Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

Asena - ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሓቢሮም።

Author
amanuel
Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/salleh.htm

Read in the document library →

ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሓቢሮም።

Wednesday, 17 June 2009

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምኽንያት መእሰሪኦምን ኣበየናይ ቤትማሕቡስ ተኣሲሮም ከምዘለዉን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ክልቲኦም ኣቦታት፡ እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ብ2001 ዓ.ም. ንኢሳይያስ ብጋህዲ ክነቕፉን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጽውዑን ምስ ጀመሩ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ናይ ምትዕራቕ ተበግሶ ስለዝወሰዱ ንሓያለ ዓመታት ከምዝተኣሰሩ ይዝከር። ኣብ ግዜ ቓልሲ ንህዝባዊ ግንባር ብምድጋፎም ዝያዳ ዝፍለጡ ውሩይ ነጋዳይ ሓሰን ኬክያ ብፍላይ፡ ኣብ 2005 ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም እንደገና ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ‘ውን ይፍለጥ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝያዳ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ከነስዕበልኩም ኢና።

Last Updated ( Friday, 19 June 2009 )

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.