EHREA / Catalog / ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ገና ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። Read in the document library →
Posted on May 18, 2012 by assenna
ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብበደዊን ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ዓመጽን ብዝኸፍአ መልክዑ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ተጣባቒት ስደተኛታት ዝኾነት ግድስቲ ኤርትራዊት ዶር ኣልጋይነሽ ጋንዲ ንድምጺ ኣሰና ሓቢራ።
ንሳ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ጅሆ ተታሒዞም ክሳቐዩ ዝጸንሑ ካብ 12-16 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝርከቡዎም 37 ኤርትራውያን ዓቕሎም ጸቢቡዎም ክሃድሙ ምስ ፈተኑ 25 ካብኣቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስሪ ኣትዮም ከምዝተታሕዙ፡ 7 ኣቢሎም ምትሕብባር ናይ ሓደ ገባር ሰናይ ሸኽ ክረኽቡ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ደሃዮም ከምዘይተፈልጠ ኣገንዚባ።
እዞም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ማይዓይኒ ዝብሃል መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ድማ ተፈሊጡ።
ብዘይካ’ዚ ኣደ ቆልዑ ዝርከባኦም ካልኦት 52 ኤርትራውያን ግዳያት ኣጽፋሮም በቶም ከም ጅሆ ሒዞሞም ዘለዉ በደዊን እናተመዝሓቐን እናተገርፉን ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ወዲቖም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ሓቢራ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 1400-1500 ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሲናይ ከም ጅሆ ተታሒዞም ተመሳሳሊ መከራ ከሕልፉ ከለዉ፡ 350 ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ የመን፡ 250 ከኣ ኣብ ጅቡቲ ተኣሲሮም ከቢድ ስቓይ ይወርዶም ከምዘሎ ‘ውን ይፍለጥ።
Shared passages in the archive These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.
Read passage and 2 other preserved contexts ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ገና ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። This document
Tragic stories from young Eritrean refugee English / ትግርኛ · b-2db874005d67544e8dbe122d Passage provenance Record ID: 2e9f0c8e8cd6e3752612c995
Original source: http://www.ehrea.org/future.php
Original SHA-256: ac17471bc4a374bdd9a928ffe2462ed6d7fbcb014fa40d9005416f9c9e589d2f
Tragic stories from younger migrants English / ትግርኛ · b-5923643fd99110148b775682 Passage provenance Record ID: 6d568a79b15a363441318fb2
Original source: http://www.ehrea.org/future4.php
Original SHA-256: a2d321aa7ff20b6559ae690fab41deed7bb62f84204fc5eb36506d518d4cccbf
External references Links to other sites. Their content is not part of this local archive.
ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ገና ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ↗ http://assenna.com/%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%9d%e1%8b%b5%e1%88%a8%e1%89%a0%e1%8b%b3-%e1%88%b2%e1%8a%93%e1%8b%ad-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%8d%e1%8b%95%e1%88%8a-%e1%8a%a3%e1%88%9b%e1%8a%a2%e1%89%b5-%e1%8a%a4%e1%88%ad/ May 18, 2012 ↗ http://assenna.com/%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%9d%e1%8b%b5%e1%88%a8%e1%89%a0%e1%8b%b3-%e1%88%b2%e1%8a%93%e1%8b%ad-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%8d%e1%8b%95%e1%88%8a-%e1%8a%a3%e1%88%9b%e1%8a%a2%e1%89%b5-%e1%8a%a4%e1%88%ad/ assenna ↗ http://assenna.com/author/assenna/ In the archive Source aliases and preserved versions (2) refresh-2 · hjh.php.html3731aa310d830fe27d8ff62a82d94b90135cd86af18228b013c10bdb32db64f9 refresh-3 · hjh.php.html3731aa310d830fe27d8ff62a82d94b90135cd86af18228b013c10bdb32db64f9 Preservation details Record ID: ba906e77716475f8fabf9953
Original source title: ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ገና ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።
Display title basis: preserved-source-title
Original SHA-256: 3731aa310d830fe27d8ff62a82d94b90135cd86af18228b013c10bdb32db64f9
Provided local path: hjh.php.html
Original URL inferred from downloaded filename; original retrieval time is unknown.
Source encoding: utf-8
Historical wording is retained. Formatting has been adapted for reading.