Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

7 March at 16:07

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Source excerpt: SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 6 new photos.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 6 new photos.

    7 March at 16:07, SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 6 new photos.. EHREA archive: /library/documents/doc-0b562febe92914e028c27d32/#b-ae8e636403ae3dd1c7bb8130. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: a867ba5ae8053f51bd9158ab7984b865d1874d0c0c7bd5c34d3d33614ca32f1c. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 6 new photos.

7 March at 16:07 ·

ከም ሽምዓ እንዳመኸኸት ትዓርብ ዘላ ኮኾብ

እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ሓድሽ ወለዶ እንተዘይኮይኑ ንዓኣ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣይክህሉን - ንተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ፡፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ክፍሊ ሕክምናን ባህሊ ውድብን፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣባል ኣመራርሓ ሃማደኤ ከምኡ ‘ውን ሰራሕተና ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኮይና ኣገልጊላ ‘ያ፡፡ በቲ ፍሉይ ናይ ጊታር ክእለታን ድምጻን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣበርክቶኣ ከም ውልቀ ሰብን ከም ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ኣዚዩ ዕዙዝ’ዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮና ዘይሃስስ ምስቲ ውቅብ መልክዓ ጊታራ ሒዛ “ኩሉንትናይ ንዓኺ ንሃገረይ ንህዝብይ” እናበለት ኣብ ባህሊ ውድብ ኮይና ትሓንን ዝነበረት ሰናይት ሎሚ ዘይከም ትማል ኣብ ጸልማት ካርሸሊ ተዳጊና ጽብጽባዕ እንዳዓረብት ትርከብ፡፡

ካብ ሓደ ቤተሰብ ክልተ ውፉያት ገዳይም ተጋደልቲ ታሪኾም ተደብዩ ዘይምሱል መሲሎም ብዘይዝኾነ፡ ምኽንያትን ፍርዳዊ መስርሕን ኣብ ጉድጓድ ተደርቢዮም ምርኣይ ካብቶም ኣብ ዘመነ ስርዓት ኢሳይያስ ብጸሊም ዝስነዱ ታሪኽ ሃገርና ሓደ ‘ዩ፡፡ ካብ ኣብራኽ ኣቦይ ደበሳይን ወ/ሮ ለተንኪኤል ንግሩን ዝተወልዱ ተጋደልቲ እርምያስ ደበሳይን ሰናይት ደበሳይን ከም ካልኦት ምዑታት ብጾቶም ካብ ማሙቕ ጎጀኦም ተሓሪፎም ኣብ ጸላም ጎዳጉዲ ካብ ዝዳጎኑ ዓመታት ኣሕሊፎም፡፡ ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ብዘይንሕስያ ሙሉእ ስድራ ብምቕያድ ወለዲ ናብ ጎዳጉዲ፡ ውላድ ናብ ስደት ከቕሰቡ፡ ብምግባር መሰረት ሃገር ዝኾነት ስድራቤት ብምፍራስ መዳርግቲ ዘይብሉ ግፍዕታት ተራእዩ፡፡ ከም ታሪኽ ደቂ ኣቦይ ደበሳይ ብተመሳሳሊ ኣብ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ስቲፋኖስ ስዩምን ሓው ኮ/ል ተስፋልደት ስዩምን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ዮውሃንስን፡ ከምኡ’ውን መሓመድ ሸሮፎን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ምጥቃስ ይከኣል፡፡

ንሎሚ ብምኽንያት ማርች 8 ታሪኽ’ቶም ካልኦት ንግዜ ገዲፈ ብዛዕባ ሰናይት ደበሳይ ገለ ክብለኩም፡፡ ድሕረ ባይተኣ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ መገሻ ንኣመሪካ ሓዲጋ ካብ ሱዳን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈት ሓርበኛዊት ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ካብ ቀዳም ዕለት 15 ሕዳር 2003 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 6 ተቐይዳ ትርከብ፡፡ ንመብዛሕትና ስጊንጢር ዝኾነ ምኽንያት መቐዬዲኣ ኣቦ 3 ደቃ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኮ/ል በየነ ርእሶም (ወዲ ርእሶም) እዩ፡፡ ኣብ 2003 ብፋሉላዊ ባህሪያት በየነ ርእሶም ዝተማረረት ሰናይት ደበሳይ ብወግዒ ፍትሕ ሓቲታ ቤት ፍርዲ ትመላለስ ኔራ፡፡ ብኣንጻሩ ሰብኣያ ኮ/ል በየነ ርእሶም ብተደጋጋሚ ንጻውዒት ቤ/ፍርዲ ነጺጉ ነቲ ጉዳይ ብዓርኩ ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ- ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ዞባ ማእከልን ጸረ ግብረ-ሽበራን ዝነበረ) ክውድኦ እዩ ተረባሪቡ፡፡ ኣብቲ እዋን ሓው ሰናይት ገዲም ተጋዳላይን ኣምባሳዶር እርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ከኣ ድሕሪ 7 ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ነይሩ፡፡

ሳዕቤናት ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ጉዳይ ቀይዲ ኣባላት “ጉጅለ 15ን” ሓያል ስግኣት ስለ ዘሕደረ ብፍላይ ካብ 2001- 2003 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብስም “ጸጥታን ትሕቲ ሃገራዊነትን” ንዝጠርጠሮ ሰብ ክቕይድ ሙሉእ ሓላፍነት ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ተዋሂብዎ ነይሩ፡፡ ሰናይትን እርምያስን ከኣ ብጥቆማ ወዲ ርእሶም ኣብ ጠመተ ሃገራዊ ድሕነት ኣትዮም፡፡ ንዕለት 20 ሕዳር 2003 ንጉሆ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸራ እንዳሃለዋ 5 መዓልቲ ቀዲሙ ሓላፊ ሃ/ድሕነት ዞባ ማእከል ዝነበረ ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ) ንሜጀር ነጋሲ ኪዳነ፡ በርሀ ባሻይን ጎይቶም (ቀይሕ) ዝተብሃሉ ሰለስተ ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣዚዙ ዓርቢ ዕለት 15/11/2003 ብምስምስ “ተደናጋጺ ጉጅለ 15ን ትሕቲ ሃገራዊነትን” ሰናይት ደበሳይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ፡፡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮ ሓዋ እርምያስ (ፖፓዮ) ካብ ዝፍታሕ ውሑድ ኣዋርሕ ይግበር እምበር “ገለ ቅሬታታት ክህልዎ እዩ” ተባሂሉ ስለ ዝተጠርጠረ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ሕቡእ ክትትል ይካየደሉ ነይሩ፡፡ ኮ/ል በየነ ርእሶም ነዚ ሃጓፍ ተጠቒሙ ብስም “ትሕቲ ሃገራዊነትን ተደናጋጽቲ ጉጅለ 15ን” ንክልቲኦም ኣሕዋት ዝምልከት ፈጠራዊ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት’ውን ኣቕሪቡ’ዩ፡፡ ኣብ ዝንቡዕ ውሳነታት ተሸመመ ኢሳይያስ ንጸብጻብ ኮ/ል በየነ ርእሶም ብቀጥታ ተቐቢሉ ንትግባረኡ ናብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣውሪድዎ፡፡

ትማል እታ “ኩሉ እንትናይ ንዓኺ፡ ንሃገረይ ንህዝበይ!!” እናበለት ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብምጉስጓስ ንናጽነት ዕዙዝ ተራ ዝተጻወተት ሓርበኛዊት ተጋዳሊት፡ ከም ዘይ ጓል ሃገር ተቆጺራ፡ ሞሶኣ ተሪሲዑ፡ ኣብ ጸላም ተዳጊና፡ ከም ሽምዓ ትመክኽ ኣላ፡፡ ካብ ትእሰር ዛጊት ኣስታት 13 ዓመታት ኮይኑ ብሰሪ ዝወረዳ መግረፍትን ስቓይን ኣብዚ እዋን እዚ ግዳይ ውሽጣዊ ሕማማት ኮይና ኣብ ጥዕናኣ ወሪዱዋ ዘሎ ጸገም ማእለያ የብሉን፡፡ ነብሳ ማህሚኑ እታ ከም ክላሽን ተሓንጊጣ ትሃርማ ዝነበረት ቫይዝ ጊታር ሎሚ ኣይኮነን ክትሕንገጣ ዘይንሳ መሲላ ንገዛእ ነብሳ ካብ መሬት’ውን ክትትስእ ኣይትኽእልን፡፡

ማርች 8 ብደረጃ ዓለም ዝኽበር መዓልቲ ደቂኣንስትዮ’ዩ፡፡ ብምኽንያት መዓልቲ ደቂንስትዮ ከም በዓል ሰናይት ደበሳይ ብጣልማይ ኢሳይያስ ታሪኸን ተደብዩ፡ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ብእህህታን ስቓይን ንዝነብራ፡ ትሕቲ ህልዋት ተጋደልትን ስውኣትን ብምዝካር፡ ህዝብና ሰሚሩ ንዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ክለዓዓል እላቦ፡፡ ( ስእሊ 1. ሰናይት ደበሳይ 2. በየነ ርእሶም 3. ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ 4. ካርሸሊ)

+3

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. senao.php

    http://www.ehrea.org/senao.php

    Preserved local original · source record 0b562febe92914e028c27d32

    SHA-256: 3625e750ee6dcb4561ea4ee1ac78651888350fdf65aaf7ed31827615093575bf

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: a867ba5ae8053f51bd9158ab7984b865d1874d0c0c7bd5c34d3d33614ca32f1c

Alternate titles: senao.php · 7 March at 16:07

  • 0b562febe92914e028c27d32: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions