Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ኣብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ብሓደ እዋን ጃምላዊ ነብሰ-ቕትለት ከምዝፈጸሙ ተሓቢሩ።

Captured
2026-10-30T17:07:50.719929+00:00
Source status
captured · HTTP 200
Original source ↗

http://www.ehrea.org/fsa.php

Read in the document library →

<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ኣብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ብሓደ እዋን ጃምላዊ ነብሰ-ቕትለት ከምዝፈጸሙ ተሓቢሩ።

source: http://assenna.com/index.php/2011-06-11-16-33-05/3971-2011-07-26-21-09-23.html

ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ኣብቲ 'ዋርሳይ ይከኣሎ' ተባሂሉ ብህግደፍ ዝጽዋዕ መዓስከር ክመሃሩ ካብ ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ፡ እቶም ኣብ መርመራ ዝተረፉ ናብ ሰራዊት ክምደቡ ምዃኖም ምስ ተሓበሮም፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝርከቡዎም ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዓሰርተታት መንእሰያት ጃምላዊ ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም ከምዝሞቱ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት 'ቲ ሓበሪታ፡ ዛጊት ናይ ትሽዓተ (9) ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ሞት ክረጋገጽ ከሎ፡ ካልኦት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ተማሃሮ ኣብ ኣስመራ፡ ሆስፒታል ሓሊበት፡ ኣብ ኣፍ-ዕርበት (ክሪቲካል) ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ጃምላዊ ህልቂት ተማሃሮ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ክምሃሩ ዝጸንሑ ኣሽሓት መንእሰያት ተሳቲፉ ኣብ ዝወጽኣሉ ግዜ ከምዝተፈጸመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ‘ሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ከይልሑኽ ካብ ዘለዎ ስግኣት ተበጊሱ ንመስመር ቴለፎን ሳዋ ዓጽዩዎ ከምዝቐነየ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንመደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ፡ ከም ማዕከን ትምህርትን ስልጣኔን ኣምሲሉ መልክዓ ንምቕያር ጻዕርታት ዘካይድ ኳ እንተኾነ፡ እዚ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብጅምላ ዝፈጸሙዎ ነብሰ ቕትለት ፡ መንእሰያት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ናይቲ ሳዋ ወተሃደራት እትቕልቦ ሰራዊት ኤርትራ ጽልኢ ከምዘለዎም ዝምስክር እዩ።

እዚ መንእሰያት ዝፈጸሙዎ ጃምላዊ ነብሰ ቕትለት ብዓቐኑ ኣሰምባዲ ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሳዋ ነብሰ ቕትለት መዓልታዊ ተግባር ምዃኑ እቶም ምንጭታት የዘኻኽሩ።

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
ኣብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ብሓደ እዋን ጃምላዊ ነብሰ-ቕትለት ከምዝፈጸሙ ተሓቢሩ።

This document

  • Eritrean Refugees after 2001English / ትግርኛ · b-ac43f0227c5c258df20f77fc
    Passage provenance

    Record ID: 58859faafde85e62a6456c7a

    Original source: http://www.ehrea.org/education2.php

    Original SHA-256: f07c978d4271f1f5165d79cb58da9c18c29df737d6b5b34c0a993cf84d55d384