Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

Prisons

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation retains the source title. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 31d92dfe40608384d3c0b662dd6af12394fe9e1ab79f305fd5b2a3fc5244d51f. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

? include("header2.php") ?>

Yirgalem Fisseha - ይርጋኣለም ፍስሃ etSp4onsodhreld · (ብሰንኪ ጥሕሰት ሕጊን ስእነት ፍትሕን ሃለዋቶም ንዘጥፍኡ ዜጋታት ንዘይምርሳዕ ዝሓለነ ትሕዝቶ’ዩ) ናብ፦ መምህር - ወዲ መምህር (ዳዊት ሃብተሚካኤል) *** *** *** ተማሃሪት 11 ክፍሊ’የ ነይረ። ንጥፈታት መኣዲታት ስነጽሑፍ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ውዕዉዕ ዝነበረሉ ግዜ’ዩ። የዕብዮ ገ/መድህን ኣብ ዓድቐይሕ ካብ ዝነበረት ኣሃድኡ ንዕረፍቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ፡ ሓንቲ ምሸት ኣብ ከባቢ ካተድራል ዘወር እናበልኩም ተራኺብና። ጸብጻብ ንጥፈታት መኣዲ ስነጽሑፍ ዓድቐይሕ ብየዕብዮ፡ (የዕብዮ ኣብ ዘይተሳተፈሉ ከኣ ኣነ) ኣብ ጋዜጣኹም - ጋዜጣ መቓልሕ ዝሕተመሉ ግዜ’ውን’ዩ ነይሩ። ምሳኻ ብኣካል ክንራኸብ ንፈለማ ነበረ። ግና ኣይተጋየሽናን። “ከምቲ ንስኺ ኣብ ዓድኺ…፡ ንሕና ከኣ ኣብ ዓድና ከነእንግደኪ” ዝበለ የዕብዮ’ዩ። ነቲ ዕድመ መልሲ ቅድሚ ምሃበይ ግዳ፡ ወዲ ዃዳ ይደልየኒ ምህላዉ ብዘፍሑ ቃላት ነጊርካኒ። “እንታይ ገይረ፧” ሓቲተ። “እታ ትማሊ ኣብ ዘመን ዝወጸት ግጥሚ…” “ኢሂ'ሞ ንሳ፧” ዳርጋ ብስንባደ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣማኑኤል ኣስራት፡ እዛ ግጥሚ (ኣይሞተትን ግጥሚ) ብናይ ብርዒ ስም እንተወጸት ከም ዝሓይሽ መኺሩኒ ነይሩ። ኣይተሰማማዕኩን። “ድሓን ጸገም የለን። ከነተዓርቐኪ ኢና። ንዕናይ’ሞ ሻሂ ከነስትየኪ...” ላግጺ ምዃኑ ብዝእንፍት ቃና ንእግረ መንገድኻ ነታ ካብ የዕብዮ ዝቐረበት ዕድመ ደገፍ ሂብካ። ናብተን ኣብቲ እዋን መብዛሕትኹም ትኣትውወን ዝነበርኩም፡ ሚጋሜክስ ስትድዮ ኣብ እትርከበሉ ጎደና ዝርከባ መዘናግዒ ቦታታት ወሲድኩምኒ። ከም ግምትኩም ወዲዃዳ ኣብ ባር’ስቲፋኖስ ጸኒሑና። ጸዊዕካዮ። (ትሕዝቶ'ቲ ዝርርብ ካልእ መዓልቲ ይህልዎ’ኸውን) ብዝኾነ፡ ንሰዓታት ናይ ሓባር ግዜ ኣሕሊፍና። እዚ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 20 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ድሃይካ ካብ ዘይስማዕን ሃለዋትካ ካብ ዘይፍለጥን’ውን 20 ዓመታት ኣብ ዝደፍነሉ ግዜ በጺሕና’ለና። ! ንዝኽሪ መለሳ ደልየሉስ፡ ነታ ርእያትካ ዘይትፈልጥ፡ ንኽትርእያ’ውን ዕድል ዘይገበርካ፡ ካብ ዕድሚኣ ዓመታት ማሕዩርካ ዝበዝሕ - ውላድካ፡ ናይ ምርካባ ድሌት ኣሕዲረ። ብውሕዱ፡ ነተን ምሳኻ ካፕቺኖ ዝሰተኹለን ስዓታት ምስኣ ክደግመን ደልየ። ሰሊጡኒ። ኣብ ፈለማ ጠመተይ፡ ኣዒንትኻ ቅምጥ ኢሎም ኣብ ኣዒንታ ረኺበዮም። “እዛ ህሞት’ዚኣ፡ ክልቴኹም ንምትሕቑቛፍ እንተ ተኽእል፡ እቲ ትርኢት እንታይ ምመሰለ” ኢለ ሓሲበ። …ጥርዚ ባህጊ! “ናተይ ጅግና!” ኢላ’ያ ትጽውዓካ። ንስኻ ዝተኾለፍካሎም ሕልምታት ምስ ሕልማ ኣካዊና፡ ናይ ክልቴኹም ሕልሚ ከተግህድ፡ ክልተ ጾር ከም ዝተሰከመት እትርዳእ ብልሂ ጎርዞ ኰይናትልካ’ላ። ኣብ ህጻንነታን ጎርዞነታን ዘይጥዓመቶ ሕቑፎኻን ፍቕሪኻን ኣብ ጽንብል ዓወታ ክትረኽቦ እቲ ዝገዘፈ ባህጋ’ዩ። ኣብ ዕላልና፡ ኣዕሩኽቱኻን መሳርሕትኻን ድሕሪ ምእሳሮም፡ እኹል ናይ ምምላጥ ዕድል ከም ዝነበረካ፡ እንተኾነ ከም ዘይተጠቐምካሉ ምስ ሰምዐት፡ “ስለምታይ ዘይሃደመ፡ ሽዑ ሃዲሙ እንተ ዝነብር፡ ኣቦ ዘይብለይ ኰይነ ኣይምዓበኹን” ንዝብል ወቐሳ ዘአንግድ ስምዒት ኣለዋ ’ንተዀይኑ ሓቲተያ። “ከምኡ ሓሲበ ኣይፈልጥን’የ። ዘይበደለ፡ ገበን ዘይገበረ ሰብ ስለምንታይ ይሃድም፧ ኣቦይ ሓቀኛ ስለ ዝኾነን ብነብሱ ስለ ዝተኣማመንን ከም ዘይሃደመ’የ ዝኣምን” ኢላትኒ። “ኣቦይ፡ ካብ ዝእሰር ክንድዚ ዓመታት ገይሩ’ሎ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ዕለተ ልደተይ’ዩ” ዘይነጻጸል ክልተ ፍጻመታት ሓደ ዓይነት ቁጽሪ እናጠቐስካ ምዝንታው፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝመርር ንምግማት፡ ንነብስና ኣብ ቦታኣ ኣእቲና ምሕሳብ ጥራይ እኹል’ዩ። በዚ፡ ኣቦን ጓልን ክርኣኣዩ፡ ክትሓቛቖፉ፡ ክፋለጡ… ዘይፈቅድ ኩነታት ዓድና ሕጉሳትን ዕጉባትን፡ ኣእማንን ኣግራብን ሃገር ዝመስሎም “ዕድለኛታት” ውሑዳት ኣይኮኑን። ዓመታት ቃንዛኹምን ምፍልላይኩምን ዝበዝሐ’ውን፡ ኣብ ጥቓኡ ንዘየለ ሃልሃልታ ለምለም ገይሩ ዝርኢ፡ ኣብ ዝባን ካልኦት ንዘሎ በሰላ - ከም ቅብኣ ዝጥምት፡ ኣብ ልቢ ጎረቤቱ ዘሎ ጓሂ ምርዳእ ዘይደሊ፡ ንቁጥዐ ዓመጽቲ ኣሜን ዝብል፡ ነብሱን ስድራቤቱን ዘርሓቐሉ ረመጽ - ገነት ዝሓስብ… ተበላጺ ስለ ዝበዝሐ’ዩ። ብሓጺሩ፡ ከምዚ ዓይነት ዛንታ ተሰኪሙ፡ ንቡር ህይወት ዝመርሕ፡ ልዕሊ ዓበይቲ ሽግራት ምፍታሕ፡ ካልእ ዋኒን ዝዓጦ ሕብረተሰብ ኢና ኰንና ዘለና። ካብዚ ሞርጒ ብኸመይ ከም ንላቐቕ እንድዒ! (ይቕጽል) sou Yirgalem Fisseha - ይርጋኣለም ፍስሃrce

⁠

Title, language and source notes

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. Prisons

    http://www.ehrea.org/daw.php

    Preserved local original · source record f6116e0f77bbcc336e65d97d

    SHA-256: b222ee277b8e944c947d215d810a00a3e1572e78b9067044cafc825a2c9ddfb1

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 31d92dfe40608384d3c0b662dd6af12394fe9e1ab79f305fd5b2a3fc5244d51f

Alternate titles: Prisons

  • f6116e0f77bbcc336e65d97d: retained: distinct complete document. 2 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions