“ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ዝተወስደ ስጉምቲ ተጠርኒፈሉ ደኣ እኸይድ እምበር ዝሰማማዓሉ ከምዘይኮነ ክሕብር እደሊ” ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved

Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
092a6d349ea5cef5d0301a8a8979ebeada4c0dc8c7186cff69210ff9b61e516d- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤሃባደለ ንዝተንጸባረቐ ኣሉታዊ መንፈስ መበገሲ ብምግባር ንዘዳለኹወን ሕቶታት ዝምልሰለይ ሓላፊ ኤሃባደለ ክሓስብ እየ ቀንየ። ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸ ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ነበረ። ንዕኡ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት’ዉን ነይሩኒ። ፈለማ ንዮሃንስ ደዊለ ፍቓደኛነቱ ምስ ኣረጋገጽኩ ንሕቶታተይ ብኢመይል ሰደድኩሉ። ነተን ሕቶታት ኣንቢቡ ክምልሰን ቅሩብ ምዃኑ መልሲ ምስ ሃበኒ ኣብ መንጎኡ ኣብ ጽዑቕ ኣኼባታት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ባይቶ ተጸሚዱ ደሃዩ ስለዝጠፍኣኒ ክጽበዮ ተገዲደ። ሓደ መዓልቲ ግን ድሕሪ ኣኼባ ወጺኡ ረኸበኒ’ሞ፤ “ብኣኼባታት ተዋጢረ ስለዘለኹ ከይድንጉየካ ብጽሑፍ እንተመለስኩልካ ከመይ ይመስለካ?” ምስ በለኒ ነታ ኣብ ልበይ ዝነበረት ሓሳብ ስለዘምጽኣለይ ብምሉእ ልቢ ንሓሳቡ ተቐበልኩዎ። ምስኣ ኣልግብ ኣቢሉ ግን “ኣብ ገሊኡ ሕቶታት ኣይክዓሙቕን እየ” ምስ በለኒ ዝሓሰብኩዎ መሊኡ ከም ዘይሰልጠኒ ተረዲአ። ከም ድላዩ ንኸይዛረብ ናይ ባይቶ ጥርናፈ ክገትኦ ከም ዝኽእል ስለዝተረደኣኒ ግን ኣይተቓወምኩዎን። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነተን ብኢመይል ዝሰደድኩሉ ሕቶታት ብጽሑፍ መሊሱለይ። ኣመላልሳኡ ካብቲ ኣብ ካልኦት ሓለፍቲ ኤሃባደለ ዝፈልጦ ንኣቕራቢኡ ዘጸግም ነዊሕን ኮለል ዝበዝሖን ኣመላልሳ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ከይነኣድኩዎ ኣይሓለፍኩን። ካብዚ ቀጺሉ እምበኣር ምሉእ ትሕዝቶኡ እነሆ፦ ሰናይ ንባብ።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
d4dca764949e7fa80778f5b2967f446511fa8fcab4b29cfafb1f722461f04037- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሃገራዊ ባይቶ ክምስረት ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ደንበ ተቓውሞ ንኡስ ምትእኽኻብ ናብ ዝለዓለ ብርኩ ኣደይብካ ብሓደ ኣንፈት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ምግጣም እዩ ኔሩ። ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝተፈላለዩ ንኡሳን ናይ ሓባር ጽላላት እኳ እንተነበሩ ኤ.ደ.ኪ. ንምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝወሰዶ ተበግሶ ልሉይ ኔሩ። ሃገራዊ ኮሚሽን ድሕሪ ምምስራቱ ድማ ቀንዲ ዕማሙ ንምዕዋት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንሓደ ዓመት ከቢድ ጻዕርታት ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ ኣዋሳ – ኢትዮጵያ ብሕዳር 2011 ዝተዓወተ መስራቲ ጉባኤ ኮነ።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
7cf3be61346cf823f25e10aa32cd4f5b7da69dd85361c0f4b5910492b72ee39f- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብ መጀመርታ ህዝቢ ብዝለዓለ ተስፋን ፍናንን እዩ ተቐቢልዎ። ኣብ ተቓለስቲ ውድባት ሓድሽ ናይ ቃልሲ ወኒ ዘለዓዓለ ናይ ሓባር ስራሕ ክስራሕ ኣፍደገ ዝኸፈተ ኩነታት እዩ ኔሩ። ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ እውን እንተኾነ ደንበ ተቓውሞ ቆላሕታ ክረክብ ዘኽኣሎ ኣስተዋጽኦ እውን ኔርዎ ክበሃል ይከኣል።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
65a8ce6451e4ffbce2b8ad6d1b452865e55dc1f9596d277530bfec13f22baf7c- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሓቂ’ዩ ንነገራት ብዓይኒ ጸቢብ ውድባዊ ረብሓ ምርኣይ ኣይጠፍአን። ንዓመታት ዝሰረጸ ኣሉታዊ ዝንባሌታት ብሓጺር ግዜ ክሰዓር ወይ ክዕረ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ግን ከኣ ኣብቲ ጸቢብ ኣረኣእያ ተሸኺልካ ምንባር ምልሕሓጽ እምበር ፋይዳ ከምዘይብሉ እናበርሃሉ ዝኸደ ኣካል ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ናይ ሓባር ስትራተጂ ተገዛኢ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን። እዚ ብርግጽ ቃልሲ የድልዮ፡ ቅኑዕ ኣመራርሓ ክህብ ዝኽእል ውፉይን ብሉጽን መሪሕነት የድልዮ እምበር ክዕረ ዝኽእል ሽግር’ዩ። ካልእ መማረጺ ከኣ የለን – ወይ መስመርካን ኣካይዳኻን ኣስተኻኺልካ ምኻድ’ዩ ወይ ነቲ ህግደፍ ዝሃንደሶ መንገዲ ጥፍኣት ምቅልጣፉ እዩ። ጥዑይ ሰብ ነቲ ቀዳማይ እምበር ነቲ ካልኣይ ኣይመርጽን።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
98d1a6b45c1751a9c186aa1c6595488f470b1479abb1a45a7ce6d576b236e0e7- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕንቅፋት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንሰፊሕ ሓባራዊ ዕማም ብጸቢብ ውድባዊ ሕሳባት ክዝወር ናይ ምግባሩ ዝምባሌታት እዩ። እዚ ባይቶ ኣብ ዝተሓተ ንኹለን ውድባት ክጠራንፍ ዝኽእል ፕሮግራም እዩ ተመስሪቱ። እንተኾነ ኩሉ ውድብ ነቲ ናቱ ዝመስል ዕማም ክህቦ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ግድን ሰቡ እውን ንቕድሚት ክመጸሉ ክገብር እንተደልዩ ጸገም እዩ። ነዚ ንምፍታሕ ብዙሕ ዝተሰርሐ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ባይቶ ዘሎ ናይ ምትሕስሳብ ባህልን ግሉጽነት ዝመልኦ ኣገባብ ኣሰራርሓን ገና ዝማዕበለ ኣይኮነን። ካብ ኣብ ደሞክራሲያዊ መድረኽ ምትሕስሳብ ንነገራት ማዕለሽ እናበልካ ምሕላፍ ይበዝሕ። ኣብቲ ማዕለሽ ክበሃል ዝግበኦ ድማ ስንኻ ነኺስካ ምኻድ ኣሎ። ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ ጉባኤን ውጽኢቱን ንተመኩሮን ድሕረባይታን ናይቶም 127 ኣባላት ባይቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ምርጫ ኣይነበረን። እዞም ኣባላት ባይቶ ብውክልና እምበር ብመን ይበቅዕ ዝመጹ ኣይኮኑን። ብኸምዚ ዝመጸ መሪሕነት ድማ ተኣምራት ክሰርሕ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋና፡ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ናይቶም ኣባላት ባይቶ ክቀራረበሉን ክምዕብለሉን ዘኽእል ናይ ህንጸት ስራሓት (capacity building) ከተካይድ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ ማእከል ብዝለኣኽ መነቓቕሕን ናይ ህንጸት ንዋትን እናገበርካ ናብ ኩሉ ከይንዝርግሕ ድማ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዋቐረ ትካልን ሓይሊ ሰብን የለን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ኣብ ባይቶ ዘሎ ትካል ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ብቕዓትን ውደባን ይሓይሽ ክበሃል ይከኣል።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
df7bb6737d5cf96c9bbed7b1708a7b2b9fb47f1e0055cb5a05cf2880e136ae19- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ከምኡ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የለን ኣይበሃልን እዩ። ግን ድማ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምፍራስ ናይ ህግደፍ ሓንቲ ተራ ከይተጻወተ ስልጣን ክሕዝ እዩ ተመስሪቱ ዝበሃል ግን ሓቂ ኣይኮነን። እዚ ኣብቲ መድረኻዊ ዕማሙ ብንጹር ተቐሚጡ ስለ ዘሎ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ መድረኻዊ ዕማሙ ብቕልጡፍ ክሰርሓሉ እንተዘይክኢሉ ካብቲ ብመንገዲ ኤሃባደለ ኣቢሉ ዝመጽእ ሰውራዊ ለውጢ ብባህርያዊ ኣገባብ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ክቕልጥፍ ይኽእል እዩ እንተተባህለ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ብርግጽ እውን ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክንዛነ እንተኼንና ኣጸቢቑ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት እዩ ዝኸውን።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
74a342c036f01b1163c5697018186afe7eae87e9ec5c5cf97ce9343847ce3969- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኤሃባደለ ንነብሱ ከም ናይ ስደት መንግስቲ ክፈልጥን ከፋልጥን ብዙሕ ዝጽበዮ ነገር ኣሎ። መጀመርታ ነብሱ ከመዓራሪ ኣለዎ። ህላወኡ ኣብ መሬት ዳህሲስካ ክርከብ ኣለዎ። ኣብ ወረቐት ስለ ዝኣወጅካ ጥራሕ ዝመጽእ ኣፍልጦ የለን። እቲ ትብሎን እቲ ትገብሮን እንተኾነ ሓደ ክኽውን ካብኡ ተረፈ ድማ ብዙሕ ክቀራረብ ኣለዎ። ኣብ ውሽጥኻ ዘዕግበካ ስራሕ እንተሰሪሕካ ናይ ደገ ቆላሕታ ምስሓብ ዝቐለለ እዩ ዝኸውን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዞባውን ዓለምለኻውን ናይ ዲፕሎማሲ ባይታን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝልግሰልና ናይ ምትሕብባር ተበግሶታትን ንጥቀመሉ እኳ እንተኾንና ክንድቲ ዝድለ መዝሚዝናዮን ኣብ ረብሓና ኣውዒልናዮን ኢልና ክንዛረብ ግን ኣይንኽእልን።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
3a30f6c2549608e44166c24a53f7768d96c9e193651dc53756263434e7c5357b- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ብቐዳምነት እቲ ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ዝተወስደ ስጉምቲ ተጠርኒፈሉ ደኣ እኸይድ እምበር ዝሰማማዓሉ ከምዘይኮነ ክሕብር እደሊ። እቲ ጸገም ናይ ታሪኽ ግዙኣት ክንከውን ምምራጽና እዩ። እምበር ካብ ናይ ሎምን ጽባሕን ጉዳይና ንላዕሊ ናይ ትማሊ ዝያዳ ከዛርበና ኣይምተገበኤን። ግን ከኣ ኣብ ህጹጽነት ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማም እንተዘይተሰማሚዕካ መድረኻዊ ዕማማት ከይዘተኻ ታሪኽ ዝወለዶ ፍልልይ ኣምጺእካ ክትናቖት እዩ ዝገብረካ። ኤሃባደለ ኣብ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ዘለዎ ምሕደራ ዘሰክፍ እዩ። እዚ ጉዳይ ሕደግዶ ብኽትዕ ኣቢሉ ኣብ ድምጺ ክሓልፍሲ ብመሰረቱ እውን ከም ኣጀንዳ ክለዓል ኣይነበሮን። እቲ ዝገርም ግን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ነዋሕቲ መዓልታት ዝወሰደ ክትዕ፡ ናይ ሕጊ ምሁራን ሕገ ህንጻ ተመልኪቶም ዘቕጽዕ ወይስ ዘየቕጽዕ ምዃኑ ክሕብሩ ድሕሪ ምምዛዞም፡ንደምሓኩኤ ዘቕጽዕ ዓንቀጽ ከምዘይረኸቡ እዮም ገሊጾም። እንተኾነ ግን ኣቦ መንበር ኤሃባደለ “ኣነ ብሓላፍነተይ ንደምሓኩኤ ንሓደ ዓመት ክድስክል ወሲነ ኣለኹ ነዚ ትድግፉ ኢድኩም ኣልዕሉ” ክብል እዩ ደምዲምዎ። ኣብ ሕገ ህንጻ ዘይሰፈረ መቕጻዕቲ ምሃብ ጸረ ሕገ-ህንጻ ምዃኑ ኣይተርፎን። እቶም ዝበዝሑ ዝኣመኑሉ እቶም ዝወሓዱ ተጠርኒፎሙሉ ይኸዱ ደኣ ይበሃል እምበር፡ እቲ ብዙሓት ዝኣመኑሉ ብግዲ እቶም ውሑዳት እውን ክኣምኑሉ ይግባእ ዝብል ኣካይዳ እውን ጸረ ደሞክራሲያዊ ኣካይዳ እዩ። ደምሓኩኤ ርእይቶና ከምዚ’ዩ፤ ብናይ ብዙሓት ተጠርኒፍና ክንከይድ ግን ጸገም የብልናን እንተ ብሰንኪ እቲ መግለጺና ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝተፈጥረ ቅልውላው ግን ይቕሬታ እናሓተትና ነቐፌታና ንቕበል እዮም ኢሎም። እቶም በዚ ዘይዓገቡ ኣካላትና ግን ትሕቲ ምድስካል ዝኾነ ፍታሕ ክቕበሉ ኣይደለዩን። ትድስክሉ ደኣ ተባሂሎም። ብድሕር’ዚ ኣብዚ ጸሊም ታሪኽ ተጠርኒፍና ኣይንኸይድን ኢሎም ካብ ሃገራዊ ባይቶ ዝሰሓቡ ኣለዉ። ገና ኣብ ምምኽኻር ዘለዉ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ንሰምዕ ኢና። ሃገራዊ ባይቶ ነቶም ንውሳኔኡ ዝጻረሩ እንታዩ መልሱ ንዝብል ግን ከከምቲ ትሓቶ ዘለካ ሰብ’ዩ እቲ ፍልልይ ናይቲ መልሲ። እንተወሓደ ግን ኣብ ታሪኽ ዘይተጸበናዮ ዱብ ዝበለ ዕዳ ምዃኑን ሃገራዊ ባይቶ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ንምፍታሕ ከይተዳለወ ዝጸንሐ ትካል ምኻኑ ግን ኩሉ ክሰማማዓሉ ዝኽእል እመስለኒ።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
a250c7290df4324565442dfbd2119502cf3f269a9fc98725180454be05b6f8c0- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ዕላማን መበገስን ናይቲ ዑደት መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሔ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት እዩ። ዝያዳ ክጎልሕ ዝገበሮ ከኣ እቲ ኣብ ምስሪ ተፈጢሩ ዘሎ ሰውራዊ ሃውሁን ለውጥን ከምኡ ድማ ኣብ ምስሪ ዝመደበሮም ዞባውን ኣህጉራውን ናይ ዜና ማዕከናት ተጠቒምካ ን ኤሃባደለ ዕላማታቱን ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ ኔሩ። ንምስሪ መተካእታ ኢትዮጵያ ክገብሩ ዝደልዩ ከምዘለዉ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምቲ ዝተባህለ እውን እቲ ዝሓለፈ ኣኼባ ኤሃባደለ ኣብ ምስሪ ክኽውን ኣለዎ ኢሎም ዝዛረቡ ኔሮም እዮም። እዚ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጸቢብ ውልቃውን ውድባውን ስምዒታት ዝተፍኦ ኣዘራርባ እምበር ናይ ባይቶ ወይ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣረኣእያ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ነዚኦም ከምኡ ስለ ዝበልኩም ኢልና እንተዘየደስከልናዮም ጽቡቕ እዩ። ደሚርካ ኣጉዲልካ ካብ ኢትዮጵያ እናተበገስካ ዝግበር ቃልሲ ካብቲ ካብ ምስሪ እናተበገስካ ዝግበር ቃልሲ ዝያዳ ከድምዕ ይኽእል ምባል ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ብተወሳኺ ግን ክንድቲ ዓቕምና ኣብ ኩለን ኣገደስቲ ዝበሃላ ሃገራት ህላወና ከነረጋግጽ ክንድቲ ዝኸኣልናዮ ክንሰርሕ ይግባእ እንተበልና ቅኑዕ እመስለኒ።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
f23af33f6569b800d3cf830907d07a71e2692c7ded66b64d72f8c633716e2084- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሃገራዊ ባይቶ ንስርዓት ኢሰያስ ከም ቶታሊታርያዊ ስርዓት እዩ ዝፈልጦ። እዚ ማለት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩለንትና ህይወት ኤርትራዊ እውን ብናቱ መሃንድስነት ክሰርሖን ክፍንጥሖን ዝደሊ ፍጹም ትንፋስ ዘይህብ፡ ንህዝብና ከም ተራ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሓ ከምድላዩ ዘልዕሎን ዘንብሮን ስርዓት እዩ። ስለዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ እዩ ኢሉ ይርኢ። እቶም ብኣስገዳድ ተዓስኪሮም ዘለዉ ፖሊስን ሓይሊ ምክልኻልን ድማ ግዳያት ናይቲ ስርዓት እምበር ብድሌቶም ኣብ ናይ ጸረ ህዝቢ ወፍሪ ክኣትዉ ረብሓ ከምዘይብሎም፡ የግዳስ ደንበ ተቓውሞ ሓዪሉ ሕቖ ክኾኖም እንተኺኢሉ ሽዑ ሽዑ ናብ ደንበ ተቓውሞ ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ኢና ንኣምን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተደጎሉ ደሞክራሲያውያን ባእታታት ይህልዉዶ ንዝብል ሕቶ፡ ብዘይጥርጥር እወ እዩ መልሱ። ከመይሲ ወጽዓ እንተድኣ ኣልዩ መልክዑ ብዘየገድስ ጸረ ወጽዓ ቃልሲ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ወጻዒ እንተሎ ተውጻዒ ስለ ዝህሉ እሞ ተወጺዑ ክነብር ዝደሊ ፍጡር ስለ ዘየለ ድማ ጸረ ወጽዓ ደው ዝብል ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣካላት ሃሰስ ናይ ምባል ወፍሪ ኩሉ ግዜ ኣሎ። ጥርኑፍ ግን ኣይኮነን።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
8462545da069927ef427de2b205bb96a88546ae15923c83e25ce8dab4df97e32- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ህዝብና ክንድቲ ዝግባእ ኣይወደባን ኣየነቓቐሓን እንተተባሂሉ ሓቂ እዩ። እዚ ከኣ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዉዎ። ቀዳማይ ነገር ህግደፍ ካብ ናይ ህግደፍ ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ርእይቶ ስለ ዘይጸውር ንህግደፍ ዝጻወር ርእይቶ ሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምንቅስቓስ ኣይከኣልን እኳ እንተዘይተበሃለ ኣጸጋሚ እዩ። ብርግጽ እቲ ድሕሪ ነጻነት ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ዘበነ ህግደፍ ጸረ ሰውራዊ ሃዋሁ እዩ ኔሩ። ነጻነት ሓድሽ ከም ምዃኑ ብናይ ህግደፍ ኣመራርሓ ርዒምካ ናይ ምኻድ ዝምባሌ እምበር ንመንግስትኻ ምንቃፍ ወይ ከም ነውሪ ወይ’ውን ጸረ ነጻነት ኮንካ ንከይትረኤ ስክፍታ ዝሰፈኖ እዋን እዩ ተሓሊፉ። በትሪ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ውሻጠ ክትኣቱ ምስ ጀመረት ግን መብዛሕትኡ ክፍሊ ሕብረተሰብና ዓው ኢሉ ተቓውሞኡ ክገልጽ ጀሚሩ ኣሎ። ሕጂ እቲ ሰውራዊ ሃዋሁ ሰፊኑ ኣሎ። ነዚ ብግቡእ ክንጥቀመሉ መታን ክንክእል ኣብ ናይ ሎምን ጽባሕን ኣተኲርና ክንሰርሕ ነቲ ናይ ትማል ንጸሓፍቲ ታሪኽ ምግዳፍ ከድልየና እዩ። ኤሃባደለ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ዘጃህር ስራሕ ኣይሰርሔን። ከም ትካል ምቛሙን ንውድባት ብሓባር ዝውክል ጽላል ኮይኑ ሰለይ ምባሉን ብኣዎንታ ዝግለጽ ኮይኑ በብእዋኑ ብቑዓት ሰባት እናኣእተኻ ዝሓሸ ኣመራርሓ ክረክብ እሞ ድሌት ህዝብና ከርዊ ዝኽእል ስራሕ ምስራሕ ከድሊ እዩ።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
2b425bc379851d7e9c4f65ebf21e39c1c008cc375258db7797aebab7afd0faaf- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሕጂ እቲ ጸረ ተቓወምቲ ውድባት ኽኸይድ ዝጸንሔ ህግደፋዊ ፕሮፓጋንዳ ዳርጋ ኣሪጉ’ዩ። ህግደፍ ብደገ ጥራሕ ዘይኮነስ ብውሽጡ’ውን ተቓውሞ እናበርተዖ ስለ ዝመጾ ሎሚ እቲ ዘይቃወም እዩ ዝስከፍ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰውራዊ ሃዋሁ ንምጥንኻርን ኣብ ህዝባዊ ዓመጽ ንምስግጋሩን ናይ ወብሳይት፡ ናይ መጽሔት ከምኡ’ውን ናይ ተለቪዝዮን ኣገልግሎት ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንኽምዕብል ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ሓገዝን ተሳትፎን የድልዮ። እቲ ነዚ ኣገልግሎት ክረክብ ዘይክእል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ድማ እቲ ዝቐለለ ናይ ሬድዮ መራኸቢ ስለ ዝኾነ ኣብ መደብ ዘሎ እዩ።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
3e41883c884690ce6dc54ce4cd1e4194572e52144ac909c3193deda07d619469- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ምናልባት ንኹሉ ዝምልከት ኣይከውንን እምበር ዝድርበ ዘረባ ግን ኣይኮነን። ካብ ውልቃዊ ገንዘቦም ንውድቦም እናድጎሙ ዝመርሑ እውን ስለ ዘለዉ ንኹሎም ኣብ ሓደ ዘንቢል እንተዘየእተናዮም ጽቡቕ እዩ። ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ነገር ግን ኣሎ። ኣብ ከባቢኻ ምስቶም ንዓመታት ዝለመድካዮም ሰባት ጥራሕ ትውዕል ትሓድር እንተኼንካ ሓድሽ ሓሳብ ናይ ምምንጫው ዓቕምኻ ድኹም እዩ ዝኸውን። ብዙሓት ውድባትና በዚ ይሳቐያ እየን። መዋእሉ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ሰብ ካብ ፖለቲካ ወጺኡ ነዛ ነብሱን ስድርኡን ክመርሓላ ዝኽእል ካልእ ሞያ እውን ከየጥረየ ስለ ዝጸንሕ ኣብታ ክዕንገለላ ዝኽእል ውድብን ናይ መሪሕነት ቦታን ነኺሱ ክቕጽል እንተደለየ ዘይጽቡቕ እኳ እንተኾነ ምኽንያቱ ግን ርዱእ እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ጠቒሰዮ ከም ዝነበርኩ እቶም መዋእሎም ህይወቶም ንቓልሲ ሂቦም ዝጸንሑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዕሪፎም ከይተጸገሙ ክነብሩሉ ዝኽእሉ መንገዲ ክንፈጥር ኣለና። እቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ቦታ ድማ ብሓድሽን ውዑይን ደም ክትካእ ኣለዎ። ንመነባብሮ ኢልካ ካብ ንእሽቶ ድኳን ንእሽቶ ውድብ ምባል ግን ክሳራ እምበር ረብሓ ስለ ዘይብሉ ኣይትሕሰብዎ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
3ea41bfb6333c5eed00d40cc4caf17dfc2d2daed1f7a7e10182d56d349c31196- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብዚ ዝበሃል ዘሎ ርእይቶ እውን ኩሎም መራሕቲ ውድባትን ኩለን ውድባትን ሓደ ዓይነት ርእይቶ ከምዘለዎም ጌርካ እንተዘይተገልጸ ጽቡቕ እዩ። ናይ መንእሰያት ውደባን ናህርን ዘፍርሖም ወገናት ከምዘለዉና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ቀስ ዝለመደ ጉያ ኣይፈቱን። ስለዚ ተሰጊርና ተቐዲምና ዝብል ስምዒታት ክፍጠር ዝኽእል ምዃኑ ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ነዚ ሕጂ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ሑቕፊ ሻዕቢያ ዝዓበዩ ብፕሮፓጋንዳ ሻዕብያ ሓንጎሎም ዝተሓጽበ ወዘተ ወዘተ ምባል ግን – ካብኡ ወጻኢ ደኣሞ እንታይ ክኾኑ ክጽበይዎም? ኣብ ሻዕብያ/ህግደፍ ጥራሕ ዝበሓቶ ሃገር ካብዚ ወጻኢ ካልእ ሓቂ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ግን መንእሰያት ከምኡ እዮም ኢልካ ካብ መንእሰያት ምርሓቕ ዘይኮነስ ካብ ናይ ህግደፍ ዝሓይሽ ኣረኣእያ እንተልይዎም ነቶም ናይ ህግደፍ ኣረኣእያ ተሰኪሞም ዝመጹ መንእሰያትና ብደሞክራሲያውን ጸረ ምልካውን ኣረኣእያ ክምልምልዎምን ክሃንጽዎምን እንተኺኢሎም ጥራሕ እዩ። እዚ ከኣ ናብ መንእሰያት ቀሪብካ ዝግበር እምበር ብማዕዶ እናተፈራራሕካን እናተነጻጸግካን ዝግበር ስራሕ ኣይኮነን።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
a7cb17a15624408f1ab24a09e508b2a64ae5df6a98c2b7b9e7c0aa96321ef80f- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሕድሕድ ምቁንጻብ፡ ምርጣጥ፡ ንነብስኻ ንሓድሽ ኣተሓሳስባን ነብሰህንጸትን ድሉው ዘይምግባር፡ ትሕዘ-ጸኒሓዊ ኣካይዳ ከም ባህሊ ነኺስካ ምኻድ፡ ኣብ ሕድሕድካ ምጥርጣር፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብሉጽ ኬንካ ክትረኤ መታን ኣብ ክንዲ ብሉጽ ስራሕ ምስራሕ ስለዘይከኣልካ ነቶም ካልኦት ኣነኣኢስካ ብሉጽ ኬንካ ክትረኤ ምድላይ- ኣብ መንእሰያት ክረኣዩ ዘግበኦም ቀተልቲ ዝምባሌታት እዮም።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
ed09c28e0a5a257dd79ecc2761c2122dc57b9999743e33cd3d8577cee86cb616- Original matched spelling
- ዮሃንስ ኣስመላሽ
- Source role
- Mention only; no participation or authorship assigned
Another source passage (Mentioned in source)
Mentioned in source · source passage · automatic rule, identity unresolved
ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ካብ ምስ ገለ ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ጎረባብቲ ሃገራትን ምዝርራብ ወጻኢ ዛጊት ዝተገብረ ልዕሊኡ ጭቡጥ ስራሓት ኣሎ ክብል ኣይክእልን።
Read this passage in context · Preserved original · Original source URL
Evidence and source version
- Original SHA-256
a6713082395ac0f78e3c12ede9321f77f5850ba5a8dad0424ef7dbe11faede1a- Model source SHA-256
1a4341d7b5799f7cd51b24c144e90ef46c09b42d59dae885f594a90b1a9e4a34- Passage SHA-256
105cb982b45b0ab89b0c8884ede8d49017fcfe8b297ad0d907d400143bf71d5a- Original matched spelling