Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ

Source excerpt: እቲ መቓብር ናይ 4 ስደተኛታት 30 ኪሚ ደቡብ ናይ ነኽል እትብሃል ከተማ ኢዩ ተረኺቡ።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Cite a section

Section links use existing reader headings. The sources describe the whole document; paragraph attribution is not established. Add this archive’s address when sharing its local paths.

  1. ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ

    ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ, ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ. EHREA archive: /library/documents/doc-0798a3e9ef1fea096de97424/#b-9477d3c1a854a7c595d7d526. Document-level sources apply; paragraph attribution is not established.

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: bcf9404300a15744533c48849e36bc66fb25c98b2c81d93759a5e9ad36ef7373. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ

ቀዳማይ ክፋል

ላሕዛ ቢላሕዛ

እቲ መቓብር ናይ 4 ስደተኛታት 30 ኪሚ ደቡብ ናይ ነኽል እትብሃል ከተማ ኢዩ ተረኺቡ። ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ኣልተያሃን ኣልናኽላውን ካልኦት ንኣሽቱ ቀቢላታት ይነብሩ። እታ ዝዓበየት ቀቢላ ኣልተያሂ፡ ነቶም ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባትን ንግዲ ኣካላት ደቂ ሰባትን ዕጸፋርስን ተዋፊሮም ዘለዉ ገበነኛታት፡ ኣባላት ቀቢላ ነኽላውን ካልኦት ቀቢላታትን የሳጕጕዎም ኣለዉ።

ብመግለጺ መራሕቲ ቀቢላ ኣልተያሂ፡ ሰባት ተጨውዮም ኣብ ሲና ይቕተሉ ምህላዎም ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ኢና ሰሚዕና ይብሉ። እቶም 4 ዝረኸብናዮም ሬሳታት፡ ኣብ ከባቢ ሱሌማን ዓብደላ ሱሌማን ዝተባህለ ሰብ ከም መኽዘን ዝጥቀመሉ ገዛ ኢዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ’ቲ ማእሰርቲ ሃዲማ ከምዝወጸትን፡ ኣብኡ ትዕመጽ ከምዝነበረትን ገሊጻትልና። ንሕና ድማ፡ ተቐቢልና ንመንግስቲ ኣረኪብናያ፣ እዚ እቲ ንሕና ዝረኸብናዮ ኢዩ። ካልእ መቓብራት ክህሉ ግን ይኽእል ኢዩ። ምስ’ቶም ገበነኛታት ገለ ምትዃሳት ከምዝገበሩን፡ ሓንቲ መኪናን ብረትን ከምዝሰለቡ፡ ሓደ ውን ከምዝወግእይን ድማ ይሕብሩ።

ኣብ’ዚ ንግዲ’ዚ ዝተዋፈሩ ሓካይምን ክኢላታትን ከምዘለዉ ውን ይሕብሩ። ሬሳታትን ብመጥባሕቲ ዝወጹ ኣካላት ደቂ ሰባትን ዝተሓዝሎም ዓበይቲ ረፍሪጀረይተራት መዐገሚታትን (sterilizers) ከምዝውንኑን ኣብ’ዚ ንግዲ’ዚ ሓካይም ናይ ግብጽን እስራኤልን ካልኦት ዜጋታትን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ውን ኣይሓብኡን። እቶም ገበነኛታት ኣባላት ቀቢላታት ሲና ነቲ ኣካላት ሰብ ብሕሱር ኢዮም ዝሸጥዎ። እቶም ሓካይም ግን፡ ብዙሕ መኽሰብ ኢዮም ዝረኽብሉ ይብሉ።

እቶም ስደተኛታት በማእታት ብመራኽብ ገይሮም ኢዮም ኣብ ጥቓ ስዌስ ዘውርድዎም፡ ድሓር እቶም ገበነኛታት ይማቕልዎም ይብሉ እቶም መራሕቲ ቀቢላ ኣልተያሂ። ከምኡ ውን፡ ካብ 50 ዘይውሑድ ዝተነፍሐ ሬሳታት ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ከምዝተራእየ ገሊጾምለይ ይብል ሓደ መራሒ ናይ’ቶም ነዚ ገበን’ዚ ዝዋግኡ ዘለዉ ቀቢላ።

ንሕና፡ ንመንግስቲ ነጊርና ኢና። መንግስቲ ግን ሓንቲ ኣይገበረን። ብኣንጻሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከቢድ ብረት ሒዞም ነቶም ገበነኛታት ክሕልውን ክከላኸሉን ኢዮም ዝርኣዩ ይብሉ። ንሕና፡ መንግስቲ ብረት ክህበና፡ ንከባቢና ክንሕሉ ሓቲትና ዝሰምዓና ኣይረኸብናን። ብኣንጻሩ፡ ነተን ዘለዋና ብረት ንምግዳፍ፡ ካበይ ኣምጺእክምዎ፡ ናይ ኣልቃዒዳ ኢኹም እናበለኡ ኢዮም ዘሸግሩና።

ንሕና ኣብ ምድረበዳ እንነብር ሰባት ነብስና ንምክልኻል ብረት የድልየና ኢዩ። ኣብ መንጐ ቀባይል ዝፍጠር ጐንጽታት ኣሎ። ካብ’ዚ ሓሊፍና ንኻልእ ዕላማ ኣይንጥቀመሉን ኢና። ንምብራቓዊ ማዕጾ ግብጺ እንሕሉ ከኣ ንሕና ኢና። ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ፖሊስ ሃዲሞም ኢዮም። ንሕና ኢና ንጸጥታ ናይ ሲና ዝተኻላኸልና። ስለ’ዚ፡ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ሰራዊት ግብጽን ምትእምማን እንተዘይተፈጢሩ፡ ጸጥታን ርግኣትን ናይ ሲና ክሕሎ ኣይክእልን ኢዩ ይብሉ እቶም መራሕቲ ቀቢላ ኣልተያሂ።

ንዝያዳ መብርሂ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠውቑ

http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrinia-articles/2584-2011-10-31-08-44-28

ካልኣይ ክፋል

ላሕዛ፡ ቢላሕዛ ዝብሃል መደብ ተለቪዥን ግብጺ፡ ኣብ ደቡባዊ ሲና፡ ብበደዊን ጨወይቶም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተኣሲሮም ብግፍዒ እተቐትሉን፡ ከብዶም ተጓሕጊሑ እተወሰድ ሬሳታት ካብ እተቐብርሉ ቦታ ኣውጺኡ ንህዝቢ ከምዝርአ ገይሩ። ኣብ’ቲ እቶም ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቦታታት ናይ መደንዘዚ መድሃኒታት፡ ግሉኮዝ ዝተሓዘሉ ፕላስቲካት፡ ጠያይቲ፡ ናይ’ቶም ስደተኛታት ናይ መንነት ወረቐት …ወዘተ ተረኺቡ።

እቶም ነዚ ግፍዕታት’ዚ ዘቃልዑ ቀቢላ ናይ በደዊን፡ እቲ ግፍዒ ዝተኻየደሎ ቦታን ገዛን ናይ ሱሌማን ዓብደላ ምዃኑ፡ ከምኡ ውን፡ እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሓ ደቁ ከምዘለውኦን፡ እቲ ናይ ሕክምና መሳርሒታትን መድሃኒትን ብኣአን ኣቢሉ ተረኺቡ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቶም ገበነኛታት ጕዶም ምስ ተፈልጠ ካብ’ቲ ቦታ ከምዝተሰወሩ እቶም ነቲ ግፍዒ ዘቃልዑ ቀቢላ ሓቢሮም። ከምኡ ውን፡ ንስበስልጣን ናይ’ቲ ከባቢ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ቲ ቦታ እተፈጸመ ግፍዕታትን ብዛዕባ ሱሌማን ዓብደላን ከም ዝሓበሩ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቦታታት ከኣ፡ ገለገለ ኣስማት ናይ’ቶም እሱራት ኣስማትን ትምኒታትን ኣብ ከውሒ ብትግርኛ ተጻሒፉ ይርአ።

ነዚ ኣሕዛንን ኣሰቓቕን ተረኽቦ ንምክትታል ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ተጠቐሙ።

http://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=Tk5MWuRk2gg

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ

    http://www.ehrea.org/sinna.php

    Preserved local original · source record 0798a3e9ef1fea096de97424

    SHA-256: abac834c79682568fcf126bef4dbfad54d0846485d75f27ebfd9f10097bc79f7

    All source URLs and preserved captures
    • ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ · refresh-2
      http://www.ehrea.org/sinna.php
      Local original · mirror/generations/refresh-2/provided/www.ehrea.org/sinna.php.html
      Same bytes as extracted source
    • ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ · refresh-3
      http://www.ehrea.org/sinna.php
      Local original · mirror/generations/refresh-3/provided/www.ehrea.org/sinna.php.html
      Same bytes as extracted source
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: bcf9404300a15744533c48849e36bc66fb25c98b2c81d93759a5e9ad36ef7373

Alternate titles: ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ

  • 0798a3e9ef1fea096de97424: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions