Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML English / ትግርኛ

Ethiopian students protest against Emperor Selaisse's regime, 1967-1974

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/misonet.php

Read in the document library →

Prisoners death records

Mysterious death of Tuku'e The ELF & EPLF leaders'crimes

The Ethiopian rulers'

Crimes ELF and EPLF's victim civilians Mysterious death of Chekini

W.Haile

Mysterious death of Ibrahim Afa Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF

Liquidation in the EPLF

  1. Source column 1

    index

    Source column 2

    sitemap

    Source column 3

    advanced

2026-10-30

ኤርትራ፡ ማእሰርቲ ተኸተልቲ እምነት ሚስዮን ኣብ ከተማ ከረን

  • 26 ጁን 2019

  • እዚ ምስ አካፍል ኢ መይል

Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ከረን

እቶም ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ከረን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ተኸተልቲ እምነት ሚስዮን ቤተክርስትያን (ፌዝ ሚሽን) ኣብ ሓሽፈራይ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ሓደ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ኣዴታት ምስ ዝጠብዉ ህጻናት ደቀን፡ ዓበይቲ ሽማግለታት ዝርከብዎም ግዳያት ማእሰርቲ፡ ኣብ ሓሽፈራይን መደበራት ፓሊስ ከረንን ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

"ዕድሚኦም እንተዝነግረካ፡ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ሰብኣይ ኣሎ ኣብኡ፡ ዝጠብዉ ህጻናት'ውን ኣለዉ፡ ሰብሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ምስደቆም ተወሲዶም ኣለዉ" ይብል ሓደ ካብቶም ቤተሰቦም ተኣሲሮም ዘለዉ።

"እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብኣይ'ውን፡ ጓሉ፡ ሰብኣይ ጓሉን ጓል ጓሉን ተኣሲሮም ኣለዉ" ኢሉ።

ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ "ሰንበት ንጉሆ ንኣምልኾ ተኣኪቦም እንከለዉ፡ በፊንስትራን ገለን ከቢቦም ኣትዮሞም"።

እተን ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚአን፡ ምስ ኣዴታተን ክኾና ዘየድልየን ግን ኣይተኣሰራን።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ንብረት ናይቲ ቤተክርስትያን ብመኪና ጽዒኖም ከም ዝወሰድዎን፡ ናይቲ ቤተክርስትያን ጥረ ገንዘብ'ውን ከም ዝሃገርዎ እቲ ምንጪ ተዛሪቡ።

"ንመብዛሕትኦም ናብ ሓሽፈራይ ወሲዶሞም ኣለዉ፡ ፈልዮም ከኣ ምናልባት ኣብ መሪሕነት ዘለዉ'ዮም ዝበልዎም ኣብ ከረን ኣብ እንዳ ፓሊስ ሒዘሞም ኣለዉ"።

ሓሽፈራይ፡ ሓደ ካብቶም ብዘይፍርዲ ሰባት ዝእሰርሉ ዝኸፍኡ ኣብያተ ማእሰርቲ ምዃኑ ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውን ይገልጹ።

እምነት ሚስዮን ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋን ዝተኣገዳን እምነታት'ያ።

ይኹን እምበር ኩለን እተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዝርከባ ጨንፈራት ናይታ ቤተክርስትያን፡ ዘይተዓጽወ ቤት ትምህርቲ ኣለወን።

ስለዚ እቲ ምትእኽኻብ ወግዓዊ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ቤት ጸሎት "ቻፕል" ተዓጽዯም እናጸለዩ እንከለዉ'ዮም፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ "ወሪሮሞም"።

Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ካቴድራል ከረን

ኣብ ግንቦት 2002 መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ኢቫንጀሊካውያን ጴንጠቆስታል ኣብያተ ክርስትያናት ድሕሪ ምእጋዱ፡ንመራሕተንን ኣባላተንን ክኣስር ጸኒሑ'ሎ።

ኣብተን ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት'ውን እንተኾነ ምትእትታው ከም ዝገብርን፡ ንገለ ኣባላተን ከም ዝኣስርን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይዛረቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ጉባኤ ጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ኣብ ኤርትራ ከም ግብረመልሲ ናይቲ "ዘሕዝን" ዝበልዎ ስጉምቲ ናይ "ጸሎትን ምህለላን" እዋን ኣዊጆም ኣለዉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ድማ፡ ሓንቲ ድንግልን ካልኣያን ኣብ ሓመልማሎ፡ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝርከብ ዝተዓጽወ ማእከል ጥዕና ብኣባላት ፓሊስ ተኣሲሮም ነይሮም።

እቶም ጳጳሳት ኣብ ኤርትራ ለውጢ፡ ሰላም፡ ፍትሒን ዕርቅን ክረጋገጽ ክጽዉዑ ምጽነሐም ይፍለጥ።

ehrea

ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.