Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

Gabra-Egziabher Gila Maryam

Author
Resoum Kidane
Source date
19/10/2007
Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/bltai.php

Read in the document library →

-->

ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ጻዕዳ ክርስትያን

ካፒታኖ ሙዘትቲ ንዓድዋ ከይዱ ኪፍጽሞ እተመዘዞ ዕዮ ፈጺሙ ንኣስመራ ተመሊሱ ጸብጻብ መገሽኡ ከቕርብ ከሎ ገብረእዚአብሔር ኣብ ዓድዋ ኪፍጽሞ እተዋሃበ ስራሕ ኣይፈጸመን። እብ ቃሕ ዝበሎ እናኸደ ምስ ሰበስልታን ኢትዮጵያ ከም ልቡ ይዘራረብ ነይሩ። እዚ ጥራይ ከይአክል ከኣ ምስ ቤተ ክህነትን ዘይእሙናት ዓበይቲ ሰባትን ኣብ ጸልማት ኮይኑ ኪዝትን ኪእንገድን ከአንግድን ይርኤ ነይሩ ብማለት ኣቕሪበ። ካብ`ዚ ዕለት`ዚ ጀሚሩ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ጊላይ ጠርጠራ ኣሕደረ። ሰለይትን ወቀርትን እናሰዓቡዎም ከለዉ ገብረእግዜኣብሔር ምስ በዓል መን ከም ዝኾኑ፡ ከም ከመይ ዝበለ ፖሎቲካዊ ኣረአእያ ከም ዘሎዎ ይፈለጥ ዚብል ስቱር መምርሒ ተመሓላለፈ። በዚ ከም`ዚ ዝበለ ምኽንያት ከኣ ንመእሰሪ ዝኽውን ምኽንያት ግዛእቲ ኢጣልያ ኣቐርቡ። 1.ኣብ ውግእ ዓድዋ ኣስተርጋሚ ኮይኑ ምስ ወዓለ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብምስጢ ተራኺቡ ሰነዳት ስለ ዘመሓላለፈ። 2.ምስ ፈታውራሪ ኣባታቦር ፍሉጥ ናይ ሓጸይ ምነሊክ ዓቀይታይ ብምስጢር ስለ ተራኽበ ኢሎም ኣመሓላለፉ እሞ። ንወዲ ጊላይ ናብ ናዅራ ወስዶም ኣሰሩዎም። በቲ ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ናኵራ ዝአተወሉ ጊዜ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዝበዝሑ እሱራት ፖሎቲካ ከም ዝነበሩ እቶም ንሕና ዘርከብናሎም በቲ ጊዜ`ቲ ብህይወት ዝነበሩ ኤርትራውያን ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ። ብዙሓት ካብ`ዞም እሱራት እዚኣቶም ብሕማምን ጥሜት ካልእ ስቓይን ኣብ`ቲ ቤት ማእሰርቲ ሞይቶም ዝተረፉ ክህልዉ ከለዉ፤ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ብጥበብ ብዓል ብላታ ገብረእግዚአብሔር ወዲ ጊላይን ዕስማን ቡሪን ደግያት ማሕራይን ምስ ብጾቶምን ካብ ማእሰርቲ ናዅራ ሰቢሮም ዝወጽኡ ነበሩ። ዝኾነ ኮይኑ ብላታ ገብረ እግዚኣብሔር ጊላይ ምስ መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ናኹራ ምስ ወጽኡ ድሕሪ ክንደይ ድኻምን ጽምእን ደንከል ሰንጢቆም ዓድዋ አትዮም ምስቶም ሽዑ አማሐዳሪ ዝነበሩ ራእሲ መኮነን እተባህሉ አቦ ሃጽይ ሃይለስላሴ ተራኺቦም ተላለዩ፡ ብዝነበሮም ፍልጠትን ብልሕን ከአ ብራእሲ መኮነን ተፈታዊ ኮይኖም ተረኸቡ። ቀጺሎም ካኣ ምስ ራእሲ መኮነን ሐቢሮም ንሽዋ ማለት ንአዲስ አበባ ከዱ።

ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ዝደረስዎም መጻሕፍቲ ተበለጽቲ ከም እተበለጹሎም ርኡይ ኪኸውን ከሎ፤ ብፍላይ (አእምሮ) እተባህለ ቀዳማይ ጋዜጣ ኢትዮጵያ መስሪቶም ብኢዶም እናጻሐፉ ኣብ ቀጽሪ ቤት መንግስቲ ሃጸይ ሚሊክ ይዝርግሑ ነበሩ። እንተኾነ ግን ብቕንእን ካልእ ሻርነትን እተላዕሉ ጸላእቲ ከበብዎም። ሐንሳእ ሃይማኖት ዘይብሎም ኮተሊኽ ኢዩ። ሐንሳእ ከአ ከም ጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናአቕረቡ ከምርርዎም ስለ ዝጀመሩ፡ ዝርድኦም ሰብ እናወሓደ ከደ በብቕሩብ ከአ ስደት እናኸበዶም ብስጭት ከኣ እናገዘኦም ከደ`ሞ እቲ ዝዘርእዎ ዝነበሩ ፍርያም ዘርኢ ኣብ ከውሒ ከም እተዘርኤ እናበነነ ኣሳቐዮም።

ብላታ ገብረእግዚአብሔር ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝደረሱ ደራስን ጋዜተጤኛን ከም ዝነበሩ`ውን ብድሕሪኦም እተረቡ ጽሑፍቶምን ድርሰታቶምን ይምስክሩሎም። ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ብ1888 ብ1889ዓ.ም. ሓደ ጋዜጣ ኣስመራ እተባህለ ጋዜጣ ፈጢሮም፡ ብኢዶም እናጻሓፉ ይዝርግሑ ነበሩ። ጋዜጣ ኣስመራ እቲ ቀዳማይ ብቋንቋ ሃገር፡ ብወዲ ሃገር እናተጻሕፈ እተዘርግሔ ጋዜጣ ኢዩ። ብላታ ገብረ እግዜአብሔር ኣብ ክንዲ ስሞም ዘዘውትሩዎም ናይ ብርዒ ስም እውን ነይሮዎም ኣብ`ቲ ጽሑፋቶም ከኣ ብላታ ገብረእግዜአብሔር ጊላይ መፍቀሬ ሃገሩ ሓማሴናይ እናበሉ ይፍርሙ ነበሩ። ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ምስ ዓረፉ፤ ድሕሪ ነዊሕ እዋን መርድእ ሞቶም ኣብ ዓዶም ጻዕዳ-ክርስትያን በጽሔ እሞ ካልኣይ ቀብሪ ተጌሩ መጐበር ኣብ ጐልጐል ወሪዱ ህዝቢ ምስ ተኣከበ ሓደ ኣልቃሳይ፤

ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ ወዲ ገብረክርስቶስ ወዲ መርከብ ዓባይ ወዲ ተሽም ወዲ መርከብ ዓባይ ጅነራል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግናይ ኮሎኔል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግባይ ኵሉ ድኣ ይውዕሎ ባይቶ ኣደባባይ እቲ ገሊኡ ኣብ ጭላጦ ምጽባይ እቲ ገሊኡ ኣብ ቁርሲ ምጽባይ ወዲ ጠፈኡኩም ደቈትሽም ህዝባይ ይኣኸለኒ ድኣ ወዲኤ ዘረባይ። ኢሉ ኣልቀሰሎም። እቲ ኣልቃሳይ ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ጸላእ መንግስቲ ኢጣልያ ምዃኖም እናፈለጠ፤ ኣብ ጥሕቲ መግዛእታዊ እናነበረ ከሎ ብድፍረት ስለ ዘልቀ ሰሎም ከኣ ህዝቢ ብትብዓቱ ኣመስገኖ ይብሃል። ብመምህር ፈደል መኮነን። Source facrbook excerpts from :History of Eritrean People Community

ehrea

ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
ብላታ ገብረእግዚአብሔር ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝደረሱ ደራስን ጋዜተጤኛን ከም ዝነበሩ`ውን ብድሕሪኦም እተረቡ ጽሑፍቶምን ድርሰታቶምን ይምስክሩሎም። ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ብ1888 ብ1889ዓ.ም. ሓደ ጋዜጣ ኣስመራ እተባህለ ጋዜጣ ፈጢሮም፡ ብኢዶም እናጻሓፉ ይዝርግሑ ነበሩ። ጋዜጣ ኣስመራ እቲ ቀዳማይ ብቋንቋ ሃገር፡ ብወዲ ሃገር እናተጻሕፈ እተዘርግሔ ጋዜጣ ኢዩ። ብላታ ገብረ እግዜአብሔር ኣብ ክንዲ ስሞም ዘዘውትሩዎም ናይ ብርዒ ስም እውን ነይሮዎም ኣብ`ቲ ጽሑፋቶም ከኣ ብላታ ገብረእግዜአብሔር ጊላይ መፍቀሬ ሃገሩ ሓማሴናይ እናበሉ ይፍርሙ ነበሩ። ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ምስ ዓረፉ፤ ድሕሪ ነዊሕ እዋን መርድእ ሞቶም ኣብ ዓዶም ጻዕዳ-ክርስትያን በጽሔ እሞ ካልኣይ ቀብሪ ተጌሩ መጐበር ኣብ ጐልጐል ወሪዱ ህዝቢ ምስ ተኣከበ ሓደ ኣልቃሳይ፤

This document

Read passage and 1 other preserved context
ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ ወዲ ገብረክርስቶስ ወዲ መርከብ ዓባይ ወዲ ተሽም ወዲ መርከብ ዓባይ ጅነራል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግናይ ኮሎኔል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግባይ ኵሉ ድኣ ይውዕሎ ባይቶ ኣደባባይ እቲ ገሊኡ ኣብ ጭላጦ ምጽባይ እቲ ገሊኡ ኣብ ቁርሲ ምጽባይ ወዲ ጠፈኡኩም ደቈትሽም ህዝባይ ይኣኸለኒ ድኣ ወዲኤ ዘረባይ። ኢሉ ኣልቀሰሎም። እቲ ኣልቃሳይ ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ጸላእ መንግስቲ ኢጣልያ ምዃኖም እናፈለጠ፤ ኣብ ጥሕቲ መግዛእታዊ እናነበረ ከሎ ብድፍረት ስለ ዘልቀ ሰሎም ከኣ ህዝቢ ብትብዓቱ ኣመስገኖ ይብሃል። ብመምህር ፈደል መኮነን። Source facrbook excerpts from :History of Eritrean People Community

This document

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.