Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ

Captured
2026-10-30T16:50:56.868117+00:00
Source status
captured · HTTP 200
Original source ↗

http://www.ehrea.org/pt5.php

Read in the document library →

<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ

Thursday, 21 October 2010 19:15

E-mail Print PDF

[External image reference]ኣብ ሓሙሻይ ክፋል ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ኣትየዮ ብዝነበርኩ መብጽዓ፣ ቅንጸላ ተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ብዓቕመይ ክትርኽ እየ። ካብቲ ብዓበይቲ ደንጎላታት ተደብዲቡ ዝነበረ ምስጢራት ኢሳይያስ፣ ሓንቲ እምኒ ጥራይ እየ ዝፍንቅል ዘለኹ’ሞ፣ ግዱሳት ዜጋታት ንዝተረፈ መድፈና ፈናቒሎም እታ ናይ ምስጢራት ጋህሲ ንህዝቢ ጋህ ከብልዋ ተስፋ እገብር።

ኣብ ጉዳይ ከበድቲ ምስጢራት’ምበኣር ካብ ብዙሓት ድግምጋማት፣ ሓንቲ ንእሽቶ ቁልዒ ኣብ እትረኽበሉ ግዜ፣ ንሓያሎ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን እናኣጋጣጠምካ ናብ መደምደምታ ምብጻሕ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ግዜ ተራእዩ ኢዩ።

ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምጽሓፍ ግን፣ ዘሽግር ነገር የብሉን። እቶም ኣብ ጉዕዞ ዘዋህለልናዮም ምስጢራቱ ከክንዲ ቁልዒ ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ከክንዲ ያሒት ኢዮም። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብዓበይቲ ናይ እከይ ምስጢራት ዝመልአ ኢሳይያስ፣ ታሪኹ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቃር ቀለም ዝተጻሕፈ ኢዩ። እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጥማዕ ካብ ምስጢራቱ ኢዩ’ሞ፤ ኣነ ኣቕራቢን ዘርዛሪን ዘይኮንኩስ ጀማሪ ጥራይ ምዃነይ ንዜጋታት ኤርትራ ክሕብር እደሊ።

ኢሳይያስ ጨካን፣ ሓራዲ፣ ውልቀ-ምልካዊ፣ ስሱዕ፣ በዓል ሕቡእ ኣጀንዳ፣ ወናኒ ሰፍ ዘይብል ቅቡር ምስጢራት ወ.ዘ.ተ… ኢለ ኣብዚ ናይ ኣፈና ግዜ ብጭቡጥ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ተኸታታሊ ምስጢራቱ፣ ኣብ ገበን መሻርኽቱን ጫሌዳ ሰልፉ ህግደፍን፤ ዝፈልጦ ዘበልኩ ናቱን ናይ መሻርኽቱን ክገልጽ እየ። ንሕስያ ይኣክል! ሎሚ ናይ ኢሳይያስን ናይቶም ምስኡ ዝወዓሉ ሰብ ፈረቕኡን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተገብረ በደል፣ ይጽናሕ ምባል መመሊስካ ካልኦት ምስጢራት ንምድጓል ዝግበር ዘሎ ናይ ዕበጦ-ዕበጦ ቅድድም ኢዩ። ኣብ ገበናት መሻርኽቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውሽጢ ይሃልዉ ኣብ ደገ፤ ሎሚ ደገፍቱ ይኹኑ ተቓወምቱ ብዘየገድስ ክግንጸል ኣለዎ። ይጽንሓለይ ንመዓስ’ዩ! ንዮም ኣልቕያማ?

ኣይፋል! ከምኡ ኣይኮነን ኢሉ ብጽሑፍ ተንቲኑ ‘ቅንዕና’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ነጥቢ ብነጥቢ ዝትንትን ሰብ እንተሎ ከኣ፣ ብድሆ እብሎ ኣለኹ። ይኣክል ግርህናን ክቱር እምነትን! ሎሚ ኢሳይያስን ሰልፊ ህግደፍን ዕርቃኖም ዝወጽኡሉ መድረኽ ኢዩ። ግዜ ኣኺሉ ኢዩ! ይኣክል ክሳውዲ ጀጋኑ ንዝኾልሰሰ ናእዳ…ህዝቢ ንዘባደመ ጣቕዒት…ክሳብ መዓስ!

ይቕሬታ! እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ጥራይ ዝዝውተር ልቢ መረስረሲ ተርእዮ፤ ብምንም ተኣምር ንኢሳይያስ ኣይግበኦን ኢዩ። ሎሚ ኢሳይያስ መጥሓን ተሰኪሙ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ዝድብሰሉ ቃላት የለን። ሎሚ እቲ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ዘራኽበና ዝነበረ ገመድ ከኣ ብቱኽ ኢዩ። እቶም ኣብቲ ሓልቃም ሔሮ ምስኡ ጠልጠል ኢሎም ዝነበሩ ሰብ ሰንኮፍ ልብታት’ውን ሎሚ ብቱኻት ኢዮም።

“… ለካስ ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ፣ ኢብራሂም ዓፋ’ውን ኢዱ ተነጺፉ ኣብ ጸፋር ኣኻውሕ ዓጋመት ገንሸል ኮይኑ ራዕ ኢሉ። ኢብራሂም ድሕሬኻ ኣብ ኣፍዓበት፣ ሽዕብ፣ ባጽዕ ጸላኢ ህልቂት ፈጺሙ። እቶም ዝሰዓቡኻ ስዉኣት ነጊሮሙኻ ይኾኑ፤ ንጋሕያት፣ ቦንሮስፒሮ፣ ኣምሁር፣ ደቀምሓረ ሕንጫላት ከይተረፉ ከፊልና ሰጊርናዮ … ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ስጉሚ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ላህጃ፣ ሓደ ልቢ ኮይንና፤ ሓሳብ ልብኻ ሰሚሩልካ ንሰብ ደምካ ኢዶም መሊስናሎም። ከምቲ ክኣትዉ ዝነበርዎ ቀራናት ዘይኮኑስ ጓዕማማት ኮይኖም ኢዮም ወጺኦም። ንሕና ድማ፣ እንቋዕ ጓኖትካ ኣይኮንና’ ኢልና ብሓበን ተምባእ ኢልና…!”

ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ጥሪ 15 1994 ዓምዲ ‘መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት፤’ በቲ ብናይ ብርዒ ስም ‘ጽገሬዳ’ ዝብል ዝጽሕፍ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ዝተጻሕፈት፣ ብኢሳይያስ ድማ ምኩሕሓል ዝተገብረላን ጽሕፍቲ፤ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ኣምሰሉ ቁንጫል ሕጥቦ-ጽሑፍ ተጻሒፉ ነበረ። በዓል ደም ኢብራሂም ዓፋ ግን ናይ ጸላኢ ኣሃዱ ስለያ ዘይኮነስ፣ ባዕሉ እዚ ኮሓሓሊ ናይታ ጽሕፍቲ ዝኾነ ኢሳይያስ ምዃኑ ካብ እንፈልጥ ሓያለይ ዓመታት’ኳ እንተሓለፈ፣ ብሰንኪ ውሕስነት ህይወት ንነዊሕ ዓመታት ተጠኒሱ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ንምጽሓፍ በቒዑ።

ንሰባት ከም መለኮት ኣብ ዝኣመንካሉ ግዜ፣ እዚን ከምዚን ዝኣመሰለ ናይ ታሪኽ ሓተላ እናሰተኻ ኢኻ እትነብር። እቲ ዘገርም ኣቀታትላ ወዲ ዓፋ ረቂቕ ብዘይኮነ ስልቲ ተቐቲሉ ክነሱ፣ ካብ ትሒም-ትሒም ሓሊፉ ሃህ ኢሉ ዝተዛረበ ሰብ ዘይምንባሩ ኢዩ። ኣቀማምጣ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንዝፈልጥ ከኣ’ሞ እቲ ኢሳይያስ ኢብራሂም ዓፋ ንምጥፋእ ዝወሰዶ ኣዕናዊ ስጉምቲ ንምርዳእ ናይ ምምርማር ሀ…ሁ ዘድልዮ ጉዳይ ኣነበረን። ጎቦ ዓጋመት ሰራዊት ጸላኢ ኣብቲ ዝጸንከረ ወራራትን ብዙሕን ሓያልን ዓቕሚ ዝነበረሉን ግዜ ሓሙሻይን ሻድሻይን ወራራት’ኳ ኣይደየቦን።

ኣቀማምጥኡ ብወገን ምብራቕ ኣዝዩ ጸዳፍ ዝኾነ ጎቦ ዓጋመት፣ ካብ ጎቦ ደብረ-እበን ንወገን ሰሜን ኣዝዩ ዝረሓቐ ኢዩ። ኣብ እዋን ሓያል ግጥማት እቲ ግንባራት ሓዊ ዝተፍኣሉ ዝነበረ ግዜ፣ ካብ ታባ ዎድጋን ክሳብ ሩባ ሽግለት /ኣልጌን፣ ታብ ወዲ ገብሩ፣ ባዶ እኩብ፣ ማይ ክላሽን፣ ጉዋ፣ ታባ ፍረወይኒ፣ ማሕበርነት፣ ቀጠር፣ ደብረ-እበን/ ጥራይ ኢዩ ዝነበረ እቲ ሓያል ውግኣት።

እሞ ከኣ ኣብ 1985 ብድሕሪ’ቲ ጀነራል ሑሴን ኣሕመድ ዋና ኣዛዚ ‘ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት’ ዝመርሖ ዝነበረ ዝተደምሰሰ፤ ግንባር ‘ውቃው እዝ’ ስለያ ጸላኢ ክድይቦ ዘይሕሰብ ኢዩ። ግንባር ሰ.ም.ሳሕል ኣብቲ ርሱን ዝነበረሉ ዓመታት፣ እቲ ንተጋደልቲ ተኸኽ ኣቢሉዎም ዝነበረ ስለያ ‘23ኛ ክፍለጦር’ ይኹን ካብ ግንባር ሓል-ሓል ናብቲ ግንባር ተቐይሩ ዝነበረ ኣየር ወለድ ሰራዊት’ውን ናብ ከባቢ ዓጋመት ናይ ምድያብ ፈተነ ገይሮም ኣይፈልጡን ኢዮም።

ኣብ ኣሰራርሓ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብድሕሪ’ቲ ሓያል ተወፋይነት ሰራዊትን ህዝቢን ዓቢ ተራ ዝነበሮ ስለያ /ክፍሊ 72/፤ ኣይሽንኳይዶ ካብ ማህሚመት ናብ ዓጋመት /ኣስታት 40-50 ኪ.ሜ./ ዝተበገሰት ጋንታ ስለያ ጸላኢ፣ ሓንቲ ኣሃዱ ካብ ኣስመራ ክትብገስ እንከላ ኢያ ትፍለጥ ዝነበረት።

ኣብ ጠለፋ ዝለዓለ ክእለት ዝነበሮ ክፍሊ 72፣ ነቲ ብቕልል ዝበለ ኮዳት ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቶም ብሞርስ ኮዳት /ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ማዕበል/ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ መልእኽቲን ብድሕሪ ምድምሳስ ግንባር ናቕፋ ዝተማረኸ ብዝለዓለ ተክኖሎጂ ዝተሰርሐ ኣር.ዲ.ኤፍ. /RDF/ ዝተባህለ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ መራኸቢታት’ውን ኣብ ጥቕሙ ኣውዒሉዎ ኢዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ነፈርቲ ኲናት ከም ዝብገሳን፣ ኣበየናይ ከባቢታት ክድብድባ ምዃነንን ይፍለጥ ነይሩ ኢዩ። ደርግ ነቲ ኣብ ግንባር ሓልሓልዝኸፈቶ ወራር ‘ባሕሪ ነጋሽ’ ጸቕጢ ንምግባር ጥራይ ብማህሚመት ዝተቐልቀለ ውሑድ ቁጽሩ ሰራዊት፣ ኣብቲ ብረሾ 12 ጦር-ሰራዊት ንሓደ ተጋዳላይ ዝብጽሖ ዝነበረ እዋን፣ ሓያል ዝነበረሉ ግዜ’ኳ ዘይደየቦ ጎቦ ዓጋመት፤ ደይቡ ንኢብራሂም ዓፋ ቀቲሉዋ ክበሃል፤ እንታይ ዓይነት ስራይ ከም ዝተገብረሉ ንተጋዳላይ እንድዒ!

ደሓር ቀሰይ ኢልካ ኣብ ትትንትነሉ ግዜ፣ “ናይ ጸላኢ ስለያ ኣብ ዓጋመት ደይቡ ንወዲ ዓፋ ቀቲሉዎ። ግን ካብቲ ንስለያ ዝወፈረ ሓይሊ ወላ ሓደ ሰብ’ውን ኣይተመልሰን። ኩላቶም ተቐቲሎም ኢዮም!” ዝብል ጥበብ ከኣ ተማሂዙ። ሽዑ ኣብ ታባ ዓጋመት ምስ ወዲ ዓፋ ዝተቐትለ መብራህቱ ተወልደመድህን ዝተባህለ ተጋዳላይ ነይሩ’ዩ። ሓደ ካብ ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም ከኣ ነቲ ዝተገብረ ርኡይ ቅንጸላ ምስ ተዓዘበ፣ ደድሕሪ ወዲ ዓፋን መብራህቱን ጥይት ናብኡ ከም እትቐንዕ ስለዘይሰሓቶ፤ ኣብ ወጋሕታ ከም ኢራብ በሪሩ ምስ ጠፍአ ኣይተረኽበን። ስለዚ ንኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን ኣዝዩ ዘሻቕሎም ጉዳይ ኮነ።

መብራህቱ ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ሻምበል ዝነበረ፣ ምስ በዓል ሻለቃ ነጋሽ ተስፋጼን /ሎሚ ብሪጋደር ጀነራል/ ዝተሰለፈ፤ ምኩር ወተሃደር ኢዩ ዝነበረ። ሻምበል ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ዓላሚ ክቡር ዘብዐኛ ዝነበረ፣ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጥበብ ዝነበሮ፣ ኣብ ዓራግ /ሳሕል/ ድማ ነቶም ኢብራሂም ዓፋ ዝመስረቶም ቀዳሞት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ዝዓለመ ምኩር ወተሃደር ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ምስቶም ናብ ታባ ዓጋመት ዝደየቡ ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም፣ ደይቡ ነይሩ።

እቲ መደንጾ ጉዳይ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ካብ ጸላኢ ዝሰለቦ ንብረት ከም ብረት፣ ቦምባ፣ ብራሾ ወ.ዘ.ተ…ኣድቂቑ ዝጸባጸብ ውድብ ክነሱ፣ ጫማ ይኹን ቀጠልያ ክዳን ጦር-ሰራዊት ኣይተራእየን። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ተመኩሮኡ ንዝሞቱ ወተሃደራት ጸላኢ ቀቢሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ዝባን ዓጋመት ሰባት ምስ ደየቡ ግን ወላ ሓደ ናይ ጸላኢ ሬሳ ወይ ደም ዝተጸየቐት እምኒ ኣይረኣዩን። እቲ ፊልም ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ። ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም በዓል ወዲ በላይን ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዊና ተክኒካዊ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተጋደልቲን፣ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ጥርዚ ዓጋመት ኣድራጋ ጠያይት ምስ ተተኮሰ፤ ንረዳት ደይቦም ኢዮም።

ግን ካብቲ ጥቓ ቦታ ፍጻሜ “ተመለሱ” ተባሂሎም ከም ዝተመልሱ ህሉዋት ሰባት ዝገልጽዎ ሓቂ ኢዩ። ሓደ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጉርጃ ዝተባህለ፣ መምህር ተመሃሮ ዊና፤ ብዙሕ ምትእስሳራት ተዓዚቡ ነይሩ ኢዩ። ጉርጃ ዓው ኢሉ ዝዛረብ ግሩህ ተጋዳላይ ምንባሩ ዘይፈልጥ ተጋዳላይ የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ተጋዳላይ ጉርጃ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ‘ሃንደበታዊ መስዋእቲ’ ብዝተባህለ መርድእ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡን ተቐቢሩን። ኣብ ኤሮውሮጳ ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ሓፋሽ ውድብ ዝነበረ ሓዉ ንጉርጃ ከኣ ኣብ ኣስመራ ተኣኢሩ ነይሩ’ዩ። ማእሰርቱ ምስ ጉዳይ ሓዉ ምትእስሳር ነይሩዎ’ዶ ኣይነበሮን ግን ዝፈለጥኩዎ ነገር ኣይነበረን።

እቲ ዘጥቅዐ ስለያ ብሙሉኡ ተቐቲሉ ኢዩ ተባሂሉ፣ ምኽንያቱ ሃዲሙ እንተተባሂሉ ድማ ስለምንታይ ደኣ ደርግ ዘይዛረበሉ ከይበሃል። ኣብ ግዜ ለይቲ ዝንቀሳቐስ ሰላሕታ ኣሃዱ ስለያ፣ መሬት ከይወግሐ ናብ ደጀኑ ክምለስ ስለዝግብኦ፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጥርዚ ዓጋመት ንምብጻሕ ነቲ በብስጉምቲ ክኸይድ ዝነበሮ ኣሃዱ ስለያ ዝበሉዎ በዓል ኢሳይያስ፤ ካብ ጎላጉል ኣውገት ብቐትሪ ክብገስ ነይሩዎ። ጸላኢ ንምክትታል ኣብ ጠረዚት እቲ ግንባር ዝነበረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ቢኒኮሎታትን /ክሻፋታት/ ኣብ ጫፍ ታባ ቀጠር ዝነበረ ፍሉይ መቆጻጸሪ ክሻፋን /ተለስኮፕ/ ነቲ ዝተበገሰ ስለያ ዘይርእያ እንተድኣ ነይረን እንታይ ኢየን ዝሕልዋ ነይረን? ኣብቲ ዓይኒ እንከለና ዕዉራት፣ እዝኒ እንከለና ድማ ጸማማት ዝነበርናሉ ሰዓት ብምሒር እምነት ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንከምዚ ዝኣመሰለ ቀሊል ተዋስኦ’ውን ክንዕዘቦ ኣይከኣልናን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝነበሮ እምነትን ኣምልኾን ኣሽካዕላል ተፈድዩ። ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይድኡ ናብ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደ መሰክሕ ኣረመንነትን ስደትን ድማ ዕረ እናጠዓመና ኣስተማቒርናዮ። እቶም ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝፈለጥዎ በላሕቲ ዜጋታትና ኣደራዕ ማእሰርቲን መስዋእቲን ኮኑ። ሎሚ ግን ኣይከም ትማሊን፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣለልዩዎ ስለዘሎ ጸወታ ቃርሳ ብጀጋኑ የለን።

እምበኣርከስ ኢሳይያስ ኣንጻር ምንቅስቓስ ተስፋምህረት ህጹጽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ “ኣብ ረርብዒ ሰዓት ቀልጥፉ…ቀልጥፉ! ተስፋምህረት ከየምልጠኩም…ተጠንቀቑ! ዝኾነ ዋጋ ክፈሉ…ቀልጥፉ…” እናበለ ነቲ ውግእ ይመርሕ ንዝነበረ ብርሃነ ይህውጸሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ምስ ተስፋምህረት ገለ ሚስጢራት ስለዝነበረ ኢዩ። እቲ ግዜ ኣብ ምቕንጻል ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ዓጋመት ወጋሕታ ከም ኢራብ ሃዲሙ ዝበረረ ኣባል ክፍሊ ታዕሊም ተጋዳላይ፣ ብሱዳን ገይሩ ናብ ተስፋምህረት ተጸንቢሩ ከም ዝነበረ ወረ ተናፊሱ ነይሩ።

ንሱ ንኩሉ ኣቀታትላ ኢብራሂም ዓፋን ሻምበል መብራህቱ ተወልደመድህንን ምስ ተስፋምህረት ኮይኑ ሰኒዱዎ ነይሩ ኢዩ። ግን ከኣ ዕድል ኣይገበረን፣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ሓፊር /ሱዳን/ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ዝተገብረ ሓድሕዳዊ ወተሃደራዊ ግጥም ዓሪፉ ዝብል ሓበሬታ’ውን ስዒቡ። ስለዚ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ዓጋመት ዝሃደመ ተጋዳላይ ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ተስፋንኪኤል ጆርጆ ብሪሞት ኮንትሮል ይቆጻጸረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ንሱ ከም ዝሞተ፣ ሰነድ ግን ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝነበረ ጸብጻብ በጺሕዎ ነይሩ። ብዛዕባ ኣቀታትላ ኢብራሂም ዓፋ ዝምልከት ኣገዳሲ ሰነድ ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝተራእየ ምስ ሰምዐ ኢዩ’ምበኣር ዕሉም ኢሳይያስ ንተኪአ /ሽፍታ/ ድርብ ተልእኾ /Double Agent/ ሂቡ ናብቲ ውድብ ከም ዝኸድዐ ኣምሲሉ ዘፋነዎ።

“ምስጢር ዝፈልጥ ሰብ ብሂወቱ ኣሎ” እትብል ወረ ንኢሳይያስ ፈጺማ ዘይተደቅሶ ወረ ኢያ።

እቶም ኣብ ሓያሎይ ገበናት ምስ ኢሳይያስ ዝወዓሉን፣ እቶም ‘ሓንቲ ምስጢር እንተኣምሊቑኩም ኣብኣ ትረኽቡዋ’ ዝተባህሉን ሰባት፤ ሕቡእ ምስጢራት ኢሳይያስ ክነግሩና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ንሕና እዞም ኢሳይያስ ሞይቶም ይኾኑ’ዮም ዝበለና፣ ግን ከኣ ዘለና ኤርትራውያን ካብ ሓደ ዝጎደለ ካልእ እናመልአ ሰማእታት ዘሰከሙና ሕድሪ ናብ ወለዶና ከነስግሮ ኢና። ኤርትራ ግምጃ ታሪኻ ብመስተንክራት ዝመልአ ክነሱ፤ ሎሚ ኢሳይያስ ነቲ ታሪኽ ህዝብና ማዕረ ገበናቱ ገይሩ ኣብ ሓደ መቓብር ንምድፋኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ግን ምዃን ኣብዩዎ፣ ሎሚ ንሕና ነቶም ብኢሳይያስ ብቓጻ ዝተመንከሉ ዜጋታትና ምንም እንተጸሓፍናን እንተጸለናን ክንመልሶም ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ክንመሃረሉ ዝግባኣና ነገር ግን ኣሎ። ኢሳይያስ መን’ዩ? ስለምንታይ’ከ ክንድዚ ቅንጸላታት?

ስለምንታይ ኢዩ ክሳብ ክንድዚ ኣንጻር ኤርትራውያን ጨኪኑ? ስልጣን ንምብሓት ድዩ? ንኣርብዓ ዓመታት ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ዝተጓዕዘሉ መን’ዶ ተጫራታይ ነይሩዎ’ዩ! ናብ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምብጻሕ ግድን ከምኡ ዝግበር እንተኣ ኮይኑ ድማ በብቑሩብ ንኩሉ ኤርትራዊ ክሳብ ዝጭርስ እንታይ ኢና ክንገብር? ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ዋና፣ ንዘይ ንብረትካ ዋጋ ዕዳጋ ክትገብር ስለዘይከኣል፣ ኤርትራ ሓደ ሰብ ክሳብ ዝተርፋ ነንዝጠመቶ ክቕርድድ ኢዩ። ስለዚ ትም’ዶ ንበል ስለ ሃገርን ህዝቢን ኣንጻሩ ንምከር? ተደጋጊሙ ከም ዝተጻሕፈ ካብ ሰብዓታት ክሳብ 2001 ነቶም ክዕንቅፉኒ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ደቀባት ኤርትራውያን ኣጥፊእዎም ኢዩ። ገለ ካብ እዞም ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ኣብ ጎድኑ ዘለዉ ዝለዓሉ ጀነራላትን ሰበ-ስልጣናትን ከኣ ኣብ ምቕንጻል በዓል ወዲ ዓፋን /ትያትሮ ዓጋመት/ ካልኦትን ተለኣኣኽቱን ፈጸምቲ ገበናትን ዝነበሩ ስለዝኾኑ፤ መንገዶም ብሓደ ኢዩ።

ኢብራሂም ዓፋ ቅድሚ ምስውኡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ቅሩብነት ብዝምልከት ምስ ኣባላቱ ኣኼባ ሒዙ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ህድኣት ኣምለሶም (ጓል ኣርባዕተ) ምስቲ ሳጢር ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ፣ ክልቲኦም ኦፐረተራት ካብቲ ቦታ ኣኼባ ፍንትት ኢሎም መልእኽቲ ካብ ስምኦን ገብረድንግል ይቕበሉ ነይሮም። ብድሮኡ ከኣ ወዲ ዓፋ ምስቲ ብጽርግያ ብድሆ /ዓምበርቦብ-ሓሊበት/ ዘንቆልቆለ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ተራኺቡ ነይሩ ኢዩ። መስፍንን ኢብራሂምን ኣብ ዓራግ ብሓደ ንምሕዳር መዲቦም ምስ ተረዳድኡ፣ መስፍን ሓጎስ “…ፊሊጶስ ናይ ግድን ምሳይ ሕደር ስለዝበለኒ፣ ምስኡ ክሓድር እየ” ኢሉ ሽዑ ለይቲ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ከም ዝሓደረ ጭብጢ ሰነድ ኣሎ።

ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ከኣ ቅድሚ ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ፍሉይ ድምጺ ዘይብሉ ጠበናጁ /ሳይለንሰር/ ዝዓጠቑ ሓሙሽተ ሰባት ናብ መደበር ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ጋንታ ዝነበረ ድራር ዝተባህለ ብሕድሪ ንክጸንሑሉ ኣረኪቡዎ ነበሩ ኢዩ። እቲ ሳይለንሰር ጠበናጁ ባዕሉ ኢብራሂም ምስ ምቛም ኣሃዱ ኮማንዶ ናብ ደገ ከይዱ መሪጹ ዘምጽኦ ብረት ኢዩ። ብድሕሪ መርዕኡ ምስ ኑራ መሓመድ ኣብ 1980 ካርቱም፤ ናብ ደገ ምስ ተላእከ ድማ ኣብቲ ኣብ ምስሪ /እስክንድርያ/ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ነቲ ብረት ኣእትዩዎ።

እቶም ሳይለንሰር ዝዓጠቑ ተጋደልቲ፣ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ድ.ቀ. ናብ ታባ ዓጋመት ክድይቡ እንከለዉ ዝረኣዮም ናይ ዓይኒ ምስክር /ጽባሕ ንግሆ ብኣካል ዝምስክር/ ኣሎ። ሻቡ ኢብራሂም ነታ ሰዓት ኣርባዕተ ድ.ቀ. ዝጀመራ ቡን ኣስታት ሰዓት ሽዱሽተ ወዳዲኡ፣ ምስ ክልተ ኦፐረተራቱን ሓደ መኻይድቱን ሒዙ ሰዓት ሽዱሽተ ንምዕራባዊ ጎቦ ዓጋመት ተተሓሓዞ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘለኹ፣ ኣብ ምቕንጻል ወዲ ዓፋ ኢሳይያስ ንበይኑ ጥራይ ክፍጽሞ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ናብታ መዓልቲ እቲኣ ንምብጻሕ ብዙሓት ምስጢራውያን ኣኼባታት ምስ ሓያሎይ ሰባት ይገብር ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።

ሽዑ ምሸት ኢብራሂም ገንሸል መስዋእቲ ንምግባር ኩላቶም ተዋሳእቲ ወዛሕዛሕ ዝብልሉ ዝነበሩ ምሸት ኢዩ። መስፍን ሓጎስ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ድሕሪ ምሕዳሩ ናብ ዓራግ ላዕላይ፣ ፊሊጶስን ኢዮብ ሓሊባይን ናብ ታባ ደብረ-እበን፤ ኣላዪ መድረኽ እቲ ዓቢ ስርሒት ኢሳይያስ ከኣ ንኦፐረተሩ “ርክብኪ ምስ ወዲ ዓፋ ኣብ ሰሰዓት ኢዩ። ንዕኡ ምስ ረኸብኪ ከኣ ብቐጥታ ናባይ መልእኽቲ ስደዲ” ዝብል መምርሒ ስራሕ ድሕሪ ምሃቡ፤ ምስ ጊላይ መራሕ መኪንኡ ጉዕዞ ናብ ፖርት-ሱዳን።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ ኢሳይያስ ካብ ካርቱም ናብ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ናብ ደማስቆ /ሶርያ/ ዝሰደዶ መርድእ ወዲ ዓፋን፣ ህሉው ምክፍፋል ጀነራላት ህግደፍን ከቕርብ ምዃነይ ተዛሪበ ነይረ፣ ግን እቲ ታሪኽ መመሊሱ ይነውሕ ስለዘሎ፣ ኣብ ሓደ ክፋል ክጠቓለል ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ ዝመጽእ ክፋል ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ፣ ዝምድንኡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ሰብዓታት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ቦጦሎኒታት 4 ን 5 ን /ኣሃዱታት ናይ ወዲ ዓፋን ናይ ወልደንኪኤል ሃይለን/ ዓበይቲ ዓወታት ይገብራሉ ኣብ ዝነበራ ግዜ፤ ኢብራሂም ምስቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣዛዚ ናይቲ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፤ ዝነበረ ስሉሳዊ ዝምድናታቶምን ርክቦም ምስ ኢሳይያስ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን፤ ከምኡ’ውን ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ጉዳይ ስምረት፣ ኣብ ጉዳይ ምዝላቕን ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ምብራቕ ጀርመንን ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበሮ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትን ዝቕልቀሉ ዝነበሩ ሰበባትን ክንርኢ ኢና።

ክሳብ ሽዑ ግን ነዚ ታሪኽ’ዚ ክውስኹሉ ዝደልዩ ሰባት እንደኣ ሃልዮም ኣዝዩ ምጸበቐ። ንዓይ ዝወሃብ ሓበሬታ፣ ርእይቶን ነቐፌታን እንተሎ ድማ ሓንጎፋይ ኢለ እቕበሎ።

ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰናይ ቅነ

ሞት ክናና ኢኢሳይያስ!

ይቕጽል…

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
ኣብ ጉዳይ ከበድቲ ምስጢራት’ምበኣር ካብ ብዙሓት ድግምጋማት፣ ሓንቲ ንእሽቶ ቁልዒ ኣብ እትረኽበሉ ግዜ፣ ንሓያሎ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን እናኣጋጣጠምካ ናብ መደምደምታ ምብጻሕ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ግዜ ተራእዩ ኢዩ።

This document

Read passage and 1 other preserved context
ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምጽሓፍ ግን፣ ዘሽግር ነገር የብሉን። እቶም ኣብ ጉዕዞ ዘዋህለልናዮም ምስጢራቱ ከክንዲ ቁልዒ ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ከክንዲ ያሒት ኢዮም። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብዓበይቲ ናይ እከይ ምስጢራት ዝመልአ ኢሳይያስ፣ ታሪኹ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቃር ቀለም ዝተጻሕፈ ኢዩ። እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጥማዕ ካብ ምስጢራቱ ኢዩ’ሞ፤ ኣነ ኣቕራቢን ዘርዛሪን ዘይኮንኩስ ጀማሪ ጥራይ ምዃነይ ንዜጋታት ኤርትራ ክሕብር እደሊ።

This document

Read passage and 1 other preserved context
ኢሳይያስ ጨካን፣ ሓራዲ፣ ውልቀ-ምልካዊ፣ ስሱዕ፣ በዓል ሕቡእ ኣጀንዳ፣ ወናኒ ሰፍ ዘይብል ቅቡር ምስጢራት ወ.ዘ.ተ… ኢለ ኣብዚ ናይ ኣፈና ግዜ ብጭቡጥ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ተኸታታሊ ምስጢራቱ፣ ኣብ ገበን መሻርኽቱን ጫሌዳ ሰልፉ ህግደፍን፤ ዝፈልጦ ዘበልኩ ናቱን ናይ መሻርኽቱን ክገልጽ እየ። ንሕስያ ይኣክል! ሎሚ ናይ ኢሳይያስን ናይቶም ምስኡ ዝወዓሉ ሰብ ፈረቕኡን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተገብረ በደል፣ ይጽናሕ ምባል መመሊስካ ካልኦት ምስጢራት ንምድጓል ዝግበር ዘሎ ናይ ዕበጦ-ዕበጦ ቅድድም ኢዩ። ኣብ ገበናት መሻርኽቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውሽጢ ይሃልዉ ኣብ ደገ፤ ሎሚ ደገፍቱ ይኹኑ ተቓወምቱ ብዘየገድስ ክግንጸል ኣለዎ። ይጽንሓለይ ንመዓስ’ዩ! ንዮም ኣልቕያማ?

This document

Read passage and 1 other preserved context
ኣይፋል! ከምኡ ኣይኮነን ኢሉ ብጽሑፍ ተንቲኑ ‘ቅንዕና’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ነጥቢ ብነጥቢ ዝትንትን ሰብ እንተሎ ከኣ፣ ብድሆ እብሎ ኣለኹ። ይኣክል ግርህናን ክቱር እምነትን! ሎሚ ኢሳይያስን ሰልፊ ህግደፍን ዕርቃኖም ዝወጽኡሉ መድረኽ ኢዩ። ግዜ ኣኺሉ ኢዩ! ይኣክል ክሳውዲ ጀጋኑ ንዝኾልሰሰ ናእዳ…ህዝቢ ንዘባደመ ጣቕዒት…ክሳብ መዓስ!

This document

Read passage and 1 other preserved context
ይቕሬታ! እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ጥራይ ዝዝውተር ልቢ መረስረሲ ተርእዮ፤ ብምንም ተኣምር ንኢሳይያስ ኣይግበኦን ኢዩ። ሎሚ ኢሳይያስ መጥሓን ተሰኪሙ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ዝድብሰሉ ቃላት የለን። ሎሚ እቲ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ዘራኽበና ዝነበረ ገመድ ከኣ ብቱኽ ኢዩ። እቶም ኣብቲ ሓልቃም ሔሮ ምስኡ ጠልጠል ኢሎም ዝነበሩ ሰብ ሰንኮፍ ልብታት’ውን ሎሚ ብቱኻት ኢዮም።

This document

Read passage and 1 other preserved context
“… ለካስ ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ፣ ኢብራሂም ዓፋ’ውን ኢዱ ተነጺፉ ኣብ ጸፋር ኣኻውሕ ዓጋመት ገንሸል ኮይኑ ራዕ ኢሉ። ኢብራሂም ድሕሬኻ ኣብ ኣፍዓበት፣ ሽዕብ፣ ባጽዕ ጸላኢ ህልቂት ፈጺሙ። እቶም ዝሰዓቡኻ ስዉኣት ነጊሮሙኻ ይኾኑ፤ ንጋሕያት፣ ቦንሮስፒሮ፣ ኣምሁር፣ ደቀምሓረ ሕንጫላት ከይተረፉ ከፊልና ሰጊርናዮ … ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ስጉሚ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ላህጃ፣ ሓደ ልቢ ኮይንና፤ ሓሳብ ልብኻ ሰሚሩልካ ንሰብ ደምካ ኢዶም መሊስናሎም። ከምቲ ክኣትዉ ዝነበርዎ ቀራናት ዘይኮኑስ ጓዕማማት ኮይኖም ኢዮም ወጺኦም። ንሕና ድማ፣ እንቋዕ ጓኖትካ ኣይኮንና’ ኢልና ብሓበን ተምባእ ኢልና…!”

This document

Read passage and 2 other preserved contexts
ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ጥሪ 15 1994 ዓምዲ ‘መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት፤’ በቲ ብናይ ብርዒ ስም ‘ጽገሬዳ’ ዝብል ዝጽሕፍ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ዝተጻሕፈት፣ ብኢሳይያስ ድማ ምኩሕሓል ዝተገብረላን ጽሕፍቲ፤ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ኣምሰሉ ቁንጫል ሕጥቦ-ጽሑፍ ተጻሒፉ ነበረ። በዓል ደም ኢብራሂም ዓፋ ግን ናይ ጸላኢ ኣሃዱ ስለያ ዘይኮነስ፣ ባዕሉ እዚ ኮሓሓሊ ናይታ ጽሕፍቲ ዝኾነ ኢሳይያስ ምዃኑ ካብ እንፈልጥ ሓያለይ ዓመታት’ኳ እንተሓለፈ፣ ብሰንኪ ውሕስነት ህይወት ንነዊሕ ዓመታት ተጠኒሱ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ንምጽሓፍ በቒዑ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-5abf86d30f35f9809d54e55b
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-13145a53633a414d97645215
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ንሰባት ከም መለኮት ኣብ ዝኣመንካሉ ግዜ፣ እዚን ከምዚን ዝኣመሰለ ናይ ታሪኽ ሓተላ እናሰተኻ ኢኻ እትነብር። እቲ ዘገርም ኣቀታትላ ወዲ ዓፋ ረቂቕ ብዘይኮነ ስልቲ ተቐቲሉ ክነሱ፣ ካብ ትሒም-ትሒም ሓሊፉ ሃህ ኢሉ ዝተዛረበ ሰብ ዘይምንባሩ ኢዩ። ኣቀማምጣ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንዝፈልጥ ከኣ’ሞ እቲ ኢሳይያስ ኢብራሂም ዓፋ ንምጥፋእ ዝወሰዶ ኣዕናዊ ስጉምቲ ንምርዳእ ናይ ምምርማር ሀ…ሁ ዘድልዮ ጉዳይ ኣነበረን። ጎቦ ዓጋመት ሰራዊት ጸላኢ ኣብቲ ዝጸንከረ ወራራትን ብዙሕን ሓያልን ዓቕሚ ዝነበረሉን ግዜ ሓሙሻይን ሻድሻይን ወራራት’ኳ ኣይደየቦን።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-d8fc7cd184aa5fe789dc01af
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-4b3c20712e6a817dea8dd561
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ኣቀማምጥኡ ብወገን ምብራቕ ኣዝዩ ጸዳፍ ዝኾነ ጎቦ ዓጋመት፣ ካብ ጎቦ ደብረ-እበን ንወገን ሰሜን ኣዝዩ ዝረሓቐ ኢዩ። ኣብ እዋን ሓያል ግጥማት እቲ ግንባራት ሓዊ ዝተፍኣሉ ዝነበረ ግዜ፣ ካብ ታባ ዎድጋን ክሳብ ሩባ ሽግለት /ኣልጌን፣ ታብ ወዲ ገብሩ፣ ባዶ እኩብ፣ ማይ ክላሽን፣ ጉዋ፣ ታባ ፍረወይኒ፣ ማሕበርነት፣ ቀጠር፣ ደብረ-እበን/ ጥራይ ኢዩ ዝነበረ እቲ ሓያል ውግኣት።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-24c5cb8f4ed526590cd25789
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-aa8d0886c02dfe9663c03a09
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
እሞ ከኣ ኣብ 1985 ብድሕሪ’ቲ ጀነራል ሑሴን ኣሕመድ ዋና ኣዛዚ ‘ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት’ ዝመርሖ ዝነበረ ዝተደምሰሰ፤ ግንባር ‘ውቃው እዝ’ ስለያ ጸላኢ ክድይቦ ዘይሕሰብ ኢዩ። ግንባር ሰ.ም.ሳሕል ኣብቲ ርሱን ዝነበረሉ ዓመታት፣ እቲ ንተጋደልቲ ተኸኽ ኣቢሉዎም ዝነበረ ስለያ ‘23ኛ ክፍለጦር’ ይኹን ካብ ግንባር ሓል-ሓል ናብቲ ግንባር ተቐይሩ ዝነበረ ኣየር ወለድ ሰራዊት’ውን ናብ ከባቢ ዓጋመት ናይ ምድያብ ፈተነ ገይሮም ኣይፈልጡን ኢዮም።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-880d918de966edf2036047a5
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-fab52de4e2a64c2593817114
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ኣብ ኣሰራርሓ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብድሕሪ’ቲ ሓያል ተወፋይነት ሰራዊትን ህዝቢን ዓቢ ተራ ዝነበሮ ስለያ /ክፍሊ 72/፤ ኣይሽንኳይዶ ካብ ማህሚመት ናብ ዓጋመት /ኣስታት 40-50 ኪ.ሜ./ ዝተበገሰት ጋንታ ስለያ ጸላኢ፣ ሓንቲ ኣሃዱ ካብ ኣስመራ ክትብገስ እንከላ ኢያ ትፍለጥ ዝነበረት።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-9f836dd33b664195837cbe60
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-d8f9ed5a06e757e81d5765a8
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ኣብ ጠለፋ ዝለዓለ ክእለት ዝነበሮ ክፍሊ 72፣ ነቲ ብቕልል ዝበለ ኮዳት ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቶም ብሞርስ ኮዳት /ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ማዕበል/ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ መልእኽቲን ብድሕሪ ምድምሳስ ግንባር ናቕፋ ዝተማረኸ ብዝለዓለ ተክኖሎጂ ዝተሰርሐ ኣር.ዲ.ኤፍ. /RDF/ ዝተባህለ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ መራኸቢታት’ውን ኣብ ጥቕሙ ኣውዒሉዎ ኢዩ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-5f45335c4ac88a9aa3cd95a7
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-3a1823f085238cc0aa507ba1
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ሓደ ሓደ ግዜ ነፈርቲ ኲናት ከም ዝብገሳን፣ ኣበየናይ ከባቢታት ክድብድባ ምዃነንን ይፍለጥ ነይሩ ኢዩ። ደርግ ነቲ ኣብ ግንባር ሓልሓልዝኸፈቶ ወራር ‘ባሕሪ ነጋሽ’ ጸቕጢ ንምግባር ጥራይ ብማህሚመት ዝተቐልቀለ ውሑድ ቁጽሩ ሰራዊት፣ ኣብቲ ብረሾ 12 ጦር-ሰራዊት ንሓደ ተጋዳላይ ዝብጽሖ ዝነበረ እዋን፣ ሓያል ዝነበረሉ ግዜ’ኳ ዘይደየቦ ጎቦ ዓጋመት፤ ደይቡ ንኢብራሂም ዓፋ ቀቲሉዋ ክበሃል፤ እንታይ ዓይነት ስራይ ከም ዝተገብረሉ ንተጋዳላይ እንድዒ!

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-d5dd054b42a91d61958fe80e
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-df86eec7f0483fbd18ad25b9
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ደሓር ቀሰይ ኢልካ ኣብ ትትንትነሉ ግዜ፣ “ናይ ጸላኢ ስለያ ኣብ ዓጋመት ደይቡ ንወዲ ዓፋ ቀቲሉዎ። ግን ካብቲ ንስለያ ዝወፈረ ሓይሊ ወላ ሓደ ሰብ’ውን ኣይተመልሰን። ኩላቶም ተቐቲሎም ኢዮም!” ዝብል ጥበብ ከኣ ተማሂዙ። ሽዑ ኣብ ታባ ዓጋመት ምስ ወዲ ዓፋ ዝተቐትለ መብራህቱ ተወልደመድህን ዝተባህለ ተጋዳላይ ነይሩ’ዩ። ሓደ ካብ ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም ከኣ ነቲ ዝተገብረ ርኡይ ቅንጸላ ምስ ተዓዘበ፣ ደድሕሪ ወዲ ዓፋን መብራህቱን ጥይት ናብኡ ከም እትቐንዕ ስለዘይሰሓቶ፤ ኣብ ወጋሕታ ከም ኢራብ በሪሩ ምስ ጠፍአ ኣይተረኽበን። ስለዚ ንኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን ኣዝዩ ዘሻቕሎም ጉዳይ ኮነ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-e8e6d2ceaf411262e68b9635
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-6eb60f43131bfe65dfeb4e2e
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
መብራህቱ ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ሻምበል ዝነበረ፣ ምስ በዓል ሻለቃ ነጋሽ ተስፋጼን /ሎሚ ብሪጋደር ጀነራል/ ዝተሰለፈ፤ ምኩር ወተሃደር ኢዩ ዝነበረ። ሻምበል ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ዓላሚ ክቡር ዘብዐኛ ዝነበረ፣ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጥበብ ዝነበሮ፣ ኣብ ዓራግ /ሳሕል/ ድማ ነቶም ኢብራሂም ዓፋ ዝመስረቶም ቀዳሞት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ዝዓለመ ምኩር ወተሃደር ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ምስቶም ናብ ታባ ዓጋመት ዝደየቡ ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም፣ ደይቡ ነይሩ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-36cd09b98e003191b1137e3b
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-e6fe58fe0d7ba92418b33ffa
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
እቲ መደንጾ ጉዳይ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ካብ ጸላኢ ዝሰለቦ ንብረት ከም ብረት፣ ቦምባ፣ ብራሾ ወ.ዘ.ተ…ኣድቂቑ ዝጸባጸብ ውድብ ክነሱ፣ ጫማ ይኹን ቀጠልያ ክዳን ጦር-ሰራዊት ኣይተራእየን። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ተመኩሮኡ ንዝሞቱ ወተሃደራት ጸላኢ ቀቢሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ዝባን ዓጋመት ሰባት ምስ ደየቡ ግን ወላ ሓደ ናይ ጸላኢ ሬሳ ወይ ደም ዝተጸየቐት እምኒ ኣይረኣዩን። እቲ ፊልም ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ። ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም በዓል ወዲ በላይን ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዊና ተክኒካዊ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተጋደልቲን፣ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ጥርዚ ዓጋመት ኣድራጋ ጠያይት ምስ ተተኮሰ፤ ንረዳት ደይቦም ኢዮም።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-065fe4fef9ed9a279e46d355
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-63c3f65b0f12ef8737abb79e
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ግን ካብቲ ጥቓ ቦታ ፍጻሜ “ተመለሱ” ተባሂሎም ከም ዝተመልሱ ህሉዋት ሰባት ዝገልጽዎ ሓቂ ኢዩ። ሓደ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጉርጃ ዝተባህለ፣ መምህር ተመሃሮ ዊና፤ ብዙሕ ምትእስሳራት ተዓዚቡ ነይሩ ኢዩ። ጉርጃ ዓው ኢሉ ዝዛረብ ግሩህ ተጋዳላይ ምንባሩ ዘይፈልጥ ተጋዳላይ የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ተጋዳላይ ጉርጃ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ‘ሃንደበታዊ መስዋእቲ’ ብዝተባህለ መርድእ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡን ተቐቢሩን። ኣብ ኤሮውሮጳ ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ሓፋሽ ውድብ ዝነበረ ሓዉ ንጉርጃ ከኣ ኣብ ኣስመራ ተኣኢሩ ነይሩ’ዩ። ማእሰርቱ ምስ ጉዳይ ሓዉ ምትእስሳር ነይሩዎ’ዶ ኣይነበሮን ግን ዝፈለጥኩዎ ነገር ኣይነበረን።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-fdb4fad5b2cad446166bdfc8
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-1b2f52e100adb3911156fc1e
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
እቲ ዘጥቅዐ ስለያ ብሙሉኡ ተቐቲሉ ኢዩ ተባሂሉ፣ ምኽንያቱ ሃዲሙ እንተተባሂሉ ድማ ስለምንታይ ደኣ ደርግ ዘይዛረበሉ ከይበሃል። ኣብ ግዜ ለይቲ ዝንቀሳቐስ ሰላሕታ ኣሃዱ ስለያ፣ መሬት ከይወግሐ ናብ ደጀኑ ክምለስ ስለዝግብኦ፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጥርዚ ዓጋመት ንምብጻሕ ነቲ በብስጉምቲ ክኸይድ ዝነበሮ ኣሃዱ ስለያ ዝበሉዎ በዓል ኢሳይያስ፤ ካብ ጎላጉል ኣውገት ብቐትሪ ክብገስ ነይሩዎ። ጸላኢ ንምክትታል ኣብ ጠረዚት እቲ ግንባር ዝነበረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ቢኒኮሎታትን /ክሻፋታት/ ኣብ ጫፍ ታባ ቀጠር ዝነበረ ፍሉይ መቆጻጸሪ ክሻፋን /ተለስኮፕ/ ነቲ ዝተበገሰ ስለያ ዘይርእያ እንተድኣ ነይረን እንታይ ኢየን ዝሕልዋ ነይረን? ኣብቲ ዓይኒ እንከለና ዕዉራት፣ እዝኒ እንከለና ድማ ጸማማት ዝነበርናሉ ሰዓት ብምሒር እምነት ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንከምዚ ዝኣመሰለ ቀሊል ተዋስኦ’ውን ክንዕዘቦ ኣይከኣልናን።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-417701f6fa1290c159ee25ba
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-232de930e9830559786cc073
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 1 other preserved context
ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝነበሮ እምነትን ኣምልኾን ኣሽካዕላል ተፈድዩ። ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይድኡ ናብ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደ መሰክሕ ኣረመንነትን ስደትን ድማ ዕረ እናጠዓመና ኣስተማቒርናዮ። እቶም ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝፈለጥዎ በላሕቲ ዜጋታትና ኣደራዕ ማእሰርቲን መስዋእቲን ኮኑ። ሎሚ ግን ኣይከም ትማሊን፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣለልዩዎ ስለዘሎ ጸወታ ቃርሳ ብጀጋኑ የለን።

This document

Read passage and 1 other preserved context
እምበኣርከስ ኢሳይያስ ኣንጻር ምንቅስቓስ ተስፋምህረት ህጹጽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ “ኣብ ረርብዒ ሰዓት ቀልጥፉ…ቀልጥፉ! ተስፋምህረት ከየምልጠኩም…ተጠንቀቑ! ዝኾነ ዋጋ ክፈሉ…ቀልጥፉ…” እናበለ ነቲ ውግእ ይመርሕ ንዝነበረ ብርሃነ ይህውጸሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ምስ ተስፋምህረት ገለ ሚስጢራት ስለዝነበረ ኢዩ። እቲ ግዜ ኣብ ምቕንጻል ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ዓጋመት ወጋሕታ ከም ኢራብ ሃዲሙ ዝበረረ ኣባል ክፍሊ ታዕሊም ተጋዳላይ፣ ብሱዳን ገይሩ ናብ ተስፋምህረት ተጸንቢሩ ከም ዝነበረ ወረ ተናፊሱ ነይሩ።

This document

Read passage and 1 other preserved context
ንሱ ንኩሉ ኣቀታትላ ኢብራሂም ዓፋን ሻምበል መብራህቱ ተወልደመድህንን ምስ ተስፋምህረት ኮይኑ ሰኒዱዎ ነይሩ ኢዩ። ግን ከኣ ዕድል ኣይገበረን፣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ሓፊር /ሱዳን/ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ዝተገብረ ሓድሕዳዊ ወተሃደራዊ ግጥም ዓሪፉ ዝብል ሓበሬታ’ውን ስዒቡ። ስለዚ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ዓጋመት ዝሃደመ ተጋዳላይ ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ተስፋንኪኤል ጆርጆ ብሪሞት ኮንትሮል ይቆጻጸረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ንሱ ከም ዝሞተ፣ ሰነድ ግን ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝነበረ ጸብጻብ በጺሕዎ ነይሩ። ብዛዕባ ኣቀታትላ ኢብራሂም ዓፋ ዝምልከት ኣገዳሲ ሰነድ ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝተራእየ ምስ ሰምዐ ኢዩ’ምበኣር ዕሉም ኢሳይያስ ንተኪአ /ሽፍታ/ ድርብ ተልእኾ /Double Agent/ ሂቡ ናብቲ ውድብ ከም ዝኸድዐ ኣምሲሉ ዘፋነዎ።

This document

Read passage and 1 other preserved context
እቶም ኣብ ሓያሎይ ገበናት ምስ ኢሳይያስ ዝወዓሉን፣ እቶም ‘ሓንቲ ምስጢር እንተኣምሊቑኩም ኣብኣ ትረኽቡዋ’ ዝተባህሉን ሰባት፤ ሕቡእ ምስጢራት ኢሳይያስ ክነግሩና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ንሕና እዞም ኢሳይያስ ሞይቶም ይኾኑ’ዮም ዝበለና፣ ግን ከኣ ዘለና ኤርትራውያን ካብ ሓደ ዝጎደለ ካልእ እናመልአ ሰማእታት ዘሰከሙና ሕድሪ ናብ ወለዶና ከነስግሮ ኢና። ኤርትራ ግምጃ ታሪኻ ብመስተንክራት ዝመልአ ክነሱ፤ ሎሚ ኢሳይያስ ነቲ ታሪኽ ህዝብና ማዕረ ገበናቱ ገይሩ ኣብ ሓደ መቓብር ንምድፋኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ግን ምዃን ኣብዩዎ፣ ሎሚ ንሕና ነቶም ብኢሳይያስ ብቓጻ ዝተመንከሉ ዜጋታትና ምንም እንተጸሓፍናን እንተጸለናን ክንመልሶም ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ክንመሃረሉ ዝግባኣና ነገር ግን ኣሎ። ኢሳይያስ መን’ዩ? ስለምንታይ’ከ ክንድዚ ቅንጸላታት?

This document

Read passage and 1 other preserved context
ስለምንታይ ኢዩ ክሳብ ክንድዚ ኣንጻር ኤርትራውያን ጨኪኑ? ስልጣን ንምብሓት ድዩ? ንኣርብዓ ዓመታት ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ዝተጓዕዘሉ መን’ዶ ተጫራታይ ነይሩዎ’ዩ! ናብ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምብጻሕ ግድን ከምኡ ዝግበር እንተኣ ኮይኑ ድማ በብቑሩብ ንኩሉ ኤርትራዊ ክሳብ ዝጭርስ እንታይ ኢና ክንገብር? ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ዋና፣ ንዘይ ንብረትካ ዋጋ ዕዳጋ ክትገብር ስለዘይከኣል፣ ኤርትራ ሓደ ሰብ ክሳብ ዝተርፋ ነንዝጠመቶ ክቕርድድ ኢዩ። ስለዚ ትም’ዶ ንበል ስለ ሃገርን ህዝቢን ኣንጻሩ ንምከር? ተደጋጊሙ ከም ዝተጻሕፈ ካብ ሰብዓታት ክሳብ 2001 ነቶም ክዕንቅፉኒ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ደቀባት ኤርትራውያን ኣጥፊእዎም ኢዩ። ገለ ካብ እዞም ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ኣብ ጎድኑ ዘለዉ ዝለዓሉ ጀነራላትን ሰበ-ስልጣናትን ከኣ ኣብ ምቕንጻል በዓል ወዲ ዓፋን /ትያትሮ ዓጋመት/ ካልኦትን ተለኣኣኽቱን ፈጸምቲ ገበናትን ዝነበሩ ስለዝኾኑ፤ መንገዶም ብሓደ ኢዩ።

This document

Read passage and 2 other preserved contexts
ኢብራሂም ዓፋ ቅድሚ ምስውኡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ቅሩብነት ብዝምልከት ምስ ኣባላቱ ኣኼባ ሒዙ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ህድኣት ኣምለሶም (ጓል ኣርባዕተ) ምስቲ ሳጢር ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ፣ ክልቲኦም ኦፐረተራት ካብቲ ቦታ ኣኼባ ፍንትት ኢሎም መልእኽቲ ካብ ስምኦን ገብረድንግል ይቕበሉ ነይሮም። ብድሮኡ ከኣ ወዲ ዓፋ ምስቲ ብጽርግያ ብድሆ /ዓምበርቦብ-ሓሊበት/ ዘንቆልቆለ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ተራኺቡ ነይሩ ኢዩ። መስፍንን ኢብራሂምን ኣብ ዓራግ ብሓደ ንምሕዳር መዲቦም ምስ ተረዳድኡ፣ መስፍን ሓጎስ “…ፊሊጶስ ናይ ግድን ምሳይ ሕደር ስለዝበለኒ፣ ምስኡ ክሓድር እየ” ኢሉ ሽዑ ለይቲ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ከም ዝሓደረ ጭብጢ ሰነድ ኣሎ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-fe5dc2c72488f8a0f8be5335
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-d727418eb1024cc378c1436a
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ከኣ ቅድሚ ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ፍሉይ ድምጺ ዘይብሉ ጠበናጁ /ሳይለንሰር/ ዝዓጠቑ ሓሙሽተ ሰባት ናብ መደበር ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ጋንታ ዝነበረ ድራር ዝተባህለ ብሕድሪ ንክጸንሑሉ ኣረኪቡዎ ነበሩ ኢዩ። እቲ ሳይለንሰር ጠበናጁ ባዕሉ ኢብራሂም ምስ ምቛም ኣሃዱ ኮማንዶ ናብ ደገ ከይዱ መሪጹ ዘምጽኦ ብረት ኢዩ። ብድሕሪ መርዕኡ ምስ ኑራ መሓመድ ኣብ 1980 ካርቱም፤ ናብ ደገ ምስ ተላእከ ድማ ኣብቲ ኣብ ምስሪ /እስክንድርያ/ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ነቲ ብረት ኣእትዩዎ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-232da14c430091e6abe1ada5
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-5c80470f0b1e08327988cc25
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
እቶም ሳይለንሰር ዝዓጠቑ ተጋደልቲ፣ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ድ.ቀ. ናብ ታባ ዓጋመት ክድይቡ እንከለዉ ዝረኣዮም ናይ ዓይኒ ምስክር /ጽባሕ ንግሆ ብኣካል ዝምስክር/ ኣሎ። ሻቡ ኢብራሂም ነታ ሰዓት ኣርባዕተ ድ.ቀ. ዝጀመራ ቡን ኣስታት ሰዓት ሽዱሽተ ወዳዲኡ፣ ምስ ክልተ ኦፐረተራቱን ሓደ መኻይድቱን ሒዙ ሰዓት ሽዱሽተ ንምዕራባዊ ጎቦ ዓጋመት ተተሓሓዞ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘለኹ፣ ኣብ ምቕንጻል ወዲ ዓፋ ኢሳይያስ ንበይኑ ጥራይ ክፍጽሞ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ናብታ መዓልቲ እቲኣ ንምብጻሕ ብዙሓት ምስጢራውያን ኣኼባታት ምስ ሓያሎይ ሰባት ይገብር ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-839bbaa4180ae138040f9a1e
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-f546fe433eefed0436052110
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ሽዑ ምሸት ኢብራሂም ገንሸል መስዋእቲ ንምግባር ኩላቶም ተዋሳእቲ ወዛሕዛሕ ዝብልሉ ዝነበሩ ምሸት ኢዩ። መስፍን ሓጎስ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ድሕሪ ምሕዳሩ ናብ ዓራግ ላዕላይ፣ ፊሊጶስን ኢዮብ ሓሊባይን ናብ ታባ ደብረ-እበን፤ ኣላዪ መድረኽ እቲ ዓቢ ስርሒት ኢሳይያስ ከኣ ንኦፐረተሩ “ርክብኪ ምስ ወዲ ዓፋ ኣብ ሰሰዓት ኢዩ። ንዕኡ ምስ ረኸብኪ ከኣ ብቐጥታ ናባይ መልእኽቲ ስደዲ” ዝብል መምርሒ ስራሕ ድሕሪ ምሃቡ፤ ምስ ጊላይ መራሕ መኪንኡ ጉዕዞ ናብ ፖርት-ሱዳን።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-361bff9adc6a7f353f530ea2
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-1b7bc0a277b654aba77f0dfc
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ ኢሳይያስ ካብ ካርቱም ናብ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ናብ ደማስቆ /ሶርያ/ ዝሰደዶ መርድእ ወዲ ዓፋን፣ ህሉው ምክፍፋል ጀነራላት ህግደፍን ከቕርብ ምዃነይ ተዛሪበ ነይረ፣ ግን እቲ ታሪኽ መመሊሱ ይነውሕ ስለዘሎ፣ ኣብ ሓደ ክፋል ክጠቓለል ዝከኣል ኣይኮነን።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-28fc9220565c1a2e9bf37392
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-4d5387c061aed3b97ab930b2
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 2 other preserved contexts
ኣብ ዝመጽእ ክፋል ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ፣ ዝምድንኡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ሰብዓታት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ቦጦሎኒታት 4 ን 5 ን /ኣሃዱታት ናይ ወዲ ዓፋን ናይ ወልደንኪኤል ሃይለን/ ዓበይቲ ዓወታት ይገብራሉ ኣብ ዝነበራ ግዜ፤ ኢብራሂም ምስቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣዛዚ ናይቲ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፤ ዝነበረ ስሉሳዊ ዝምድናታቶምን ርክቦም ምስ ኢሳይያስ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን፤ ከምኡ’ውን ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ጉዳይ ስምረት፣ ኣብ ጉዳይ ምዝላቕን ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ምብራቕ ጀርመንን ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበሮ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትን ዝቕልቀሉ ዝነበሩ ሰበባትን ክንርኢ ኢና።

This document

  • ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለናEnglish / ትግርኛ · b-1cc95ea2bc7cc868789b5230
    Passage provenance

    Record ID: 59d69a40822d1e4abc2a3435

    Original source: http://www.ehrea.org/pt6.php

    Original SHA-256: 65a918600b5edee7a95ee076c99f9ad9fde659a97e15b7e2906b26b0279f07a7

  • The mysterious death of Ibrahim AfaEnglish / ትግርኛ · b-708b0e1fabfbe65749e74c75
    Passage provenance

    Record ID: fff4116475e0e66ad78d00bf

    Original source: http://www.ehrea.org/AFA.php

    Original SHA-256: becf3e30b551f26a705e6c0b0d2a3fe5bfb19506cf8088b59f0dad1868c93eb5

Read passage and 1 other preserved context
ክሳብ ሽዑ ግን ነዚ ታሪኽ’ዚ ክውስኹሉ ዝደልዩ ሰባት እንደኣ ሃልዮም ኣዝዩ ምጸበቐ። ንዓይ ዝወሃብ ሓበሬታ፣ ርእይቶን ነቐፌታን እንተሎ ድማ ሓንጎፋይ ኢለ እቕበሎ።

This document

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.