Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · English / ትግርኛ

ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

Source excerpt: ኣንጻር ምልኪ ብኣጉኡ ኣይተኻየደን ምባል ነቶም ተባዓት ስለ ህዝቦም ጠጠዉ ዝበሉ ጀጋኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ መቑሕ ዘለዉ ገለዉን ዝተሰዉኡን ምዝንጋዕ ይመስል።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

    ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።, ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።. EHREA archive: /library/documents/doc-2a60e87f00c6b4d134c3bf53/#b-e760abf46b4a15e0b26719f6. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

  2. Add comment

    ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።, Add comment. EHREA archive: /library/documents/doc-2a60e87f00c6b4d134c3bf53/#b-ae1037af1c7965805939f131. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 1812683b4d60de8678009b4ae0edad7d24f4e5ae45d0148b7c335e66bcae7c07. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

Sunday, 02 January 2011 09:18

ኣንጻር ምልኪ ብኣጉኡ ኣይተኻየደን ምባል ነቶም ተባዓት ስለ ህዝቦም ጠጠዉ ዝበሉ ጀጋኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ መቑሕ ዘለዉ ገለዉን ዝተሰዉኡን ምዝንጋዕ ይመስል።

እቲ ፈተነ ብበበይኑ ምኽንያታት ይፈሽል ብምንባሩ ግና ነቶም ሰብ ታሪኽን ንሃንቀዉታ ህዝብን ዉሽጦም ሕሩራት ጌሩዩ ሓሚስዎም። ታሪኽ ክደጋገም ንቡር ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ ድማ ሓደ ድሕሪቲ ካልእ ብእብረ ጌጋታት ኣብ ክንዲ ምድጋም መምሃሪ ኣብክንዲ ዝኸዉን እንተላይ እቲ ኣብ ነጻ ዝኾና ሃገራት ዝቃለስ ከይተረፈ ንኢድ ኣእታዉነትን ስለያዊ ስልካን ህግደፍ ማዕጾ እናኸፈተ ባዕሉ ንባዕሉ ክዳኸም ጸኒሑሎ ዛጊትዉን እቲ ፈተነ ዉጥም ቅልቅል ኣይገደፈን ።

ሀ / ከም ተመኩሮ እቲ ናይ ግዜ ረፍረንዱም 1993 ጽፈት ምዉዳብ ዝጎደሎን ዝተጎዛዘየን ናይ ካድረታትን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን ከምዘይናቶም ርእዮም ደገፍ ዝነፈግዎን እንተላይቶም ደንግዮም ኣብ ዘዝተላእኩዎ ሃገራት ዝተረፉ ናይ ሽዑ ካድረታት ናይቲ ስርዓት ኣግዲዖሞን ነቲ ሰይጣናዊ ካባ ዝለበሰ ዉልቀ-ሰብ ካብ ዉድቀቱ ኣድሒኖሞንዮም።

ንሱ በቲ ሸሓጢ ቃላቱን ከዳዕ ባህርያቱን ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ(ስታዱዩም) ንመሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ መላእ ተጋደልቲ ቀሊልን ሽዑ ንሽዑ ክፍታሕ ዝኽእልን ጌሩ ብምስሉይ ኣቀራርባ ቀሪቡ ካብታ መፈንጠራ ወጺኡ፡ ንንጹሃት ካድረታት ድሕሪ ሰዓታት ብጸጥታኡ ክለቕሞም ከሎ ኩሎምዞም ሕጂ ዝብከየሎምን ህዝቢ ዝሓዝነሎምን ዘሎ ኣፎም ዓቢሶም ብምንባሮምን ኣይፋል ስለዘይበሉን ካብ 5 ዓመት ክሳብ ሕልፈት /ሞት/ ክፈርዶምን ከሕቅቖምን ክኢሉዩ።

ለ/ እቲ ዘይንቡርን ዘይሕሰብን ብብረት ዝተለብለበ ምንቅስቓስ ስንኩላን ማይሓባር ናይ 1994 እዉን እንተኾነ ዝተወደበ ብዘይምንባሩን ካብ ሰብ ሕልና ደገፍ ስለዝተነፍጎን ንኣረሜንነት ትእዛዝ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ኣይፋል ዝብል ሓደ ሓርበኛ ካብቲ ሚኒስትሪ ስለዝተሳእነን ቀጺሉዉን ነቶም ሽዑ ዝተሰዉኡ 14 ንጹሃት ተጋደልቲ ቅድም ንሃገራዊ ነጻነት ኣካሎም ዝጎደሉ ሽዑ ንስለ መሰል ደቂ ሰባት ዝተጣበቑ ስለምንታይን ኣብ ምእንቲ እንታይን ኢሉ ዘጻርን ንተጠያቒ ኣብ ፍርዲ ዘቕርብን ሓደ ካብ መላእ ባይቶ ኤርትራ ዘይምርካቡን ኣብ ዓለምና ካብ ዝዝንተዉ ፍሉያትን ኣሕዘንትን ታሪኽ ኮይኑ ምትራፉዩ።

ሐ/ እቲ ብዉልቀ ካድረታት ጀሚሩ ናብ እኩብ ጉጅለታት ዝለሓመ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታት ኢሚግረሽንን ጉምሩክን ( ካብ 1995--ክሳብ 1997 ) ብስልካ ስለያ ህግደፍ ምሕቃቕ ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልትን ዓበይቲ ካድረታትን ክሳራ ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ጸረዚ ዉልቀ ምልኪ ብኽብሪ ተሰኒዱሎ።

መ/ እቲ ብመልክዕ ቅርጺ ማሕበር ሸዉዓተ ምውዳባቱ ጀሚሩ ከም ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍልታትን ዓበይቲ መራሕቲ መንግስታዊ ትካላትን ዝተሳተፍዎ ጸኒሑ G-15 ዝተሰምየ ፍጥነት ዝጎደሎ መቐይሮ መድረኽ ናይ 2001 ብሳዕቤኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ ተሞኩሮ ዘጥረዮም ናይ ሃገር መራሕቱ ዝኸሰረሉን ጸሊም ታሪኽ ናይዚ ዉልቀ-መላኺ ዝተጋህደሉን ዘይሃስስ በሰላን ኣሎ።

ሰ -/ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝተወደበ ናይ ምሁራት ምንቅስቓስ ቀልጢፉ ኣብ ዉሽጡ ዝነቕዐ ናይ 2001—2002 ብ G-13 ዝፍለጥ ምስ ኩሉ ብቕዓቱ ንስልካ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ክምክትን ከለልን ዘይከኣለ ሓድነት ዝጎደሎን ቀልጢፉ ዝበርዓነንከ።

ረ -/ እቲ ብስም ምሕዝነት ዝጀመረን ብብዙሓት ሕማማት ክገማማዕ ዝተራእየን ስም ቀይሩ ኪዳን ዝተጸዉዐን ክርዳድን ስርናይን ሓዊሱ ዝተጋዕዘ ብሰንኪ ቅርሕንትን ዉልቃዊ ምትህልላኻትን ሞራል ህዝቢ ዝረመሰ ነዊሕ ዕድመ ተቓዉሞ ዘለዎ ግና ልሉይን ብቑዕን ተሞክሮ ዘይደለበ ኩሎም ተደሚሮም መከራ ህዝቢ ኣጋዲዶም ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ለቂቦምዮም።

ሕጂኸ ኩሎምዞም ጌጋታት እዚኦም ክድገሙድዮም ወይስ ነዚ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጋድ ኣትዩ ዘሎ ሬሳ ስርዓት ከዳግሙ ወይ ከቃብጹ? መንዩ ብቐዳምነት ካብዞም ዓበይቲ ጌጋታት እዚኦም ክምሃርን መድረኽ ዝሓቶ ዕማም ክዓምምን ? ብዘይቀለዓለም እቲ እጅግኡ ሰብሲቡ ተበጊሱ ዘሎ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢን እቲ ንቕድሚት ዝደፍኦ ዘሎ ዉፉይ ተቓላሳይ ህዝብን ሓላፍነታዊን ታሪኻዉን ፍጻመ ክፍጽሙ ይሕተቱ ኣለዉ።

ኣብ መደምደምታ ኣይትትሃመል ኣይትዘንጋዕ ብልሕኻ ኣብ ልዕሊ ተኻሉ ደቂ ሃገር ኣርእዮ ።ነቓዕ ዝበሃል ዕጾ። ተስፋ ተነቢሩልካሎሞ ስዉኣትካ ደብስ ።ኣብ ዉሽጥኻ ንዝቕልቀሉ ኣስጋእቲ ቀልጢፍካ መሓዎም ። ናህርኻ ወስኸሉ ግዜ ዘሎካ ኣይመስልንዩሞ መንፊትን መኹባዕትን ካብ ኢድካ ኣይትፍለ።

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ ።

ዉድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ።

ሞጎስ ታኺታ ካብ ደምበ ኣለና።

1/2/2011

var jcomments=new JComments(3375, 'com_content','http://assenna.com/index.php?option=com_jcomments&tmpl=component'); jcomments.setList('comments-list');

Add comment

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

    http://www.ehrea.org/sinkulat.php

    Preserved local original · source record 2a60e87f00c6b4d134c3bf53

    SHA-256: a29898850c5f871e43d5bba8f95b6418878894fcde85181eb6836a75a7435f60

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 1812683b4d60de8678009b4ae0edad7d24f4e5ae45d0148b7c335e66bcae7c07

Alternate titles: ስለምንታይ 20 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

  • 2a60e87f00c6b4d134c3bf53: retained: distinct complete document. 1 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions