Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML English / ትግርኛ

ስርዓት ህግደፍ ሕጂውን ዜጋታት ይኣስር።

Author
Jeberti
Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/prisi.php

Read in the document library →

  1. Source column 1

    ስርዓት ህግደፍ ሕጂውን ዜጋታት ይኣስር።

    Source column 2

    PDF

    Source column 3

    Print

    Source column 4

    E-mail

Friday, 04 June 2010 22:32

ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ዘመተ ከምዘካየደ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። በቲ ዝመጻና ሓበሬታ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ዜጋታት ኣብ ጥህቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ድማ

  1. ውሩይ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዝነበረ ዓብዱ ዓብድሰላም

  2. ሰላሓዲን ዓብደልሓይ

  3. ስራጅ ኑርሑሴን

  4. ሳሚ ዓብደልኻልቕ

  5. ዓብደልረሒም ዓብደልዋስዕ

  6. ሑሴን ስዒድ

  7. ዓብደልሪሒም ሑሩይ ይርከብዎም።

ስርዓት ህግደፍ ነዞም ዜጋታት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ገዛውቶም ዝነበረ ጥረ ገንዘብን ወርቅን ከምዝወረሶ ኣውን ተፈሊጡ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ካልኦት ዜጋታትውን ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ክኸፍሉ ተገዲዶም ኣለው፥ እሳቶም ድማ

  1. ኣደም ኢብራሂም ሓደ ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ

  2. መሓመድኑር ሰለስት ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ

  3. ዓብደልሓፊዝ ዓብደልኣወል ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ ከምዘገደዶም ተፈሊጡ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ዘንብዩ ዘሎ ሓደጋ ናይ ማዕቀብ፤ ቁጠባዊ ዓቕምታቱ ድሮ ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ፤ ካብ ዜጋታት ዝተፈላለየ ምስምስ እንዳገበረ ገንዘብ ክዘርፍ ደይመደይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ ሓቢሮም።

National Conference

Copyright © 2010 Jeberti.com. All Rights Reserved.

Jeberti is not a part of any Eritrean Political party please refer to our About Us Page

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.