Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ብዘሰንብድ ብዝሒ ይቕጽል ኣሎ

Descriptive archival label; editorial title review pending.

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/EPP_News_72T_Jan0309.htm

Read in the document library →

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ብዘሰንብድ ብዝሒ ይቕጽል ኣሎ

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

03.01.2009

ካብ ዕለት 11 ክሳብ 17 ታሕሳስ 2008 ማለት ኣብ ሓደ ሰሙን 377 ኤርትራውያ ናብመደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም። እዝርዝር ናይ’ዞም ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

1. ደቂ ኣንስትዮ

· ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚአን 9 ሕጻናት፤

· ካብ 5-18 ዝዕድሚአን 23 ሕጻናትን መንእሰያትን፤

· ልዕሊ 18 ዝዕድሚአን 25 ብጹሓት፤

ብድምሩ 57 ደቂ ኣንስትዮ

2. ደቂ ተባዕትዮ

· ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 24 ህጻናት፤

· ካብ 5-18 ዝዕድሚኦም 72 ሕጻናትን መንእሰያትን

· ልዕሊ 18 ዝዕድሚኣኦም ብጹሓት 224፤

ብድምሩ 320 ደቂ ተባዕትዮ።

ጠቕላላ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ድማ 377 ኢዩ።

ካብ ዕለት 18-26 ታሕሳስ 2008 ድማ፡ 465 ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ’ቲ መደበር ኣትዮም። ዝርዝራቶም ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

1. ደቂ ኣንስትዮ

· ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚአን 10 ሕጻናት፤

· ካብ 5 ክሳብ 18 ዝዕድሚአን 31 ሕጻናትን መንእሰያትን፤

· ልዕሊ 18 ዝዕድሚአን ብጹሓት 83፤

ብድምሩ 124 ደቂ ኣንስትዮ።

2. ደቂ ተባዕትዮ

· ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 23 ሕጻናት፤

· ካብ 5 ክሳብ 18 ዝዕድሚኦም 79 ሕጻናትን መንእሰያትን፤

· ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም 239 ብጹሓት

ብድምሩ 341 ደቂ ተባዕትዮ።

ጠቕላላ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን 465

ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ማለት ካብ ዕለት 11-26 ታሕሳስ 2008 ጥራሕ 842 ኤርትራውያን ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ።

Contact Us at: webmaster@nharnet.com

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.