Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML English / ትግርኛ

Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - Memorial

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

Read in the document library →

Slow Connection? CLICK HERE FOR AI Eritrea Edition

[AI] Asmarino Independent

Abraham Ghebreghiorgis (MIT)

07 July 1949 - 10 September 2014

Abraham Ghebreghiorgis (MIT) was born on July 7th, 1949 to Mr. Ghebreghiorgis Ghebreyohannes (Adi Tsogar, Mai Tsaida) and Mrs. Sebene Kahsai (Adi Quala). Even though his parents were living in Idaga Arbi, Asmara, tradition dictated that the first-born child be born in the house of his grandparents on his mother’s side; as a result, Abraham Ghebreghiorgis was born in Adi Quala.

Abraham demonstrated excellence and brilliance at an early age, and he received many awards from the Administrators of Eritrea in his elementary education at Evangelical school in Asmara. Abraham moved to Bet Ghiorgis Middle School and was selected on full scholarship to continue his high school at General Wingate Secondary School in Addis Ababa.

Abraham completed grade 12 matriculation examination with very great distinction, scoring the highest possible results. He received awards from Emperor Haile Sellassie I of Ethiopia, and was a recipient of monthly monetary allowance by the Haile Sellassie I Prize Award to continue his studies at Addis Ababa University. Nonetheless, Abraham won Fulbright Scholarship and was accepted at the Massachusetts Institute of Technology (MIT) in Cambridge, Massachusetts, USA. Abraham earned his Bachelor of Science Degree in Electrical Engineering in 1973 from MIT.

In 1974, Abraham received a full scholarship to Johns Hopkins University for the PhD program in Mathematics. However, Abraham declined the scholarship and opted to engage and dedicate himself with other selfless Eritreans to the Eritreans for Liberation in North America (EFLNA/ ኤናሰኣ ). Abraham served the organization as the head of political affairs. He also participated as a delegate in the Eritrean People’s Liberation Front’s (EPLF) first organizational congress inside Eritrea in 1977. He was part of the EFLNA/ ኤናሰኣ Executive Committee when policy views between the EPLF leadership and EFLNA/ ኤናሰኣ organization differed. After the break-up of the EFLNA/ ኤናሰኣ, Abraham returned to his private life and earned a Master’s Degree from the Fletcher School of Law & Diplomacy at Tufts University.

Abraham worked at Verizon as an economist and financial analyst from 1983 until his retirement in 2008.

Abraham MIT passed away at the age of 65 on Sept 10, 2014. Abraham is survived by his wife, Azezet Abraha, and his three children, Andom, Semere, and Zied.

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ሓው ኣብርሃም ገብረጊዮርጊስ (MIT)!

*ስፊሕ ኣእምሮ፡ ሕያዋይ ወላዲ፡ እሙን ዓርኪ፡ ጽኑዕ መትከል!*

ሓው ኣብርሃም ካብ ወላዲኡ ነፍስሄር ኣቶ ገብረጊዮርጊስ ገብረዮሃንስን ካብ ወላዲቱ ነፍሰሄር ወ/ሮ ሰበነ ካሕሳይን ብ 7 ሓምለ፡ 1949 ኣብ ዓዲ ዃላ ተወሊዱ። ምንም`ኳ ወለዲ ኣብ ኣስመራ/ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ይቕመጡ እንተ ነበሩ፡ በቲ ኣብቲ ጊዜቲ ባህሊ ዘገድዶ መሰረት፡ ኣብርሃም ከም ቦዅሪ ውላድ ኣደ ኣብ እንዳ ዓለቦኣ ኣብ ዓዲ ዃላ ከይዳ ክትወልዶ ዝግባእ ብምንባሩ ኢዩ።

ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሐ፡ ካብ 1ይ-5ይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ገዛ ከንሻ፣ ካብ 6ይ-8ይ ኣብ ቤት ጊዮርጊስ፣ ካብ 9ይ-12 ካልኣይ ደረጃ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀነራል ዊንገት ተማሂሩ፡ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና (matriculation examination) ብዝለዓለ ብልጫ (with great distinction) ብምውዳእ ወርቂ ሰዓት ካብ ሃጸይ ሃይለስላሴ ክስለም ዝበቕዐ ብሉጽ ተመሃራይ ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ ታሪኽ ትምህርቱ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ምውዳእ ካልኣይ ደረጃ ብዘይ ምቍራጽ ቀዳማይ ብልጫ እናወጸ ከም ዝወድኦ ይፍለጥ።

ብድሕሪ`ዚ ኣብቲ ኣብ ዓለም ብሳይንስን ተክኖሎጂን ፍሉጥ ዝኾነ፡ ኣብ ማሳቹሰትስ ዝርከብ MIT ዩኒቨርሲቲ፡ ማህደር ትምህርቲ(Scholarship) ረኺቡ ካብ 1970-1973 ትምህርቱ ብምቕጻል ብባቸለር ኦፍ ሳይንስ መዓርግ/ዲግሪ ተመሪቑ። (ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ቃልሲ ምስ ኣተወ - ስም ቤት ትምህርቱ ከም ካልኣይቲ ስም ጠቢቓቶ- ብ ኣብርሃም MIT ኪጽዋዕ ጸኒሑ።) ቀጺሉ ኣብ 1974 ካብ Johns Hopkins University ን Ph.D. in Mathematics full scholarship ረኺቡ`ኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ብማህደር ትምህርቲ ንምእታዉ ኣዚዮም ውሑዳት ዝረኽቡዎ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ ዝለዓለ ዕድል ትምህርቲ ኣወንዚፉ፡ ምስ ብጾቱ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቡ ኪቃለስ ወሲኑ።

ብመሰረት ናተይ ይጽናሕ፡ ቅድም ንሃገር ዝበለ ዓሚቝን መትከላውን ውሳኔኡ፡ ኣብ ኤናስኣ ኣቲዩ ካብ 1973-1978 ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ፡ ከም ናይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ሓላፊ ምስ ምቕሉል ባህሪኡ፡ ብምሉእ ተወፋይነትን መሪሕ ብቕዓትን ኣገልጊሉ። ከምኡ`ውን፡ ንኤናሰኣ ወኪሉ ኣብቲ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ክሳተፍ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ክሳብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ነቕፌታውን ሃናጽን ርእይቶኡ ብትብዓትን ብኽፉት ኣእምሮን ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ጊዜቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤናሰኣን መሪሕነት ህግሓኤን ዝተፈጥረ ናይ ቃልሲ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣብ 1978 ካብ ሓፋሽ ውድባት፡ ኣብ 1979 ካብ ኤናስኣ ተሳትፎኡ ዶው ከብል ግድነት ኮይኑ።

በቲ ዚሰዓበ ለውጢ ምኽንያት ኸኣ፡ ናብቲ ምእንቲ ቃልሲ ህዝቡ ኣወንዚፉዎ ዚጸንሐ ትምህርቲ ኪቕጽል ብምውሳን፡ ካብ 1980 -1981 ኣብ Tufts University Fletcher school ( Master degree in Law and Diplomacy) ተመሪቑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ -ቨራይዞን ካምፓኒ -ስራሕ ረኺቡ ካብ 1983 ክሳብ 2008 ሰሪሑ፡ ስዒቡ ጡረታኡ ወጺኡ።

ኣብርሃም ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ዓዘዘት ኣብርሃ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብጽኑዕ ቃል ኪዳን ብሓባር ተጓዒዞም ንዓንዶም፡ ሰመረን ዛይድን ወሊዶም ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሖም ኢዮም።

ብዛዕባ ናይ ኣብርሃም ዕምቈት ኣተሓሳስባን ጠባይን ኣሳልጦ ህይወትን ምሉእ ዝርዝር ንምሃብ መጽሓፍ ዚሓትት`ዩ። ዓንዶምን-ሰመረን-ዛይድን ምስ ዓዘዘት ከም ስማ ሕያወይትን ለባምን ወላዲቶም፡ ከምኡ`ውን ክቡራት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተሓጋጊዞም መጽሓፍ ዜና ህይወቱ ክሳብ ዝልግሱልና፡ ብሓጺር ምጥቃሱ ጥራይ`ዩ ዝከኣል።

ኣብርሃም ኣብ መንጎ 4 ኣሓትን 5 ኣሕዋትን፡ ቦኽሪ ኮይኑ፡ ናይ ቦኽሪ ከቢድ ሓላፍነት ተረዲኡ፡ ብትምህርትን ብጠባይን ነሕዋቱን ኣሓቱን ብኣብነት መሪሑ፡ ኣሰሩ ተኸቲሎም ብትምህርትን ብሞያን ዕዉታት ብምዃኖም ምስ ናይ ደቁ ፍረ ጸጋ ኣብነታዊ መሪሕ ተራኡ ክርኢ በቒዑ ኢዩ።

ኣብርሃም ንዘረባ ዘይህወኽ፡ ጽን ኢሉ ናይ ምስማዕ ዘይክማህ ዓቕሚ ዝነበሮ፡ ምስ ፍልጠቱ እፈልጥ ኢየ ኢሉ ዘይምካሕ፡ ግን ከም ኣድላይነቱ ኣብ ሓቂ ረጊጹ፡ ብጭብጢ ኣረጋጊጹ ብትሕትና ርእይቶኡ ዚልግስ ልባም ሓው ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ መትከሉ ረጊጹ ንኽብሪ መዓርግ ምሁር (Intellectual Integrity) ብግብሪ ዝሓለወን ዘኽበረን ሓው ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ትምኒት መስዋእቱ ተጠሊሙ ኣብ ጸልማት ምልካዊ ስርዓት ተጸሚዱ ግዳይ መግዛእቲ ፍሺስታዊ በትሪ ምስ ኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኪነግስ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኪትከል፡ ራህዋ ሓርነትን ሰላምን ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ኪኸውን እንተ ድኣ ኾይኑ ግዝኣተ ሕጊ ኪነግስ ከም ዝግብኦን ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሉን ኣስፊሑ መጽናዕቲ ብምክያድ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኪመሃረሉ ዚግብኦ ኣገዳሲ ጽሑፋት ዘርጊሑ ሓዲጉ ኢዩ።

ኣብርሃም ብኣካይዳኡን ብኣተሓሳስባኡን ምስ እንርእዮ ካብ ሰዊት ዕድሜኡ ትርጉም ህይወት ብግቡእ ኣስተውዒሉ ብፍላይ ኣብ ዳህሳስ ዓውዲ ፍልጠት ንኽብሪ ጊዜኡ ብቐጻሊ ንባብ ብግቡእ ዝተጠቕመሉ ምዃኑ ንርዳእ። እቲ ኣብ ዘመናዊ ህይወት ሕጉስ ሚዛን ዝህብ መፍትሕ ዘይተሓላላኽነት (simplicity) ምዃኑ ብምስትውዓል ኣብ ህድኣት ዝተጓዕዘ፣ ስነ-ስርዓት ህይወት ነቲ ብቑዕን ፍትሓውን ነገር ኣብ ግብሪ ምትርጓም ምዃኑ ዘለሊ ጸጋ ልቦና ዝተዓደለ ሓው ኢዩ ኔሩ።

ሓው ኣብርሃም ብኹሉ እንትንኡ ርጉእን ትሑትን፡ ዓቃልን መስተውዓልን፣ብዛዕባ ድኽመታት ሰባት ክዛረብ ዘይፈቱ፣ ንኹሉ ነገር ብኹሉ መኣዝኑ ብስነ-መጐታዊ ኣረኣእያ ብዕምቈት መዚኑን ተንቲኑን ዝውስንን ንሽግራት ዝፈትሕን ዓቕሚ ዝተዓደለ፣ ኣብ መትከል ፍትሒ ረጊጹ ኣብ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዘይሰልከየ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሓው ምንባሩ ልዕሊ 40 ዓመታት መቓልስቱ ዝኾንና ናይ ዓይኒ ሕልና መሰኻኽር ደቂ ቦስቶን ኣለና። ኹላትና መቓልስቲ ብጾቱ ብኣንክሮ እንዝክሮ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘይሰማዕናዮን ዘሰምበደናን ስቓዩ፡ ንኽሰናበታና ክንገረና ሓቲቱ ቅድሚ ክልተ ቅነ ምስ ፈለጥና፡ ብስምባደ ኣብ ሳልስቲ መጺእና ምስ ረአናዮ፡ ብተዛማዲ ካብ ቃንዛ የዕሪፉ ስለ ዝጸንሓና፡ ከምዛ ብሕማም ጉንፋዕ ጥራይ ሓሚሙ ዝደቀሰ ኮይኑ ከዕልለና ምቅላሱ፡ ኣብርሃም ንዘይቅየር ኩነታት ህይወት ተቐቢሉ ብርጉእ ልቦናዊ መንፈስ ተዳሊዩ ክትርእዮ፡ ንሓቦኡን ጽንዓቱን ብሓሳብ ክትበጽሖ ዘይከኣል ኢዩ፤ ምስቲ ኹሉ በዳሂ ቃልሱ ተጻዊሩ ብምሉእ ፈገግታ ዘዕለለና ክሳብ ክንደይ እሙንን ፈቃርን ዓርኪ ምንባሩ ዝምስክር ኣብ ህይወትና ዘይርሳዕ ተምሳጥ ዝሓደገ ህሞት ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ንህይወት ግቡኣ ስለ ዝፈጸመላ፡ ንሞት ብፈገግታ ክቕበላ ከሎ ኣብ ባህልና መዘና ዘይርከቦ ልቦናዊ ዕምቈቱ ኢዩ ዘረጋግጽ።

እወ! ከም ሓው ኣብርሃም ዝኣመሰለ በሊሕ ኣእምሮን ሰፊሕ ልቦናን፡ ሓልዮትን ቅኑዕ ሕልናን ዝተዓደለ፡ ሓደገኛነት ዕሩቕ ስልጣን ብግቡእ ዝርዳእ ሰብ፡ ብፍላይ ኣብዚ ጸልማት ህሞት ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ፡ ጥዋፍ ብርሃን ተስፋ ኪኾነልካ ምእንቲ ነዊሕ ዕድመ ኪህቦ ክትምነ ርትዓዊ ኢዩ ኔሩ። እዛ ዘይተላቡ ዛዛሚት ምድራዊ ህይወት ግን ኣብ ርትዒ እትኣምን ኣይመስለንን። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ብርሃን ስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ከም ዝኾነ መጠን፡ ብርሃን ሃገሩን ህዝቡን ኪኸውን ብቕዓት ዝነበሮ ማዕከን ልቦና ክብሎ ዝመርጽ ሓው ኣብርሃም፡ ኣብ ህይወት ክማላእ ዝግብኦ ሰብኣዊ ሓላፍነቱ ብዕትበትን ብትግሃትን ካብ ንግሆ ህይወቱ ጀሚሩ ስለ ዘሳለጦ፡ ኣብዛ ብደቅሰብ ትናወጽ ዘላ ምድሪ ስራሑ ኣብቂዑ ንዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ተፋኒዩና። ኣብርሃም እቲ ዝለዓለ ውርሻ ህይወት ሃብቲ ንብረት ዘይኮነ ሓድጊ ጽቡቕ ስምን ግብራዊ ኣብነትን ምዃኑ ተረዲኡ ኣብ ግብሪ ብምትርጓሙ፡ ብጽቡቕ ጠባዩን ተግባሩን ኪዝከር ኪነብር`ዩ። ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ ኸኣ የለን።

እቲ ንኹሉ ዝፈጠረ ኣድማሳዊ ሓይሊ ከምቲ ንሓው ኣብርሃም ዝሃቦ፡ ``ክንቅይሮ ንዘይንኽእል ንኽንቅበሎ ርግኣት፣ ንእንኽእሎ ንምቕያሩ ትብዓት፣ ፍልልዩ ንምርዳእ ኸኣ ልቦና`` ይሃበና።

ሓው ኣብርሃም፡ ክሳብ እነርክበካ ኣሰር ተግባርካ ብግብሪ ክንስዕቦ ኣኻእሎ ይሃበና፤ ዘለዓለማዊ ሰማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ፡ ልቦናዊ ኣተሓሳስባኻ ዝሰኣንና ኸኣ ጽንዓት ይሃበና፣ ዓዘዘት ምስ ፍቑራት ደቅኺ፣ንኣሓትን ኣሕዋትን መላእ ቤተሰብን ጽንዓት ይሃብ። ራሕሲ ይግደፍ።

9-13-2014

inShare0

  • Pdf not found

  • Audio not found

0000-00-00

መልቀስ

ድሓን ኩን !!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

ኣብራሃም ገብረ ገርግስ (M.I.T)

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!! ኣነ!!!!!ወየ!!!ኣነ!!!!!!

መርድእ በጺሑና ብጸላም ብለይቲ

ካብ ንዩዮርኪ ያኢ!! ተላእከ! መልእኽቲ

ማኣዉይቲ ተላኢኹ ገስጊሱ ብለይቲ

ንኹሊ ፈታዊ ክንገር ብትዕግስቲ

ዓቢ ሰብ ሞይቱ!! ልዑል ካብ ዓበይቲ!!

ዘይመዉት ሞይቱ!!! ሃገርከ! ትዝመቲ

ኣንታ! ነይሮምንዶ!! ዝበዝሑ ጠለምቲ

ዕድሚኦም ክነውሕ! ንሃገርና! መጽነቲ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!! ኣነ!!!!ወየ!!!ኣነ!!!!!

ወድያ ገብረ ገርግስ ንኹሉ ዝሓልፎ!!!!!

ወዲ ማይ ጻዕዳ!! ወዲ ገዛ ገብራይ! ወዲ ማይላፎ

ዓዲ ጸጓር እንዳቦኻ!!! መባርኽ ሰሞሞ! ትሓልፎ

ትግስግስ!!ነኣስመራ ትምህርቲ ዝሕለፎ!!

ኣከለ ጉዛይ! እምባ ሶይራ ትገብሮ መዓርፎ

ትወልድኻ ሰፊሕ እዩ!!ትሓልፎ ትተርፎ

ጻዕዳ ጣፍ ትርኣስካ!! ዓተር ትንጸፎ

ዳጉሻ መሸላ!! ብርስን!! መሊኡ ትቖፎ

ሃዘሞ ጀሚርካስ! ትሓርስ ኣብ ጎድፎ።

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!

እዚ ሓወይ ማህደር እዩ ትርኣሱ

ፈታው ትምህርቲ ዝጀመረ ብንእሱ

ብሉጽ ተማሃርይ ኮይኑ ንኣመሪካ ገስጊሱ

M.I.T. ኣተወ ሰማይን! ባሕርን! ጥሒሱ

ክእለቱ ኣመስከረ! ኣብ ኮለጅ ሓምቢሱ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!

እዚ በጽሒ ናይ ስሳታት ነጻነት ጨርሔ

ኤርትራዊ ምዃን! ንቃልሲ ኣምርሔ

ቃልሲና እንተኾነ! ተንኮልን! ጥልመትን! ዝጫጭሔ

ወዲ ኣድከመ ምልጋእ! ናብ ሕጊ ኣምርሔ

ክምጉት ጀመረ ህዝቢ ገና ከይ ጎርሔ

ENASA ኣምሪሑ!!! ጥልመታት ሻዕብያ!! ዘርግሔ

ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ ወግሔ ኮነ ጸብሔ።

ናይ ሻዕብያ ልእኽ!!! መልሓሱ ኣንዉሔ

CIA እናበለ ስም ሰብ ዘሰክሔ!!!!`

ድሕሪ ነጻነት! ገለን ክእሰር ገልን ንስደት ኣምርሔ

ንፍትሒ ዝቃለስ! ዘንጉ ነዊሕ! ይነብር ከይፈርሔ

ንኣብራሃም እሞ! መን እዩ ኣብ ቅድሜኡ ዝጸንሔ

ታሪኽ እዩ ዝገድፍ ጂግና! መዓልቲ ምስ ወግሔ።

እዚ ሓወይ ብዙሕ እምበር’ዩ! ተማሂሩ

ወዩ ኣእምሮኡ ብዙሕ እኮዩ ቛጺሩ

ኣብ ዓዱ ከየምህር ብሸፋቱ ተወሪሩ

ዓደይ እናበለ ኣብ ስደት እዩ!! ምንባሩ

ዘገርም ነገርዩ! ዘበን ተቐይሩ

ኤርትራዊ ምዃን ኣብ ስደት ተቐቢሩ።

ሻዕብያ ዓማጺ ምዃኑ ፈሊጡ ብጊሓቱ

ከይ ገበለ ኸሎ ልጓም ክግበረሉ ሓቲቱ

በልጽ ኣጥቒዕዎም ዝነበሩ ብጾቱ

ብቓሎም ዘይጸንዑ ኮይኖም እቶም መሳቱ

ሳኣን ትርርር!! ምባል ኣዝለቑ ማዕቀበቱ

ሻዕብያ ሰወደ!!! ምቕንጻል ዝፈቱ

ንዝዓበየን፡ ንዝነኣሰን፡ ኣርከበሉ በብማዓልቱ

ንኹሉ ኣርከበሉ! ሃገርን ጸኒቱ።

በል ዕረፍ ተቓሊስካ ነዊሕ

ንፍትሒ እዩ ነይሩ እንሓደረ ዝስውሕ

ሓቅነትካ ደጋጊምካ ክርኤ መሊሱ ዝነውሕ

ፍትሒ ከምጽእዩ ኣብ ሃገርና ክወግሕ

ዝኣኽለካ ተቓሊስካ ህዝቢ ንኽረብሕ

ጽቡቕ ስም ገዲፍካ ናብ ዉላድ ዝሓልፍ።

ድሓንኩን ዝሓወይ ይጥዓም መገሻኻ

ሕማም ካብ በዝሔ ሰላም ይሕሽእካ

መንሞ ኣሎ ዝጸንሕ ብድሕረኻ

ኩላ ክትመጽእ እያ ሓዝ መርየት ኣስፊሕካ

ንኹሎም ርኸበልና ዝሓለፉ ቕድሜኻ

ቃልሲ ፍትሒ ሰሲኑ በሎም በጃኻ

ኣምላኽ ኣብ ኣፍደገ ይጽናሕካ

ጽንዓት ይሃቦም ንኹሎም ስድራኻ

ኣብራሃም ጽኑዕ ዓንዲ ማእከል ኢኻ።

ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

14 መስከረም 2014

  • Video not found

Please enable JavaScript to view the comments powered by Disqus.

Any articles or press releases must contain contact information including your telephone number, exceptions being made for writers from inside Eritrea only. If you are writing from Eritrea, state that you are writing from Eritrea and you will be given instruction to securely verify that you are actually writing from Eritrea.

No google phone or VOIP phone numbers are allowed. Each submission must have the following line: contact informationfollowed by a telephone number, your full real name; that is, even if you desire to use a different "pen name".

We have added strict SPAM filter on our Email Server, any email that has more than one recipient and not addressed to the proper asmarino pages (English, Tigrigna, Arabic pages) will be stored in the junk folder possibly delaying posting or never be posted.

From now onward, we are not going to accept multiple postingsof articles. Exceptions will be made when an article is also posted at another website with a different audience, with little or no overlap with asmarino audience.

Thank you for your cooperation.

Top

[AI] Asmarino Independent

Shared passages in the archive

These passages also occur in other preserved documents. Each link keeps its own source, language and context.

Read passage and 1 other preserved context
Home Latest Articles Resuscitate Stillborn Fetus Eritrea: 20 years and counting - the exceptional persecution of Jehovah’s Witnesses Eritrea: The givers and the takers The Alliance between the Rashaida and the EPLF, Then and Now The Bologna Festival Drama Part 2 እዋናዊ ኣዝማሪኖ ናቕፋ ተዛሪቡ ትዕግስቱ ዝወድአ ህዝቢ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ’ዩ ክመጸና? ናብ ምባል በጺሑ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣቕልብ መርድእ ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሻቕሎት እንሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ‘ኣመሪካ’ ጥራይ ምባሉ ህዝቢ ኣቖጢዑ ካብ ስቶኮልም ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ መምለሲ ስኢኖም English Articles News Report Interviews News Analysis Eyewitness Account Writers Corner Poems Press Releases Editorial Alewuna Alewana Latest on AI As many as 700 migrants feared drowned in Mediterranean ETHIOPIA PM SEEKS WIN-WIN RELATIONS WITH EGYPT (INTERVIEW) Eritrea Travel Warning - UPDATED SEPTEMBER 12, 2014 Asmara, Eritrea: Market Prices Sept 09, 2014 Eritrea Human Rights Activists Call for Better Refugee UK and European Policies ኣዝማሪኖ ጽሑፋት/ርእይቶ ዜና ድሃይ ካብ ኤርትራ ስማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ጋዜጣዊ መግለጺ ናዕታ ሰነዳት ቆፎ ሰነዳት መርድእ أزمرينو المقالات الاخبار أخبار من داخل الوطن تقارير صحفية وثائق مهمة Video Asmarino Music EriSphere Opposition Radio Radio Erena Voice of Assenna Eritrean Forum Radio (ድምጺ መድረኽ/المنتدى) ድምጺ ስምረት Opposition International Media PFDJ PROPAGANDA AI Connect Login Form Remember Me Donate - Asmarino/Delina (VoD) Support Asmarino Donate - VoD Radio Basic : $5.00 USD - monthly Bronze : $10.00 USD - monthly Silver : $20.00 USD - monthly Gold : $50.00 USD - monthly Platinum : $100.00 USD - monthly One time donation

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-fd86665eac9c441da2a2030a
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Resuscitate Stillborn Fetus Eritrea: 20 years and counting - the exceptional persecution of Jehovah’s Witnesses Eritrea: The givers and the takers The Alliance between the Rashaida and the EPLF, Then and Now The Bologna Festival Drama Part 2

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-956efc89e81b9cd4a20751c3
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Eritrea: 20 years and counting - the exceptional persecution of Jehovah’s Witnesses

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-89311bc84c6b437abd020064
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ናቕፋ ተዛሪቡ ትዕግስቱ ዝወድአ ህዝቢ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ’ዩ ክመጸና? ናብ ምባል በጺሑ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣቕልብ መርድእ ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሻቕሎት እንሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ‘ኣመሪካ’ ጥራይ ምባሉ ህዝቢ ኣቖጢዑ ካብ ስቶኮልም ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ መምለሲ ስኢኖም

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-9424c1f668b76e6797959e37
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
መርድእ ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሻቕሎት እንሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ‘ኣመሪካ’ ጥራይ ምባሉ ህዝቢ ኣቖጢዑ

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-806eb00b3bd106ca42e2283c
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Articles News Report Interviews News Analysis Eyewitness Account Writers Corner Poems Press Releases Editorial Alewuna Alewana

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-3c006c424d5158a3ef949ce7
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
As many as 700 migrants feared drowned in Mediterranean ETHIOPIA PM SEEKS WIN-WIN RELATIONS WITH EGYPT (INTERVIEW) Eritrea Travel Warning - UPDATED SEPTEMBER 12, 2014 Asmara, Eritrea: Market Prices Sept 09, 2014 Eritrea Human Rights Activists Call for Better Refugee UK and European Policies

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-165f9fa46ff8b3fd082175ce
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Opposition Radio Radio Erena Voice of Assenna Eritrean Forum Radio (ድምጺ መድረኽ/المنتدى) ድምጺ ስምረት Opposition International Media PFDJ PROPAGANDA

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-caa740346634a00522ff7f6e
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Basic : $5.00 USD - monthly Bronze : $10.00 USD - monthly Silver : $20.00 USD - monthly Gold : $50.00 USD - monthly Platinum : $100.00 USD - monthly

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-18bd86f935ac22774b3259da
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Abraham Ghebreghiorgis (MIT) was born on July 7th, 1949 to Mr. Ghebreghiorgis Ghebreyohannes (Adi Tsogar, Mai Tsaida) and Mrs. Sebene Kahsai (Adi Quala). Even though his parents were living in Idaga Arbi, Asmara, tradition dictated that the first-born child be born in the house of his grandparents on his mother’s side; as a result, Abraham Ghebreghiorgis was born in Adi Quala.

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-d711c1a914d611bac7fbb871
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Abraham demonstrated excellence and brilliance at an early age, and he received many awards from the Administrators of Eritrea in his elementary education at Evangelical school in Asmara. Abraham moved to Bet Ghiorgis Middle School and was selected on full scholarship to continue his high school at General Wingate Secondary School in Addis Ababa.

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-94ff7845a9db9cbdbb818618
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 2 other preserved contexts
Abraham completed grade 12 matriculation examination with very great distinction, scoring the highest possible results. He received awards from Emperor Haile Sellassie I of Ethiopia, and was a recipient of monthly monetary allowance by the Haile Sellassie I Prize Award to continue his studies at Addis Ababa University. Nonetheless, Abraham won Fulbright Scholarship and was accepted at the Massachusetts Institute of Technology (MIT) in Cambridge, Massachusetts, USA. Abraham earned his Bachelor of Science Degree in Electrical Engineering in 1973 from MIT.

This document

  • Remembering Abraham (MIT), Remembering a GenerationEnglish / ትግርኛ · b-c15a570d7eeffeaf6001f478
    Passage provenance

    Record ID: 82bfdc20fbdf1d12da5d1bc3

    Original source: http://www.ehrea.org/abrham.php

    Original SHA-256: d9d13648d48f9f1891f8ea67695fba990926a90c848a83bf9a901eacce0f2731

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-f9a669ffd9d9614d2a5b3ed5
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 2 other preserved contexts
In 1974, Abraham received a full scholarship to Johns Hopkins University for the PhD program in Mathematics. However, Abraham declined the scholarship and opted to engage and dedicate himself with other selfless Eritreans to the Eritreans for Liberation in North America (EFLNA/ ኤናሰኣ ). Abraham served the organization as the head of political affairs. He also participated as a delegate in the Eritrean People’s Liberation Front’s (EPLF) first organizational congress inside Eritrea in 1977. He was part of the EFLNA/ ኤናሰኣ Executive Committee when policy views between the EPLF leadership and EFLNA/ ኤናሰኣ organization differed. After the break-up of the EFLNA/ ኤናሰኣ, Abraham returned to his private life and earned a Master’s Degree from the Fletcher School of Law & Diplomacy at Tufts University.

This document

  • Remembering Abraham (MIT), Remembering a GenerationEnglish / ትግርኛ · b-7d913a5da1c1c418988a9ae3
    Passage provenance

    Record ID: 82bfdc20fbdf1d12da5d1bc3

    Original source: http://www.ehrea.org/abrham.php

    Original SHA-256: d9d13648d48f9f1891f8ea67695fba990926a90c848a83bf9a901eacce0f2731

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-d9ed17ce183519efcb29628c
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 2 other preserved contexts
Abraham worked at Verizon as an economist and financial analyst from 1983 until his retirement in 2008.

This document

  • Remembering Abraham (MIT), Remembering a GenerationEnglish / ትግርኛ · b-1afb46f2566ff78182a1c0d5
    Passage provenance

    Record ID: 82bfdc20fbdf1d12da5d1bc3

    Original source: http://www.ehrea.org/abrham.php

    Original SHA-256: d9d13648d48f9f1891f8ea67695fba990926a90c848a83bf9a901eacce0f2731

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-0c52a36eacd5bcd0d8d4c8a1
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 2 other preserved contexts
Abraham MIT passed away at the age of 65 on Sept 10, 2014. Abraham is survived by his wife, Azezet Abraha, and his three children, Andom, Semere, and Zied.

This document

  • Remembering Abraham (MIT), Remembering a GenerationEnglish / ትግርኛ · b-669a9e31bbb24c9bf31a9f5b
    Passage provenance

    Record ID: 82bfdc20fbdf1d12da5d1bc3

    Original source: http://www.ehrea.org/abrham.php

    Original SHA-256: d9d13648d48f9f1891f8ea67695fba990926a90c848a83bf9a901eacce0f2731

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-f957b75f7972cb782ff81897
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ሓው ኣብርሃም ካብ ወላዲኡ ነፍስሄር ኣቶ ገብረጊዮርጊስ ገብረዮሃንስን ካብ ወላዲቱ ነፍሰሄር ወ/ሮ ሰበነ ካሕሳይን ብ 7 ሓምለ፡ 1949 ኣብ ዓዲ ዃላ ተወሊዱ። ምንም`ኳ ወለዲ ኣብ ኣስመራ/ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ይቕመጡ እንተ ነበሩ፡ በቲ ኣብቲ ጊዜቲ ባህሊ ዘገድዶ መሰረት፡ ኣብርሃም ከም ቦዅሪ ውላድ ኣደ ኣብ እንዳ ዓለቦኣ ኣብ ዓዲ ዃላ ከይዳ ክትወልዶ ዝግባእ ብምንባሩ ኢዩ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-fc415d052fb69159653223c3
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሐ፡ ካብ 1ይ-5ይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ገዛ ከንሻ፣ ካብ 6ይ-8ይ ኣብ ቤት ጊዮርጊስ፣ ካብ 9ይ-12 ካልኣይ ደረጃ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀነራል ዊንገት ተማሂሩ፡ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና (matriculation examination) ብዝለዓለ ብልጫ (with great distinction) ብምውዳእ ወርቂ ሰዓት ካብ ሃጸይ ሃይለስላሴ ክስለም ዝበቕዐ ብሉጽ ተመሃራይ ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ ታሪኽ ትምህርቱ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ምውዳእ ካልኣይ ደረጃ ብዘይ ምቍራጽ ቀዳማይ ብልጫ እናወጸ ከም ዝወድኦ ይፍለጥ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-da0a299b2a7acdbb234b3732
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ብድሕሪ`ዚ ኣብቲ ኣብ ዓለም ብሳይንስን ተክኖሎጂን ፍሉጥ ዝኾነ፡ ኣብ ማሳቹሰትስ ዝርከብ MIT ዩኒቨርሲቲ፡ ማህደር ትምህርቲ(Scholarship) ረኺቡ ካብ 1970-1973 ትምህርቱ ብምቕጻል ብባቸለር ኦፍ ሳይንስ መዓርግ/ዲግሪ ተመሪቑ። (ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ቃልሲ ምስ ኣተወ - ስም ቤት ትምህርቱ ከም ካልኣይቲ ስም ጠቢቓቶ- ብ ኣብርሃም MIT ኪጽዋዕ ጸኒሑ።) ቀጺሉ ኣብ 1974 ካብ Johns Hopkins University ን Ph.D. in Mathematics full scholarship ረኺቡ`ኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ብማህደር ትምህርቲ ንምእታዉ ኣዚዮም ውሑዳት ዝረኽቡዎ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ ዝለዓለ ዕድል ትምህርቲ ኣወንዚፉ፡ ምስ ብጾቱ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቡ ኪቃለስ ወሲኑ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-9861127cb53569bbbd0b878a
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ብመሰረት ናተይ ይጽናሕ፡ ቅድም ንሃገር ዝበለ ዓሚቝን መትከላውን ውሳኔኡ፡ ኣብ ኤናስኣ ኣቲዩ ካብ 1973-1978 ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ፡ ከም ናይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ሓላፊ ምስ ምቕሉል ባህሪኡ፡ ብምሉእ ተወፋይነትን መሪሕ ብቕዓትን ኣገልጊሉ። ከምኡ`ውን፡ ንኤናሰኣ ወኪሉ ኣብቲ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ክሳተፍ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ክሳብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ነቕፌታውን ሃናጽን ርእይቶኡ ብትብዓትን ብኽፉት ኣእምሮን ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ጊዜቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤናሰኣን መሪሕነት ህግሓኤን ዝተፈጥረ ናይ ቃልሲ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣብ 1978 ካብ ሓፋሽ ውድባት፡ ኣብ 1979 ካብ ኤናስኣ ተሳትፎኡ ዶው ከብል ግድነት ኮይኑ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-6daa75ebf6f2c2375207ed14
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
በቲ ዚሰዓበ ለውጢ ምኽንያት ኸኣ፡ ናብቲ ምእንቲ ቃልሲ ህዝቡ ኣወንዚፉዎ ዚጸንሐ ትምህርቲ ኪቕጽል ብምውሳን፡ ካብ 1980 -1981 ኣብ Tufts University Fletcher school ( Master degree in Law and Diplomacy) ተመሪቑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ -ቨራይዞን ካምፓኒ -ስራሕ ረኺቡ ካብ 1983 ክሳብ 2008 ሰሪሑ፡ ስዒቡ ጡረታኡ ወጺኡ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-24d204b5a5ce5d47904ad8ba
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ኣብርሃም ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ዓዘዘት ኣብርሃ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብጽኑዕ ቃል ኪዳን ብሓባር ተጓዒዞም ንዓንዶም፡ ሰመረን ዛይድን ወሊዶም ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሖም ኢዮም።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-93f1d6aec78d0742b9c444cc
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ብዛዕባ ናይ ኣብርሃም ዕምቈት ኣተሓሳስባን ጠባይን ኣሳልጦ ህይወትን ምሉእ ዝርዝር ንምሃብ መጽሓፍ ዚሓትት`ዩ። ዓንዶምን-ሰመረን-ዛይድን ምስ ዓዘዘት ከም ስማ ሕያወይትን ለባምን ወላዲቶም፡ ከምኡ`ውን ክቡራት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተሓጋጊዞም መጽሓፍ ዜና ህይወቱ ክሳብ ዝልግሱልና፡ ብሓጺር ምጥቃሱ ጥራይ`ዩ ዝከኣል።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-4a22f4b775a13c3f2a16b02f
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ኣብርሃም ኣብ መንጎ 4 ኣሓትን 5 ኣሕዋትን፡ ቦኽሪ ኮይኑ፡ ናይ ቦኽሪ ከቢድ ሓላፍነት ተረዲኡ፡ ብትምህርትን ብጠባይን ነሕዋቱን ኣሓቱን ብኣብነት መሪሑ፡ ኣሰሩ ተኸቲሎም ብትምህርትን ብሞያን ዕዉታት ብምዃኖም ምስ ናይ ደቁ ፍረ ጸጋ ኣብነታዊ መሪሕ ተራኡ ክርኢ በቒዑ ኢዩ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-d7d242f9e7cd939d0d5bf91f
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ኣብርሃም ንዘረባ ዘይህወኽ፡ ጽን ኢሉ ናይ ምስማዕ ዘይክማህ ዓቕሚ ዝነበሮ፡ ምስ ፍልጠቱ እፈልጥ ኢየ ኢሉ ዘይምካሕ፡ ግን ከም ኣድላይነቱ ኣብ ሓቂ ረጊጹ፡ ብጭብጢ ኣረጋጊጹ ብትሕትና ርእይቶኡ ዚልግስ ልባም ሓው ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ መትከሉ ረጊጹ ንኽብሪ መዓርግ ምሁር (Intellectual Integrity) ብግብሪ ዝሓለወን ዘኽበረን ሓው ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ትምኒት መስዋእቱ ተጠሊሙ ኣብ ጸልማት ምልካዊ ስርዓት ተጸሚዱ ግዳይ መግዛእቲ ፍሺስታዊ በትሪ ምስ ኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኪነግስ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኪትከል፡ ራህዋ ሓርነትን ሰላምን ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ኪኸውን እንተ ድኣ ኾይኑ ግዝኣተ ሕጊ ኪነግስ ከም ዝግብኦን ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሉን ኣስፊሑ መጽናዕቲ ብምክያድ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኪመሃረሉ ዚግብኦ ኣገዳሲ ጽሑፋት ዘርጊሑ ሓዲጉ ኢዩ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-b98218993a91c8b39db35026
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ኣብርሃም ብኣካይዳኡን ብኣተሓሳስባኡን ምስ እንርእዮ ካብ ሰዊት ዕድሜኡ ትርጉም ህይወት ብግቡእ ኣስተውዒሉ ብፍላይ ኣብ ዳህሳስ ዓውዲ ፍልጠት ንኽብሪ ጊዜኡ ብቐጻሊ ንባብ ብግቡእ ዝተጠቕመሉ ምዃኑ ንርዳእ። እቲ ኣብ ዘመናዊ ህይወት ሕጉስ ሚዛን ዝህብ መፍትሕ ዘይተሓላላኽነት (simplicity) ምዃኑ ብምስትውዓል ኣብ ህድኣት ዝተጓዕዘ፣ ስነ-ስርዓት ህይወት ነቲ ብቑዕን ፍትሓውን ነገር ኣብ ግብሪ ምትርጓም ምዃኑ ዘለሊ ጸጋ ልቦና ዝተዓደለ ሓው ኢዩ ኔሩ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-cdf5ad58cf0cd77f2ed152b0
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ሓው ኣብርሃም ብኹሉ እንትንኡ ርጉእን ትሑትን፡ ዓቃልን መስተውዓልን፣ብዛዕባ ድኽመታት ሰባት ክዛረብ ዘይፈቱ፣ ንኹሉ ነገር ብኹሉ መኣዝኑ ብስነ-መጐታዊ ኣረኣእያ ብዕምቈት መዚኑን ተንቲኑን ዝውስንን ንሽግራት ዝፈትሕን ዓቕሚ ዝተዓደለ፣ ኣብ መትከል ፍትሒ ረጊጹ ኣብ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዘይሰልከየ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሓው ምንባሩ ልዕሊ 40 ዓመታት መቓልስቱ ዝኾንና ናይ ዓይኒ ሕልና መሰኻኽር ደቂ ቦስቶን ኣለና። ኹላትና መቓልስቲ ብጾቱ ብኣንክሮ እንዝክሮ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘይሰማዕናዮን ዘሰምበደናን ስቓዩ፡ ንኽሰናበታና ክንገረና ሓቲቱ ቅድሚ ክልተ ቅነ ምስ ፈለጥና፡ ብስምባደ ኣብ ሳልስቲ መጺእና ምስ ረአናዮ፡ ብተዛማዲ ካብ ቃንዛ የዕሪፉ ስለ ዝጸንሓና፡ ከምዛ ብሕማም ጉንፋዕ ጥራይ ሓሚሙ ዝደቀሰ ኮይኑ ከዕልለና ምቅላሱ፡ ኣብርሃም ንዘይቅየር ኩነታት ህይወት ተቐቢሉ ብርጉእ ልቦናዊ መንፈስ ተዳሊዩ ክትርእዮ፡ ንሓቦኡን ጽንዓቱን ብሓሳብ ክትበጽሖ ዘይከኣል ኢዩ፤ ምስቲ ኹሉ በዳሂ ቃልሱ ተጻዊሩ ብምሉእ ፈገግታ ዘዕለለና ክሳብ ክንደይ እሙንን ፈቃርን ዓርኪ ምንባሩ ዝምስክር ኣብ ህይወትና ዘይርሳዕ ተምሳጥ ዝሓደገ ህሞት ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ንህይወት ግቡኣ ስለ ዝፈጸመላ፡ ንሞት ብፈገግታ ክቕበላ ከሎ ኣብ ባህልና መዘና ዘይርከቦ ልቦናዊ ዕምቈቱ ኢዩ ዘረጋግጽ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-fb772c4a38e91e6a6c259cdb
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
እወ! ከም ሓው ኣብርሃም ዝኣመሰለ በሊሕ ኣእምሮን ሰፊሕ ልቦናን፡ ሓልዮትን ቅኑዕ ሕልናን ዝተዓደለ፡ ሓደገኛነት ዕሩቕ ስልጣን ብግቡእ ዝርዳእ ሰብ፡ ብፍላይ ኣብዚ ጸልማት ህሞት ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ፡ ጥዋፍ ብርሃን ተስፋ ኪኾነልካ ምእንቲ ነዊሕ ዕድመ ኪህቦ ክትምነ ርትዓዊ ኢዩ ኔሩ። እዛ ዘይተላቡ ዛዛሚት ምድራዊ ህይወት ግን ኣብ ርትዒ እትኣምን ኣይመስለንን። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ብርሃን ስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ከም ዝኾነ መጠን፡ ብርሃን ሃገሩን ህዝቡን ኪኸውን ብቕዓት ዝነበሮ ማዕከን ልቦና ክብሎ ዝመርጽ ሓው ኣብርሃም፡ ኣብ ህይወት ክማላእ ዝግብኦ ሰብኣዊ ሓላፍነቱ ብዕትበትን ብትግሃትን ካብ ንግሆ ህይወቱ ጀሚሩ ስለ ዘሳለጦ፡ ኣብዛ ብደቅሰብ ትናወጽ ዘላ ምድሪ ስራሑ ኣብቂዑ ንዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ተፋኒዩና። ኣብርሃም እቲ ዝለዓለ ውርሻ ህይወት ሃብቲ ንብረት ዘይኮነ ሓድጊ ጽቡቕ ስምን ግብራዊ ኣብነትን ምዃኑ ተረዲኡ ኣብ ግብሪ ብምትርጓሙ፡ ብጽቡቕ ጠባዩን ተግባሩን ኪዝከር ኪነብር`ዩ። ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ ኸኣ የለን።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-95b4948670b24c630d9111df
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
እቲ ንኹሉ ዝፈጠረ ኣድማሳዊ ሓይሊ ከምቲ ንሓው ኣብርሃም ዝሃቦ፡ ``ክንቅይሮ ንዘይንኽእል ንኽንቅበሎ ርግኣት፣ ንእንኽእሎ ንምቕያሩ ትብዓት፣ ፍልልዩ ንምርዳእ ኸኣ ልቦና`` ይሃበና።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-ca2e8b698bad21940e485e5c
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
ሓው ኣብርሃም፡ ክሳብ እነርክበካ ኣሰር ተግባርካ ብግብሪ ክንስዕቦ ኣኻእሎ ይሃበና፤ ዘለዓለማዊ ሰማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ፡ ልቦናዊ ኣተሓሳስባኻ ዝሰኣንና ኸኣ ጽንዓት ይሃበና፣ ዓዘዘት ምስ ፍቑራት ደቅኺ፣ንኣሓትን ኣሕዋትን መላእ ቤተሰብን ጽንዓት ይሃብ። ራሕሲ ይግደፍ።

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-16f0853752acbab8bbe427a3
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
Any articles or press releases must contain contact information including your telephone number, exceptions being made for writers from inside Eritrea only. If you are writing from Eritrea, state that you are writing from Eritrea and you will be given instruction to securely verify that you are actually writing from Eritrea.

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-d22ca83127434f911d27c69b
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
No google phone or VOIP phone numbers are allowed. Each submission must have the following line: contact informationfollowed by a telephone number, your full real name; that is, even if you desire to use a different "pen name".

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-0887e1f8444417ffd887ba30
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
We have added strict SPAM filter on our Email Server, any email that has more than one recipient and not addressed to the proper asmarino pages (English, Tigrigna, Arabic pages) will be stored in the junk folder possibly delaying posting or never be posted.

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-7fa768fd9bca2ebe9753413f
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

Read passage and 1 other preserved context
From now onward, we are not going to accept multiple postingsof articles. Exceptions will be made when an article is also posted at another website with a different audience, with little or no overlap with asmarino audience.

This document

  • Abraham Ghebreghiorgis (MIT) - MemorialEnglish / ትግርኛ · b-937884b62841286736c2f675
    Passage provenance

    Record ID: fffb17d98d828ddd242312a9

    Original source: http://www.ehrea.org/Abraham%20Ghebreghiorgis.htm

    Original SHA-256: 4c60c5b553aff5673671f9e397b647d7d642adfc41b319012360e78e0c50ac80

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.