Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ? ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ? (ቀቅድሚ መስዋእቱ ዝጸሓፎ ደብዳበ/ሰነድ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ‘ሎ)

Descriptive archival label; editorial title review pending.

Captured
2026-10-30T17:01:51.291824+00:00
Source status
captured · HTTP 200
Original source ↗

http://www.ehrea.org/mengstab.php

Read in the document library →

Post navigation

← ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን (ውልቃዊ ትዕዝብቲ) ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (6ይ ክፋል)

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ? ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ? (ቀቅድሚ መስዋእቱ ዝጸሓፎ ደብዳበ/ሰነድ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ‘ሎ)

EPLF_Fighters

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ?

ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ?

ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳልዋ ዝደለኩሉ ምክንያት እቲ ኣብ ሓምለ1979 ዓ.ም.ዝተሰውኤ መንግስትኣብ ኢሳቕ ቑርብ መዓልታት ቐድሚ ምሟቱ ባዕሉ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ሰለዝረከብኩዋን ታሪኽ ናይ ስውኣትና ተረሲዑ መታን ከይተርፍን ታሪኽ ናብቲ ሓዲሽ ወለዶ ንምስግጋርን ስለዝደለኩን ኢየ፡፡ እግረ መንገደይ ድማ ክፍኣትን ተንኮላትን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምብራህ ጉቡኤይ ኮይኑ ስለዝስማዓኒ ኢየ፡፡

ስለዚ እታጽሕፍቲ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅከምዘላታ የቅርባ ኣለኩ፡፡

ኣናባቢ መታን ከይደናገር ግን መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ከምዝነበረን ኤ.ና.ስ.ኣ እናታይ ምንባሩን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን ኢየ፡፡

መንግስትኣብ ኢሳቕ ናይ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማሕበር E.N.A.S.A ኣቦ መንበር ነበረ፡፡እዚ ማሕበር እዚ ኣብ መጀመሪያ 1970 ታት ዝተመስረተ ኮይኑ፣ካብ 1976 ዓ.ም. ጅሚሩ ድማ ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዓቢን ኣገዳሲን ተራ ዝጻወት ዝነበረ ማሕበር ነበረ፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ምፍላይ ናይ ዑሰማን ሳልሕ ሳቤ እቲ ፖለቲካዊን ንዋታው ንሓገዝ ኤ. ና. ስ.ኣ. መተካእታ ዘይነበሮ ኮይኑ ኤ ና ስ ኣ ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ስውራ ኾይኑ ምንባሩ ይዝከር፡፡

እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤን ኤ.ና.ስ.ኣ ን ኣብቲ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ኢዩ ተላዒሉ፡፡ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነጥቢ ድማ ሶቭት ሕብረት ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊን ብፖለቲካን መንገዲ ክትጭፍጭፍ ድሕሪ ምጅማራ ዝተላዕለ ነበረ፡፡

ኣብዚ ግዜዚ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ንሶቭየት ሕብረት ብምኹናን፣ ሓደ ብፖለቲካውን ወትሃደራውን መዳያት ኣንጻርካ ዝኮነ ሓይሊ ቐዳማይ ጸላኢኻ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ድሕሪ ምብጻሕ፣ ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርዓ ወሰነ፡፡እቲ ረብሓ ይኹን ስቅያትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዲሱዎ ዘይፈልጥ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ምስ ሶቭየትሕብረት ክብኣስ ኣይደለየን፡፡ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ከም ናይ ማሕበርነታዊ ደንበ ወኪል ኾይኑ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠቅሊሉ ክመርሕ ወይ ክገዝእ ይሓልም ስለዝነበረ ኢዩ፡፡ ብዛዕባዚ ኣብ መጻኢ ብዙሕ መርትዖታት ከቅርብ ኢዬ ፡፡ ኤርትራ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዝያ ንእሽቶይ ሃገር ስለዝኮነት ናይ ስልጣን ጽመኣቱ ተርውየሉ ሃገር ኣይኮነትን፡፡ ኢሳያስ ሕልሙ ዝነበረ ንሰውራ ኤርትራ ከም መሰላል ተጠቂሙ ምስ ሶቭየት ሕብረት ብምጽጋዕ ዓቢ መራሒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከውን ኢዩ ዝነበረ፡፡ እዚ ሕልምዚ ክትግብሮ ዝክእልድማ ምስ ሶቭት ሕብረት ዘለዎ ዝምድና ዝኮነ ይኹን ዋጋ ተከፊሉዎ ክመጽእ ነይሩዎ፣ ሶቭት ሕብረት ክትኹነን ድማ ኣይደለየን ፡፡ በዚ ምክንያት ድማ ሶቭት ሕብረት ቐዳማይ ጸላኢትና ኣይኮነትን ግን እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጌጋትት ናይ ስትራተጂካዊ ጌጋታት ጥራይ ኢዩ ክብል መልሲ ድሕሪ ምሃብ ነቲ ኣብቲ “ንቅሓት“ተባሂሉዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ኤ.ና. ስ. ኣ. ልሳን ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋቶም ክእርምዎ ኢሳያስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ ኤ. ና. ስ. ኣ.ግን መንግዶም ብምቅጻል ነቲ ኣብ “መሪሕ“ ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋት እናተከታተሉ ኣብቲ ናቶም መጽሔት “ንቅሓት“ ግቡእ መልሲ ይህብዎ ነበሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ናትኩም መጽሔት ምስ ናይ ህዝቢ ንቅሓት ዝከይድ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ እታ መጽሔት ምሕታም ከቛርጽዎ ይእዝዝ፡፡ በዚ መሰረት ድማ እታ ንቕሓት ብዝብል ሽም ትወጽእ ዝነበረት መጽሔት ከምትቛረጽ ተገብረ፡፡

ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣረኣእያ ግን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶዚ ብጉቡእ መሊሹ ንከቃልስ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ብርቲዕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ዝብል ነበረ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ቃልሲዚ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራን ኮራኹሮምን ቀንዲ ዓንቀፍቲ ኾይኖሞ ኣለዉ ፡፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ህ. ግ. ሓ. ኤ ቀንዲ ሓይሎም ኣንጻር እቶም ነዚ ሕቶ ዘንቅሉ ሓፋሽ ህዝብና ይኹን ንዕኦም ንዝዀነንኦም ማሕበራትና ጸቕጢ ብምግባር ኣበርቲዖም ይንቀሳቀሱ ምህላዎም ሓበሩ ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ናይ ፈታዊን ጸላኢን ናይ ምምማይ ቃለሲ ካብቲ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራ ናይ ምቕላዕ ዕማም ዘይንጸል ምኻኑ ብጭቡጥን ብዝበለጸን እናበርሀ ይከይድ ምህላዉ ተንተኑ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ “መራሕቲ “ ሰዉራ ኤርትራ ነቲ ዝፈጸምዎ ክድዓት ንክሽፍኑ ዘይገብርዎ ተግባር የልቦን፡፡ “ሶቬት ሕብረት ከመይ ግይራ ማሕበርነታዊት ትከውን ? ከመይ ጌርናኸ ፈታዊትና ንብላ?” ካብቶም ጸላእትናኸ ብምንታይ ትፍለ?“ …ወዘተ ወዘተ … ኢሉ ንዝሓተቶም ተቃላሳይ ኤርትራዊ „ሕሉፍ ጸጋማዊ“ „ፋሉላዊ?“ „ትሮትስካዊ“…ወዘተ ኢሎም ብምጥቃን ይጸቅጥዎ ይድህልዎን ኣለዉ፡፡ ንከምስሉ „ተግባራት ሶቬት ሕብረት ኮኒንናዮ” ኢሎም ከብቅዑ „ማሕበርነታዊት ኢያ “ „ስትራትጂካዊት መሓዛና ኢያ” ኢልካ ተቀበል እናበሉ ንሓፈሽ ህዝብና ብሓይሊ ነቲ ግልቡጥ ሰነሞጎቶም ከእምንዎ ህርድግ ይብሉ ምንባሮም የቓልዑ፡፡ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ንኣግላሲ መርገጺ ሶቬት ሕብረት ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ብጹሑፍ ኣስፊሮም ምንባሮም ድማ ኤ ና ስ ኣ ይሕብሩ፡፡

“ተ.ሓ. ኤ” ሶቬት ሕብረት ንፋሽስታዊ ደርጊ ትህቦ ዘላ ኣጽዋር ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብነዊሕ ክረኤ እንከሎ ድማ ንረብሓ ህዝብታት እርትራን፣ ኢትዮጵያን ፣ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኢዩ፡፡. “ተ.ሓ.ኤ ERITREAN REVOLUTION Vol.II N° 5” ክብሉ እንከለዉ፣

„መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ” ድማ ኣብ „መሪሕ 3ይ ሕታም ቁ 5” ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡፡“ተጋጊዮም እምበር ማሕበርነታውያን ኢዮም” ወዘተ… ወዘተ ብዝብል ሓረጋት ጎልቢቦም “ሰትራተጂካዊ ኣዕሩኽቲ ሰውራና“ “ቀዳሞት ፈተውትና” ኢዮም፡፡ እቲ ምስኣቶም ዘሎና ግርጭት ድማ ካልኣይ ደርጃ ዝሓዘ እምበር ቀዳማይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ፡፡ ከምኡ ገርኻ ምርኣዩ ድማ ግጉይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንሓፋሽ ድማ ሰትራተጂካውያን ፈትውቱን ጸላእቱን ከምዘየለሊ ኰይኑ ኣብ ውድቀትን ጥፍኣትን ናይ ሃጼይነትን ሓይልታት ምድሕርሓርን መፈንጠራታትን ንምጥሓል ማለት ኢዩ፡፡

ድሕርዚ ኩሉ ምስሕሓባት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1978 ዓ.ም.

ኤ.ና.ስ.ኣ (ማሕበር ኤርትራውያ ንናጽት ሰሜን ኣሜሪካ) ኣብ

“9 ይ” ጉባኤ ን „መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኾነንዎም፡፡ ካብ ውድብ ህ.ግ. ምፍላዮም ድማ ኣወጁ፡፡

ኤ.ና. ስ. ኣ. ድማ እቲ ንሜዳ ዝልእክዎ ዝነበሩ ንብረት ጠጠው ከምዝብል ገበሩ፡፡ካብዚ ግዜዚ ጅሚሩ ድማ ኣብ ልእሊ መንግስትኣብ ኢሳቅ ማእለያ ዘይብሉ ጸቅጥታትን ታህዲዳትን ክካይዱ ጀመሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ‘ውን ንመንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ከምዝሃደዶ ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ.ወለቕ ዘለቕ ክብል ተራእዬ፡፡ ማለት ኩሎም ከም ቀደሞም ተሪሮም ኣብ ጎድኒ መንግሰትኣብ ኢሳቅ ኣይጸንዑን፡፡ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ምህላዉ ድማ ተገንዘበ፡፡

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግን እቲ ውሳኔ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ዝወሰዶ ውሳኔ ዘይኾነስ፣ ውሳኔ ናይ ብሙሉኡ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ከምኡ ድማ ናይ ኩሎም ኣባላተ ኤ ና ስ ኣ ን ምንባሩ ኢዩ ።ሓደ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ነቲ ውሳኔ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይተቀበሎ ፣ ንሱ ድማ ገብሪሂወት ሊሎ ምንባሩ ይፍለጥ ምናልባሽ ኣባል ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ዝነበረ ድማ ኽኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ጸቅጢ ብመራሕቲ ህ ግ ጥራይ ዘይኮነስ ብገለ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ. ‚ውን ከጋጥሞ ምስ ጀመረ መንግስትኣብ ኢሳቅ እቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋትና ጌጋ ኢዩ ነይሩ ብምባል ናይቲ ጉድለት ሓላፍነት ድማ ንሱ ባዕሉ ከምዝሽከሞ ሓቢሩ ነይሩ፡፡እዚ ጉድለት‘ዚ ግን ናብቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋቶም ዘተኾረ ጥራይ ነበረ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ታህዲዳት ናይ ህ.ግ. ኣዝዩ እናኸፍኤን ንህይወቱ ኣሰጋኢ ኾይኑ ኣብ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋናት፣ ክቀትሉኒ ይደልዩ ስለዘለዉ ብዝቀልጠፈ ግዜ ጉባኤ ግበሩለይ ክብል ጀመረ፡፡ ኣነ እቲ ዘገጥመኒዘሎ ጸገማትን እቲ ሓቐኟ ኹነታትን ኩሉ ኣብ ጉባኤ ክገልጾ ኢዬ ብምባል ብቃልን ብጹሑፍን ጸገሙ ክገልጽ ጀመረ፡፡ ስለዚ ብዝቐልጠፈ ጉባኤ ንክግበሉ ድማ ንብጾቱ ተማሕጸነ ፡፡

እቲዝተረፈ ኣንባቢ ካብቲ ጽሑፉ ክረክቦ ስለ ዝክእል ኣንበብቲ ባዕሎም ናቶም መደምደምታ ወይ ፍርዲ ክወስዱ ይገድፎ፡፡

እቲ ኣነ ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊግን መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ካልኣይ ደረጃ (2nd floor) ብምውዳቅ ነብሱ ቀቲሉ ተባሂሉ ምግላጹ ኢዩ፡፡ እዚ ዘገርም ኢዩ፣ ሓደ ነብሱ ክቀትል ዝደለየ ሰብ ስለምንታይ ካብ ካልኣይ ደረጃ ይወድቅ? ንወሕ ዝበለ ፓላሶታት ኣብ ከተማ ኒዉዎርክ( New York) ሰለዝሰኣነ ድዩ፡?ካብ ካልኣይ ደረጃ ወዲቅካ ከይሞትካ ተሃሲካ ትትርፈሉ ዕድልከ ኣዝዩ ብዙሕ ዶ ኣይኮነን ?

እቲ ሓቑ ድኣ ኣፍሉጡና፡፡ እቶም ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩኸ ድኣ እንታይ የጣብዉ ነይሮም ማለት ኢዩ መንግስትኣብ ኢሳቅ ክጸድፍ እንከሎ?

እቲ ዘገርም ድማ መንግስትኣብኢሳቅ ድሕሪ ምሟቱ ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ፣በይኑ ክዛረብ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ ፣ ሓንጎሉ ሲሒቱ ነይሩ ኢዩ፣ ዝብል ወረታት ብምዝርጋሕ እታ “ጹሉል“ ትብል ማሕተም ከምትለግቦ ምግባሮም ኢዩ፡፡ መንግስትኣብ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድሕሪ ምሟቱ“ጽሉል“ ዝብል ማሕተም ዝተወቅዖ፡፡ እቶም ነብሶም ቀቲሎም ተባሂሉ ዝውረየሎም ከም ስውእኣለምሃይለኣብፍሼ ናይ ሰሜን ናይ ሚሊሻ ሓላፊ ዝነበረ፣ ስውእወዲልቢኣብሳቡር ናይ ክፍሊ ስለያ ሓላፊ ዝነበረ፣ ከምኡውን ስውእሃብተስላሴተፈሪ (ወደባተሪ ) ኣባል ክፍሊ ስለያ ናይ ወጻኢ ዝነበረ፣ኣብካሊፎርኒያ (California U.S.A.) እውን ድሕሪ ምሟቶም ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ዝብል ማሕተም ተወቒዑዎም ምንባሩ ዝዝክር ኢዩ፡፡

Mengsteab_1

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ? ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ? (ቀቅድሚ መስዋእቱ ዝጸሓፎ ደብዳበ/ሰነድ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ‘ሎ)

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-68763375bab06e28f1c695eb
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

    Original anchors: source-js_5z2

Read passage and 1 other preserved context
ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳልዋ ዝደለኩሉ ምክንያት እቲ ኣብ ሓምለ1979 ዓ.ም.ዝተሰውኤ መንግስትኣብ ኢሳቕ ቑርብ መዓልታት ቐድሚ ምሟቱ ባዕሉ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ሰለዝረከብኩዋን ታሪኽ ናይ ስውኣትና ተረሲዑ መታን ከይተርፍን ታሪኽ ናብቲ ሓዲሽ ወለዶ ንምስግጋርን ስለዝደለኩን ኢየ፡፡ እግረ መንገደይ ድማ ክፍኣትን ተንኮላትን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምብራህ ጉቡኤይ ኮይኑ ስለዝስማዓኒ ኢየ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-518249250d8176f9a62b0136
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
ኣናባቢ መታን ከይደናገር ግን መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ከምዝነበረን ኤ.ና.ስ.ኣ እናታይ ምንባሩን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን ኢየ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-8e7e7fc05caf9551ed326ea2
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
መንግስትኣብ ኢሳቕ ናይ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማሕበር E.N.A.S.A ኣቦ መንበር ነበረ፡፡እዚ ማሕበር እዚ ኣብ መጀመሪያ 1970 ታት ዝተመስረተ ኮይኑ፣ካብ 1976 ዓ.ም. ጅሚሩ ድማ ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዓቢን ኣገዳሲን ተራ ዝጻወት ዝነበረ ማሕበር ነበረ፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ምፍላይ ናይ ዑሰማን ሳልሕ ሳቤ እቲ ፖለቲካዊን ንዋታው ንሓገዝ ኤ. ና. ስ.ኣ. መተካእታ ዘይነበሮ ኮይኑ ኤ ና ስ ኣ ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ስውራ ኾይኑ ምንባሩ ይዝከር፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-2f435e4443b4d9d5bb2687be
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤን ኤ.ና.ስ.ኣ ን ኣብቲ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ኢዩ ተላዒሉ፡፡ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነጥቢ ድማ ሶቭት ሕብረት ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊን ብፖለቲካን መንገዲ ክትጭፍጭፍ ድሕሪ ምጅማራ ዝተላዕለ ነበረ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-8008ca6cfd24a79a1f5d5040
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣረኣእያ ግን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶዚ ብጉቡእ መሊሹ ንከቃልስ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ብርቲዕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ዝብል ነበረ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ቃልሲዚ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራን ኮራኹሮምን ቀንዲ ዓንቀፍቲ ኾይኖሞ ኣለዉ ፡፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ህ. ግ. ሓ. ኤ ቀንዲ ሓይሎም ኣንጻር እቶም ነዚ ሕቶ ዘንቅሉ ሓፋሽ ህዝብና ይኹን ንዕኦም ንዝዀነንኦም ማሕበራትና ጸቕጢ ብምግባር ኣበርቲዖም ይንቀሳቀሱ ምህላዎም ሓበሩ ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ናይ ፈታዊን ጸላኢን ናይ ምምማይ ቃለሲ ካብቲ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራ ናይ ምቕላዕ ዕማም ዘይንጸል ምኻኑ ብጭቡጥን ብዝበለጸን እናበርሀ ይከይድ ምህላዉ ተንተኑ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ “መራሕቲ “ ሰዉራ ኤርትራ ነቲ ዝፈጸምዎ ክድዓት ንክሽፍኑ ዘይገብርዎ ተግባር የልቦን፡፡ “ሶቬት ሕብረት ከመይ ግይራ ማሕበርነታዊት ትከውን ? ከመይ ጌርናኸ ፈታዊትና ንብላ?” ካብቶም ጸላእትናኸ ብምንታይ ትፍለ?“ …ወዘተ ወዘተ … ኢሉ ንዝሓተቶም ተቃላሳይ ኤርትራዊ „ሕሉፍ ጸጋማዊ“ „ፋሉላዊ?“ „ትሮትስካዊ“…ወዘተ ኢሎም ብምጥቃን ይጸቅጥዎ ይድህልዎን ኣለዉ፡፡ ንከምስሉ „ተግባራት ሶቬት ሕብረት ኮኒንናዮ” ኢሎም ከብቅዑ „ማሕበርነታዊት ኢያ “ „ስትራትጂካዊት መሓዛና ኢያ” ኢልካ ተቀበል እናበሉ ንሓፈሽ ህዝብና ብሓይሊ ነቲ ግልቡጥ ሰነሞጎቶም ከእምንዎ ህርድግ ይብሉ ምንባሮም የቓልዑ፡፡ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ንኣግላሲ መርገጺ ሶቬት ሕብረት ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ብጹሑፍ ኣስፊሮም ምንባሮም ድማ ኤ ና ስ ኣ ይሕብሩ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-9a85370c755e8ca7426ee652
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
“ተ.ሓ. ኤ” ሶቬት ሕብረት ንፋሽስታዊ ደርጊ ትህቦ ዘላ ኣጽዋር ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብነዊሕ ክረኤ እንከሎ ድማ ንረብሓ ህዝብታት እርትራን፣ ኢትዮጵያን ፣ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኢዩ፡፡. “ተ.ሓ.ኤ ERITREAN REVOLUTION Vol.II N° 5” ክብሉ እንከለዉ፣

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-390f1d59da6c373c258d7c9e
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
„መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ” ድማ ኣብ „መሪሕ 3ይ ሕታም ቁ 5” ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡፡“ተጋጊዮም እምበር ማሕበርነታውያን ኢዮም” ወዘተ… ወዘተ ብዝብል ሓረጋት ጎልቢቦም “ሰትራተጂካዊ ኣዕሩኽቲ ሰውራና“ “ቀዳሞት ፈተውትና” ኢዮም፡፡ እቲ ምስኣቶም ዘሎና ግርጭት ድማ ካልኣይ ደርጃ ዝሓዘ እምበር ቀዳማይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ፡፡ ከምኡ ገርኻ ምርኣዩ ድማ ግጉይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንሓፋሽ ድማ ሰትራተጂካውያን ፈትውቱን ጸላእቱን ከምዘየለሊ ኰይኑ ኣብ ውድቀትን ጥፍኣትን ናይ ሃጼይነትን ሓይልታት ምድሕርሓርን መፈንጠራታትን ንምጥሓል ማለት ኢዩ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-9f2c45a92da7f8d40d3e12bd
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
ኤ.ና. ስ. ኣ. ድማ እቲ ንሜዳ ዝልእክዎ ዝነበሩ ንብረት ጠጠው ከምዝብል ገበሩ፡፡ካብዚ ግዜዚ ጅሚሩ ድማ ኣብ ልእሊ መንግስትኣብ ኢሳቅ ማእለያ ዘይብሉ ጸቅጥታትን ታህዲዳትን ክካይዱ ጀመሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ‘ውን ንመንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ከምዝሃደዶ ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ.ወለቕ ዘለቕ ክብል ተራእዬ፡፡ ማለት ኩሎም ከም ቀደሞም ተሪሮም ኣብ ጎድኒ መንግሰትኣብ ኢሳቅ ኣይጸንዑን፡፡ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ምህላዉ ድማ ተገንዘበ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-e4ab1aa6e98e649993c3e091
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግን እቲ ውሳኔ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ዝወሰዶ ውሳኔ ዘይኾነስ፣ ውሳኔ ናይ ብሙሉኡ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ከምኡ ድማ ናይ ኩሎም ኣባላተ ኤ ና ስ ኣ ን ምንባሩ ኢዩ ።ሓደ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ነቲ ውሳኔ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይተቀበሎ ፣ ንሱ ድማ ገብሪሂወት ሊሎ ምንባሩ ይፍለጥ ምናልባሽ ኣባል ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ዝነበረ ድማ ኽኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ጸቅጢ ብመራሕቲ ህ ግ ጥራይ ዘይኮነስ ብገለ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ. ‚ውን ከጋጥሞ ምስ ጀመረ መንግስትኣብ ኢሳቅ እቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋትና ጌጋ ኢዩ ነይሩ ብምባል ናይቲ ጉድለት ሓላፍነት ድማ ንሱ ባዕሉ ከምዝሽከሞ ሓቢሩ ነይሩ፡፡እዚ ጉድለት‘ዚ ግን ናብቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋቶም ዘተኾረ ጥራይ ነበረ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-97e528d06ffb7de02f20f324
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
ይኹን እምበር እቲ ታህዲዳት ናይ ህ.ግ. ኣዝዩ እናኸፍኤን ንህይወቱ ኣሰጋኢ ኾይኑ ኣብ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋናት፣ ክቀትሉኒ ይደልዩ ስለዘለዉ ብዝቀልጠፈ ግዜ ጉባኤ ግበሩለይ ክብል ጀመረ፡፡ ኣነ እቲ ዘገጥመኒዘሎ ጸገማትን እቲ ሓቐኟ ኹነታትን ኩሉ ኣብ ጉባኤ ክገልጾ ኢዬ ብምባል ብቃልን ብጹሑፍን ጸገሙ ክገልጽ ጀመረ፡፡ ስለዚ ብዝቐልጠፈ ጉባኤ ንክግበሉ ድማ ንብጾቱ ተማሕጸነ ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-d02efc43a26022855db20f37
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
እቲ ኣነ ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊግን መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ካልኣይ ደረጃ (2nd floor) ብምውዳቅ ነብሱ ቀቲሉ ተባሂሉ ምግላጹ ኢዩ፡፡ እዚ ዘገርም ኢዩ፣ ሓደ ነብሱ ክቀትል ዝደለየ ሰብ ስለምንታይ ካብ ካልኣይ ደረጃ ይወድቅ? ንወሕ ዝበለ ፓላሶታት ኣብ ከተማ ኒዉዎርክ( New York) ሰለዝሰኣነ ድዩ፡?ካብ ካልኣይ ደረጃ ወዲቅካ ከይሞትካ ተሃሲካ ትትርፈሉ ዕድልከ ኣዝዩ ብዙሕ ዶ ኣይኮነን ?

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-9a9336e47752956932fca103
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
እቲ ሓቑ ድኣ ኣፍሉጡና፡፡ እቶም ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩኸ ድኣ እንታይ የጣብዉ ነይሮም ማለት ኢዩ መንግስትኣብ ኢሳቅ ክጸድፍ እንከሎ?

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-84100cd87b7ecdca80e63300
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

Read passage and 1 other preserved context
እቲ ዘገርም ድማ መንግስትኣብኢሳቅ ድሕሪ ምሟቱ ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ፣በይኑ ክዛረብ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ ፣ ሓንጎሉ ሲሒቱ ነይሩ ኢዩ፣ ዝብል ወረታት ብምዝርጋሕ እታ “ጹሉል“ ትብል ማሕተም ከምትለግቦ ምግባሮም ኢዩ፡፡ መንግስትኣብ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድሕሪ ምሟቱ“ጽሉል“ ዝብል ማሕተም ዝተወቅዖ፡፡ እቶም ነብሶም ቀቲሎም ተባሂሉ ዝውረየሎም ከም ስውእኣለምሃይለኣብፍሼ ናይ ሰሜን ናይ ሚሊሻ ሓላፊ ዝነበረ፣ ስውእወዲልቢኣብሳቡር ናይ ክፍሊ ስለያ ሓላፊ ዝነበረ፣ ከምኡውን ስውእሃብተስላሴተፈሪ (ወደባተሪ ) ኣባል ክፍሊ ስለያ ናይ ወጻኢ ዝነበረ፣ኣብካሊፎርኒያ (California U.S.A.) እውን ድሕሪ ምሟቶም ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ዝብል ማሕተም ተወቒዑዎም ምንባሩ ዝዝክር ኢዩ፡፡

This document

  • The mysterious death of Megestab Yisaq 1979English / ትግርኛ · b-c2cf0f96269f16cda4d68967
    Passage provenance

    Record ID: 07e75b9fde40ebc3cae3c1a2

    Original source: http://www.ehrea.org/ensameg.php

    Original SHA-256: 558025fb98491228ded4febb5d357fc1e59434865701964e22352a45fa63c728

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.