Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · English / ትግርኛ

8 March at 15:55

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Source excerpt: SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 15 new photos.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 15 new photos.

    8 March at 15:55, SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 15 new photos.. EHREA archive: /library/documents/doc-0954c566dead38d59f328b43/#b-f5da4b0989dff5446596d0e5. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: e063240006321f82de0acab4599894c131e065d47d2d0e6b5da157c9b36430f6. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ added 15 new photos.

8 March at 15:55 ·

ንህዝቡ ከይኮነ፡ ንነብሱ ከየድሓነ፡ ከም ግመ ዝበነነ….. ዓብደላ ጃብር!!!

ካብቶም ሓሙሽተ ገበላት ህግደፍ ሓደ ነይሩ… ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓብደላ ጃብር ዝፈልጦ ሙሉእ ስሙ ዓብደላ ማሕሙድ መሓመድ ጃብር’ዩ፡፡ ኣብ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍ ዝርከብ ሰነዳት ከምዘረጋግጾ ብ1952 ካብ ኣቦኡ ማሕሙድ መሓመድ ጃብር ካብ ኣዲኡ ፋጡማ ዑመር ኣብ ኣፍዓበት ተወሊዱ፡፡ ካብ 1ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ኣብ ኣፍዓበትን ባጽዕን ምስወድአ፡ ብሱዳን ኣቢሉ ኣመሪካ ብምእታው ናይ ኮለጅ ትምህርቱ ኣብኡ ተኸታቲሉ፡፡ ካብ ኣመሪካ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰለፈ ዓብደላ ጃብር ድሕሪ ናጽነት ውን ክሳብ ማስትሬት ቀጺሉ እዩ፡፡ ካብ ሜዳ ካብ ኣጋር ሓኪም፡ ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሕታት በጺሑ እዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ካብቶም ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጾም ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝተኾየጡ ሓደ ኮይኑ ብኢሳይያስ ልዑል ተቐባልነት ዝነበሮ እዩ፡፡ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ምቕሉል፡ ምስ ሰባት ቀልጢፉ ዝረዳዳእ፡ ናይ ምውዳብ ክእለት ዝነበሮን ቋንቋታት ትግረ፡ ትግርኛ፡ ሳሆ፡ ዓረብ፡ ፈረንሳ፡ ኢንግሊዝ ኣቀላጢፉ ይዛረብ፡፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ብምኻን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምጥንኻር ዕዙዝ ተራ ተጻዊቱ፡፡ ብፍላይ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ዝተሓተት ሕመረት ክሳብ ላዕለዎት ካድራትን ሃማመተኤን ኣብ ምውዳብ፡ ምስ ሃገራት ኣዕራብ ምሕዝነት ኣብ ምፍጣር፡ ኣብ ምሽምጋል መንግስቲ ሱዳንን ተቐናቐንቲ ምብራቕ ሱዳንን፡ ኣብ ምድላውን ምቕራጽን ህግደፋዊ መጽናዕታትን ካልኦትን ተሳቲፉ እዩ፡፡ ዓብደላ ጃብር ምስ ተጋዳሊት ንጽህቲ ስቲፋኖስ ዘካርያስ (ኣብ ሚ/ሪ ትምህርቲ ሓላፊት ጨንፈር ምምሕዳር ዝነበረት) ሓዳር ገይሩ 5 ቆልዑ ወሊዱ፡፡ ብፋሉላዊ ባህርያቱ ግን ምስ በዓልቲ ቤቱ ጽቡቕ ዝምድና ኣይነበሮን፡፡ ኣብ 2010 ወርሒ 2 ኣቢሉ ኢሳይያስ ንብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግልን ንኮ/ል ጋይም ተስፋንሚካኤልን ጸዊዑ “እዚ ሰብኣይ ሓሚመ፡ ጸሚመ የብዝሕ ኣሎ፡ ኣብ ባራት ብስኽራን የህትፍትፍ ከምዘሎ እሰምዕ ኣለኹ ተኸታተልዎ” ኢሉ ሓውሲ መምርሒ ሂብዎም፡፡ ብካልእ ወገን ከኣ ዓሊ ዓብዱ ናብ ቤ/ጽ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ብዛዕባ ዓብደላ ንኢሳይያስ ይሕብሮ ነይሩ፡፡ ዓብዳላ ጃብር ምስ ዓሊ ዓብዱ ፍሕፍሕ ነይርዎ እዩ፡፡ ኣምላኺ ኢሳይያስ ብምኻን ንዓመታት መጋበርያ ክፋእ ተግባራት ዝነበረ ዓብደላ ጃብር ብስም “ትሕተ ሃገራውነትን ጸለመ ኣንጻር ፕረሲደንትን” ጸብጻባቱ ናብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ካብ 2010 ክውሕዝ ጀመረ፡፡ ብፍላይ ኣብ 2013 ዓብደላ ጃብር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ሕሰምን ኣደራዕን ክስቆሮ ግዲ ጀሚሩ፡ ብፍንው “ኣንታ እዚ ህዝቢ ንብድሎ ኣለና! ጸቕጢ ኣብዚሕናሉ! ጻምኡን ሞስኡን ኣይረኸበን” እንዳበለ ኣብ ባራት ከይተረፈ ይዛረብ ነይሩ፡፡ ቅድሚ 21 ጥሪ 2013 (ስርሒት ፍርቶ) ኣብ ልዕሊ ዓብደላ ዝካየድ ዝነበረ ምክትታል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ፡፡ ብ 07142136 ዝሓዛ ናይ ውልቁ ሞባይል ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ንሓላፊ ጨንፈር ጠላፋ (ነጥቢ 2) ኮ/ል ገሬ (ሊንጎ) ተዋሂቡ ኣብ መርበብ ጠለፋ ኣትዩ ኣብ ትሕቲ ምጽንጻን ጸኒሑ፡፡ ንቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝተለኣኸ ጸብጻብ ክፍሊ ጠለፋ ከምዝሕብሮ ብጀካ ጸርፍን ጸለመን ኣንጻር ኢሳይያስ፡ ፍሊጶስ፡ ዓሊ ዓብዱን ወዲካሳን ካልእ ዝተወደበ ውዲት ከምዘይነበሮ የረጋግጽ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን “ነታ ቁጽሪ ቴሌፎን ገዲፉ ብካልእ ቁጽሪ ይጠቀም ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ ናብ ጨንፈር ጠለፋ በጺሑ ስለዝነበረ ድሕሪ ምክትታል ናይ ሓንቲ ምስኡ ትነብር ነብያት ትበሃል ጓል ይጥቀም ከምዘሎ ከምዝተረጋገጸ እቲ ጸብጻብ መሊሱ ይሕብር፡፡ ተወሰኽቲ ጸብጻባት ጠለፋ ከምዘረጋግጽዎ ዓብደላ ጃብር ምስ በዓል ኣብርሃም ኣስገዶም (ኣብ ደገ ዝነበር ሰብ) ፡ ብ/ጀነራል ኣማኒኤል ሃይለ (ሃንጀማ)፡ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ካብ ቤ/ጽ ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣሮን ታደሰ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ መስጦፋ ኑርሑሴን፡ ሓደ ዶ/ር ስርጅ ምስ ዝበሃል ሱዳናዊ ብቴሌፎን ከምዝደዋወል ይገልጽ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት መእሰሪ ዓብደላ ጃብር ኣብ ስርሒት ፎርቶ (21 ጥሪ 2013) ብምስታፉ ኮይኑ ክሳብ እቲ ፍጻመ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብዛዕባ እቲ ውዲት ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረኩም እፈቱ፡፡ (ኩቡራት ኣንበብቲ ጉዳይ ስርሒት ፎርቶ ዝምልከት ምስ ኣጻፈፍኩ ብዘውጻእኹዎ ናይ ግዜ ሰሌዳ መሰረት ሓደ መዓልቲ ክፍንወልኩም ኢየ፡፡) ብዝኾነ ብኢሳይያስ ኣብ ጠመተ ኣትዩ ዝነበረ ዓብደላ ጃብር ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ብ22 ጥሪ 2013 ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ቀይዲ ውዒሉ፡፡ ዕለት 21 ጥሪ ምሸት ኣዛዚ ክ/ሰ 17 ነበር ኮ/ል ሳልሕ ዑስማን ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ኣብ መርመራ ንዓብደላ ጃብርን ካልኦትን ስለዝጠቆመ ብትእዛዝ ብ/ጀ ስምኦን ገብረደንግል ንጉሆ ሰዓት 10፡00 ብሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ዝምርሑ 3 ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተላኢኾም ኣብ መንበሪ ግዝኡ ኣብ ቁጽር ኣእትዮም፡፡ ኣብቲ እዋን “ምስ ስርሒት 21 ጥሪ ኢድ ኣለዎም” ብዝብል ዝተጠርጠሩ ሓላፍቲ ካብ መላእ ሃገር ብኣባላት ሃ/ድሕነት ተለቒሞም ናብ ላዕላይ ደንጎሎ ተወሲዶም፡፡ ብመካይን ሃ/ድሕነት ተዓፊኖም ፈለማ ናብ ላዕላይ ደንጎሎ ምስ ዓብደላ ጃብር ዝተወስዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ (ሚ/ር ጸዓትን መዓድንን ነበር ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተውስደ) መስጦፋ ኑርሑሴን (ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣብ መገዲ ዱባሩባ ተታሒዙ ዝተወስደ) እዮም፡፡ ብጽባሒቱ ብሜጀር ካሕሳይ በየነ ዝተመርሑ ኣባላት ወኪል ሃ/ድሕነት ናብ መንበሪ ገዛ ዓብደላ ጃብር ተመሊሶም ተፍትሽ ብምግባር ተፈለላየ ሰነዳት፡ ሽጉጥን ካልእ ኣገዳሲ ዝበልዎ ነገራት ወሲዶም፡፡ ብቀጻሊ መንበሪ ገዛ ዓብደላ ጃብር ኣብ ስውር ምክትታል ውሽጣዊ ጸጥታ ንክልተ ወርሒ ክጸንሕ ተወሲኑ ነይሩ፡፡ “ንዝኣመነ ብሴፍ ንዘይኣመነ ብሴፍ” ዝመትከሉ ኢሳይያስ ከምቶም ካልኦት ብጾቱ ውዒሉ ሓዲሩ ንዓብደላ ጃብር እውን ኣርኪብሉ፡፡ እቲ ትማል ህግደፋዊ ስነ-ሓሰባት ከስርጽ ጣውላ እንዳሃረመ ይህውትትን ይጉስጉስን ዝነበረ ዓብደላ፡ እቲ ቀንዲ ወዳቢ ተባሂሉ ካድራት ህግደፍ ዝጫጭሕ ዝነበረ ዓብደላ ጃብር፡ እቲ ብኢሳይያስ ተሓርዩ ናብ ሃገራት ኣዕራብ እንዳተልኣኸ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ዝመርሐ ዓብደላ ጃብር በትሪ ኢሳይያስ ዓሪፍዎ ከምቶም ጀጋኑ (ጉጅለ 15) ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብዝኣቱ ዛጊት 3 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ ወኪል ሃ/ድሕነት ስርሑ ብምቕጻል ታሪኽ ዓብደላ ጃብር ንምብካል ፈለማ ብዘይስሩዕ መርበባት 03 ዓብደላ ጃብር ጽልዋታት እስላማዊ ጥሩፍነት ዘለዎ፡ ሕቡእ ሰላይ ሃገራት ዓረብ ከምዝነበረ ወረ ነዚሖም፡፡ ድሕሪ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ከኣ ብየማነ ገብረኣብ ዝተዳለወ “እመን ኣይትእመን” ዝብል ርእሲ ዝተገብረሉ ጽሑፍ “ዓብደላ ጃብር ብሰበስልጣን ሱዑዲ ዓረብ ተውሃቦ ስለያዊ ተልእኾ” ከምዘለዎ ኣምሲሎም ተዘርጊሑ፡፡ እቲ ጽሑፍ ብናይ ዌክ ሊክስ ተለቃቢታት ኣሰኒዮም ኣውጺኦሞ፡፡ ጸቕጥታት ብምቕጻል ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ዓብደላ ጃብር ፈለማ ንበዓልቲ ቤቱ (ንጽህቲ ስቲፋኖስ) ምኽንያት ተማሂዙ ካብ ስራሕ ክትድስክል ተገይራ፡፡ ኣብ ኮለጅ ዓዲቀይሕ ትመሃር ዝነበረት ጓሉ (ሶፍያ ዓብደላ) ካብቲ ኮለጅ ተሰጊጓ ኣብ ቀረባ ብወኪል ሃ/ድሕነት ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን ኮ/ል ኣማኒኤል ልጃም (ወዲ ልጃም) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም መብዛሕትኦም ደቂ ኣባላት “ጉጅለ 15” ንሳ እውን ናብ ስደት ከምዘምርሐት ተጸብጺቡ፡፡ ገለድ ዓብደላ ዝበሃል ወዱ ኣብ መበል 26 ዙርያ ሳዋ ኣብ መደቀሲ ተዓለምቲ ተምሃሮ ብዝተደርበየ ቡምባ ተወጊኡ ናይ ሳንቡእ ጸገም ስለዝገበረ ንደገ ሪፈር ተባሂሉ ከብቅዕ ተኸልኪሉ እዩ፡፡ ታሪኽ ዓብደላ ጃብር ንድሕሪት ንዝተዓዘበ ሰብ ካብ 7 ኣሕዋት ንባዕሉ ተኣሲሩ፡ ዑስማን ማሕሙድ ዝበሃል ሓው ኣብ 2010 ብሃ/ድሕነት ተጨውዩ ደሃዩ ጠፊኡ፡ መሓመድዑሞር ዝተብሃለ ካልእ ሓው እውን ድሕሪ ምእሳር ዓብደላ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ውሽጣዊ ጸጥታ ነይሩ ጠፊኡ ንደገ ተሰዲዱ፡፡ ኣብ ዜሮ ሰዓት ስቓይ ህዝቡ ተረዲእዎ ንእሽቶ ምዕይ ምስበለ ዝተቆጸየ፡ ንህዝቡ ከይኮነ፡ ንነብሱ ከየድሓነ፡ ከም ግመ ዝበነነ….. ዓብደላ ጃብር ነቶም ትማል ዝፈረዶም በዓል ጴጥሮስ፡ ድሩዕ፡ ሸሪፎን ካልኦትን ስቓዮምን መከረኦምን ክቋደሶ እንሆ ኣብ ጉድጓድ ኣተወ፡፡ ሕጂ እውን ካራ ኢሳይያስ ንዝኣመነን ዘይኣመነን ብማዕረ ክትሓርድ ስርሓ ትቕጽል ኣላ፡፡ ክቡራት ኣንበብቲ ንሎሚ ዓብደላ ጃብር ኣብ ናቕፋ ንካድራት ዝምህሮ ዝነበረ ኮርስ በከፊል ይዝርግሖ ኣለኹ፡፡ ዘገድሰኩም እንተኾይኑ ብሙሉኡ ክፍንወልኩም ይኽእል እየ፡፡

እቲ ካልእ መሓውር ዓፈና….ስለያ ምክልኻልን ግንባርን

ቀዳማይ ክፋል

ሓንቲ ሃገር ሉኣላዊነታ ንምውሓስ መሓውራት ወተሃደራዊ ስለያ ክህልዋ ናይ ግድን እዩ፡፡ ሃገርና ኤርትራ’ውን ከም ኣካል ምውሓስ ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን (National Interest & Security) ካብ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ብእንዳ 72 ዝፍለጥ መሓውራት ወተሃደራዊ ስለያ ብምጥያስ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት መተካእታ ዘይብሉ ራህያ ቅያታት ሰሪሑ’ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት እንዳ 72 ብስም ዳግማይ ውደባ ነቲ ብተወፋይነት ቅያን ጅግንነትን፡ ብልሕን መሃዝነትን፡ መስዋእቲ ከፊሉ፡ መዳርግቲ ኣልቦ ታሪኽ ዝሰርሐ ኣካል ስለያን ኣባላቱን ናብ ፖሊስ፡ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ እንዳ ኮማንዶን ናብ ካልኦት ክፍልታትን ፋሕ ክብል ተገይሩ፡፡ ብፍላይ “ቶም ሕልናዊን ሓላፍነታዊን ስምዒት ሒዞም ኣብ ምምስሳል፡ ምውዳብ፡ ስልኳታት ኣብ ምክያድ፡ ብተወፋይነት ንጸላኢ ዘርዕድ ቅያ ዝሰርሑ ኣባላት እንዳ 72 ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ ዘየድምዕሉ ጽፍሕታት ብምምዳብ፡ ክበታተኑ፡ ክድስክሉ፡ ክእሰሩ፡ ክደሃሉ ደይ መደይ ተባሂሉ ተሰሪሒሉ’ዩ፡፡ ጠንቂ ምድኻም እንዳ 72 ማዕረ ኢሳይያስ ህቡባት ሓለፍቲ ስለዝበርዎን እቲ ረቂቕ መስርሕ ዝኽተል ኣሃዱ ከም ስግኣት ንዕምሪ ስልጣን ኢሳይያስ ተገይሩ ስለተወስደ “ኣንፈቶም ኣጥፊኦም” ብዝብል ምስምስ ክፈርስ ተገይሩ፡፡ ድሕሪ ምፍራስ እንዳ 72 ኣብ ሃገርና ዝቖማ መሓውራት ስለያ ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን ንውሓስ ዘይኮነ ብቀንዱ ንህዝብና ግዳይ ኣደራዕ፡ ስቓይ፡ መከራን ስደትን ብምግባር ዕምሪ ስልጣን ኢሳይያስ ንምንዋሕ ዝዓለማ’የን፡፡

ቀስብቀስ’ውን ብስም ጸጥታ (ወኪል ሃገራዊ ድሕነት) ኣብ ሃገርና ዝቖመ ኣካል፡ ህዝባዊ መትከላት ራሕሪሑ ናይ ምድንጋር ጨለታት ዘለውዎ ብምህዞን ሓሶትን ጠቐነን ስኽፍክፍ ከይበሉ ስልጣኖም ተጠቒሞም ዜጋታትና ዘጽነቱ፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝደብዩ፡ ናይ እንዳማቶም ታሪኽ ናይ ባዕሎም ኣምሲሎም ዝኳሓሕሉ መጋበርቲ ምልኪ ተመሊኡ፡፡

ካብ ሎሚ ጀሚረ ንዝተወሰኑ መዓልታት ብተኸታታሊ ብዛዕባ መንነት ላዕለዎት ሓለፍትን ክፋእ ተግባራትን ስለያ ምክልኻልን ግንባርን ከቕርብ’የ፡፡

1. ህልው ኩነታት ወተሃደራዊ ስለያ ንዓመታት ብስማዊ ሓላፊ ብ/ጀነራል ከስተብርሃን ገብረሂወት መብራህቱ (ሻለቃ) ክምራሕ ዝጸንሐ ስለያ ምክልኻል፡ ክሳብ 2009 ኣብ 5 ዞባታት ዝተወደበ ቅርጺ ነይርዎ፡፡ እተን ዞባታት፡ ዞባ 01፡ 02፡ 03፡ 04፡ 05 ተባሂለን ይጽዋዓ፡፡ ከም መብዛሕትኦም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ስለያ ምክልኻልን ግንባርን ተወዚዖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ካብ “ዋርሳይ” ክሳብ “ይከኣሎ” ዘለው ኣባላት ሃሞኦምን ቀልቦምን ወርተግ ነታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ኤርትራ ገይሮም ሰላማ ንምውሓስ ብዓቕሊ ይነጥፉ ነይሮም፡፡ ድሕሪ ግዜ ግን እቲ ኣባል ብስም “ምውሓስ ጸጥታ ሃገር” ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈናታትን ጭውያታትን ክፍጽም ይግደድ ስለዝነበረ ምስ ኩሉንትናዊ ባህርያትን ፖሊሲን ስርዓት ህግደፍ እናስተውዓለ ቀስብቀስ ክኹብልል፡ ክስደድ፡ ክብተን ጀመረ፡፡

ድሕሪ 2009 ስለያ ምክልኻል ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክጥርነፍ ምስተገብረ እተን 5 ዞባታት ናብ 3 ዞባታት (ዞባ 01፡03፡ 05) ተጨፍሊቐን፡፡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ምስተጠርነፈ’ውን እቲ ክፋእ ተግባራት ንምፍጻም ዝያዳ ክቕጽሎ ስለተቐሰበ ኣባል ስለያ ምክልኻል ኣሃድኡ እንዳራሕረሐ ምህዳም ቀጸለ፡፡ ኣብ 2009 ወርሒ 11 ኣብ ዝተሰርሐ ጸብጻብ እቲ ኣሃዱ፡ 63 ሰብ መዓርግ፡ 838 ብሓላፍነት ተመደቡ፡ 1627 ተራ ኣባላት፡ 43 ሲቪል ሰራሕተኛታት ብጠቕላላ 2,571 ኣባላት ነይሮሞ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ስለያ ምክልኻል ሙሩጻት ኣባላቱ ብመስተ ተጠላቕዮም፡ ብሕማም ብሞት ብምድስካል ተጀሊፎም፡ መትካላትን ብልጫታቱን ተዳኺሙ፡ ብዓቕሚ ሰብ ማህሚኑ ናይ ምግባር ዓቕሙ ባይታ ዘቢጡ ይትረፍ’ዶ ሃገር ክሕሉን ንጻላኢ ከማዕዱን ንባዕሉ’ውን ከም ኣካል ንኽቅጽል ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ’ሎ፡፡ ኣብ 2015 ወርሒ 12 ዝተሰርሐ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ጠቕላላ ዓቕሚ ሰቡ ናብ 716 ወሪዱ፡፡ እቲ ዝርካቡ ከኣ ነቲ ዝቖመሉ ቀንዲ ወተሃደራዊ ዕላማ ሓዲጉ ኣብ ተራ ስቪላዊ ምጽንጻናትን ውዲታትን ክሳተፍ እንዳተገደደ ከም ሃገሩ መናውሒ ዕድመ ምልኪ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ስለዚ ነዚ ንሃገር ዘይኮነስ ንምንዋሕ ስቓይ ህዝብናን ዕድመ ምልክን ዘቖመ ኣካል እቲ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ዝምነ ደላይ ለውጢ ምእንቲ ክፈልጦ ንሎሚ ብዘዕባ ስለያ ምክልኻል ዝምልከት ሓበሬታ ክዝርግሕ ተገዲደ ኣለኹ፡፡

2. ቀንዲ ሓለፍቲ ስለያ ምክልኻልን ተግባራቶምን ማእከላይ ቤ/ጽሕፈቱ ኣስመራ ቤት ገርግሽ ገይሩ ብኣስታት 11 ጨናፍር ዝቖመ ወ/ሃ/ድሕነት- ስለያ ምክልኻል: ብብር/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ እንዳተመርሐ ኣብ ትሕቲኡ ከኣ ኮሎ ኣስመላሽ ገብረመስቀል (ወዲ ሓፍቲ) ሒዙ 3 ዞባታት ይጥርንፍ፡፡ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ፡ ጨንፈር ምምሕዳር፡ ፋይናንስ፡ ምልክት፡ ጸረ ስለያ፡ ሕርሻ፡ ሕክምና፡ ታዕሊም፡ ካርታን ሓበሬታን፡ ተሃድሶን ክፍሊ ትምህርትን ይጥርነፋ፡፡

ብሚስጢር ካብ ዝተሓዝ ሰነዳት ሓደ ዝኾነ ንኡስ ኦርኒክ ሓለፍቲ ስለያ ምክልኻል ንሎሚ ብቀጥታ ይፍንወልኩም፡፡ እዚ ሰነድ ኣብ 2004 ዝተዳለወ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ዘይተመሓሸ ዝርዝር ኣብ 5ቲአን ዞባታት ተመዲቦም ዝነበሩ ሓለፍትን ኣባላትን ስለያ ምክልኻል ይገልጽ፡፡ ገለ ኣብዚ ሰነድ ዘለው ኣባላት በሞት፡ ብምድስካል፡ ብስግረ-ዶብ ዝተኣለዩ ኮይኖም ኣብ ባይታ ብዙሕ ምቅይያራት ተገይሩ’ዩ፡፡ ኣቕዲመ ከም ዝገለጽኩዎ ነዚ ሰነድ ዝዝርገሓሉ ምኽንያት ኣብ ሃገርና ዘለዋ መሓውራት ስለያ ንመስረታዊ ተልእኾአንን ዕላማአን ገዲፈን ኣብ ምንዋሕ ዕደመ ስልጣን ምልክን ስቓይ ህዝብናን ስለተዋፈራ’የን፡፡ ኣብዚ ክንርደኦ ዝግበኣና ጉዳይ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ዘሎ ኩሉ ኣባል ገባሪ ክፉእ ማለት ኣይኮነን፡፡

ኣብ ቀጻሊ ክፋእ ተግባራት እዚ ስለያዊ መሓውር ክገልጸልኩም’የ፡፡ ኣቐዲመ ከምዝሓበርኩዎ ነዛ ፔጅ ንምዕጻው ዝካየድ ህግደፋዊ ውዲት ይቕጽል’ሎ፡፡ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ተምሃሮ ማይነፍሒ፡ ሰራሕተኛታት ኤሪማክ፡ ቤ/ጽ ፕረሲደንት፡ ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ደገ ዘለው ደገፍትን ሰዓብትን ወዲቦም ናብ ፌስቡክ ጥርዓናት ብምልኣኽ ንግዚኡ ናብ ጉሩፓት (Groups) SHARE ምግባር ተኣጊደ ኣለኹ፡፡ ኣብ ቀረባ ብዌብሳይት ምፍናው ክጅምር’የ፡፡ ክሳብ ሽዑ ግን ንኹሉ ደላይ ለውጢ ክባጻሕ SHARE ምግባር ኣይትሕመቑ፡፡ ….ይቕጽል

ህደረ ጥልመት ኢሳይያስ…ቀዳማይ ክፋል

ፍሊጶስ Vs ጴጥሮስ

ብሓደ ዓመት ኣፈላላይ ጴጥሮስ ብ1951 ፍሊጶስ ብ1952 ተወሊዶም፡፡ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ መበቆል ዓዶም ኣሕሊፎም ጴጥሮስ ካብ ሳልሳይ ዓመት ዩንቨርሲቲ ብ1971 ፍሊጶስ ካብ 11 ክፍሊ ብ1972 ናብ ሜዳ ወሪዶም፡፡ ኣብ ህ.ግ ጴጥሮስ ኣባል ፖለቲካዊ ቤ/ጽህፈት፡ ፍሊጶስ ተለዋጢ ማእከላይ ሽማግለ በጺሖም፡፡ ናብ ናጽነት ጴጥሮስ እንዳ 72 ፍሊጶስ እንዳ 70 መሪሖም እዮም ኣትዮም፡፡ ክልቲኦም ታሪኽ ዘይክሕዶ ንወለዶታት ዝወራረስ ቅያ ተጋድሎ ኣሕሊፎም እዮም- ምእንቲ ኤርትራ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ጴጥሮስ ብኩሉንትንኡ ብቑዕ ሚኒስተር ፍሊጶስ ከኣ ብወተሃደራዊ ቁጽሪ 72-0890 “ሜጀር ጀነራል” ተሰሚዩ ወተሃደር ኮይኑ፡ ቀጺሎም፡፡

ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪርዎ፡ ብፍቕዲ ፊደላት ጥራሕ ተመሳሲሎም ተሪፎም፡፡ መስከረም 18/2001 እታ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሕላገት ሓዲጋ ዝሓለፈት ጸላም መዓልቲ፡ ፍሊጶስ ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጹ ሃገር ከዕንው ህዝቢ ክህድድ፡ ጴጥሮስ ከኣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንስፖርት እንዳተዳለወ ብኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ትምራሕ ጉጅለ ተዓፊኑ ኣንጉዕኻ ናብ ዘምክኽ ጉድጓድ ክወርድ ተፈሪዱ፡፡ እዛ ዕለት ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክደብዩ ማህደረ ጥልመት ዝቐልዑላ ዕለት”ያ፡፡

ጉዕዞ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ድሕረ-2001

እቲ ጎበታትን መሮርን ጥሒሱ ኣብ ምውሓስ ናጽነት መተካእታ ዘየነበሮ እጃም ዘበርከተ ጴጥሮስ ሰለሙን ካብ 2001 ክሳብ 2003 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንባትካላ፡ ካብ 2003- 2016 ከኣ ኣብ መዓሙቕ ምድረ-ዒራዒሮ ይርከብ፡፡ ድሕሪ ቀይዲ “ጉጅለ-15” ርኻብ ኢሳይያስ ዝረገጸ ፍሊጶስ ኣብ መሬት ኤርትራ ካብ ኢሳይያስ ቀጺሉ ገባሪ ሓዳጊ ኮነ፡፡ ካብ 2001 ንደሓር ፍሊጶስ ኣዛዚ ስርሒታት ዞባ 2ን 5ን፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚን ሓለቓ ስታፍ ሓ/ም/ኤርትራን ብምኻን ቦታን ጽፍሕን እንዳቀያየረ ብኢሳይያስ ዝተመጠወሉ ናይ “ጀነራልነት” መዓርግ ወሲኹ ካልኣይ ኣባጓይላ ጥልመትን ጥፍኣትን ኤርትራ ኮይኑ ቀጸለ፡፡

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ካብ ክ/ሰራዊት ክሳብ እዚ ዝተዘርገሐ “ጨንፈር ኣፍረይቲ ወይ ንግዳዊ ትካላት” ዝበሃል ሕርሻ፡ መፍረ ጥሪትን ድኳናትን ዝሓዘ ዋንነቱ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾነ ኣወዳድባ ኣሎ፡፡ ጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት ኣታዊታቱ ኦዲት ተገይሩ ዘይፈልጥ ብናጻ ጉልበት ሰራዊት ዝዕየን ዝፈርን ማእለያ ዘይብሉ ማል ዝውንን ምንጪ ኣታዊታት ካብ ኣዘዝቲ ክ/ሰራዊት ንላዕሊ ዘለው ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት እዩ፡፡ብጉርሒ ዝልለ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ዘዝተመደበሉ ጽፍሒ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሓላፊ ብጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት ዝርከብ እቶት ብዘይሓታቲ ንውልቁ እንዳውዓለ ማእለያ ዘይብሉ ርእሰማል ኣጥሪዩ እዩ፡፡ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02፡ 05፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዝ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻልን ኮይኑ ኣብ ኣብ ዘገልገለሉ ጽፍሒታት ኩሉ ፍልፍል ኣታዊታቱ፡

1. ጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት (ሕርሻ ዓዲ ዑመር፡ ኣስመራ ፍላዎርስ፡ ድኳናት ቀሓውታ) 2. መሸጣ መንቀሳቐሲ ብፍላይ ዘመድ ኣዝማዶም ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ዜጋታት ምስ ወዲ ማርቆስ (ሓላፊ ጨንፈር ተወርዋሪ እዚ)፡ ኮ/ል ብርሃነ (ወዲ ውነሽ- ጸሓፊ ቤ/ጽ ጀነራል - ባለነኪ) እንዳተማሳጠረ ናይ ቦርድ: Unfit፡ ምፍናውን ወተሃደራዊ መንቀሳቐሲን ወረቓቕቲ ይሸይጥ፡፡ 3. ኣባል ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ጸጥታ ስለዝኾነ ብምስምስ ሃገራዊ ጸጥታ (National Security) ገለ ዜጋታት ካብ ሃገር ከይወጹ ኣብ ኢሜግረሽን ኣብ Black List ክኣትው እንዳገበረ ኣሰናቢዱ ብመርበባቱ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ የኻዕብት፡፡ ብከምዚ ዓይነት መገዲ ኣብ 2009ን 2012 ካብ ደገ ዝኣተዋ ኣዋልድ ኤርትራውያን ኣስማተን ኣብ Black list ክኣቱ ብምግባር ካብ ሃገር ከይወጻ ከልኪሉ ኣብ መወዳእታ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ክወጻ ፈቒዱለን፡፡ (ንኽብሪ እተን ኣሕዋት ክብል ኣስማተን ካብ ምርቋሕ ተቖጢበ ኣለኹ፡፡ ዝኸበርክን ኣሓት ኣብ ዘለኽን ሃሊኽን ብ Inbox ክትረኽባኒ ይጽበ፡፡) ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ክልተ ትሕቲ ዕደመ ኣዋልድ ብግዝያዊ ረብሓ ኣታሊሉ ኣጥኒሱ ብሕቡእ ከውርዳ ገይርወን እዩ፡፡ (ነዚ ጉዳይ ትፍልጡ ደቂ ኣስመራ ብፍላይ ደቂ ገዛ ማንዳ ብ Inbox ክትረኽቡኒ ይጽበ፡፡) 4. ጀነራል ፍሊጶስ ልዕሊ ዝኾነ ዝዓበየ ምንጪ ኣታዊታቱ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዘማሓድረን ቤት ማእሰርታት ዝረኽቦ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ካብተን ዜጋታትና ዘሳቐያ ቤት ማእሰርታት ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ዓላ፡ ዓዲንፋስን ካልኦትን ዝቕየዱ እሱራት ብስም መርመራ በዓል መርማሪ ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ካሕሳይ፡ ሚኪኤለ ኢሳቕን ካልኦትን መሰረት ብምግባር ብመልክዕ ህያብ፡ ትሕጃ (ዋሕስ) ማእለያ ዘይብሉ ኣታዊታት ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡

ድሕሪ ቀይዲ ጴጥሮስን ብጾቱን ስልጣኑን ጅብኡን ዘርጎደ ፍሊጶስ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከም ተንኮለኛን ኣርሒቑ ዝእምትን ገይሮም ይሓስብዎ፡፡ ኢሳይያስ ‘ውን ማዕረኡ ሰብ ከጋፍዕን ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ሃገር ክግሕጥን እንዳረኣየ ከምዘይረኣየ ዓገብ ከይበሎ እኳ ደኣስ ስልጣን እንዳወሰኾ ይርከብ፡፡ ግን ብሕቡእ ምስ ፍሊጶስ ምጉርፋጥ ዘለዎም ከም በዓል ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ፡ ኮ/ል ዮናስ ብጹእኣምላክን ሌ/ኮ ሓድሽ ወለላን ብተናጸል መዲቡ ይጸናጸኖ እዩ፡፡ ንኹሉ ፍልፍል ኣታዊታት ተጠቒሙ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋን”ዚ ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ይነብሩ ኣለዉ፡፡

ብኣንጻሩ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኣ ተትምስክር ብኣበርክትኡን ብሃገራውነቱን ልዕሊ ፍሊጶስ ዘገልገላ ጴጥሮስ ሰለሙንን ስድራቤቱን ታሪኾም ተረሲዑ ወለዲ ናብ ጉድጓድ ውላድ ናብ ስደት ዘምርሕሉ ዘሕዝን ታኽሪ ተራኢዩ፡፡ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ነፍሰወከፎም 4 እዮም ወሊዶም፡፡ ክልቲኦም ስምኦን ዝኣስማቶም ኣወዳት ኣለውዎም፡፡ ወለዲ ጴጥሮስ ሰለሙን (ኣቦይ ሰለሙን ተኽለን ወ/ሮ ምሕረት ገብረሚካኤልን) ንናጽነት ኤርትራ ክልተ ኣወፊዮም ሃናን ጴጥሮስን፡፡ ሃና ሰለሙን ቅድሚ ናጽነት ተሰዊኣ፡፡ ሳራን ሳባን ዝበሃላ ኣሕዋቱ ኣብ ትሕቲ ስውር ክትትል ሃገራዊ ድሕነት ኮይነን ከምዘይ ዜጋታት ተሸቂሪረን ይነብራ ኣለዋ፡፡ ኣስቴር ሰለሙን ኣብ 2002 ብሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ሓላፊ ኣካል ሓለዋ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ትካላትን ዝምርሑ ኣባላት ስውር ክትትል ክገብሩላ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብ 2002 ካብ ሃገር ወጺኣ ተሰዲዳ፡፡ ኤልሳ ሰለሙን ትበሃል ሓፍቱ ውን ኣብ ስደት ትርከብ፡፡ ኣብ ጸብጻባት ሃ/ድሕነት ከምተገልጸ (ክትእሰር ከላ ጓል 44 ዓመት) ሎሚ ጓል 58 ዓመት ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ተጋዳሊት ኣስቴር የውሃንስ መብራህቱ ኣብ 1980ታት ናብ ህ.ግ ዝተሰለፈት እያ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ተፋንያ ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ተመዲባ ነይራ፡፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ኣመሪካ ከይዳ ተማሂራ ምስተመልሰት ብዕለት 11/12/2003 ካብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ፍዮሪ ሒዞም ዝጽበዩዋ ደቃ ገጽንገጽ ከይተራኸበት ገና ካብ ነፋሪት ምስወረደት ብኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ ብዝተኣዘዙ 4 ኣባላት ሃ/ድሕነት ብመኪና ተዓፊና ተወሲዳ፡፡ ኣብዛ ዕለት ዓፊኖም ዝወሰድዋ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃ/ድሕነት ብሜጀር ነጋሲ ኪዳነ ትምራሕን ኣብ ቅትለት ኢትዮጵውያን ልዑል ተራ ዝነበሮ በርሀ ባሻይ (ወዲ ባሻይ)ን ዝርከብዋ ጉጅለ እያ፡፡

ኩነታት ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስ ኣብ ካርሸሊ፡

ኣብ ዝተኣሰረትሉ ሰሙን ብሜጀር ካሕሳይ በየነ መርመራ ተገይሩላ እዩ፡፡ ኣብ እዋን መርመራ ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት “ሰብኣየይ ኣሲርኩም ደቀይ በይኖም ስለዝተረፉ ሃገረይ ከገልግልን ደቀይ ከናብን መጺአ” እንዳበለት ንመርማሪ ወዲበየነ ትምልሰሉ ነይራ፡፡ ናብ ካርሸሊ ሼላ ቁጽሪ 31 ምስተደርበየት ግን ሓያል ስንባደን ጸቅጢን ገይራ፡፡ “ከምዚ ድዩ ህዝባዊ ግንባር! ነዚ ዲና ተጋዲልና!!” እናደበለት ክተማርርን ክትበክን ጀሚራ፡፡ ኣስቴር ንፈለማ ሒደት ዓመታት ምስ ሞራላ ተስፋ ኣይቆረጸትን ነይራ፡፡ ቀስበቀስ ግን ዓመታት እንዳወሰኸ ናብራ ካርሸሊ እንዳመረረ፡ ይትረፍ ንወዲ ኣዳም ንሰይጣን ኳ ዘይትመነዮ ብጀካ ማይ ዝበዝሖ ዓደስን ዝነቀጸ ባንን ካብ ዓይነታት ምግቢ ተሓሪማ፡ ብጀካ ሓንቲ ሓሙስ መዓልቲ ካብ ደገ ዝኣተወላ ክዳን ካልእ ቅያር ልብሲ ዘይብላ፡ ብመቑነን ካብ ዝተመደበላ ብጀካ ናይ 15 ደቓይቕ ጸሓይ ብርሃን ዝተሓረማ፡ ኩሉሻዕ ኣብ ጸልማት ገዛ ትነብር ንጨና ዝኾና መታዕልልቲ ዘይብላ፡ ከም ጓል ኣነስተይቲ ንጽሬት ደቂ ሂዋን ዘድሊ ዘይቀርበላ ቅይድቲ እያ፡፡

መብዛሕትና እቲ ቀደም እንፈልጦ ውቅብ መልክዓን ምስላን ተደዊኑ ዘይሙሱል መሲላ ኣእሙርኣ ስሒታ ሌትን መዓልትን ብጀካ ኣውያትን ብኽያትን ካልእ የብላን፡፡ ከም ኣስቴር ሓሳባ ብኣግባቡ ክትገልጽ ዘይትኽእለሉ፡ ሓሓሊፉ ዕርቃና ትወጸሉ፡ በይና እንዳተዛረበት ለይትን ቀትርን ብንብዓት እንዳተሓጸበት ብእህህታን ስቓይን ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይና ኣብዚ እዋን ንህይወታ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ትርከብ፡፡ መቸስ ፈጣሪ ኢልዎ ዝወረዳ ስቓይን መከራን ንህዝባ ትገልጸሉ፡ ብዘይ ወለዲ ዝተረፉ ደቃ ትሓቕፎሉ ግዜ ይሃባ፡፡

ኣብ ቀረባ ብፈላይ ደድሕሪ ተቓዉሞታት ጀነቫ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ላዕለዎት ሓለፍትን ሓያል ሻቕሎት ስለተፈጠረ ኣብ ልዕሊ “መንግስቲ ኤርትራ” ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተወሰኑ ውሳነታትን ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን ከም መወከሲ ኣብ ደገ ዝነብሩ ደቂ አባላት ጉጅለ-15 ስለዝጥቀሙ “ስድራቤት ኣባላት “ጉጅለ-15” ሃለዋቶም ይጸንዑ” ዝብል መምርሒ ስለዝወረደ ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ሓለፍቲ ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን ኮ/ል ኣማኒኤል ልጃም (ወዲ ልጃም)ን ሜጀር ብርሃነ ምስግና (ባህሊ) ብዝመርሕዎም ኣባላት መጽናዕቲ ተኻይዱ፡፡ ብውጽኢቱ ደቂ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ (ዘርኣይ ጴጥሮስ፡ ሃና ጴጥሮስ፡ መኣዛ ጴጥሮስን ስምኦን ጴጥሮስን) ሓዊሱ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ስድራቤታት “ጉጅለ-15” ኣብ ቀረባ ካብ ሃገር ከምዝወጹ ተፈሊጡ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ጓል መስፍን ሓጎስ (ኤልሳ መስፍን ሓጎስ) ኣብ ገለ እዋን ምስ ሓደ ዓርካ ንሱዳን ክተሰግር ተጠርጢራ ኣብ ጋሽ ባርካ ተታሒዛ ከይተኣስረት ኣጋጣሚ ንስራሕ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ሰሚ ከይትእሰር ምግባሩ ተጠቒሱ፡፡

ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪርዎ፡ እዋን ወጮ ተገምጠል ኮይኑ ሐደ ኣብ ጉድጓድ ሓደ ኣብ ምህዳድ ህዝቢ ይርከብ፡፡ ብተወፋይነት ተመሪሖምን መሪሖምን ተቓሊሶም ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ዘይትካእ ኣበርክቶ ዘወፈዩ ደቂ ህዝቢ “ስልጣን ካብ ኢድ ወልቀ መላኺ ናብ ህዝቢ ይሰጋገር” ስለዝበሉ ናብ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪ ተደርቢዮም ጠፊኦም፡፡ ስድራቤታቶም ከምዘይ፡፡ ሃገር ፋሕ ብትን ኣትዩዎም ግዳይ ስደት ኮይኖም፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሃገርና ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጾም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝዕንድሩ ዘለዉ ከም በዓል ፍሊጶስ ዝኣመሰሉ ሒደት ሓለፍቲ ናይ ትማል ረሲዖም ህዝብን ሃገርን ናብ ድቕድቕ ጸልማት ይሽምምዎ ኣለው፡፡

ስለ ሃገር ዝተበጀው ትሕቲ ምድሪ ኣሰፊሮም፡ ሕድሪ ስወኣትና ተጠሊሙ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ብስም ሃገር እንዳሸቀጠ ካብዝን ካብትን ብዝገበቶ ንዋት ሃገር ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ይነብሩ ኣለው፡፡ባዕሎም ዘውጽዎ ሕጊ ኣይምልከቶምን ፡ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን እንዳተመላለሱ ኣብ star hotels እንዳተዘናግዑ፡ ከምድላዮም እንዳተማሃሩ ይርከቡ፡፡ እምበኣር ንሎሚ ንምንጽጻር ኩነታት መነባብሮ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ተወሳኺ መወከሲ ክኾነኩም ቀጺሉ ዝቐርብ ስእልታት ተዓዚበብኩም ፍርድኹም ሃቡ፡፡ ክቡራት ነበብቲ ደቂ ሓለፍቲ ብገበን ወለዶም ዋላ ተሓተቲ ኣይኩኑ ‘ምበር ብመለኸቲ ዝተዘምተ ሃብቲ ህዝቢን ሃገርን ገለ መዓልኡ ኣበይ ከምዝኾነ ንምግላጽ ይቐርቡ ምህላዎም ክሕብር ይፈቱ፡፡ to be continued....SHARE

ብደም ንጹሃን ዝሰወዱ ቀንዲ ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ካብ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝደበየ፡ ቀንዲ ኣባጓይላ ገባሪ ሓዳጊ ሓደ ውልቀ ሰብ እዩ - ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡፡ ኣብ ምጽናት ወለዶታትናን ምብሕጓግ ክብርታት ሃገርናን ብመሪሕነት እቲ ኣባጓይላ ተኣዚዞም፡ ዝኾነ ይኹን ውሳነን ስጉምትን ዘተግብሩ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታ ተባሂሉ ዝስመ ዝተወደቡ 6 ሓለፍቲ ኣለው፡፡ ኣባላት’ዚ ኣካል ከኣ፡ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኮሎ/ተስፋልደት ወልደስላሰን’ዮም፡፡ እዞም ብደም ንጹሃን ዝሰወዱ ቀንዲ መራሕቲ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊን ምምሕዳራዊ ተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ተመዲቦም ክሰርሑ ብወግዒ ዝተመደቡ እንተኾኑ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ግን ብኢሳይያስ ኣብ ዝምራሕ ሕቡእ ሓይሊ ዕማም ጸጥታ ተወዲቦም ስትራተጅካዊ ውሳነታት ዘተግብሩ መትኒ ጉጅለ ኢሳይያስ’ዮም፡፡ ኣብ ሃርና ብስም ምውሓስ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነጥፍ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ትካል ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናይ ሃገራትን ህዝብታትን ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን ንምውሓስ (National Interest & National Security) ሓላፍነት ዝተውሃቦ ሕጋዊ ጸጥታዊ ትካል ክህሉ ንቡር እዩ፡፡ ኪኖ እዚ ዕላማ ኣንጻር ዜጋታትናን ታሪኽናን ዝቖመ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብውሽጡ ብዙሕ ናይ ክፍኣትን ጥፍኣትን ሚስጢራት ዝሓዘ ትካል እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ትካል ከኣ ክፍሊ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ፡ ክፍሊ ጠላፋ (ባዶ 2)ን ክፍሊ ወተሃደራዊ ስለያን ዝበሃል ኣወዳድባ ኣሎ፡፡ ነዘን ዝተጠቕሳ ክፍልታት ዝመርሑ ቀንዲ ሓራምዝ ንሎሚ ብዝተወሰነ ደረጃ ከላልየኩም እፈቱ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታትን ውዳበታትን ተመዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ፡ ስቓይን ኣደራዕን ዘብጽሑ ዘለው ብደም ዝተሓጸቡ ቀንዲ ገበኛታት ብስእሊ ተሰኒዩ ከምዚስዕብ ቀሪብልኩም ኣሎ፡፡

1. ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲ ካሳ) ዕድመ ኣስታት 67 ኮይኑ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰል ዜጋታትን ካልኦትን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ካብቶም ቀንዲ ተሓተቲ ላዕለዎት ኣባላት ጉጅለ ኢሳይያስ ሓደ’ዩ፡፡ 2. ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል መዓሾ ብ1954 ተወሊዱ፡ ሓላፊ “ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ” እዩ፡፡ ካብ 2010 ጂሚሩ ሓላፊ ፖሊስ፡ ኢሜግረሽን፡ ኣየር ሰኩሪቲ፡ ውሽጣዊ ጸጥታን ብምኻን ይሰርሕ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰላት ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ካብቶም ቀንዲ ተሓተቲ ላዕለዎት ኣባላት ጉጅለ ኢሳይያስ ሓደ’ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ብ/ጀ ስምኦን ኮይኖም ብስም ሃገራዊ ጸጥታ ንዝውሰኑ ውሳነታት ተቐቢሎም ዘተግብሩን ዝፍጽሙን ቀንዲ ሓለፍቲ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ከኣ ዝስዕቡ’ዮም፡፡ • ኮሎ/ወልደዝጊ ባህታ • ኮሎ/የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ) • ኮሎ/ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) • ሌ/ኮ ፍጹም የውሃንስ • ኮሎ/ የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ)፡

3. ኮሎ/ ጋይም ተሳፋሚካኤል- ዕድመ 59 ዓመት፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ወጻእ ስለያ’ዩ፡፡ ንሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብምድጋፍ ብዝነበሮ ልዑል ተራ፡ ሃገርና ንተደጋጋሚ እገዳ ካብቶም ዝሸመሙ ሓለፍቲ እዩ፡፡ ኣብ ተፈላለዩ ሃገራት ኣንጻር ጉጅለ ኢሳይያስ ዝካየዱ ተቓዉሞታት ሰባት ብምውዳብን ስልኳታት ብምክያድ ናይ ምብትታንን ምብርዓንን ተልእኾ ዝተውሃቦን ዘፈጽምን ሓላፊ’ዩ፡፡ ኣብ ወጻእ ካብ ማሕበረ ኮም፡ YPFDJ፡ ሃማደኤ ካልኦት ውዳበታትን ሰባት ብምውዳብን ብምውፋርን፡ ብሓደ ወገን ነተን ማሕበራት ብሕቡእ ክስልዩ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቓዉሞታት ካብ ደገን ካብ ውሽጢን ሰባት ብምውዳብ ይሓናኽር፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሶሻል ሚዲያ (Facebook, Twitter, pal talk and websites) ዝተፈላለየ ኣካውንት ከፊቶም ንምንቅስቓሳትን ተቓዉሞታትን ደለይቲ ፍትሒ ዘዛብዑ፡ ዘይተገብረ ከምዝተገብረ ኣምሲሎም ንህዝብና ዘደናግሩ፡ ኣብ ልዕሊ መሪሕት ተቓወምቲ ቀጻሊ ጸለመታት ዘካይዱ ሕቡኣት ኣባላት ዝውድብ፡ ዘዋፍር፡ ባጀት ዝስልዕ፡ ዝከታተል ላዕለዋይ ሓላፊ እዩ፡፡ ብመሰረት’ዚ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ወጻኢ ስለያ ዝእለያን ዝምአከላን ዝተፈላለየ መደባት “መንግስቲ” ዘተግብራ ኣስታት 7 websiteታትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ሶሻል ሚዲያታት ኣለው፡፡ ኩቡራት ነበብቲ ብዛዕባ’ዞም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ጭንፈር ወጻእ ስለያ ተወዲቦም ዝነጥፉ ሰባት ዝርዝር ኩነታት ሓደ መዓልቲ ከቕርበልኩም ቃል ይኣቱ፡፡ 4. ኮሎ/ ኣስመላሽ ገብረመስቀል ወልደገብሪኤል (ወዲሓፍቲ) ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት/ ስለያ ምክልኻል እዩ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝርከብ ሰነዳት ከምዝሕብሮ ውልቃዊ ኦርኒክ ወዲ ሓፍቲ ወታ. ቁጽሪ 755297 ፡ ዕለት ልደት 15.01.1954፡ መዓርግ ኮሎኔል 2 ደረጃ ትምህርቲ መሃይም ከምዝኾነ የረጋግጽ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ብእንዳ ስለያ ዝፍለጡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርታት ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኑ ኣብኣተን ንዝፍጸም ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታትን ስቅያትን ካብቶም ቀንዲ ተሓታቲ ሓደ’ዩ፡፡ 5. ኮሎ/ ማና ኣርአያ ጋርዛ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት/ ስለያ ምክልኻል ከም ምክትል ኣዛዝን ሓላፊ ምምሕዳርን እዩ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝርከቡ ሰነዳት ከምዝሕብርዎ ውልቃዊ ኦርኒኩ ወታ. ቁጽሪ 773403 ፡ ዕለት ልደቱ 01.05.1950፡ መዓርጉ ኮሎኔል 2 ደረጃ ትምህርቱ ከኣ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ከምዘቋረጸ የረጋግጽ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ብስም እንዳ ስለያ ዝፍለጡ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ካብቶም ቀንዲ ተሓታቲ ሓደ እዩ፡፡ ኮሎ/ ወዲ ሓፍትን ማና ኣርአያን ማእከላይ ቤ/ጽ ምስ ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ ኣብ ቤት ገርግሽ ይርከብ፡፡ ኣብ ቀጽሪ ቤ/ገርግሽ ፍሉይ መርመራ ዘካይድሉ underground ቤት ማእሰርቲ ኣሎ፡፡

6. ኮሎ/ ዮናስ ብጹኣምላክ ወልደኣብ ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃ/ድሕነት ከም ሓላፊ ምክትታል ዶባት ኮይኑ ብቀጥታ ምስ ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓሓሊፉ እውን ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ይራኸብ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝርከብ ሰነዳት ከምዝሕብሮ ውልቃዊ ኦርኒኩ ወታ. ቁጽሪ 7712003 ፡ ዕለት ልደቱ 16.06.1960፡ መዓርግ ኮሎኔል 3 ደረጃ ትምህርቲ ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ከምዘቋረጸ የረጋግጽ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ብስም ስልኳን ስለያን ኣብ ዶባት ዝተረኸቡ ዜጋታትና ብምእሳርን ብምዕፋንን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ዘወብጸሐን ቅትለት ዝፍጽምን ሰብ እዩ፡፡ ምስ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ብምኻን ኣብ ትሕቲ ምክትታል ዶባት ዝርከባ ቤት ማእሰርታት ከም በዓል ኣደርሰር፡ ተሰነይ፡ ሓሽፈራይን ከረንን ዝተፈላለየ ግፍዕታት የውርድ፡፡ ንተቓወምቲውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ምውሃህድን ምውዳብን ይሰርሕ፡፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣንጻር መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዝጽሕፍ ተስፋይ ገብረኣብ ንዝተብሃለ ደራሲ ንጓሉ ኣመርዒይዎ ኣሎ፡፡ ተወሳኺ ኮሎ/ ዮናስ ብጹእ ኣምላክ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከቡ ዜጋታት ብምዕፋን ብወዲ ያይ ዝምራሕ ዝነበረ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዝርከብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ሃገራዊ ይቕይድን የጥፍእን ነይሩ፡፡ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዝነበረ ወዲ ያይ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ንሙሉእ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዘንጸርጸረ በዓል ክፋእ ግብሪ ተለኣኣኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ምንባሩ ይዝከር፡፡

7. ሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ስለያ ሓላፊ ሕቡእ ዓፈናን ስጉምትን እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ካፒተን ሽደን መለስ ዝበሃል ካልኣይ ሓላፊ ኣለዎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ኣካል ሕቡእ ዓፈናን ስጉምትን ዝርከቡ መራሕቲ መሳርዕ፡ • ሰርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ)፡ • ሰርጌንተ ዓንዳይ መንግስትኣብ • ሰርጌንተ ግርማይ ገብረስላሰ (ኣብ ቀረባ ዝተቐየረ) ኮይኖም ኣብ ትሕቲኦም ኣስታት 30 ኣባላት ዘለውዋ ሕብእቲ ናይ ዓፈናን ስጉምትን ኣሃዱ’ያ፡፡ እዛ ኣሃዱ ካብ 2000 ጀሚራ ዝቖመት ኮይና ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታት ሃገርናን ብስውር ዝተወስዱ፡ ብጸላም ዝጠፍኡ፡ ዝተሓነቁን ሃለዋቶም ዘይፍለጡን ዜጋታት ዘጽነተት ኣሃዱ’ያ፡፡ 8. ሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ ዝመርሓ ኣሃዱ ኣብ ውሽጢ ወኪል ሃ/ድሕነት ካብ ዝርከባ ክፍልታት ፍልይ ዘብላ ኣብ ኣዚዩ ሚስጢራዊነትን ተኣማኒንትን ዝሓትት ልኡኽ ስለ ትነጥፍን ብቀጥታ ምስ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ፡ ኣብርሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ስለ ትራኸብን’ዩ፡፡ ንኣብነት ካብ 2000 ጀሚሩ፡ ኣብ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ 15፡ ኣብ ቅንጸላ መሓመድ ሓጎስ (እንዳ ኦሞ)፡ ኣብ ምክትታልን ምዕፋንን ፍቕረን ሳምሶን (ወዲ ቀሺ)፡ ኣብ ምልቃምን ምቕያድን ኣባላት ስርሒት ፎርቶ ጥሪ 21/2013፡ ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ብፖለቲካ ተጠርጢሮም ተዓፊኖም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዜጋታት በዛ ስውርቲ ኣሃዱ ዝተፈጸመ ’ዩ፡፡ 9. ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) - ኣባል ሓለዋ ሳውራን እንዳ 72 ኔሩ፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ኣካል ምርመራን ምጽራይን እዩ፡፡ ሜጀር ወዲ በየነ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ብውሽጣዊ ጉዳያትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝተፈጸሙ ክፋእ ተግባራት ኩሉ ዝሳተፍ ቀንዲ መርማሪን ወሳኒን እዩ፡፡ ወዲ በየነ ኣብ ምርሻን እውን ቀጥታ ዝሳተፍ ኢዱ ብደም ንጹሃት ዝተሓጽበ ሰብ’ዩ፡፡

ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣብ ካርሸሊ ብስም ኣኽራርነት ተጠርጢሮም ካብ ዓዲ ቀይሕ፡ ከረን፡ እንዳ ዜና፡ እንዳ ፖሊስ፡ ካብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተዓፈኑ 13 ዜጋታት፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ማይ ኣጣል ዝተረሸኑ 7 ዜጋታት ካብ ኢሳይያስን ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳን መምርሒ ተቐቢሉ ዘፈጸመ ’ዩ፡፡ (ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝምልከት ዝርዝር ኩናት ኣብ ቀጻሊ ከቕርበልኩም’የ)፡፡ ኣብ 2006 ብትእዛዝ ወዲ በየነ ኣብ ማይ ኣጣል (ከባቢ ጋሕቴላይ) ኣብ ሓደ ለይቲ ብድምጺ ኣልቦ ብረት ተረሺኖም ኣብ ሓደ ጋህሲ ካብ ዝተቐብሩ፡ ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ነበር ሸልሸል፡ እቲ ህቡብ ደራፋይ (ትግረ) እድሪስ መሓመድ ዓሊን ሲዲግ ዝተብሃለ ካብ ባረንቱ ዝመጸ ዜጋን ከም ኣብነት ምግለጽ ይከኣል፡፡

ብወዲ በየነ ትምራሕ ኣካል መርመራን ምጽራይን ብቐንዱ ብጉዳይ ፖለቲካ ዝተጠርጠሩ ኣብ መርመራን ስጉምቲ ምውሳድን ትሳተፍ ነይራ፡፡ ቅድሚ ተወሰነ ዓመታት ግን እቲ መስርሕ ምዕፋንን ርሸናን ብሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ ትምራሕ ኣሃዱ ክፍጸም ተገይሩ ኣሎ፡፡ ብወዲ በየነ ዝምርሑ ኣባላት መርመርቲ ምስ ህዝቢ ጥቡቕ ርክብ ከይገብሩ፡ ሚስጢራዊ ኣካይዳ ክጥቀሙ መመርሒ ዝተውሃቡን ተፈላለየ ናይ ሽፋን ታሴራ ዝተዓደሎምን ’ዮም፡፡ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) ካብ ዝነጥፉ ቀንዲ እሙናት መርመርቲ፡- • ዓብደል ሓሚድ መሓመድ መርማሪ ጥርጡራት ፖለቲካ ብቋንቋን ትግረን ዓረብን • መጀር ፍስሃ መርማሪ ላዕለዎት ጥርጡራት ፖለቲካ • መጀር ተወልደ (ራሻይዳ) መርማሪ ጥርጡራት ፖለቲካ • ንጉሰ (ወዲ ዓዲቀ ዕባይ ቤ/ት/ሳውራ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ስታፍ ፐርሰናል ዝነበረ) መርማሪ • በረኸት ጉዕሽ (ወዲ ጉዕሽ) ኣብ ፊት ኒያላ ሆቴል ዝርከብ ቤ/ጽ ዝነበረ መርመሪ ፖለቲካን “ብልሽውና ” ን • ፍጹም (ወዲ ዒላ በርዕድ) መርማሪ • (ወዲ ከረን) መርማሪ ጥርጡራት ብልሽውና • ዮሴፍ፡ መርማሪ • ተወልደ ሃይለን ካልኦትን ይርከብዎም፡፡ 10. ኮሎ/ዮሴፍ ጸጋይ (ኣርከበ ወይ መምህር) ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ጨንፈር ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ወፍርታት ሃይማኖታዊ ጉዳያት እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ካፒቴን ገነት ጸጋይ (ጓል ጸጋይ) ከም ምክትል ሓላፊት ኮይና ትነጥፍ ኣላ፡፡ በዚ ኣካል እዚ ካብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብስም “ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት”፡ “መንፈስ”፡ ኣኽራርነት ተዓፊኖም ድሕሪ ምውሳድ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣመንቲ ሃይማኖት ብዙሓት’ዮም፡፡ ከም ኣብነት ብ1996/97 ካብ መላእ ሃገር ሰሌዳ ብዘይብለን መካይን ብጸላም ተዓፊኖም ዝተወስዱ ኣመንቲ እስልምና፡ ድሕሪ 1998 ዝተኣሰሩን ክሳብ ሕጂ ተዓፊኖም ደሃዮም ዘጥፍኡን ካብ ኣመንቲ ኦርቶደኩስ ፓትሪያሪክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጤንዮስ: ካብ ፕሮቴስታንት ከም በዓል ዶ/ር ፍጽምብርሃን ገብረንጉስ፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ዶ/ር ተኽለ መንግስትኣብን ካልኦት ኣመንቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ምዕፋን፡ ምጽራይ፡ ምእሳርን ምሕቃቕን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኣካል ኮሎ/ዮሴፍ ጸጋይ (ኣርከበ) ዝመርሖ’ዩ፡፡

ብካልእ ወገን ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃ/ድሕነት ኮይኑ ብቀጥታ ብብ/ ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲ ካሳ) ዝምራሕ ምክትታል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝበሃል ጨንፈር ኣሎ፡፡ ሓላፊ እዛ ጨንፈር ሞሎቲ ቢራ ሒዙ ብስእሉ ትዕዘብዎ ዘለኹም፡ ኣባል እንዳ 72 ክፍሊ ኮማንዶ ነበር መጀር ያቆብ (ወዲ ቀሺ) እዩ፡፡ 11. ኮሎ/ የማነ ኣፍወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ)፡ ኣብ እዋን ናጽነት ኣባል ከቢድ ብረት፡ ኣብ 80ታት ኣብ ጀርመን ንሕቡእ ስለያዊ ስራሕቲ ተዋፊሩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒታት ተመዲቡ ሰሪሑ፡፡

ኣብ “ወኪል ሃ/ድሕነት” ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ጸረ ስለያ፡ ቀጺሉ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ወፍሪ (ኦፕረሽን) ኮይኑ እንዳሰርሐ ይርከብ፡፡ ኮሎ/ ወዲ ኣፈወርቂ ኣዚዩ ተኣማንን ኣብ ተፈላለዩ ሕቡኣት ስርሒታት ዝተዋስአን ቀንዲ መጋበርያ ክፍእ ዝኾነ ሰብ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ምልቃም ጉጅለ-15፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸሙ ዓፈና ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ልዑል ተራ ካብ ዝነበሮም ላዕላዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ሓደ እዩ፡፡ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ዞባ ማእከል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ምቕያድ ሃፋትም፡ ጥርጡራት “ፖለቲካ”፡ ብምስምስ ዘይሕጋውነት ዝምታ ጸጋታት ውልቀ ሰባት (እንዳወርቂ፡ ኣባይቲ፡ ኣእካል …) “ኮንትሮባንድ” ን ሸርፍን ኣብ ምምራሕ ዕዙዝ ተራ ነይርዎ፡፡

ሓላፊ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝደለዮ ናይ ሓሶት ሰሌዳታት እንዳጠቀዐ ብስም ጀሃድን ሓምሻይ መስርዕን ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ኣጽኒቱ’ዩ፡፡ 12. ሜጀር ነጋሲ ኪዳነ : ኣብ ወ/ሃ/ድሕነት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊሰን ሓላፊ ጨንፈር ምክትታል ወጻእተኛታት’ዩ፡፡ ቀጥታዊ ርክቡ ምስ ወዲ ካሳ ኮይኑ ኣብ 2000 ድሕሪ “ሳልሳይ ወራር” ነበርቲ ኣስመራ ባረንቱ፡ ከረን፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ደቂምሓረ፡ ባጽዕ፡ ዓሰብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን “ምስ ወያነ ርክብ ኣለኩም” ብዝብል ምስምስ ኣብ ምልቃምን ምርሻንን ጠርናፊ ብምኻን ዕዙዝ ተሳትፎ ዝነበሮ ’ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ተመዲቦም ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ምርሻን ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን (ኣብ 2006 ጥርጡራት ሱዳናውያን) ቀጥታ ዝተሳተፉ እሙናት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት • ሜጀር ብርሃነ ግርሙ፡ • ሜጀር ወዲ ቢኒ፡ • ተለንተ በረኸት ሃብተ፡ • ሜጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር) • ካፒተን ጎይቶም ቀይሕ • ም/ተለንተ መልኣከ ሓጎስ (ሊንጎ) • ሰርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ) • ሰርጌንቲ ዓንዳይ መንግስትኣብ እዮም፡፡

13. ሜጀር ተኽለማርያም (ስኮጆ)፡ ኣብ ወ/ሃ/ድሕነት ጨንፈር ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ክፍሊ ኮምፒተር እዩ፡፡ ዝኾነ ይኹን ብቴክኖሎጂ ዝእከብን ዝርከብን ሓበሬታ ኣብ ምውህሃድ ይነጥፍ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣለው፡፡ ፈለማ ምስ ወዲ ካሳ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ ንክልተ ግዜ ናብ ሃገረ ቻይና ተላኢኹ ኣብ ጁባ ዝሕባእን ኣብ መካይን ዝጥቃዕን መጸናጸኒ ምዕዝምዛማትን ዘረባታትን ህዝቢ ኣስመራ ቴክኒካዊ መሳርሒታት ዓዲጉ መጺኡ፡፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ ኣውቶቡሳት፡ ባራት፡ እንዳ ኮካ፡ “ፖለቲካ ተዛሪብኩም ንመንግስቲ ሓሚኹም” ተባሂሎም ብኣልማማ ዝተቐየዱ ዜጋታት ሜጀር ተኽለማርያም (ስኮጆ) ብዝመርሖም ኣባላት ተጠቋሞም ዝተቐየዱ ‘ዮም፡፡ …..ይቕጽል….. ከምቲ ልሙድ ነዛ ፔጅ Like & Share ብምግባር ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ዜጋታትና ክትበጽሕ እላ

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. abdo.php

    http://www.ehrea.org/abdo.php

    Preserved local original · source record 0954c566dead38d59f328b43

    SHA-256: 30a54489ef1def7f4e684c96a2fcf0ddf7cb364455afc5ba47e5f5b49daee701

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: e063240006321f82de0acab4599894c131e065d47d2d0e6b5da157c9b36430f6

Alternate titles: abdo.php · 8 March at 15:55

  • 0954c566dead38d59f328b43: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions