Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ሓቂዶ ክንዛረብ?

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Source excerpt: ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ሰውራ ብውሱናት ውልቀሰባት ኣብ ሓደ ዉሱን ቦታ ይጅመር።

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: 41ccba82f123a53401a73880d0db1d9b71f1ca8796439ffe8e594127ca225e05. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

December 28, 2012December 28, 2012 assenna [source http://assenna.com/

ሓቂዶ ክንዛረብ?

(ብዛዕባ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ)

ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ሰውራ ብውሱናት ውልቀሰባት ኣብ ሓደ ዉሱን ቦታ ይጅመር። ኰይኑ ድማ ሰውራ ኤርትራ’ውን ብውሑዳት ሃገራውያን ኣብ መታሕት ተጀሚሩ። ታተ እናበለ ድማ ናብ ሙሉእ ኤርትራ ተባሪዑ።ኣቦና ሓርበኛ እድሪሰ ዓዋተ መራሒ(ተላሚ) ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ ሰለ ዝነበረ ኣብ ታሪኽና ዓቢ ቦታ ንህቦ። ንኹሉ ግዜ ድማ ከነኽብሮን ክንዝክሮን ንነብር።

ሓርበኛ ኢድሪስ ዓዋተ ዝመርሖ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ንሓደ ወገን ጥራይ ዝውክል ኣይነበረን። መበገሲ ዓላማኡ’ውን ንመታሕት ጥራይ ኣይነበረን። የግዳስ ወሰን ዘይብሉ ንሙሉእ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ኢዩ ነይሩ። ዓላማ ኣቦና ኢድሪስ ዓዋተ ንሓደ ኣይቐርቦ ንሓደ ኣይርሕቖ። ንሙሉእ ህዝቢ ብማዕረ ኢዩ ዝብጽሖ። ከም ሓደ ሃገራዊ መስራቲ ሰውራ ንኹሉ ኤርትራዊ ድማ ይምልከቶ።

ይኹን’ምበር ኣረኣእያና ኣብዚ ሃገራዊ ምልክ’ዚ ሓደ ክኸውን ናይ ግድን ድዩ? ኩሎም ኣሜሪካውያን ኣብ ጆርጅ ዋሺንግቶን ዘለዎም ኣረኣእያ ሓደ ድዩ? ወይ ድማ ኩሎም ራሽያውያን ኣብ ልዕሊ ለኒን ዘለዎም ኣረኣእያ ሓደ ድዩ? ከምኡ’ውን ርሑቚ ከይከድና ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዳግማዊ መነሊክ ዘለዎም ኣረኣእያ ናይ ግድን ሓደ ከኸውን ኣለዎ ድዩ?

ኣነ ከም ኣድሓኖም መጠን ንኣቦና ኢድሪስ ዓዋተ ከም ሓደ ሃገራዊ ስእሊ(Icon) ክሪኦ ይኽእል ኢየ። ኩሎም ካልኦት ሃገራውያን ግን ከምቲ ኣረኣእያይ ክኽተሉ ኣለዎም ክብል ኣይክእልን።ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ ኣብ ዝዀነ ሃገር ከሎም ኣብ ታሪኽ መራሕቶም ሓደ ኣረኣእያ ከም ዘይብሎም፡ንሕናውን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ወይድማ ታሪኽ መራሕትና ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልወና ስነመጎታዊ ኣይኮነን።

ክቡራን ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ዝሓለፈ ወርሒ ብምኽንያት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ መሰረት በምግባር ብድሞክራሰያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራዊ ኩናማ ብዛዕባ ታሪኽ መስራቲ ሰውራ ኢድሪስ ዓዋተ ዝወጸ መግለጽን፡ ኣስዒቡ ዘኸተሎ ግጭትን ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘሎኒ ኣረኣእያ ብንጹር ከቐምጥ እፈቱ። ልክዕ እቲ ናይ ኣረኣእያ ግጭት ዝተላዕለሉ ግዜ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ስለ ዝነበርኩ፡ ንሓው ቀርነልዮስ ደዊለ ከምዚ ዝስዕብ ተላበኹዎ። “ከም መሰል መጠን ንሓርበኛ ኢድሪስ ዓዋተ ከም ሓደ ሃገራዊ ስእሊ (national symbole) ክትኣምንሉን ዘይክትኣምኑሉን መሰልኩም ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ነቐፈታን ወቐሳን እንተለኩም ጭብጥታት ኣቕሪኩም ኣብ ግዜኡን ኩነታቱን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሕጂ ግን ግዜኡ ኣይኮነን። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እዚ ሕቶ’ዚ ከተልዕሉ ኣይነበረኩምን። እታ ዘውጻኹምዋ ጽሕፍቲ እንተ ሰሓብኩምዋ ይሓሽ።” በልኩዎ። ንስውን ግዜኣ ከም ዘይኮነ ይሳማማዕ። ነታ ጽሕፍቲ ግን ንኽስሕባ ፈቓደኛ ኣይነበረን። ቀጺሉ እቲ ግርጭት እናተባለሐ ከደ። ኣኼባ ሃራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ተጀመረውን ንብዙሓት ኣባላት ባይቶ እንተላይ ንዶክተር ዩሱፈ “ልክዕ ከመቲ ኣብ ጉባአ ኣዋሳ ጉዳይ ኮሚሸንን ዳኒኤልን ብሽማግለ ክፍታሕ ዝተገብረ፡ ሓንቲ ብኹሉ ወገናት ተቐባልነት ዘለዋ ሽማገለ ኣውጺኹም ነቲ ግርጭት ትፍትሓዮ” ዝብል ለበዋ ኣመሓላሊፈ ነይረ። እንተዀነ ግን ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይሓለፈን። ኣብ ክንዲ ውሕሉል ኣፈታትሓ ዝገብሩሉ ኣብ ዓመታዊ ኣጀንዳ ባይቶ ኣስፊሮም፡ ንሰለስተ መዓልታት ብዘይ ፈረ ነገር ባይቶ ክባታተን ቀኒዩ።

እዚ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ኢዩ ዝግበር ነይሩ።በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዘሎሉ ግዜ ማለት ኣብ ውሽጢ ዘሎ በቲ ኣረመኔ ስርዓት ህግደፍ ብጂምላ ዝእሰረሉን ዝቕተለሉን፡ ናብራ ከፊእዎ ብጥሜትን ጽምኢ ማይን ተጠቒዑ፡ ኣብ ጸልማት ተዋሒጡ ዝሳቐየሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና’ውን መንእሰያትና ንሓደጋ ተሳጢሖም፡ኣብ ዓለም ተገሩ ዘይፈልጥ፡ ብበደዊን ኣዕራብ እናተጨውዩ ናይ ውሽጢ ኣካላቶም ከም ጠለ-በጊዕ ብሂወቶም እናተሓርዱ ዝሽየጠሉ ግዜ ኢዩ። በቲ ካሊእ ወገን ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ዝተዳኸመሉ ግዜ ኢዩ። እቲ ኩነታት ህዝብና ኣብ ከምዚ ወዲቑ እንከሎ ኢዩ፡ ሓንትን እንኮን ተሰፋ ህዝብና ዝነበረት ባይቶ፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ብስሚዒቶም ተገዚኦም ኣብ ባይቶ ክወርድ ዘይግቦኦ ኣጀንዳ አወሪዶም፡ ነቲ ዝነበረ ተስፋ ህዝቢ ባይቶ ዘምከንዎ።

ሓርበኛ እድሪስ ዓዋተ ካብ መቓብር ተሲኡ ነዚ ኩነታት እንተ ዝዕዘቦ፡ ርግጸኛ ኢየ፡ “ኣነ ንህዝቢ ኤርትራ መሰልን ራህዋን ኢየ ተሰዊአ’ምበር ንኽብረይ ኣይኮነን” ምበለኩም። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንማዕርነትን መሰልን(እንተላይ ናይ ሪኢቶኻ ምሃብ መሰል) ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት፡ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ዘልዕል ኢዩ ነይሩ ይመስለኒ። እቲ ጉዳይ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግደ ሓረበኛ እደሪስ ዓዋተ ዘይምትኳር ወይ ድማ ሸለል ምባል ኣይኮነን። ወይ ድማ ናብ ቢሄረ-ኩናማ ምዕዛዝ ኣይኮነን። ህዝቢ ኩናማ እኳድኣ ብጅኦግራፊ ኣቀማምጣስ ናብ ሕብረተ-ሰብ መታሕት ይቐርብ። እንተ ኾነ ግን እቲ ጉዳይ መሰረታውን መትከላውን ናይ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ስለ ዝትንክፍ ኢዩ። ንሕና ከም ተቓወምቲ መጠን ስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰልና ነፊጉ ይገዝኣና ኣሎ፡እናበልና ንመሰልና እናተቓለስና ከንስና፡ ከመይ ጌርና ንሓደ ከማና ተቓላሳይ ኣካል ናይ ምጽሓፍ መሰል ክንክልክሎ(ክንቀጽዖ) ይግባእ። ወይ ድማ “ንሕና ዝኣመናሉ እምን” እንበሎ? ብርግጽ ዲምሓኤኩ ዘውጽኦ ጽሑፍ ግዜኡ ዝሓለወ ኣይኮነን። ኣብ ግዜን ኩነታትን ዝፈቕዶ ግን ነቲ ዝወረዶ በደላት ጭብጥታት ኣቕሪቡ ክወቅስን ክኸስስን ይኽእል ይመስለኒ።ኣቦና ሓረበኛ እድሪስ ዓዋተ ውን ነዚ መሰል’ዚ ኢዩ ተሰዊኡ።

ካብዚ ናይ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተረኽቦ እንታይ ክንመሃር ንኽእል?

ቀዳማይ፡ ከም ሪኢይቶይ፡ መብዛሕተአን ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ዓላማ፡ “ከመይ ጌርና ንስርዓት ህግደፍ ነውድቆ” ዝኣትዋ ኣብ ጓል መንገዲ ኣልጊሰን ኣብ ነንሕድሕደን ክነጫነጫ ኢየን ግዜአን ዘሕልፋ። ነዚ ምኽንያት ድማ ውድባት ኣብ ነንሕድሕደን ዘይመትእምማንን ዘይምቅዳውን ስለ ዘሎ ኢዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ካብ ጥቕሚ ህዝባኻ ጥቕሚ ውድብካ ወይ ከኣ ንስልጣንካ ምቅላስ ማለት ኢዩ። ኣብ መጨረሻ ከኣ እዚ መንፈስ’ዚ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ተኽእሎ ኣይፈጥርን። ሓቢርካን ተኣማሚንካን እንተዘይተቓሊስካ ከኣ ዓወት የለን።

ካልኣይ፡ ኩሉ ግዜ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ክንዲ ጌጋታተን ዝእርማ፡ ንድኽመታተን ምኽንያት ናብ ካልኣይ ኣካል (ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ) የጸግዓኦ። ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ መመላእታ ኢዩ’ምበር ወሳኒ ኣይኮነን። ናይ ቃልስና ዓወትን ድኽመትን ወሰንቲ ንሕና ኢና።

ሕጅውን ተስፋና ካብ መንእሰያትና

60 ዓመት ዝዕድመኡ ናይ ፖለቲካን ሕብረተ-ሰብኣውን ኣተሐሳስባኡ ናይ 60 ዓመት ንድሕሪት ዝጠመተ ኢዩ። ብርግጽ እዚ ኣካል’ዚ ተመኩሮ ክህልዎ ይኽእል። ግን ከኣ እቲ ተመኩሮኡ ብድሑር ዝምባሌታት ማለት ብሃይማኖታውን ወገናውን ዝተላዕጠጠ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ ተራ ካብ ኣወንታዊ ኣሉታዊ ግደ ይበዝሕ።

ቅድሚ ሕጂ “ኤርትራዊ መንእሰይ ይወደብ” ኣብ ዝብል ጽሑፈይ፡ መንእሰያትና ነጻ ዝኾነ ውድብ ፈጢሮም፡ “ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጥርነፉ” ተላቢየ ነይረ። ኰይኑ ግን ብዙሓት ካብ ኣንበብቲ ጽሑፈይ፡ ውድብ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ባይቶ ምእታው ተቓዊሞምዎ። ሕጂ ግን ካብዚ ድሒረ ዝተረዳእኹዎ ፖለቲካ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ስራሓት ናይ ኪዳን “መንእሰያትና ካብዘን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ነጻ ኰይኖም እንተዝቃለሱ ይሓይሽ ዝብል ዕግበት ኣለኒ።

እወ! ሐጅውን መንእሰያትና ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ካባኻትኩም ጥራይ ኢዩ። ሓደን ሓደን ከይበልኩም፡ ብናይ ገዛእ ርእስኹም ተበግሶ ተወዲብኩም ህዝብኹም ካብዚ ወዲቕዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ከተድሕንዎ ፈትኑ። ካልእ ምርጫ ዘሎ ኣይመስለንን።

ኣብ መጨረሻ፡ እዚ እዋን’ዚ እዋን ልደት ስለዝኾነ፡ ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ህዝብና ርሑስ ልደት ይግበረልኩም።ከምቲ ቀደም እንፈልጦ ምስቶም ኣመንቲ እስልምና ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ሓቢርኩም ብፍቕርን ሰላምን ከተብዕልዎ እምነ።

ህዝባና ክዕወት፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ይወደብ።

ኣድሓኖም ፍትዊ

28-12-2012

Comment: A.Fitiwi1993@kpnmail.nl

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. hki.php

    http://www.ehrea.org/hki.php

    Preserved local original · source record 147eb4fb2e939d253234d3cd

    SHA-256: 72b8ad8633c06299ef86baa3c6bbefd95ab6722c4e6e0f37e793f2c85b64ed20

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: 41ccba82f123a53401a73880d0db1d9b71f1ca8796439ffe8e594127ca225e05

Alternate titles: hki.php · ሓቂዶ ክንዛረብ?

  • 147eb4fb2e939d253234d3cd: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions