Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

Untitled archived document

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 4ed62c323c30d8b50d25dcb675a84c6d6c678b57e6b90ebf4f93566373dfd5f9. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ግደፍ በቲ መደናገርን ልዑል ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎን ኢሳያስ እናተመርሐ፡ ካብ ሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ናብ ሓደ ማፊያዊ ጕጅለ ካብ ዝቕየር ንነጀው፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምናልባሽ ክሳብ 1997 ናብ መንግስቲ ገጹ ክሰጋገር ዝኽእል ውድብ ነይሩ ክንብሎ የምሕረልና ይኸውን። ኢሳያስን ጕጅለኡን ግን ነዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉን ክንዮኡን ክኸዱ ድሮ ኣቐዲሞም ወዲኦሞ’ዮም ነይሮም። ስለዝኾነ፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኢዶም ብምእታው ንህዝቢ ኤርትራ ከም ድላዮም ክጠውዩዎን ቸይ ቸይ ክብሉሉን ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ህዝቢ ፈትዩ ዘይኮነ ኣብ ዝኣትዎ ስለ ዝጨነቖ ትም ክብል ተገዲዱ ኣሎ። ደፊሩ እንተ ተባህለ ካብ ምሕማይ ሓሊፉ ዝገብሮ የብሉን። ህዝቢ እቶም ዝኣመኖም ደቁ እንተ ጠሊሞሞ እንታይ ክገብር ይኽእል። ገለ ሰባት፡ እኳ ደኣ ካድራት ዝብሃሉ፡ “ህዝቢ ሰኒፉ” ክብሉ ክሰምዕ ከለኹ ኣመና’ዩ ዝድንጽወኒ። ህዝቢ ደኣ’ሞ መን ምስ ወደቦን ምስ ኣዕጠቖን’ዩ ክቃለስ? እቲ ክቃለስ ዝኽእል መንእሰይ’ዩ ነይሩ። ግንከ፡ እቶም ክውድቡን ክመርሑን ዝኽእሉ ካድራት ደድሕሪ ውልቃዊ ጥቕሞም ክጐዓዙ እናረኣዮም ከሎ ብኸመይ መንገዲ ክቃለስ ይኽእል? ኣሰሩ ብምኽታል ውልቃዊ ጥቕሞም ከናድዩ ግድነት ይኾኖም። ሃገር ሓራ ከውጽእ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ኣዒንቱ እናረኣየ፡ ኣእዛኑ እናሰምዐ፡ “ኢሳያስ ከምዚ ኢሉ፡ ድምጺ ሓፋሽ ከምዚ ደጊማ፡ ኣብ ቲቪ ዘወጽአ መግለጺ ርኢኻዮዶ?” ክብል ዝውዕል እንተ ኾይኑ፡ ኣቲ ክቃለስ ዝኽእል ሰብ ቅስሙ ይስበር። ኣብ ከምዚ ኵነታት ይትረፍ ንሓደ ሓያል ጭፍራ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ውልቀምልካዊ፡ ንሓደ ተራ ማሕበር ዕቍብ ክትብድሆ’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዚ ድማ ሓደ ፍሉይ ጕጅለ ንበይኑ ዘይኮነ ኵሉ ሰብ ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎ ክፍለጥ ይግብኦ። ምኽንያቱ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት ቀቢርካ፡ “ኣነ’ሞ እንታይ እፈልጥ?” ዝብሃል ዘረባ ቦታ የብሉን። ነዚ ገዲፍና ግን ሕጂ እንታይ ይገበር? ዝብል ሕቶ ክነልዕል ዝሓሸ’ዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰብ ጸገም ኣለዎ እስኪ ንበል። ምኽንያቱ ነቕ እንተ ኢሉ ኣጫፈርቲ ኢሳያስ ብጥይት ስለ ዝኣትዉዎ። ንስንኵላን ዘየናሕሰየ ስርዓት ንመን ከናሕስየሉ ንጽበ! ናይ ቃልሲ ምስ እነልዕል፡ “ህግሓኤ እንታይ ኣዕዊቱዎ?” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ቀሊል መልሲ ንረክብ። እተን ዝቃወማኦ ዝነበራ ውድባት ጀብሃ ኣብ ክንዲ ዝሓብራ ኣብ ነንሕድሕደን ክናቘታ ከለዋ፡ ህግሓኤ ግን ኣሎ ዝብሃል ሓይሉ ጠርኒፉ ኣንጻር ጸላእን ኣንጻረንን ብምቅላስ ክዕወትን ክኢሉ። ሽዑ ህግሓኤ ንደርግ ዝኣክል ሓይሊዩ ዝምክት ነይሩ። እዚ ድማ ውሕልነት ብዝጐድሎ ቃልሲ ዝከኣል ኣይነበረን። ሽዑ ተቓወምቲ ውድባት ክዕወታሉ ኣይከኣላን። ናይ ሽዑስ ደሓን ሃገር ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ስለ ዝነበረት ኣየጕህን ይኸውን። ሕጂ ግን ስለምንታይ ታሪኽ ክድገም ነፍቅድ ኣለና? ህግደፍ ከም ናይ ህግሓኤ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣመና ብውሽጣዊ ግርጭት ቦኽቢዅ ዘሎ ስርዓት’ዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳይ ኣዝዩ ተዳኺሙ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ፡ ወላ እቶም ናተይ ዝብሎም ደገፍቱ ክጠልሙዎ ይረኣዩ ኣለዉ። ኢሳያስ ይኹን ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ዓበይቲ ጌጋታት፡ ነቲ ስርዓት መመሊሱ ናብ ዓዘቕቲ የእትዎን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ይንጽሎን ከም ዘሎ ብጋህዲ ንዕዘብ ኣሎና። መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ግን ይትረፍ ተበግሶ ወሲዶም ብንጥፈት ክቃለሱ ከም መልሰ ተግባር’ውን ነዚ ድኽመቱ እዚ ክምዝምዙዎ ብቕዓት ኣየርኣዩን። ብኸመይ ከርክቡሉ! ዝሕሰብ ኣይኮነን! በንጻሩ ኢሳያስ ነቲ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዓበይቲ ናይ ቃልሲ ጕድለታት ብምዕዛብ ብዀራርምቱ ይስሕቕ ኣሎ።

ብሰንኪ ጕድለት (ሰውራውያን) መራሕትና፡ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ከድምዕ ዝኽእል ክነሱ፡ ሰኣን ግቡእ ውዳቤ ከም ማኣዶ ኣብ ፈቐዶኡ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ካብ ብዛዕባ ሃገር፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ናብራኡ ክናቘት ይውዕል ኣሎ። እቲ ነፊዑ ብዛዕባ ሃገር ይነጥፍዩ ዝብሃል ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ዝጽመድ፡ “እከለ ውድብ ከምዚ ገበረ፡ ከምዚ ፈጠረ” እናበለ ንቐዳማይ ጽላኢኡ ረሲዑ ኣብ ካልኣዊ ወይ ሳልሳይ ዝስራዕ ቀንጠመንጢ ሌፍ ክብል ይውዕል። ኣብዚ ግዜዚ ልዕሊ 13 ውድባትን ካብኣተን ዝተዓጻጸፋ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣለዋ። እንታይ እየን ዝሰርሓ ዝብል ሕቶ ምስ ዝለዓል ግን “ኣብ ነንሕድሕደን ይተሓናፈጣ” ዝብል መልሲ ኢና ንረክብ። ብወገነይ፡ “መራሕቲ ናይዘን ውድባት’ዚኣተን ንሃገር ነጻ ናይ ምውጻእ ዕላማ ዘለዎምን፡ ብህዝብን ሃገርን ዝግደሱን እንተ ዝኾኑ፡ ኣብ ክንዲ ነንበይኖም ተፈናጪሎም ክቃለሱ ዝፍትኑ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ነንሕድሕዶም እናተጠማመቱን፡ ኣነ እበልጽ ኣነባ እበልጽ ብምባል እናተፈኻኸሩን ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ኰለል ክብሉ ዝነብሩ፡ ብሓደ ስሙር ግንባር ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ተጠርኒፎም ኣብ ሓጺር ግዜ ኣድማዒ ውጽኢት ምተጐናጸፉ ነይሮም፡” ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ምኽንያቱ እዚ ንሰምዖ ዘለና ወግዓውን ዘይወግዓውን ዜናታት ልክዕ ከምዚ ናይ ዘበነ ክፍልታት ዝነበረ መን ዝያዳ መናብር ወይ ድምጺ ሓዘ ዝዓይነቱ ኵነታት’ዩ። ኣብ ወጻኢ ነዊሕ ምንባር መጋገዪ ስለ ዝኾነ፡ መራሕቲ ናይ ደምበ ተቓውሞ፡ ጕዳይ ቃልሲ ረሲዖም ኣብ ጕዳይ ስልጣንን ገንዘብን፡ ስሞም ምዕባይን ዘድሃቡ ይመስሉ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ብሰንኪ ሽምግልናኦም፡ ይትረፍ ሃገር ክመርሑ፡ ንምስክርነት’ውን ዘይበቕዑ ኮይኖም ኣለዉ። ምናልባሽ ንዝተባኣሱ ሰብኣይን ሰበይትን ክዓርቁ ይኽእሉ ይኾኑ።

ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ንኢሳያስ፡ “ነዊሕ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ፡ ዲክታተር ኮይኑ፡ ቅዋም ኣይተግበረን፡ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ኣብዩ፡” ወዘተ ኢሎም ዝኸሱዎ፡ መጀመርያ ንሳቶም ብሕግን ብደሞክራስን ይመርሑ፡ ስልጣን ድማ ናብ ህዝቢ የረክቡ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ሃገር ክዛረቡን ምኽሮም ክልግሱን ምኸኣሉ። ብሰንኪ ግጉይ ኣመራርሓኦም ድማ ብዙሕ ሰብ ክውደብን ክቃለስን ጸጊሙዎ ኣሎ። ሎሚ ሃገር ሓድሽ ደም የድልያ ኣሎ። ኣዞም መንእሰያት ዝገብሩዎ ዘለዉ ምውድዳባት ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ምናልባት ምስ ኵነታት ኤውሮጳ ዝጋጮ ጐነጽ ክጥቀሙ ኸለዉ ክጥንቀቑ ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ካብኡ በለ ግን መዋእል ጀብሃን ሻዕብያን ኣብቂዑ ስለ ዝኾነ፡ ኩላቶም ብናይ ትማሊ ዝሓስቡ፡ ነይረ ጥራይ ዝብሉ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ስልጣን ምምጥጣር፡ ስልጣን ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዝሓስብ መንእሰይ ኣረኪቦም ከም ኣቦታት ወይ ዓበይቲ ዓዲ መጠን ኣማኸርቲ ክኾኑ ጥራይ’ዩ ዘለዎም። ሓድሽ እንጌራ ከሎ ዝዓሰወ እንጌራ ደጊም ዘድሊ ኣይመስለንን። ኤርትራ ሃገርና ዕድለኛ እንተ ኾይና፡ እቶም ምሁራትን እቶም ዓበይቲ ዓድን ኢድን ጓንትን ብምኻን ነዞም መንእሰያት ከተባብዑዎምን፡ ሃገር ክመርሑ ክምርቑዎምንዮም ኣለዎም። ኣይፋልና በዚ ዘለናዮ ኣገባብ ኢና ንቕጽል እንተ በሉ ግን ኢሳያስ ገና ቈርበትና ቀሊጡ ከም ሳእኒ እግሩ ክረግጸና ምዃኑን፡ ነዚ ሕጂ ነሕልፎ ዘለና ህይወት ድማ “ቀደም ጥዑም ነይሩ” ብምባል ከም ንንእዶ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና

ዘመን ካብ ኖርወይ

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. mwa.php

    http://www.ehrea.org/mwa.php

    Preserved local original · source record b41af7453cb77d408f1534b7

    SHA-256: a0023b4dfa45e130e306eae78df92808e8a2a6b42080d30f87a82f7cf4cb035e

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 4ed62c323c30d8b50d25dcb675a84c6d6c678b57e6b90ebf4f93566373dfd5f9

Alternate titles: mwa.php · Archived HTML document — record b41af7453cb77d408f1534b7

  • b41af7453cb77d408f1534b7: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions