር ኣይኮነን። ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ነቲ ክተዐዉቶ እትደሊ ዕላማ ንምዕዋት ኣብ ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ተመርኩስካ ደኣ እምበር ኣብ ነፍሕታትን ምጽልላምን ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ሓሶትን ጸለመን ዘዘውትር፣ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ከይገሃድ ወይ ሰብ ከየስተብህለሉ ኢሉ ዝጥቀመሉ ኢዩ። በቲ ነፍሕታቱ ከኣ ንህዝቢ ከደናግርን ናብቲ ሓቂ ንኸይበጽሕን ብማለት ኢዩ። ሓሶትን መናፍሕን ከኣ በትሪ ድኹማትን ስንኩፍ ኣተሓሳስባ ናይ ዘለዎም ሰባት መሳርሒ ኢዩ። እዚ ከኣ ደቂ ሰባት ነቲ ሃገራዊ ጉዳይን፡ ዲሞክራሲያውነትን፡ ሓቅነትን ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ጓል ነገር ክህውትቱ ዝዓለመ ኢዩ።

እስኪ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዝኸይድ ዝነብረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መእሰርን መቛጸርን ዘይብሉ ነፍሕታትን ጸለመን ንተዓዘብ። ርግጽ ኢዩ ነዚ ነፍሕታትን ጸለመታትን ዘዋፍርዎ ቀንዲ ዋናታት እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢዩ። ካልኦት ከኣ ነቲ ጭጉራፍ ሓሶት ዝውርወረሉ ዘሎ ውድብ ይኹን ሰልፊ ጽልኢ ወይ ከኣ ናይ በለጽ መገዲ ሒዞም ዝጐዓዙ ባእታታት ተቐቢሎም ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ዝዘርው ከኣ ኣለዉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ምምስራቱ ሰውራዊ ባይቶ ንበይኑ ከሎ ሒዙ ክሳብ እዚ ሰልፊ እዚ ዝቐውምን ድሕሪ ምቛሙን ዝኸይድ ዝነበረ መናፍሕን ጸለመን ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮ ክፍትን ኢየ። እዚ ግን ንምርሕሓቕ ወይ ንምክፋእ ኢለ ዘይኮንኩስ እንታይ ደኣ እቲ ዘየርበሓና ምዃኑ ንምእማትን ክንመሃረሉን ኢለ ኢዩ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ 1982 ድሕሪ ሜዳ ኤርትራ ለቒቓ ምውጻኣ፣ ስውእ ዓብደላ እድሪስ ምስ ብጾቱ ሑሴን ኸሊፋ፡ ሓምድ ኣድም ሱሌማን፡ ሓምድ ማሕሙድ፡ ስውእ ሳልሕ ኢያይ፡ ስውእ እድሪስ ሓንገላ: ዘርኡ ብኢዱ፡ ካብ ኣባላት ከኣ መምህር ዒሳ ሰይድ፡ መምህር መሓመድ ሳልሕ ማሕሙድ ..ወዘተ ካልኦት ዘለውዎ ዕልዋ ብምክያድ ተሓኤ ከምእትፈናጨል ተገብረ። እዚ ዕልዋ እዚ ብናይ ደገ ሓይሊ ብፍላይ ናይ ስዑድያ ስለያ ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ከኣ ነቲ ዲሞክራሲ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ እናበሰለ ዝኸይድ ዝነበረ ንምስባር ኢዩ። እቲ ቀንዲ መናፍሕ ዝነበረ ከኣ እቲ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ጠቕሚ ተሓኤ ዝይምውዓሉ ምኽንያት ኣብ ጀብሃ ዘለዉ ክርስትያን ነሕዋቶም ክዋግኡ ስለዘይደለዩ ኢዩ ዝብልን፣ ኢሳያስ ደቂ ከበሳ ማለት ክርስታናዊ ሓይሊ ሒዙ ኢዩ ተዓዊቱ ካብ ዝብል ተበጊሱ ንምኒዓምር ብምሓዝ ክዕወት ኢየ ካብ ዝብል መንፈስ ኢዩ ንተሓኤ ፋሕ ኣቢሉ ከም ብሓዲሽ ብናቱ ድሌትን ቅድን ሰፍዩ ከበግሳ ዝሓለነ። ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚሩ ንሰውራዊ ባይቶ ሹዒን ወይ ከኣ ኮሚንስታ ብማለት ኣንጻር ሃይማኖት ከም ዘስምዕ ጌርካ መናፍሕ ይስደድ ነይሩ። ክሳብ ኣብ ወተሃደራዊ ግጪት እውን ምስተን ኣብ ጋሽ ዝነበራ ሓይልታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ተኻይዱ። ቀጺሉ እቲ መናፍሕ ነቲ ዝተረፈ ሓይሊ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብተወላዋሊ መርገጽ እውን ክግለጽ ተጀመረ።

ኣብ 1991 ድሕሪ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ምውጻኣ፣ ‘’ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ መሬት ኤርትራ ካብ ወጸ ድሕሪ ደጊም እቲ ብረታዊ ቃልሲ ስርሑ ኣብቂዑ ኢዩ እሞ ኣብ ክንድኡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ፖለቲካውን ሰላማውን ቃልሲ ኢና ክነካይድ’’ ዝብል ዝወጸ ኣዋጅ በሽካዕላልን ምቁንጻብን ዝመልኦ መናፍሕ ተወርውረ። ንሱ ከኣ ርኢኹምዶ ምስ እዚ ስርዓት ኣሕዋት ብምዃኖም ብብረት ክሃርምዎ ስለዘይደለዩ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፎም ብሰላም ኢዩ ዝካየድ ምባል ናይ ተምበርካኽነት ኢዩ ተባህለ።

ብ2000 ኣቢሉ ከኣ እቲ ምሕዝነት ንሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣቦ መንበር ምሕዝነት ክኸውን ብደገ ሓይልታት ከም ዝድለ ብኢትዮጵያ ተነጊሩና ኣሎ ንዝበልዎ፤ ሽዑ ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንምሕዝነት ኣይፈልጦ ኣይጥይቖ እሞ ከኣ ብደጋዊ ተጽዕኖ ኣቦ መንበር ክስየመልና ከሎ ንፖለቲካዊ ውሳኔና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ካብ ዝብል መርገጽ ነቲ ኣኼባ ገዲፉ ወጺኡ። ቅድሚኡ እንተኾነ እውን ሰውራዊ ባይቶ ናይ ብሄራትን ናይ ሃማኖታዊ ፕሮግራም ኣብዚ ናይ ምሕዝነት ቻርተር ክኣቱ የብሉን ምኽንያቱ ጉዳይ ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ንኣና ከኣ ኣብ ዋጢጥ ዘእትወና ምዃኑ ብማለት ካብቲ ቻርተር ከልግስ ብመርገጽ ተቓለሰ። ነዚ እውን ከም ጸረ ብሄርን ከም ጸረ ሃይማኖት እስልምናን ተርጕምካ መናፍሕ ተኻየደ። እዚ እውን ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ኣብ ምሕዝነት ንመለስ ወይ ኣይንመለስ ብዝብል ምስምስ ኣሕዋት ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣቦ መንበር ናይ ሃገራዊ ድሕነት ነበርን ሓው ዶክተር በየነን ካልኦት ብጾቶምን ኣብ ምፍንጫል ተበጽሐ። እዚ እውን ናቱ መናፍሓት ሒዙ ተቐላቐለ። ንሱ ድማ፡ ጸረ ምሕዝነትን ነቲ ዝርአ ዝነበረ ድኽመት ምሕዝነት ብሰንኪ ሰውራዊ ባይቶ ብምባል ተኻየደ። ቀጺሉ ምሕዝነት ናብ ኪዳን ምስ ተቐየረ እውን እቲ ሓባራዊ ከሳርሓና ዝኽእል ሃገራዊ መቖሚታትና ተኸቲልና ንህዝቢ ክድሕን ብናይ ዝተመጣጠነ ውክልና ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ርእይቶ ኣባላት ኪዳን ምቕባል ስለዝኣበዩ ንዝኾነ ይኹን ውሳኔ ብሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ነጥቢ ተበጽሐ። ኣብዚ እውን ንሰውራዊ ባይቶ ስልጣን ክብሕት ብማለት ወግሐ ጸብሐ ብኹለን ውድባት ኣንጻር እዚ ውድብ ተላዕላ። ብፍላይ ንስውእ ስዩም ክሳብ ኣብ ውልቃዊ ናብርኡ ከይተረፈ ጸለመን ጸረ እስልምና ኢዩ ተባህለ። ስዩም ምስ ተሰወአ ሓው ወልደሱስ ዓማር ምራሕ ምስ በልዎ ከኣ ጥሮታ ምስ ወጸ ኢዩ ንመሪሕነት ተቐቢሉ፣ ሓንሳብ ከኣ ዋዲ ኣስዋት ኢሉ ወዘተ ብምባል ነቲ ውድብ ንምድኻም ጸለመ ተኻየደ።

ኣብ 2006 ሰውራዊ ባይቶ ብሰልፊ ናይ ምምስራት ኣብ ጉባኤ ምስ ጸደቐ ዳርጋ መብዛሕተአን ውድባት ኪዳን ኣብዚ እዋን እዚ ሰልፊ ንምንታይ ኣድለየ፡ ሰውራዊ ባይቶ እንኮ ሰልፊ ከም ናይ ህግዲፍ ክኸውን ደልዩ ብዝብል ከኣ ህዝቢ ንኸይዓስሎ መናፍሓት ተኻየደ። ቅድሚ ሰልፊ ምምስራቱ ሰለስተ ውድባት ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን፡ ውድብ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ናይ ልዝብ መኣዲ ከፊተን ኣብ ደረጃ ስምረት ክጎዓዛ ኣብ ዝተበገሳሉ ድማ፡ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነቲ ዘተጀመረ ቅዱስ ዕላማ የሎኹሉን ክትብል ካብቲ ስምምዕ ሰሓበት። ድሕሪኡ ሰውራዊ ባይቶ ሰልፊ ምስ መስረተ ከኣ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ ዝምድና ብምቕጻል ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ ምድላዋት ከደ። ኣብ'ዚ ግዜ እዚ እቲ መናፍሕ ካልእ መልክዕ ሒዙ ክወጽእ ጀመረ። ንሱ ከኣ ኣብ 2010 ኣብ ፈስቲቫል ካስል ብክቡር ዶክተር ተስፋጼን መድሃኔ ነዚ ኣብ ስምረት ገጽን ዝጓዓዛ ዘለዋ ሰልፊታት ኣብቲ ን2011 ስርዓት ኢሳያስ ክገብሮ ሓሲቡ ዘሎ ናይ ምርጫ እዋን ተስፋ ስለዝረኸባ ኢየን ብማለት ጻዕዳ ሓሶት ህዝብና ንግዚኡ ኣሚኑ ክቕበሎ ድሕር ኣይበለን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ ካብቶም ኣብ ኪዳን ዘለዉ እስላማዊ ውድብ ናይ ክርስትያን ዝዓብለሎ ሰልፊ ኢዩ ክብል ጽሑፍ ኣውጸአ። እዚ ማለቱ በቲ ንሱ ዝጥርጥሮ ወይ ዝመዝኖ፣ እቲ ስርዓት ኢሳያስ ክርስትያን ዝዓብለልዎ ምዃኑ ንኽገልጽ እሞ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝፍለዩሉ የለን ንኽብል ዝሓለኖ ኢዩ። ቀጺሉ እቲ ናይ ብሩሱልስ ዝተጋበአ ሓው ወልደሱስ ዓማር ኣቦ መንበር ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ወኪሉ ስለዝተኻፈሎ ጥራሕ ካብ ኣባላት ኪዳን ኣብ ክንዲ ንኹልና ዘርብሕ ክኸውን ንጽዓር ምባል ከም ክሕደትን ጥልመትን ሃገር ተቖጺሩ እዚ ዘይበሃል መናፍሕ ተኻየደ።

ስምረት ናይ ጋሽ ሰቲት ምስ ተረጋገጸ ከኣ እዚ ደኣ እንታይ ሰብ ኣለዎም ተባሂሉ ንምእኣስ ተጀመረ ። ኣብ 2010 ከኣ ናይ ሰለስቲኤን ሰልፍታት መሰጋገሪ ጉባኤ ገጹ እናኸደ ከሎ ከኣ ሓዲስ መናፍሕ ተቐልቀለ። ንሱ ድማ ንገዲም ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ምጥቃዕ ኢዩ ነዘን ሰልፍታት ሕቝአን ዝሰብር ዝብል ስትራተጂ ወጸ። እቲ መናፍሕ ከኣ መስፍን ሓጎስ ስለምንታይ ንኢሳያስ ዘየቃልዕ፡ ብዛዕባ መን ተቐትለ መን መን …ወዘተ ዘይገልጽ እናተባህለ ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰባት ብምስራጽ ሆ ክብል ተገብረ። እዚ ምዃን ምስ ኣበየ ከኣ ሰይቲ መስፍን ሓጎስ ኣበየ ሰለስተ ወርሒ ኣስመራ- ፍራንክፈርት እናተመላለሰት ሓበረታ ተስንቕ፣ መስፍን ምስ እከላ.. ኣብ በርሊን ተራኺቡ፡ መስፍን ንኢብራሂም ዓፋ ኣብ ምቕታል ኢድ ነይርዎ፡ ኩሉ እዚ ሰማዒ እዝኒ ምስ ሰኣነ፡ መወዳእታ ሓደ ኣለና ዝበሃል መጺኡ ከኣ መስፍን ልኡኽ ናይ ኢሳያስ ኢዩ ኢሉ ድማ ንመንአሰያት ከደናግር ሃቀነ።

ኣብ 2010 ጉዳይ ዋዕላ ኣብ ምስንዳእ ዝነበረሉ እዘን ሰልፍታት እዚአን ብሓባር እማመ ኣቕሪበን። ነቲ እማመ እውን ኩሎም ኣባላት ኪዳን ተቐቢሎሞ ከብቅዑ ኣብ ትግባሬ ምስ በጽሐ ግና በየን መጸ ንፋስ ዘይተፈልጠ ነዚ ሰልፊ ከምይ ካብቲ ዋዕላ ይለግስ ሓሳብ ተጠንሰ። እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከኣ ኢደ እግሪ ዘይብሉ ኣገባብ ማለት ካብ ንኹሉ ኣሳታፊ ዝኸውን ገዲፍካ መን ኢዩ ሰዓቢ ብዝብል ኣግላሊ ዝኾነ መገዲ ተታሕዘ። መጽናዕቲ ነካይድ እንተተባህለ ከኣ መወልትና ሕጂ እንተዘይገብርኩሞ ኣይንምውለኩምን ኢና፡ ኢሳያስ ይጸንሕዶ ኣይጸንሕን እንታይ ፈሊጥኩም ተባሂልና ብምባል ንዋዕላ ከዐውት ዝኽእል ትካላት ከይተሰርዐ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ከኣ ሰልፊ በሉ ጻዕዳ ይጽናሕኩም ኢሉ ገዲፉሎም። ኣብ'ዚ ከኣ ዝተኻየደ ነፍሕታት ኩሉ ዜጋ ብሃገሩ ዝግደስ ይፈልጦ ኢዩ። ሕጂ ከኣ ብሓዲሽ መልክዕ መንእሰያት ምስ ዓበይቲ ኣያታቶምን ኣሕዋቶምን ሓቢሮምን ተወሃሂዶምን ነቲ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስከሙ ኣብ ክንዲ ምጽዓር፣ መንእሰይ ኪድ ንበይንኻ ተውደብ ነዞም ኣረገውቲ ኒየው በሎም እናተባህለ ዝንዛሕ ዘሎ መናፍሕ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝበታትን እንተዘይኮይኑ ካልእ ፋይዳ ዝህልዎ ኣይመስልን።

ስለዚ ኣብ ክውንነትን ሓቅነትን ዘይተመርኮሰ ናይ ጸለመ መናፍሕ ወይ ፕሮፓጋንዳ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ክጥቕሶ ዝጸናሕኩ መናፍሓት በሃልቱ ገሊኦም ብህይወቶም ኣብ ስልጣን ኣለዉ። ዘሰክፎም እንተኾይኑ ነብሶም ክግምግሙን ብዘካየድዎ ኣሉታዊ ግደ ክስከፉ ኣለዎም። ካብኡ ዝተረፈ እቲ መናፍሕ ብኢሰያስን መጋበርያታቱን ኢዩ ዝንዛሕ ዘሎ ኢልካ ምውራይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ። ናብ ኢሳያስ ኣመሳሚስካ ኣይተፈለጥናን ክብሉ ኣይኽእሉን ኢዮም። ስለዚ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንሓሊ እንተኾንና ሽግራትናን፡ ፍልልያትናን ዘገራጭወናን ኣብ ክንዲ ብመናፍሕን ጸለመን ክንፈትሖ ንፍትን፣ ኮፍ ኢልና ብቓልዕ ክንዛረበሉን መፍትሒ ክነናዲየሉን ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ባይቶ ህዝቢ ከምዝመረጾ፡ ባይቶ ንሃገር ዝውክል፡ ባይቶ ባዕሉ ዝውድእ፡ እንተደለኹም ተጸንበሩ፡ ባይቶ ገባርን ሓዳግን ገርካ ዝውሰድ ዘሎ ኣገባብ ልክዕ ከምቲ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ኢልና ተፈላሊና ጉዳይ ሃገር ክንፈትሕ ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ኢዩ ዝድገም ዘሎ።

ድራር መንታይ

  1. Source column 1, source header

    < Prev

    Source column 3, source header

    Next >

P

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?

    http://www.ehrea.org/mtfe.php

    Preserved local original · source record 2ead1ea2cd5d7b727ee4cbf0

    SHA-256: 9654904d9e16411fcfa39524ea6fc42b445444608bcf19a7eb38020297819885

    All source URLs and preserved captures
    • ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ? · earlier-capture
      http://www.ehrea.org/mtfe.php
      Local original
      Same bytes as extracted source
    • ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ? · provisional-1
      http://www.ehrea.org/mtfe.php
      Local original · mirror/provided/www.ehrea.org/mtfe.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ? · refresh-2
      http://www.ehrea.org/mtfe.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/mtfe.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ? · refresh-3
      http://www.ehrea.org/mtfe.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/mtfe.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 310b059d90f118200813f50fec361752b802f0a4bb84a7d6697401e7800b5387

Alternate titles: ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?

  • 2ead1ea2cd5d7b727ee4cbf0: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions