ቤት ማእሰርቲ እምባትካላን ዒራዒሮን

Tuesday, 03 February 2009
እቶም ብጉጅለ 15 (G15) ዝፍለጡ፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ተደናገጽቲ ናይ ጉጅለ 15 ኢኹም ተባሂሎም ኣብ መስከርም 2001 ዓ/ምን ድሒሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ንኽእሰሩ ትእዛዝ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝመጸ ክኽውን ከሎ፡ ኣብቲ ፈላማ ሙሉእ ሓላፍነት ናይ ምእሳሮም ዝተዋህቦም ግና፡ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ዳሬክተር ኣብርሃ ካሳን፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸጥታ ሓላፊ ስምኦን ገብረድንግልን እዮም ኔሮም።
እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ እሱራት ከም ከብቲ እንዳተጐሰዩ መጀመርታ ንእንባትካላ ኣብቲ ብኢንሲትዩት ኦፍ ማኔጅመንትን ዝፍለጥ ቦታ እዮም ወሲዶሞም። እቶም ናይ ግሊ ጋዜጠኛታት ግን፡ መጀመርታ ኣብ መደብር ፖሊስ እዮም ተኣሲሮም ኔሮም። ዳሕራይ ግን፡ ወይ መእሰሪና ምኽንያት ንገሩና፡ እንተዘይኮይኑ ግን ፍትሑና ኢሎም፡ ናይ ምግቢ ምሕሳም ምስገበሩ ንእንባትካላ ወሲዶሞም።
ኣብ እንባትካላ እቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ቦታ ሕማቕ ኣይነበረን፡ ግና ማእሰርቶም ዘይፍትሓውን ኣብ ሸላን ካብ ናይ ደገ ዓለም ተገሊሎምን ስለዝነበሩ፡ ኩሎም ሞራሎም ተተንኪፍ ኔሩ። ገለ ካብኣቶም ዕድል ኣብ ዝረኸቡሉ፡ ማእሰርቶም ዘይሕጋዊ ምዃኑ ይገልጹ ነይሮም። ገሊኦም’ ውን ናይ መግቢ ምሕሳም ይገብሩ ነይሮም። ውጽኢት ግና ኣይነበሮን።
ሓለዋን ሓላፍነትን ናይ እሱራት ብዝምልከት ኣብቲ መጀመርታ ብክፍሊ ጸጥታ ዝካየድ ኔሩ፡ ድሒሩ ግን ኣብ 2002 እቲ ሙሉእ ሓላፍነት ናይቶም እሱራት ንኮረኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰ እዩ ተዋሂብዎ።
ብዝኾነ ካብ መስከረም 2001 ስጋዕ 05 ሰነ 2003, እቶም እሱራት ኣብ እምባትካላ ጸኒሖም ካብኡ ግና፡ ንዖዖም መእሰሪ ክኸውን ተባሂሉ ናብ ዝተሰርሐ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ብዕለት 6 ሰነ 2003 ተወሲዶም።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ እንባትካላ ከለው ገለ ካብቶም እሱራት ዝሞቱ ነይሮም እዮም። ገለ ካብኦም ንምጥቃስ ድማ፡
ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ ብዕለት 13 ሓምለ 2002 መይቱ። ኣብ ሸላ ቁጽሪ 12 ብዘስካኽክሕ ኩነታት ንበይኑ ተኣሲሩ ነይሩ ብሰንኩ ድማ ኣብኡ መይቱ ተረኺቡ።
ጀነራል ዕቑበ ብዕለት 3 መጋቢት 2002፡ ከምቲ ልሙድ ብክልተ ወትሃደራት ተዓጂቡ፡ ክልተ የእዳው ተኣሲሩ ንሽንቲ ዝወጽኡሉ እዋን፡ ኣብቲ ሽቓቕ ምስ ኣተወ፡ ነቲ ኣብ መንደቕ ተሰቂሉ ንዝነበረ ናይ ገጽ መርኣዪ መስተያት በቲ ዝተኣሰረ ኢዱ ጌሩ ሴሩ፡ ንነብሱ ክቐትል ኢሉ ክሳዱ ክሓርድ ጀሚሩ። እቶም ኣብ ደገ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ክልተ ወትሃደራት፡ ገለ ድምጺ ስለዝሰምዑ፡ ነቲ ማዕጾ ደፊኦም ኣትዮም፡ ሰለስተ ጥይት ንላዕሊ ተኩሶም፡ ንሜ/ጀ ዕቑበ ናብቲ ናይ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ክሊኒክ ወሲዶም ኣእዳውን የእጋሩን ምስቲ ዓራት ኣላጊቦም ኣሲሮሞ። ካብኡ ዶ/ር ሃይለ ምህጹን ተጸዊዑ መጺኡ ብለይቲ ብ5 ወትሃደራት ተዓጂቡ ናብ ኣብ ከባቢ ከረን፡ ግላስ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ናይ ምድሪ ሓይሊ ሆስፒታል ንቁሩብ መዓልቲ ኣጽኒሖም፡ ነእቲ ዝተሃሰየ ክሳዱ ሰፍዮም ናብ ቤት ማእሰርቲ እንባትካላ መሊሶሞ። ምስተመልሰ’ ውን ኣብቲ ክሊኒክ ኣእጋሩን የእዳውን ምስ ዓራት ኣሲሮም ምግቢ ብእንፍዩጂን ይወሃብ ኔሩ። ካብኡ’ ውን ደሓን ኮይኑ ኢሎም ናብታ ሽላ ቁጽሪ 12 መሊሾሞ።
ጀነራል ዕቑበ ኣዝያ ተሳቕዮ ሕማም ኣዝማ ኔራቶ እያ። ብሰንኪ እቲ ዘስካኽክኽ ማእሰርቲ ድማ እንዳገደደን ምትንፋስ ዝስእነሉ እዋን’ ውን ኔሩ እዩ። ብጀካ እታ ንመስተንፈሲ ዝጥቀመላ ብኣፉ ዝነፍሓ ዝነበረ መከላኸሊት፡ ካልእ ዝተገበረሉ ሕክምና ኣይነበረን። ኩነታት ጥዕንኡ እንዳንቆልቖለ፡ ሕክምና ከይረኽበ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ብዕለት 13 ሓምለ 2002፡ ኣብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ሸላ ቁጽሪ 12 ሞይቱ ተረኺቡ።
ከምቲ ልሙድ እሱራት ንሽንቲ ዝወጹሉ ሰዓት፡ እቶም ዝሕልውዎ ወትሃደራት ንከውጽእዎ ምስከዱ፡ ሞይቱ ምስረኸቡዎ፡ ነቶም ሓለፍቶም ይነግሩ። እቶም ሓለፍቲ፡ ሞቱ ከይስማዕ፡ ሬስኡ ካብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ሸላ ከይወጽእ፡ ብዛዕባ ምማቱ ብምስጢር ክተሓዝ ኣጠንቂቖም፡ ምስ መሰየ፡ ካብ ኣስመራ ናይ ሬሳ ሳጹን ኣምጺኦም፡ በታ ናይ ቤት ማእሰርቲ ማኪና ጽዒኖም ብለይቲ ወሲዶሞ። እቲ መንገዶም ንኣንፈት ጊንዳዕ እዩ ነይሩ። ኣበይ ከምዝተቕብረ ብምስጢር እኳ ተታሒዙ እንተሃለወ፡ እቶም ንሬስኡ ሒዞሞ ዝኸዱን ኣበይ ከምተቐበረ ዝፈልጡ ሰባት ግን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ · ኑረዲን ሓምድ (ወዲ ሓምድ) ኣውቲስታ ናይታ መኪና · ኣብርሃለ ገዳም (ወዲ ገዳም) · ጎይትኦም ሽሞንዲ (ወዲ ሽሞንዲ) · ምሕረቱ ሰሎሞን (ወዲ ሰሌ) · መድሃኔ መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ኣብ ሓይሊ 2 ምክትል ኣዛዚ 3ይ ጋንታ · ትልንቲ ተስፋኣለም ሃብተ፡ ኣዛዚ ሓይሊ 1ን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምኽትል ሓላፊ.
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንባትካላ፡ ፍስሃየ ዮሃንስን መሓመድ ሸሪፎ ‘ውን ተሰዊኦም እዮም። እቶም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ድማ ንሰለስቲኦም ዝቐበሩ እዩም።
ፍስሃየ ዮውሃንስ ሓደ ካብቶም ብዘይ ገበንን ክስን ኣብ እንባትካላ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 10 ተኣሲሩ ዝነበረ ሕቡብ ጋዜጠኛ እዩ ኔሩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ፡ ደጋጊሙ፡ “ንሕተተሉ ገበን እንተሊና፡ ኣብ ፍርዲ ኣቕርቡና፡ እንተዘኮይኑ ግን ማእሰርትና ዘይሕጋዊ እዩ” ይብል ኔሩ፡ ዝሰምዖ ግን ኣይረኸበን። ኣብ መጨረሽታ ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2002 ኣብ ክፍሉ መይቱ ተረኺቡ።
መሓመድ ሸሪፎ ሓደ ካብ ኣባላት ጉጅለ 15 እዩ። ንወርሒ ዝኣክል ውጽኣት ሓሚሙ፡ ከምኡ’ ውን ኣብ ክልቲኡ መንኮብኮቡን ኣብ ትሽትሽኡን ሕበጥ ወጺእዎ ቀትርን ለይትን ይሳቐ ኔሩ። ግቡእ ሕክምና ግን ኣይረኽበን። እዚ ድማ ብፍላጥ ዝተገብረ እዩ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ዘስካኽክኽ ስቓይ ኣብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ሸላ ቁጽሪ 27፡ ብዕለት 5 ሰነ 2003፡ ኣብ ድሮ ንኹሎም እሱራት ንዒራዒሮ ምግዓዞም ሞይቱ ሓዲሩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምባትካላ ኣብ ትርከብ ክሊኒክ ክልተ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተመደቡ ተጋደልቲ ኔሮም። እሳቶም ድማ፡ ተስፋጽየን (ሸቃ) ከምኡ’ ውን ተስፋይ ይበሃሉ። እታ ክሊኒክ ብጀካ እቲ ዝተሓተ ረድኤት ናይ ጥዕና ካብ ምሃብ ሓሊፋ፡ ነቶም መብዛሕትኦም ሕዱር ሕማም ንዝነበሮም እሱራት ክትህቦ ትኽእል ኣገልግሎት ኣይነበረን።
ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ሓደ ካብቶም ዘስካሕክሑ ኣብ ኤርትራ ዘለው ቤት ማእሰርትታት እዩ። ብሕልፊ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን እቲ ዋዒ ካስብ 45 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ስለ ዝበጽሕ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም እሱራት ኣብዚ እዋን፡ ካብ እንባትካላ ንዒራዒሮ ከግዕዞም ምውሳኑ በብሓደ ክሞቱሉ ስለዝደለየ ጥራይ እዩ። መብዛሕትኦም እሱራት፡ ብኩነታት ማእሰርቶምን እኹልን ተመጣጣኒ ምግቢ ካብ ዘይምርካቦምን ዘድሊ ሕክምና ስለዘይተገብረሎምን፡ ኣካላቶም ተዳኺሙ ስለዝጸንኸ፡ ኣብ ዒራዒሮ ምስ በጽሑ በብሓደ ሙማት ጀሚሮም።
እዞም ዝስዕቡ ድማ ኣብ ዒራዒሮ ዝሞቱ እዮም፡ · ሳሊሕ ኬኪያ (ሚኒስተር መጓዓዝያ) ዝነበረ፡ ብዕለት 09 ሰነ 2003 ኣብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ሸላ ቁጽሪ 6 መይቱ ተረኺቡ። · ኣስቴር ፍስሃጽየን፡ ብዕለት 13 ሰነ 2003፡ ኣብ ሸላ ቁጽሩ 11 ሞይታ ተረኺባ። · የሱፍ መሓመድ ዓሊ (ጋዜጠኛ)፡ ብዕለት 13 ሰነ 2003፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 9 መይቱ ተረኺቡ። · ሑመድ ኣሕመድ፡ ብዕለት 22 መስከረም 2003፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 30 መይቱ ተረኺቡ። ብኸቢድ ሕማም ኣዝማ ይሳቐ ነይሩ። ሕክምና ኣይረኸበን። ብምሒር ዋዒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ምትንፋስ ይስእን ከምዝነበረ ይንገር። · ተስፋገርግሽ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጾሮና ዝነበረ፡ ብዕለት 16 መጋቢት 2004፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 14 መይቱ ተረኺቡ። ቅድሚ ምማቱ፡ ስድራይ ዝበልዕዎ የብሎምን። ብሽመይ ኣብ ባንኪ ዝተቐመጠ 20,000 ናቕፋ ኣሎሞ፡ በጃኹም ንስድራይ ንገሩለይ። በጃኹም ንስድራይ ኣፍቅዱሎም እንዳበለ የእውይ ኔሩ፡ ግና ዝሰምዖ ኣይረኸበን። · ሳህለ፡ ብወርሒ ጥሪ 2005 ኣብ ሸላ ቁጽሪ 21 ሞይቱ ተረኺቡ። · ሰዒድ ዓብደርቃድር (ጋዜጠኛ)፡ ብወርሒ መጋቢት 2005፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 24 ሞይቱ ተረኺቡ። · መድሃኔ ሃይለ (ጋዜጠኛ)፡ ብዕለት 8 የካቲት 2006፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 8 ሞይቱ ተረኺቡ።
ነዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ዝተጠቐሱ፡ ምስ መቱ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ በረኻን ጥቓ ሩባታትን እዮም ተቐቢሮም። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ንመጻኢ ሬስኦም ንከይርከብ፡ ከምኡ’ ውን ውሕጅ ክወስዶም ኢሎም ዝገበሩዎ እዩ። ንኣብነት ብዕለት 13 ሰነ 2003፡ ኣስቴር ፍስሃጽየንን፡ የሱፍን፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፡ ግና ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት እዮም መይቶም። ክልቲኦም ድማ ኣብ ጥቓ ሩባ ዒራዒሮ ተቐቢሮም፡ ውሕጅ ንሬስዓም ኣውጺእዎ፡ እቲ ተሸፊኖምሉ ዝተቐበሩሉ ኮበርታ ወጺኡ ከምተረኽበ ተፈሊጡ እዩ።
እቶም ተሪፎም ዘለው እሱራት ‘ውን፡ ብሰንኪ እቲ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛን ኩነታት ቤት ማእሰርትን፡ ኩሎም ጥዕና የብሎምን። ነዊሕ ክጸንሑ’ ውን ኣይክእሉን እዮም።
ካብ ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ
Last Updated ( Thursday, 05 February 2009 )












Loading...