Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ናዕቢ ኦርተዶክሳውያን ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ

Descriptive archival label; editorial title review pending.

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/orth.html

Read in the document library →

ome arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ናዕቢ ኦርተዶክሳውያን ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ

  1. Source column 1

    ናዕቢ ኦርተዶክሳውያን ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ

    Source column 2

    PDF

    Source column 3

    Print

    Source column 4

    E-mail

Tuesday, 30 June 2009

“ንሓጥያት እምበር ንሞት ኣይትፍርህዋ’’ ብዝብል ጭርሖ ተላዒሎም፡ ሃይማኖታውን ህዝባውን መሰላት ንምሕላው ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝርከቡ ኣመንቲ ዘልዓልዎ ተቓውሞ፡ ይቕጽል ምህላው ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምንጭታትና ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ደብረሲና ዝርከብ ቅርስታት ናይ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንምምንዛዕ ዝተላእኩ ወተሃደራት በቶም ኣብቲ ገዳም ዝርከቡ እቐሽሽቲ ተሪር ተቓውሞ ኣጋጢምዎም ፈሺሎም ክምለሱ እንከለው፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስትያን ሰኒታ ድማ፡ ብዕለት19 ሰነ ንስውኣት ኣብ ዝተኻየደ ጸሎተ ፍትሓት፣ ብጹእ ኣቡነ እንጦንዩስን ካልኦት ኣብ ቤትማሕቡስን ማሕዩርን ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤተክርስትያናት ክፍትሑ፡ መንግስቲ ካብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኢዱ ክስሕብ፡ ሲኖዶስ ወይ ጉባኤ ብቕልጡፍ ክካየድ ዝትሕዝቶኡ ሰበኻ ተኻይዱ ።

በቲ ዝተኻየደ መሳጢ ሰበኻ፡ ህዝቢ ኣዝዩ ከምዝተሓጎሰን ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ኣደራዕ ከምዝበርሃሉን ንመሰላቱ ዝያዳ ክጣበቕ ከምዘለዎን ክፈልጥ ኪኢሉ ከምዘሎን ከኣ እቶም ምንጭታት ይእምቱ።

ይኹንምበር ነቲ ኩነታት ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ኣባላት ስለያ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ኣድራጋ ኣእማን ብምድርባይ ነቲ ሰባኻ ከምዝቃ’ረጽ ገይሮሞ ይብሉ እቶም ምንጭታት። በቲ ዳርባ እምኒ ብዙሓት ኣቅሽሽትን ኣደታትን ሽማግለታትን ከምዝተጎድኡ ‘ውን የፍልጡ። ሓደ ካብቶም ዝተፈግኡ ሽማግለ ብዛዕባ ‘ቲ ዝወረዶም ጉድኣት፡ “እዚ መፍጋእቲ እዚ፡ ናዓይ ቅዱስ ሚካኤል ሽልማት እዩ! ንሓቅን ንሃይማኖትን ንኽቃለስ ድማ ዝያዳ የተባብዓኒ“ ክብሉ ከምዝተዛረቡ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

Last Updated ( Tuesday, 30 June 2009 )

Next >

Source Asena.

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.