Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML · ትግርኛ

ድሕሪ ዕልዋ 1982

Editorial display title, based on preserved source evidence. Original titles are listed in Sources.

Title review remains pending.

Document-level source citation: [1]. Sources and local originals.

Further documents — classification pending

Research this document

Cite this document

The citation uses the editorial display title. Preserved source titles appear below. Author has not been established. Date has not been established. Numbered sources describe the whole document.

The permanent archive path is shown below. Add this local archive’s address when sharing outside this installation.

Text

Compare with original

Download the preserved file and open it beside this reader to compare wording and layout. Preserved HTML can contain obsolete layout, missing images or legacy glyphs. Original HTML downloads are isolated by the archive’s sandbox download policy.

  1. Download original source 1

Download reader plain text · Derived from preserved HTML; use the reader for images and table structure.

Report a problem

This offline form saves on this device only. Download the report JSON and give it to your local archive curator for import. Nothing is sent automatically. Avoid personal contact details.

No report has been sent. Drafts stay in this browser.

Document version and correction history

Current reader content signature: feb24521edb6bdbebd50e5db22ba0ddf4c9f5a4d347bd93ca100f5f70b1b8ec3. Source originals are preserved unchanged. Citation export format: ehrea-research-v1.

No imported correction reports are recorded for this document in this build. Drafts on a device are private and do not appear here.

A resolved report records curator review; its change reference identifies the separate guarded change. An imported report never edits historical text automatically.

ድሕሪ ዕልዋ 1982

ዓብደላ ወገናዊን ቀንጻሊን ናይ ጀብሃ ታሪኹ፣ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ቦታ ብዝፈጸሞ ኩዴታ እዩ ዛዚምዎ። ንመልኣከ ተኽለ ቀንጺሉ ንመብዛሕትኣ ኣባል መሪሕነት ድሕሪ ምእሳሩ ድማ፣ ባዕሉ ኣቦመንበር ኮይኑ። ብድሕሪ’ዚ ሰሚናራት ከምዝካየድ ገይሩ፣ ኣዋጃት ኣውጺኡ። “ጀብሃ ተረጋጊኣ፣ ኣብቲ ቅኑዕን መበቈላውን መስመራ ተመሊሳ ኣላ። ንሕና እቲ መሰረት እዩ ዘገድስና። ጸገም ናይ ጀብሃ ንሳቶም እዮም ነይሮም። ብቐደሙ እውን ቢቢሲ ዝጸውዓቶም (ዓወታት ምስ ተሰምዐ ዝመጹ) እዮም። ሕጂ እውን ድሓን ቢቢሲ ምስ ጸውዓቶም ዝመጹ ካልኦት ክህልው እዮም” ዝብል ጎስጓስ ድማ ከካይድ ጀሚሩ። እዚ ጭርቃን’ዚ ኣብ ጀብሃ 29 ልሙድ እዩ ዝነበረ። እቲ ሓድሽ ሓይሊ ነቶም ገዳይም “ዘይ ቡን ትሰትዩ እምበር እንታይ ትገብሩ ነይርኩም?” እዩ ዝብሎም ዝነበረ። ንሶም ድማ፣ ነቶም ድሓር ዝመጹ “ቢቢሲ ዝጸውዓቶም” እናበሉ ይጨርቅሎም። ዓብደላ ዝቕንጸል ቀንጺሉ ዝእሰር ኣሲሩ፣ መሪሕነቱ ንምርጋእ ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ፣ ብኣንጻሩ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዓብደላ እናበርትዐ እዩ ከይዱ። ኣብ ኮረኮንን ታህዳይን ዝነበሩ ተጋደልቲ ብምሉኦም ኣንጻር ዓብደላ ደው ኢሎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ዶክተር ሃብተ ኣብ ጉጅለ ዓብደላ ምክትል ኣቦመንበር እዩ ነይሩ። ነቶም ተጋደልቲ ንምትህድዳእ ድማ ምስ ስዩምን ካልኦትን ናብ ኮረኮን ተላኢኾም። ንሳቶም ነቲ ተጋዳላይ ብቐሊሉ ዘተሃዳድእዎ እዩ መሲልዎም ነይሩ። ኣብኡ ዝነበረ ስምዒት ግን ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ ጸኒሕዎም። እቶም ተጋደልቲ ምስቲ ዝነበሮም ሕርቃን ዘይቀተልዎም ዕድል እዮም ገይሮም። ካብቲ ተጋዳላይ ሃዲሞም፣ ኣብ መዓስከር ናይ ሱዳን ክሳብ ዝዕቈቡ እዮም ኮይኖም። “ነዚ ሒዝኩም ትመጹና። እዚ ኹሉ ሰብ ቀቢርኩም፣ ቅትለታት ተፈጺሙ፣ ብዙሕ ሰብ ተኣሲሩስ ያኢ፣ ንድሕነት ጀብሃ ክንብል ምስ ዓብደላ ክንቅጽል” ብምባል እቲ ተጋዳላይ ብዙሕ ኣንጸርጺሩ። ዓብደላ ብዓንተቦኡ ብተጋዳላይ ኣዝዩ ጽሉእ ሰብ እዩ። ዶክተር ሃብተ ተቓውሞ ናይቶም ተጋደልቲ ምስ ርኣየ ምሒር ሰንቢዱ። እቶም ተጋደልቲ ንዶክተር ሃብተ፣ ኣንጻር’ቲ ብዓብደላ ዝተኻየደ ኩዴታ ኣዋጅ ከውጽእ ኣገዲዶሞ። “ሕራይ ኢሉ” ኣንጻር ዓብደላ ኣዋጅ ኣውጺኡ፣ ፈሪሙ። ስለዝፈርሐ ግን፣ “በጃኻትኩም ኣነ ካርቱም ከይበጻሕኩ ከይተውጽኡዎ” ኢሉ ለሚንዎም። ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰራዊት ናቱ ኣኼባታት ቀጺሉ፣ ግዝያዊ ሽማግለ መሪጹ። ብኡ ንብኡ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ግዝያዊ ሽማግለ ናይ ሰራዊትን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ምፍጣጥ ተጀሚሩ። ንሳቶም “ንሕና ሕጋዊ መሪሕነት ኢና” ክብሉ ከለው፣ እቶም ሽማግለ ናይ ሰራዊት ድማ “ከም ሕጋውያን መራሕቲ ኣይንፈልጠኩምን ኢና” ኢሎሞም። የግዳስ ብውዲት ተረፍ መረፍ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፣ ኣብ መንጎ እታ ናይ ሰራዊት ሽማግለ እውን ምክፍፋል ኣጋጢሙ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዓ። ክሳብ ምትዃስ እውን ተበጺሑ። ሱዳናውያን መጺኦም ኣብ መንጎኦም ናይ ጸጥታ ዞባ ብምፍላይ፣ ነተን መዓስከራት ኣብ ክልተ መቒሎመን። እቲ ዝበዝሐ ድሓር ሳግም ዝተባህለ ኣንጻር’ቲ መሪሕነት ጠጠው ክብል ከሎ፣ ገለ ውሑዳት ድማ ምስቲ መሪሕነት ወጊኖም። ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ዝሓዞም ውሑዳት ተጋደልቲ ዝርከብዎ ሓደ ንጹል ሓይሊ ነይሩ እዩ። ተስፋምህረት ጀብሃ ንሱዳን ክትኣቱ ኸላ ምስ ውሑዳት ሰዓብቱ ኣብ ጋሽ እዩ ተሪፉ። በዓል ዓብደላ እድሪስ ነዚ ምስርኣዩ ክልተ ጋንታ ዝኸውን ሰራዊት ኣዋጺኦም፣ ንጋሽ ከእትው ፈቲኖም ነይሮም። “ቱምሳሕ ዝመርሖ ናይ ደባይ ኣሃዱታት ክንምስርት ኢና” እዮም ኢሎም። ቱምሳሕ ናብኡ ምስ ከደ ግን፣ በዓል ተስፋምህረት ቀቲሎሞ። ንጠንቂ ናይቲ ቕትለት ብዝምልከት ብልክዕ ዝፈልጦ እኳ እንተዘይብለይ፣ ከም ግምተይ ሕነ ናይ መልኣከ እዩ ዝመስል። (ኣብቲ ድሓር ዝቐጸለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ምስ በዓል ዓብደላ ርክብ ዘይብሉ፣ ኣብ ከባቢ ጋሽ ከምዞም ናይ ውግእ ጎይቶት (ዎርሎርድ) ኮይኑ በይኑ እዩ ተሪፉ። መርገጺኡ ዝያዳ ናብ ጉጅለ ትያር ዝዛዘወ እዩ ነይሩ። ድሓር ግን ምስ ትያር እውን ተባቲኹ፣ ምስ ሳበ ኮይኑ። ካብ ሳበ ተፈልዩ እውን መሊሱ ምስ ጃስር ኮይኑ። ነዊሕ ጸኒሑ ድማ ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሩ። ፈለማ ሻዕብያ ኣይነጸግዎን። ከምዝዝከር ኣብ 2ይ ጉባኤ ህ.ግ. ጉጅለ ጃስር ወኪል ሰዲዶም ነይሮም እዮም። ጸኒሑ ግን ተስፋምህረት መገዱ 30 ስለዘይቕንዐ ምስ ሻዕብያ ተገራጭዩ። ስጉምቲ ተወሲዱሉ። መዓስከሩ ተደምሲሱ። ኣብቲ መዓስከር ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ናይ እንዳ ትያር ኣባላት ተፈቲሖም። ተስፋምህረት ከኣ ኣብ ከባቢ ተከዘ ኮይኑ ክቃወም ኣብ ዝፈተነሉ ተቐቲሉ።) ኣብ 1983 ዓብደላ ነቶም ኣብ መዓስከሩ ኣሲሩዎም ዝነበረ መራሕቲን ካድረታትን ፈቲሕዎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ሳግም ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሮም ነይሮም። ኣባላት ቲያር ድማ ካብ ማእሰርቲ ዓብደላ ምስ ተፈትሑ ብቐጥታ ምስ ሳበ ተጸጊዖም። ቲያር፣ “ንሕና ገስገስቲ ሓይልታት ስለዝኾንና፣ የማናውያን በዓል ዓብደላ የጥቅዑና ስለዘለው፣ ገለ ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ዓረብ እውን ኣንጻርና ደው ስለዝበላ፣ ምስ ሳበ ተጸጊዕና ክንጸንሕ መሪጽና” ኢሎም እዮም ኣዊጆም። ድሕሪ ገለ እዋን፣ ሳበ ምስኡ ዝተርፉ ኣትሪፉ፣ ዝእሰር ምስ ኣሰረሎም ካብኡ ወጺኦም። በዚ ተስፋ ቈሪጾም ድማ፣ ክሳብ ኣብ እግሪ ጸላኢ ምስጋድ በጺሖም። ምስ ደርግ ኣብ ከሰላ ርክባት ጀሚሮም። መንግስቲ ሱዳን ከኣ ምናልባት ነዚ ዝፈለጠ ይመስል፣ ካብ ሳበ ድሕሪ ምፍላዮም ኣሲርዎም ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብታ ሃገር ጠሪዝዎም። ኣብዚ ናይ ዕግርግርን ሕንፍሽፍን መስርሕ’ዚ ብዙሓት ሓለፍቲን ካድረታትን ጀብሃ ተቐቲሎም እዮም። መልኣከ፣ ስዒድ ሳልሕ፣ ወልደዳዊት፣ ሓንገላ፣ ዓብደላ ጸጋይ፣ ወዲ ሓሰብን ካልኦትን። ዝበዝሕ ካብዚ ቅትለታት’ዚ ናይ ዓብደላ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ገሊኡ ድማ ብኻልኦት ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል።

Source ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ ራብዓይ ክፋል ተኽሎም ንርኣዮ

Title, language and source notes

Opening text requires a fluent reader to confirm title boundaries and language. Retain source spelling; do not infer an English title or use social-profile names as authors.

Fluent language review required for subject assignment; English taxonomy terms and referring links cannot establish the subject of this body.

Sources

These citations describe the document as a whole. Paragraph-level attribution has not been inferred.

  1. cou.php

    http://www.ehrea.org/cou.php

    Preserved local original · source record 0593ebe72424a63e8f9b54de

    SHA-256: df9653a5762f809deee16976f3dad1713c5cf06a414f81edf0216a3bdc222040

    All source URLs and preserved captures
Extraction and duplicate decision

Full-content signature: feb24521edb6bdbebd50e5db22ba0ddf4c9f5a4d347bd93ca100f5f70b1b8ec3

Alternate titles: cou.php · ድሕሪ ዕልዋ 1982

  • 0593ebe72424a63e8f9b54de: retained: distinct complete document. 0 proven template removals; 0 extraction flags retained in the ledger.
Inspect all decisions